መግለጺ ዋዕላ ኤርትራዊያን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኢትዮጵያ

ንሕና ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ እንመሃር ኤርትራዊያን ስደተኛታት። ብዛዕባ ህሉዉ ኩነታት ሃገርና ንምምይያጥ “ንቑሕ ዉዳበ – ህዝባዊ ሕቶ ይምልስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 13 ክሳብ 18 ነሓሰ 2012 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢእና፣ ኣብዚ ን6 መዓልታት ዝቐጸለን ዉዕዉዕ መንፈስ ኩሉ ተሳታፊ ዝተንጸባረቐሉን መኣዲ ዘተ። ንኩነታት ሃገርና ብኹለንትናኡ። ማለት ብፖለቲካዊ። ማሕበራዊ። ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ሸነኻቱ ብዕምቈት ገምጊምና፣

እዚ ዋዕላ’ዚ ከም ትጽቢት ኩሉ ተሳታፊ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ጥሙር ኣረኣእያታት ኣብ ምምዕባልን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሚዛናዊ መረዳእታ ኣብ ምሓዝን ኣወንታዊ ኣበርክቶ ዝነበሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ። ንህጹጽነት ጉዳይ ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ዘተ ዝተኻየደሉን ህሉዉ ዓቕምታት ተማሃሮ ብምፍታሽ ናብ ምዉህሃድ ዝቐንዐ ናጻ ሓሳባት ዝወሓዘሉን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ፣ በዚ መሰረት ተሳተፍቲ ዋዕላ ብጉጅለታት ተኸፋፊሎም ኣብ ዘካየድዎ ደሞክራስያዊ ዘተን ምርድዳእን ንኩነታት ሃገርና ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣርእስታት ከፋፊሎም ብምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ገምጊሞም።-

ሀ።- ኣብ ሃገርና ብህዝቢ ዝምራሕን ተመሊሱ ንህዝቢ ዘገልግልን ቁጠባዊ ፖሊሲ ክፍጠር ኣይከኣለን፣ መላእ ጸጋታት ሃገር ኣብ ኢድ ጉጅለ ህግደፍ ወዲቑ መጋበርያ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ብምዃኑ። ከይሰርሐ ዝረብሐ ጸቢብ ማሕበራዊ ደርቢ ከም ዝተፈጥረ ገምጊሙ፣ ኣፍራዪ ቀጸላ ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተጸሚዱ ብምህላዉ ቁጠባ ሃገርና ካብ ናይ መፍረ ቁጠባ ናብ ናይ ሃልኪ ቁጠባ ኣንቈልቊሉ፣ በዚ ድማ ከየፍረየ ዘህልኽ ሕብረተሰብ ሰሲኑ። ባህሊ ስራሕ ማሲኑ፣ ወተሃደራዊ ባጀት ሰማይ ዓሪጉ። ልምዓት ዘይሕሰብ ኰይኑ፣

ለ።- ብሕሱም ዉሽጣዊ መግዛእቲ። ምዝመዛን ባርነትን ዘሰክሖ ህዝብና። እግሩ ናብ ዝመርሖ እናተሰደ መመሰሊ ስደትን ከርተትን ይኸዉን ምህላዉ ትንታነ ብዝመልኦ ኣገባብ ተዘትዩሉ፣ ብተወሳኺ ጉጅለ ህግደፍ ንስደትን ማሕበራዊ ቅልዉላዉን ህዝብና ከም ምንጪ ኣታዊ ዝጥቀም ኣብ ታሪኽ ናይ ፈለማ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ተገምጊሙ፣

ሐ።- ጉጅለ ህግደፍ ንዶባዊ ሽግር ከም መመሳመሲ ብምጥቃም ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ፍትሒ ዘየፍቅድን ብዙሕነት ኣረኣእያታት ዘይጻወርን ፖለቲካዊ ስርዓት ብምህናጽ ልጓም ኩሉ ዓይነት ስልጣን ጨቢጡ ንሃገርና ናብ ኣንፈት ጥፍኣትን ምብትታንን ይጋልባ ከም ዘሎ ገምጊምና፣ ከም ዉጽኢቱ ኣንጻር ህዝቢ ሂትለራዊ ሴፉ ብምምዛዝ ጸዊኻ ዘይዉዳእ ቅትለትን መጭወይትን ይፍጽም ከም ዘሎ በሪሁ፣ ኣብ ርእሲኡ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ፖሊሲ ብምኽታል ናብ ክብሪ ህዝቢ ዘዋርድ ዉድቀት ይመርሓና ከም ዘሎ ብግልጺ ዘቲናሉ፣

መ።- ብገታርን ግን ከኣ ምስሉይ ፖሊሲ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ “ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ይኹን” ብዝብል ትምክሕታዊ ኣከይዳ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጺሉ ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝርከብን ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘይኣምን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብምኽታል’ዉን ርግኣት ዞባና ናይ ምሕማስ ተራ ይጻወት ከም ዘሎን ብዕምቈት ተዘትዩሉ፣

ኣብዚ ኩነታት ሃገርና ካብ ዝኸፋአ ናብ ዝገደደ እናዓረገ ዝኸደሉ ዘሎ ተኣፋፊ እዋን። ሃገርና ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ግዜ ብዝያዳ ኣብዚ እዋን ህጹጽ ረድኤት ዜጋታታ ትጠልብ ከም ዘላ ብምእማን ኣበርክቶና ከም ተማሃሮ እንታይ ክኸዉን ከም ዘለዎ ምስ ተመያየጥና’ዉን ኣብዚ ዝስዕብ መደምደምታ በጺሕና፣

  • ስርዓት ህግደፍ ተኣልዩ ብህዝዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽትከል ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ምክያድ
  • ተወሳኺ እገዳ ኣንጻር ህግደፍ ክጸዓን ምጽዓር
  • ተመኩሮ ካልኦት ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዉሁድ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ምክያድ
  • ፍልልያት እናጽበበ ንቕሓት ዘበርኽ ዱልዱል መርበብ ኤርትራዊያን ተማሃሮ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ምምስራት
  • ቁጠባዊ ምንጭታት ስርዓት ህግደፍ መሓንቘ ንኽግበረሉ ምሁራዊ ጐስጓስ ምክያድ
  • ብዉልቂ ዝግበር ምንቅስቓስ ተማሃሮ ዘምጽኦ ለዉጢ ከም ዘየለ ብምእማን። ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለዉጢን ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ተሓባቢርካ ምስራሕ
  • ኤርትራዊያን ተማሃሮ ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ምዃንና መጠን። ማሕበራዊ ሽግራት ስደተኛታት ዘፋኹስ ንጥፈታት ኣብ ምስልሳል እጃምና ምብርካት
  • ኩሉ ኤርትራዊ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ እዋን ዕረፍቲ በብሞያኡ ናጻ ክረምታዊ ኣገልግሎት ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ክህብ
  • ቃልሲ ኣንጻር ሓላኺ ኣተሓሳስባ ምክያድ
  • ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ንዘካይዳኦ ሓንጎል ዜጋታት ናይ ምሕጻብ ዘመተ ተወዳዲሩ ዘምክን ሓያል ዜናዊ መሓዉር ምምስራት
  • ኣብ መንጎ ዝተወሰነ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዝተፈላለዩ ምሁራት። ሰሚናራት። ኮርሳት ምክያድ ኣብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ተመሃሮ ዓቢ ግደ ስለዘለዎ ቀጻልነቱ ንጠልብ

 

ዋዕላ ኤርትራዊያን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኢትዮጵያ

18 ነሓሰ 2012

ኣዲስ ኣበባ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7569

Posted by on Aug 21 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net