ዝኽሪ መበል 51 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ሎሚ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተጅምረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህልው ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝኾነት መበል 51 ዓመት ነኽብር ኣሎና፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፍሉይነትን ተዘክሮን ዘሎዋ ዕለት ኮይና፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ዝሰግር መድረኽን ግዜን ዘይገትኦ ነባሪ ታረኽ ብምዃና፡ ጸገማትን ግርጭታትን ንምስጋርን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ነጻ ሃገርን ንምርግጋጽ መሰረት ዘንጽፍን ሃገራዊ ትልሚ ንምስራጽ ሞራላውን ንያታውን ድፍኢት ዝህብን’ዩ፡፡ ምኽነያቱ ንኩሉ መልክዓት ጭቆናን ምጽንባርን ምብርካኽን ወሳኒ ሃገራዊ መልሲ ዝሃብን ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ህዝባዊ ሰውራ ብምብጋሱን’ዩ። ስለዚ እዛ ዕለት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉዕዞና ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣትና ሕድሮም ተቐቢልና ንምፍጻም ሓቀኛ መምዘኒ ብምዃና ኣብ ህልው ታሪኽና ዘረጋገጽናዮ ዕላማታት መስከረም መሊእና ንምርግጋጽን ንዘሎ ብዶሆታት  ንምግጣምን ሃገራውን ታሪኻውን ግቡኣትናን ክንፍጽም  ይግባእ፡፡

ነዛ ታሪኻዊትን ክብርቲ ዝኾነት ዕለት ከነብዕል እንከሎና፡ ድሕሪ ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ቶተለታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ከቢድ ጭቆናን ምዝመዛን ዘእተዎን፡ ንባህላውን ማሕበራዊ ኣከናውንኡ ብምዕፋን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ መልክዑ ሒዙ
ይርከብ። ከምኡ’ውን ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሖ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ወጽዓታት ናብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ብምህላዉ
ፖሎቲካዊ ጭቆና፡ ቁጠባዊ ወጽዓታት፡ ጅምላዊ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለታትን ብምቅጻሉ ንዝተፈላለዩ ቀጸላታት ናብ ስደት ንክውሕዙ ዳሪጉ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ንሞት ክቃልዑን ይገብር ኣሎ። እዞም ኢ-ሰብኣዊ ስጉምትታት ዝኾኑ ዘለዉ ኣካላት ንስቓይን ምግሳስን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብገለ ኢድ ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝተሓወሶ ኣብ መሸጣ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝተዋፈሩ ነጋዶን፡ ገለ ኣካላት ረሻይዳን ካልኦትን ግዳይ ኮይኖም ኣብ ሕሰመ መክራን ወዲቆም ይርክቡ።

        

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉዕዞ መስከረምን ዘበገሶም ዕላማታትን ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ዝቖመ ጽላል ኮይኑ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ክብርን መስልን ሓርነትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንምምላስን  ህልውን መጻእን ዕዙዝ ተራኡ ንምረገጋጽ ምስ ኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምዃን፡ ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ዕላማታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተሓለለ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከካይድ ምዃኑ ደጊሙ መብጽዑኡ የረጋግጽ።ኤ.ዲ.ኪን ኩሎም ተቓለስቲ ሃገራውያን ሓይልታቱን ሓዲሽ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ህይወት ኣብ መንጎ ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ንምፍጣር ይዓዪ። ሓቀኛ ሃገራዊ ሓድነትን ሽርክነትን ኣብ ሕድሕድ ብሰላም ዝነብሩላን፣ ንሕሉፉን ህልውን ጸገማት ንምስጋርን ጸዕሪታቱ ክብ ክብል’ዩ። ኣብ መጻኢ ክገጥሙ ዝኽእሉ ጸገማትን ብዶሆታትን  ንምግጣምን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት
ኣብ ሃገራዊ ዕዩን ህንጸት ሃገርን ተራኦም ንምዕዛዝን ምንጣፍን ዓቕምታቶም ክብ ክብሉን ክምዕብሉን ብምዕያይ ይኽውን።

 

ተምክሮ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከካይድዎ ዝጸንሑ ተጋድሎ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን ፖለቲካሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ ሰባትን’ውን ናይ ዘተን ሽርክነትን ናይ ቃልሲ ምሕዝነትን ክዓቢ ናቱ ተራ ተጻዊቱ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ምርግጋጽ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ከም ኣገዳሲ ምሕዝነታዊ ነጥበ መቐይሮ ዝግለጹ ኮይኖም ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላት ኣብ ሕዳር 2011 ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክምስረት ተኻኢሉ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብኣጋጣሚ እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንተቃልስቲ መሰረታቱን ከኣ ታሪኻዊ ዕማሙ ንዝተሰከሙ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ንዝቖምሉ ክቡር ዕላማታትን መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልስን ኣብ መዕርፎኡ ንምብጻሕ ክረባረቡ ከም ዘለዎም መብጽዕኡ የሕድስ።

  

በዚ መሰረት ኤ.ዲ.ኪ ንመላእ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ዕማም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋትን፡ንዝካየድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዛዝ ግብራዊ፡ ሞራላውን ንያታውን ተሳትፎኦም ንምርገጋጽን ክቃለሱን ክረባረቡን ይጽውዕ። ዓለም-ለኻዊ ንጥፈታት መንእሰያት ኤርትራ ምትብባዕን ምሉእ ዓቕምታቱ ብምስማር ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን መተካእትኡ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝህነጽን ኩሉ ገድላዊ ዕዮታቱ ክብ ከብል ይጽውዕ። ማ/ሰብ ዓለም ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕሰምን
መከራን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጓንፎም ዘሎ ሓሳረ መከራን ብምግንዛብ ዘግብኦም ምክልኻል ንምርካብ ልሉይ ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ ይምሕጽን። ብፍላይ መንግስቲ ሱዳን ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ዘተፈላልዩ መደብራት እቲ ሃገር ዝርክቡ ካብ ግፍዕታት ማፍያታት ነጋዱ ሰብ ክድሕኑ ዝድለዮም ምክልኻል ክግብርሎም ይምሕጽን። ከም’ውን መንግስቲ ግብጺ ንኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ዝጋጥሞም ዘሎ ሓሳረ መካራን ሰቓይን ግቡእ ቖላሕታ ክህብ ይምሕጽን።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ !!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና !!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

 

 

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ባሕቲ መስከረም 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7639

Posted by on Sep 1 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net