ናይ ሓሶት ለቖታ !

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

18 ግንቦት 2010

ካልኣይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ’ዚ እንርከበሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ዓይኑ ተዓፊኑ፡ ልሳኑ ተለጕሙን ከይኣክሎ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ተኻታታሊ ሃንደብታዊ መጻኢ መድረኻት እንዳተሰጋገረ፡ ኣብ በበይኖም እዋን ብናታቶም ዝግለጹ ኣብ ሂወቱ በዳህቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይብሉ፡ ኵናት፡ ብዶባዊ ምስምስ ሰንፈላል ዝዀነ ናብራ ሓሊፉን ይሓልፍን ኣሎ። እቶም ሽግራት መልክዖም እንዳቐያየሩ ኣብ ዝተፈላልየ መድረኽ ክፈታትንዎ ይረኣዩ ኣለዉ። ከም ሳዕቤናቱ  ከኣ ንሓድነቱ ፡ ንቀጻልነቱን ዝፈታትኑ ዓበይቲ ፍጻመታት ምስ’ቲ ምቕይያር ግዜ እንዳተቀያየሩ ጸገማት ይቀላቐሉ ኣለዉ። እዚ ሎሚ ኣብ ህዝብና ሃገርና ወሪዱ ጸገማትን ዝረአ ሽግራትን መሰረታዊ ጠንቕታት ሰሪ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ህዝብና ካብ ምልካዊ ምሕደራ፡ ንእሽቶይ’ካ ትኹን ፍትሒ፡ ሰላም፡ ቅሳነት ረኺቡ ከም ዘይሓድር ብዘለዎ ንቕሓትን መረዳእታ ተምክሮን፡ ንኩሉ ጠለባቱ ከም ጡብ ኣደ ዝቐበጾ ጉዳይ ኮይኑ፡ ተስፋታቱን ትጽቢቱን ነቲ ሃገሩ ተነፊግዎ ንመሰልን ፍትሕን፡ ንሰላም ዲሞክራሲያን ኣብ ደገ ዝቃለስ ኣካሉ ዝዀነ ሃገራዊ ሓይልታት ኣንቢሩ፡ ነቲ ካብ ደቂቕ ናብ ደቂቕ ካብኡ ዘይፍለ መግረፍቲ፡ ስቓይ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ርእሱ ተቐቢልዎ ክሳብ ፍታሕ ዝረከብ ጸይርዎ ይጓዕዝ እንሆ።

ህዝብና ነቲ ተስፋ ዘነብረሉ መላእ ተቃውሞ ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት ተቃውሞ ኣብ ኪዳን ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ክሕቆንን ላዕሊ ታሕቲ ክብል ክርእዮን ክዕዞቦን ጸኒሑ ኣሎ። ኪዳን ንዘለዎ ፍልልያት ኣጻቢቡ፡ ዓቕሙን ክእለቱን ጸሚዱ ብሓንሳብ ኣብ መኽተ ክጸምድ ዘይምኽኣሉ ኣብ’ቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ክህልዎ ዝነበረ እጃም ዘገምታዊ ኮይኑ ኣሎ። ኪዳን ራእይ እንተሃልይዎ ነዚ ረኣይ ተባርዊ ክገብር ብሓይሊ ክቃለስ ከም ዘለዎ’ዩ ዝሕሰብ። ኪዳን ንዘለዎ ራእይ፡ ንዝሓንጸጾ ሓባራዊ ዕላማታት ንምዕዋቱ ስምምዕ ተሳኢንዎ ንኪዳን መን ይምርሓዮ ክብል ግዜኡ ኣሕሊፉ። ስለ’ዚ ነቲ ዘቐመጦ ራእይ ኣብ ሽቶ ከብጽሖ ኣይከኣለን። ኪዳን ንዝሓንጸጾም ዕላማታት ኣብ ሽቶ ክሳብ ዘየብጽሖም ራእይ ኣለዎ ክብሃል ኣይከኣልን።

ካብ ጭቡጥ ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ጉዳይ ሓድነት ክለዓል ኣሎ። እዚ ማለት ሓድነት ብተበግሶን ደገፍ ኪዳን ናብ ሓይልታት ዘቕነዐ ዘይኮነስ፡ ብሓይልታት ኣባላት ናብ ኪዳን ዘቕነዐ ራእይ ክውንነት ክረጋገጽን፡ ኣብ’ቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ፈተነታት ከኣ ኣብ ገገለ ክፈሽል ኣብ ገገለ ከኣ ክዕወት ዝመስከርና፡ ራእይ ኪዳን ዘይኮነስ ናይ ኣባላት ኪዳን ራእይ ንኪዳናዊ ሓድነት ዘንቐሎ ሕቶታት፡ እተን ኣብ ናይ ሓድነት ፈተነ መስርሕ ዝተጽመዳ ሓይልታት ንድሕነተን ህላውነት፡ ንጥፈታትን፡ ስርሓትን ሸፊነን ጎልቢበን ክኸዳ ጸኒሐን ክበሃል ዝከኣል’ዩ። ብሕጽር ዝበለ ዝተሰርሐ ስራሕ እንተነበረ ብሓደ ክልተ ውድባት’ምበር ብኪዳን ዝተሰርሐ ከም ዘይነበረ ንምግላጽ’ዩ።

ኪዳን ካብ’ቲ ካብ ብሃገራዊ ምሕዝነት ዝተሰመየሉ ዓመት 1999 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኣሰራርሕኡ ኣብ ዝምድናታቱ፡ ኣብ ቅርጹን ኣገባብ መስርሑን ዝቐየሮ ነገር ስለ ዘየለ፡ ብመንጽር ስርሓቱ ከኣ ከርእዮ ዝኽኣለ ለውጢ የልቦን። ኪዳን ንገገለ ሓይልታት ንህላውነቶም ዘረጋግጽሉ ምድረ ገነት፡ ንገገለ ሓይልታት ከኣ ትሕቲ ዓቕሞም ዝቃለስሉን፡ ንምእንቲ ሓድነት ክኸድዎ ዝጸንሑ መስርሕ ቃልሲ ኣብ ረጽምን እሽታን፡ ልዑል ተጸዋርነትን ሕድገትን ገይሮም ክኸዱ ገይርዎም’ዩ። እዚ ሓቒ’ዩ። ኣብ ኪዳን ሓይሊ ነጻ ናይ ምግባር ዝኸፍት ዕድል የልቦን። ኣብ ኪዳን እንተሎኻ በቲ ሓይልኻን ዓቕምካን ዘይኮነስ በቲ ዓቕሚ ኪዳን፡ ብኣተሓሳስባን ኪዳን ከም ትኸይድን ትቕየድን ናይ’ቲ ዝብነጻ ክንህር ዘለዎ ዓቕምታታን ሓይልን ዝድርት ኣገባብ ኣካይዳ፡ ከይብሉና እንዳተባህለ ክስራሕ ዝጸንሐ’ዩ። ዕንጨይቲ ወይ ፍሓም፡ እንተተቐሚጡ፡ ነዊሕ እዋን ከም ዕጨይቲ ፍሓም ይፍለጥ፡ ይኽዘንን፡ እንተነዲዱ ግን ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሓይሊ ነጻ ስለ ዝገብሮ፡ ሙቐት ይህብን ኣብ ካልእ መዓል ይውዕልን። ምእንቲ’ዚ ኣብ ኪዳን ዘሎ ሓይልታት ን10 ዓመት ተኸዚኑ ጸኒሑ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ናይ ሓደ ውድብ ተሞክሮን፡ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ እጃም ከየገደሶ፡ ኣብ 2003፡ በቲ ኣብ እዋኑ ብዝነብረ ዋና ጸሓፊ ዝተወስደ ስጉምቲ ምንጥልጣል ኣባላነት ሰውራዊ ባይቶ፡ ማዕረ ክንደይ ኣብ ኪዳን ዝነበረ መሰል ናይ ርእይቶን ሓሳብ ምቕራብ፡ መሰል ናይ  ምድጋፍን ምንጻግን፡ ናይ ዕርቒ ተበግሶ ዘይብሉ፡ ኣብ ሓደ ህሞት 12 ውድባት ነቲ ርእይቶ ብዕውር ክድግፋን፡ ቅኑዑን ሓቕነት ዘየነበሮ ምዃኑ ዘመስክር’ዩ።

ሎሚ ሓደ  ሃገራዊ ዋዕላ ክግበር ደጋፊ በሃላይ፡  ነዚ ክሲ ከዳምቕ ኣብ’ቲ ቦታ ከም ዝነበረ ክመስል ንቀላታ ኪዳን ከም ክሲ ኣቕሪቡ፡ ንስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ንኣኼባ ኪዳን ረጊጹ ከም ዝወጸ’ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተጎርባ ኣስፊርዎ ኣሎ፡ ነዚ ጉዳይ ግን ምስ’ቲ ኩሉ ምስክራቱ ብጻይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣቦ መንበር ሃገራዊ ድሕነት ብሂወቱ ስለ ዘሎ ነቲ ተርኽቦ ብትብዓት ባዕሉ እተንዝገልጽስ ክንደይ ጸጋን ናይ’ቲ ጉዳይ መድረኽ ንኩሉ ግዜ ምስ ተዓጸወ ነበረ እብል፡ ነቶም ዘይእሩም ክሲ ዘቕሩቡ ዘለዉ ከኣ ብርዖም ክእኩቡን፡ ነቲ ሓድነት መስርሕ ከኣ ተስፋን ብርሃን ምሃበ ነይሩ’ለ ጥራሕ ክሓልፎ እመርጽ፡ ምእንቲ’ዚ በዚ ጉዳይ ንዝምልከት እቲ ናብ ቀለታ ኪዳን ዝቐነዐ ክሲ ኣብ’ዚ እዋን ቅኑዕን ቦትኡ ከም ዘይኮነ ብተወሳኺ ከመልክት እፈቱ።

ዳግማይ ምንጥልጣል ውሽጢ ሓይልታት ኪዳን ተራእየ። ኣብ’ዚ ካልእይ መድረኽ ግን ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግንባር ድሕነት ንባዕሉ፡ ሰ.ህ.ኤ. ሰ.ዲ.ኤ በቲ ሓደ ሽነኽ ከኣ 7 ውድባት ዝርከብዎ ንሓድሕዱ ተንጠላጠለ።

ነዚ ኣብ ክልተ ደምበ ዝተኻፈለ ሓይልታት ኣብ ሓደ ደምበ ንምጽማዱ፡ ሓይሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከቕንዕ ብኩሉ ደላይ ሰላም ዝተገብረ ጻዕርን ጻዊዒት፡ ኪዳን ኣብ ሓድነታዊ ጉባኤ ተመሊሱ ከብቕዓ፡ ከም ሓድሽ ሓደ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ተራእዩ፡ እቲ ጉዳይ ሰ.ህ.ኤ ንዘቕረቦ ሕጹይ ኣይንቕበልን ዝብለ ርእይቶ ዝርከቦ’ዩ። ኣብ’ቲ ስዒቡ ብዘይካ’ቲ ሰልፊ ህዝቢ ዘቕረቦ ህጹይ ካልኦት ዝተሓወስዎ ሕጹያት’ውን ተቐባልነት ኣይረኽበን። ኣብ’ዚ ልሑሉሕ ሃዋሁ እቲ ኩሉ ጠመተ ኣብ ልዕሊ ሰ.ህ.ኤ ስለ ዝነበረ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝከኣሎ ዝበለ መዳያት ፍታሕ ብምንዳይ፡ ክሳብ ኣቦ መንበር ኪዳን ዝምረጸሉ ዝነበረ ኣኼባ ድምጹ ዓቒቡ፡ ጉባኤ ንዝመረጾ መራሒ ከም መራሒ ኩልና ክቅበሎ ሕድገት ክገብር ምዃኑ መብጽዓ ኣትዩ፡ በቲ ጉባኤ ዘስመሮ ምርጫ መራሕቲ ኪዳን ተቐቢሉ ናብ ቃልሱ ወፊሩ። ሕጂ’ውን ናይ’ተ ንጹሃት ተባሂለን ዝዝረበለን ሰልፍታት ወይ ውድባት ኣብ ኪዳን ሓንቲ ብጩቕታ ከይተሰምዐ ደኣ ሓለፈ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ እንተዀነ’ውን እተን ዓሰርተ ውድባት ገገለ ኣብ ድሕሪ ኣኼባ፡ ገገለ ኣብ ውልቐ ዕላላት’ምበር፡ ኣብ’ቲ ውሽጢ ጉባኤ ዘይቕኑዕ ኣገባብ ዝተፈጸመ ምንባሩ ዝመከቱ ነይሮም እንተተባህለ ብቁጽሪ ወይ ብዝሒ ተቐባልነት ዘየነበሮን ብቀሊሉ ኣየነበረን’ውን ክበሃል ይከኣል። እንተዀነ ሰልፊ ህዝቢ ዝሓለፈ ከይኣኽሎ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ናይ ኪዳን ዋዕላ ጉባኤን ኣኼባታትን ዝተኻየደ ጌጋጋት፡ ናይ ኪዳን ኣሉታዊ ዝምባለታት ባዕሉ ጸይሩ ወይ’ውን ነቲ ኣብ ምንጥላጣል ኰነ ምፍንጭላት ዝተኻየደ ጉዳያት በቲ ልዑል ናይ ሕድገት መትከላቱ ንሕሜታ ሓደጋታት ምፍንጫልን ካልእ ሳዕቤናቱ ወጊንዎ።

እቲ ነገር ጸይርካ ምኻድ ጥራሕ ኣኻሊ ብዘይምንባሩ፡ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶን ከም ሰልፊ ኮይኑ ክቅጽል ዘሕለፎ ውሳኔን እቶም ካልኦት ምስ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ተማሓዝየን ዝቐጸላን፡ ብከበሳን ክርትያንን ዝኽሰስሉ ኣጋጣሚታት በጽሐ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ናይ’ቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ሓቕን ሓሶት ምኻኑ ብኣንጻር ናይ’ቲ ዝለዓል ክሲ ክመርመርን ክጽንዓን ዝግባእ’ዩ፡ እቶም ነዚ ክሲ ዘልዕሉ ብግምጣሉ ክመርምሩ ዘይደሊዩ እንተዀይኖም ካልእ ነዚ ትንታና ብትብዓት ከቕርቡ ዝኽእሉ ምህላዎም ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ንጹር ንምግባሩ ዘኽእሎ ብዙሕ ጭብጥታት ዘቕርበሉ ክህሉ ይኽእል።

ነዚ ጽሑፍ ከቕርብ ዘልዓልክዎ ኣርእስቲ፡ ንሓቕነት መስርሕ ቃልሲ ግሉጽ ብምግባር ኣብ ህዝቢ ንምቕራብ ዝፈተኑ፡ኣቦ መንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ ወልደየሱስ ዓማር፡ ብፍላይ ወኪል ሰ.ህ.ኤ ኣብ ኪዳን ክሳብ ዝነበረ ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ከኣ ብሓፈሻ፡ ናይ ዜናን ባህሊ ሓላፊ ኣስመሮም መንግስተኣብ፡ መሓምድ ኣርትዓ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካን ምንቅቓሕን ኣቶ ቀላታ ኪዳነን ህዝብና ክጥምቶን ከስተውዕለሉን ዘለዎ ነጥቢ ኣልዒሎም ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቶም ንታሪኽ ሰነድ ኣስፊሮም ኣለዉ። ጽባሕ ንግሆ እዚ በዞም ብጾት ዝተላዕለ ጉዳይ ኩሉ መዳያዊ ሸነኻቱ ንህላውነት ህዝብን ሃገርን ካብ ማይን ንፋስን ንድሕነት ሂወት ተደላይነት ዘለዎ ትብዓት ዝመልኦ ርእይቶን ሓሳባትን ወፍዮም ምህላዎም ክዝንጋዕ ዘይብሉ’ዩ። ብውልቐይ ከኣ ነታ ዘቕረብክዎ ልቢ ወልድ ድረስት ነታ “ናይ ሓሶት ሎቖታ” ዝፈትሑን፡ ሓሳብ ዘቕረቡን ገቢረ ዝቖጽሮም ዓበይቲ ናይ ግዜና ቅርሕንቲ ኣብ ሕድገት ዝተመርዀሰ ፍታሕ ዘናድዩ ባእታታት ምዃኖ፡ እቆጽሮም።

እዚ ካብ’ዚ ስዒበ ኣነ ብውልቀይ ዘቕርቦ ሓሳብ’ውን ካብኡ ዘይፍለ ተምክሮን ሓሳብን ንህዝቢ ኤርትራ ኣማዕዲዩ ክርእዮን፡ ብጽሞና ክሓስበሉን ዘለዎ ጉዳይ ኣዝዩ ጠቓሚ ሓሳብ እዩ ዝብል ዕግበት ኮይኑ መቐጸልታት ሓሳብ’ዩ።

ኤ.ዲ.ኪ

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ካባይ ብጸጋ ዕድመ፡ ብተምክሮን፡ ኣፍልጦን ዝተዓደሎም ዝርከብዎም ሃገራውያን ዝምራሕ ምዃኑ እኣምን። እንተዀነ ኣብ’ዚ ቅድም ክብል ንድሕነት ህዝባን ሃገርና፡ ንህላውነትና ዝጽባእ ኩነታት ብተደጋጋሚ ኣብ ዘንጻላልወሉ መድረኽ፡ ነቲ ጸጋ ዕድመ፡ ነቲ ተመክሮ ኣፍልጦን ብቕዓትን ክጠቕመሉ ዘይደልዩ ምህላዎም ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ይረኣየኒ። ካብ’ዚ ነቒለ ውልቃዊ ርእይቶይ ከስፍርን ኣንጻር እቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ገገለ ርእይቶ ክስፍር እደሊ።

ሎሚ ንኪዳን ዝፈለልዩ መድረኻት ካብ ዝተጋህዱ ንመበል ሳልሳይ ግዜ እዩ። ሳልሳይ መድረኽ ኣብ ናይ ኣገባብ ቃልሲ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያዳ ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ ኣካይዳን ፍልልይ ተራእዩ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2010 ጀሚሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ፓል ቶክ ፈነወ ሬድዮታት ንህዝብና ዘሻቕል ኩነታት ክምሓላልፍ ጸኒሑ’ዩ።

ምስ’ቲ ኩሉ ግጉይ መስርሕ፡ እቲ ብመሪሕነት ኪዳን ጸቒጡ ከቓላሐሉ  ዝጸንሐ ናይ ምርጫ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብዝምልከት ተክኒካዊ ጉዳይ ኣምሲሉ ክሓልፎ ፈቲኑ። ክሳብ ሕጂ’ውን ነቲ ጉዳይ እዩ ዝደጋግም ዘሎ።

ኣነ ብመትከላዊ ኣረኣእያይ እቲ መስርሕ ምርጫ ኣሰናዳዊ ሽማግለ ግጉይ ምዃኑ’ኳ ዝፈልጥ እንተዀንኩ፡ ከም’ቲ መሪሕነት ኪዳን ባዕሉ ዝተኣመነሉ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ጌጋ ተቆጺሩ ኣብ’ቲ ካልእ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ዝካየድ ኣገባብ ብምዝማድ ንኡስ ጌጋ’ዩ እዩ እብል።

ልዕሊ’ቲ ኣብ ምምራጽ ኣሰናዳኢት ሽማገል ዝተፈጸመ ጌጋታት ኣሎ። ኤ.ዲ.ኪ ንሃገራዊ ዋዕላ ፈጺሙ ኣይተቐረበሉን፡ ዝተቐረበሉ ንድፍን ሰንድን እንተሃሊዎ ከኣ ሃየ ሎሚ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ኣብ’ቲ ግዜ ኣኼባ ዝኣተወሉ ወርሒ ታሕሳስ ሒዝዎ ዝቐረበ፡ ኩሉ ብኣውጅ ህዝቢ ዝፈልጦ ሰነድ ንድፊ ዋዕላ ከም ዘቕረበ ምስ ምስክርነቱ ምርግጋጽ’ዩ።

ሰንድ ንድፊ ሃገራዊ ዋዕላ ብሓሳብን ኣረእእያን ዘኒዱን ዘይሰነደን ጥራሕ ዘይኮነስ ጌጋታቱ ዘረድእ፡ ኣባላት ሓይልታት ኪዳን’ውን ኣብ’ቲ ንድፊ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተዘርበሉ ኣኼባ ዘይምስታፈን ብመሰረቱ ነቲ ሰነድ ዋዕላ ሙሉእ ክገብሮ ኣይኽእልን።

ካልእ ካብ’ቶም ኣብ ሓሳብና ክመጹ ዝኽእሉ ብዙሓት ሕቶታት ብውሑዶም ነዞም ዝስእቡ ክሰፍር እደሊ።

1.  ስምምዓት ኤ.ዲ.ኪ

2.  ፍልልያት ኣብ መንጎ ቻርተር፡ ሃገራዊ ዋዕላን

3.  ስምምዓት ኣብ ቕድሚ ሃገርዊ ዋዕላ

4.  ስምምዓት ድሕሪ ሃገርዊ ዋዕላ

5.  ምምስራት መሰጋገሪ መንስግቲ

ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ።

1 ስምምዓት ኤ.ዲ.ኪ

ስምምዓት ኤ.ዲ.ኪ እቲ ዝሓደሰ ተባሂሉ ድሕሪ ምምስራት ሃገራዊ ምሕዝነት ብዙሕ ለውጢ ዘይብሉ ኮይኑ እቲ ኣብ ብ11 ግንቦት 2008 ኣብ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝተብጽሐ ስምምዕ’ዩ፡ እቲ ስምምዓት ከኣ በቶም ኩሉም ሓይልታት ዝእመነሉ እቲ ዝተሓተ፡ በቲ ድሩት ናይ ሓባርዊ ስርሓት ዝካየድ ጽላል ናይ ተቃውሞ ሓይልታት’ዩ። እዚ ስምምዕ’ዚ ብብዙሓት’ኳ ዝተንቕፈ እንተዀነ ከም ናይ ሓድነታዊ ልፍንቲ ስምምዕ መስረት ተቐባልነቱ ክሰፍሕ ተገይሩ፡ ውሕስነት ናይ’ዚ ተቐባልነት ኪዳን፡ ካብ’ቲ ብ1999 ዝኸተሞ ወዕል ጋማን ወይ መካነክ ረውሕ ክብል ክነብር ዘይኮነስ ለውጢ ክመጽእ’ዩ ካብ ዝብል ተስፋታት’ዩ ዝነበረ። ኤ.ዲ.ኪ ግን ካብ’ዚ ስምምዓት ወጻኢ ኣይኸደን። ኪዳን ካብ’ቲ ቅድሚ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝነበረ ዝተመሓየሸ ዝምድናታት ክገብር ኣይተራእየን። ኣብ መንጎ ባላት ውድባት ኪዳን ዝተራእየ ሓድሽ ዝምድናታት ክሳብ ሓድነት ዝበጽሐ እንተነበረው’ን ምስ ኩሉ ምትሕንዃላት ብሰልፋዊ ወይ ውድባዊ ጻዕርታት’ዩ።

2 ፍልልያት ስምምዓት ኣብ መንጎ ቻርተርን ሃገራዊ ዋዕላን

ግዜ ብምንውሑ ነቲ ኣብ ቻርተር ሰፊሩ ዘሎ ስምምዓት ብኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ከም “ኣቡጊዳ” ብቃል ከም ዝወጾ ፍሉጥ’ዩ። እዚ ከኣ ለውጢ ዕብየት ዘየርኣየ ከም ዝዀነ ከምልክት ዝኽእል’ምበር ካልእ ኣይኮነን።

ኪዳን ን10 ዓመት ኣብ ውሽጡ ምምሕያሽ ከይገበረ ክኸይድ ጸኒሑ ሃንደበት ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክካየድ ወሲኑ። እቲ ሓደ ዓመት’ውን ጽዑቕ ስርሃት ዝተኻየደሉን ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ህዝቢ ዝተላለየሉ መድረኽ ኣጽዩ ጸቢብ ምንባሩ’ዩ።

ብርእይቶይ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ እቲ ብግቦት 2008 ዝተብጽሐ ስምምዓት ኤ.ዲ.ኪ ስለ ዝዓቢ፡ ነቲ ናይ 2008 ኣማዕቢልካ ናብ ሃገራዊ ዋዕላን ንድፊ ክስጉም ከም ዘለዎ እርኢ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ዝተደረተን ዝተሓተን ስምምዕ ዝጸንሐ ሓይልታት፡ ኣብኡ’ውን ብዙሕ ምቅዳድውን፡ ክፉት ዝዀነ ዝድምድናታት ዘይነብሮ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ዋላ’ውን ሃገራዊ ዋዕላ ቀጻልነት ኣለዎ ተባሂሉ እንተተኣመነሉ፡ መሰረት ስምምዕ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ’ቲ ኣብ ቻርተር ዘለዉ ስምምዓ ወይ ውዕል ክብደት ስለ ዘለዎ፡ ሓደ ዓቢ ዝላ ንቕድሚ ይኸይድ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ዝላ እዚ ብናይ መን ዋጋ’ዩ። ከመይ መጺኡ፡ ዝብሉ ሕቶታት ክንምልሰሉ ንኽእል ባይታን ግዜ ክህበና ኣለዎ፡ እቲ ባይታ ግን ሕጂ ስለ ዘየልቦ እቲ ኣብ ምክያድ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተራእየ ፍልልይ ሓሳብት ግሁድ ኮይኑ። ምእንቲ’ዚ እቲ ጉዳይ ኣብ ዕጹው ተበጺሑ ፍልልያት ተጋሂዱ። በዚ መሰረት ከኣ ቻርተር ንሃገራዊ ዋዕላ ክቅጽል ዘክእል መሰረት ዘይብሉ፡ ፍልልያቱ ዝየጻበበ፡ ፍልልያት ዘይነከየ ጉዳይ ከመይ ቢሉ ናብ’ቲ ዝለዓለ ዋኒን ክሳገር ይኽእል፡ ባዕሉ እቲ ቻርተርን ሃገራዊ ዋዕላ ዝዕድሞ ናይ ኣተሓሳባ ውረድ ደይብ ፖለቲካዊ መኽሰብን ረብሓን’ዩ። ኣብ ቻርተርን ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ዘይብሃል ፍልልያት ኣለዎ። ምእንቲ’ዚ ሃገራው ዋዕላ መታን ክካየድ ቻርተር ኤ.ዲ.ኪ ብዝወሓደ ፍርቂ መንገዲ ናይ’ቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ ክስጉም ኣለዎ። ሃገራዊ ዋዕላ ናይ’ቶም እኩብ ድምር ውህሉልታ ስምምዓት ብምዑር ልቦናን ዝመልኦ ንኩሉ ዘዋስእ ስምምዓት ክወጽእ’ምበር፡ ኩሉ ፍልልያትካ፡ ጸገማትካ ግርጭታት ሒዝካ ትኸደሉ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክግበር ዝነበሮ ግዜኡ ዝሓለፎ ስርሓት ኣብ ዋዕላ ክጽንበር ኣይክግባእን። ስል’ዚየ ድማ ኪዳን ንልዕሊ 10 ከይዓበየ ጸኒሑ ዝበልኩ።

3. ስምምዓት ኣብ ቕድሚ ሃገርዊ ዋዕላ

ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝገበሮ ገገለ መስርሕ ሕድገት ክግበረሉ’ኳ ዝኽእል እንተዀነ፡ ብቀዳምነት ኣብ ሙሉእ ሂወት መስርሕ ካብ ሃገራዊ ምሕዝነት ክሳብ እዚ ሕጂ ኪዳን ዘለዎ መድረኽ ሓደ ሸንኽ፡ ኣብ’ዚ ድሕሪ ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን ዝተኻያደ ክሳብ ሃገራዊ ዋዕላ ብካልኣይ ሸነኽ ዝምድናታትን ፍልልያት ምምዛን ምጽናዕን ምምርማርን ተደላይነቱ’ዩ።

ነቲ ብምኽንያት ስልጣን ዝለዓል ሕሜታ ንጎኒ ገዲፍና፡ ካብ’ቲ መሰረታዊ ዕላማታት፡ ኪዳን ብሓፋሻ፡ ኣባላት ኪዳን ብፍላይ ክኸደኦን ሒዘንኦ ዘለዎ ዕላማታት ምፍታሽን፡ ተደላይነት ከም ዘልዎ ይርኣየኒ። እቲ ተፍቲሽን መርመራን መጽናዕቲን ከኣ ኩሉ መዳያዊ ኣካይዳ ሰልፍታትን ውደባት ዘጠቃቕልል ክኸውን ይግባእ።

እቲ መጽናዕቲ ዝሕብሮ ካ ዘለዎ፡ ህሉው ዝምድናታት፡ ኣብ’ቲ ንሓድነት ህዝብናን መሬትና ዘትከለ፡ ንማዕርነት ሕብረ ብሄትራዊ፡ ንእምነታት ዘትዅረ መጽናዕቲ ሰጊሩ፡ ዝምድናታት ሰልፍታት’ውን ዝፍትሽ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ’ቲ ዝተረኽበ መጽናዕቲ፡ ውድባት ኣብ መስርሕ ፍተሻን ሓበሬታን ኣብ ዝተሓባባረኦ ክፉት መግለጺ ዕላማታተን ክህሉ ዝኽእል ቅንዕና ኽረአ ዝኽእል ይኸውን።

እቲ ግሉጽነት ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ወይ ሰልፊ ናይ ዝቐረቦ ሕቶ ዝህቦ ምላሽን ኮይኑ፡ በዚ ሎሚ ዘሎና ተረድኦ፡

ሀ/ ናይ ሃይማኖት ሰልፍታት ምህላወን’ዩ

ለ/ ናይ ሕብረ ብሄራት ውድባት ምህላወን’ዩ

እዚ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ብሓደ ትሑትን ድሩትን ስምምዓት ዝኸይድ ዘሎ፡ ክሳብ ብደረጃ ሃገራዊ ዋዕላ ዝኸይድ ስምምዕ ኣብ’ቲ ብሃገራዊ ጽላል ዝስመ፡ ካብ ትሽዓት ሕብረ ብሄራዊ ጉጀልታት ዝርከብዋ ሃገር ናይ ገገለ ሕብረ ብሄራዊ ሕቶ ዘልዓለ ውድባት፡ ካብ ክልተ ሃይማኖታት ዝርከብዋ ሃገር ናይ ሓደ ወገን ሃይማኖት ሕቶ ዘልዓለ፡ ጽባሕ ንግሆ እዚ ሕቶ ኣበይ እዩ ክውገን። እዚ ብሃገራዊ ደርጃ ዝፍለጥ ጽላል ንሓድነት ህዝብን መሬት ዘይውሕስ እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ህዝቢ ብሰላምን ማዕረ ጠለባት ከንብር ዘየውሕስ እንተዀይኑ፡ ምስ’ዚ ኩሉ ፍልልያቱን ዘይምትእምማንን፡ ቅድሚ ዋዕላ ምእታው ክግበር ዝግብኦ ስምምዕ ስለምንታይ ጎስይዎ ይኸድ ምህላው ካብ’ቲ መሰረታዊ መትከላዊ ሕቶታት ብምዃኑ መረደእታ ክቀረበሉ ኣይኸኣለን።

እዚ ሕቶ ኣብ ጉዳይ ሃማኖታዊ፡ ብፍላይ ከኣ ሕብረ ብሄራውን ጉጅለታት ክሳብ ምንጻል ዝብል መርሓ ዕላማ ዝኽተሉ ውድባት ጠንቒ መንቐሊኡ ኣብ ልዕሊኦ ዝተፈጸም ግፍዕን መከራን ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ግፍዕን መከራን ካብ ቅድም ኣትሒዙ ታሪኽ ንዝመርመረ ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተ ሰብና ከም ዝወረደ’ውን ዘረድእ መርትዖ እንተሃለወ፡ ሎሚ ኣብ ንርከበሉ መድረኽ ዳግማይ ነዚ ሕቶታት ደሚቑ ክረአን ክስማዕን ዝገበሮ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነዚ ሕቶ ክለዓል ዝደረኸ ካብ ኮነ፡ ብሓብራዊ መጽናዕትን ምርመራን ተፍትሽን ብዛዓብ እንታይነት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ዘይተገልጸ፡ ክሳብ ሕጂ ብተላዕለ በይናዊ ሕቶ ሓደ ብሃይማኖት ይኹን ብሄር፡ ኣብ ጌጋ ውሳኔን ብኡ መሰረት ግጉይ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ከብጽሕ ይድርኽ። እቲ ኣብ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ ክህሉ ዝኽእል ገምጋምን ሚዛንን በትናጽል እንተኾይኑ እቲ ዝለዓል ሕቶ ከም ሓደ ኣንጻር ሃይማኖት ናይ መራሒ ህ.ግ.ዲ.ፍ ወይ ከም ኣንጻር ብሄራዊ ብጽሒት መራሒ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክትርጎም እንተደኣ ኮይኑ እቲ ንተቃውሞ ዘበገሰ መደምደምታ ጉጉይ’ዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ።

ብርእይቶይ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክርስቲናዊ ብዝብል ምኽንያት ናይ ምስልምና ሕቶ እንተተላዒሉ ካብ ክልተ ምኽንያት ጉጉይ ዘብል ረቋሒታት ኣሎ። ቀዳማይ እቲ ስርዓት ካብ ኣመንቲ ክስርትና ጥራሕ ዘይምኻኑ፡ ብኻልኣይ ብዝዀነ ዓይነት መለኽዒ ናይ ክርስትና ኣንፈት ዘይብሉ ኣሬሜናዊ ምልካዊ ስርዓት ኮይኑ ነቲ ብሽም ክርስትና ዝብጽሖ ህዝቢ ዘይውክል ብምዃኑ፡ ካልኣይ ብደረጃ ከብሳውነት እንተዀነ ንህዝቢ ከበሳ ዘይውክልን፡ ከም ኩሉ ብሄራት ዝግፋዕን ዝቕጥቕጥን’ዩ። ኣብ’ዚ መዳይ ኪዳን ዝዀን ይኹን ብትንተና፡ ብመጽናዕትን ምርመራን ክበጽሖ ዝኽእል’ዩ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ናይ’ዚ ተምሳል ሕቶ ኣልዒሉ ዘሎ ወገናት ከኣ ጉዳዮም ከነጽር ዘይምኽእሉን’ዩ። እቲ ሕቶ ነቲ ሰልፊ ወይ ውድብ ብመን ቆይሙ ኣይኮነን፡ ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ውድባት ካብ ሓደ ሃይማኖት ወይ ብሄር ኮይኖም ኣይኮነን እቲ ቀዳምነት ሕቶ ክለዓል ዘለዎ፡ እቲ ዕላማታታትን መደባት እንተዘይኮይኑ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ናይ ከም’ዚ ዝመኣሰሉ ሕቶታት ዓቢጥካ ዓባቢጥካ ዝኸደሉን ብዋዕላ ኣቢልካ ናብ ካልእ መሰጋገሪ መድረኽ ክትበጽሕ ዘሎ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ኣብ’ዚ ዝቕጽል ምዕራፍ 4ን 5ን ከስፍሮ ክፍትን’የ።

4 ስምምዓት ድሕሪ ሃገርዊ ዋዕላ

እዚ መግልጺ ራብዓይ ሓደ እቲ ቀጻልነት መስመር ኪዳን ዝጻባእ፡ ሓደጋ ኣብ ጽልላ ተቃውሞ ሓይልታት ከህግዶ ዝኽእል ፍልልይ ዝገልጽ’ዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ካክየድ ምዃኑ ንዕዘብ ኣሎና፡ ምእንቲ’ዚ ኪዳን ድሕሪ ሃገራዊ ዋዕላ ክህልዎ ዝኽእል ግደን ተራን እንታይ’ዩ ክኸውን ? ኣብ’ቲ ዝዓበየ ስትራተጂካዊ ጉዳይ ዝተሰማማዔ ሓይልታት ነቲ ዝተገደበን ዝተሓተ ነጥበ ስምምዕ ብኸመይ ክኣልዮን’ ክናብዮን እዩ ? ብሓቂ ድዩ ኪዳን ነቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝበጽሖ ስምምዕ ኣቐሚጡ ብደረጃ ኪዳን ክሰርሕ ክፍትን ? ከም ርእይቶይ፡ ኪዳን በቲ ዝወሓደ ነጥበ ስምምዕ’ኳ ተዋሃሂዱ ዘይሰርሐ፡ ኣብ ክልተ ናይ ዝተፈላልዩ መድረኻትን፡ ብደረጃ ስምምዕ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ሃገራዊ ስምምዕ ኣትዩ ከም ዘይሰርርን ውጽኢ ከምጽእ ከም ዘይክእል ጥራሕ ካብ ተመክሮ ክግምግም እኽእል። ኣብ’ዚ ሸነኽ’ዚ ክረአ ዝኽእል፡ ኣብ ሓደ መስመር ስምምዕን እንዳሃለወ ዘይተሰማምዔ ኣብ ክልተ መስመር ቃልሲ ዘሎ ጽላል ፈጺሙ ክሰማምዕ ከም ዘይክእል’ውን ይርኢ። ብሰሪ ዘይሕጋውን፡ ኣገባቡ ዝሰሓተ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ከከም መግለጺኡ ኽሰሓብን ክምጠጥን ዝኽእል ሳዕቤናቱ ብዙሕ’ዩ።

5 ምምስራት መሰጋገሪ መንስግቲ

ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝጋባኣሉ እዋን፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቕሱ፡ ኣሉታዊ ሸነኻት፡ ከይወገነን፡ ኣብ ሓደ ብርኽ ዝበለ ናይ ስምምዕ ባይታ ዘይምብጽሑን፡ መስራቲ ዓንቐጽ መሰጋገሪ መንግስቲ ጥዕና ዘይብሉ ካብ ዝገብሮ ሓደ’ዩ።

ሀ/ እቶም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘይተሳተፉን ኣባላት ስምምዕ ሃገራዊ ዋዕላ ዘይኮኑ ሓይልታት፡ ኣብ መሰጋግሪ መንግስቲ ብኽመይ ክሳተፉ’ዮም።

ለ/ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘየተሳተፉ፡ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቆመሉ ብስምምዕ ዋዕላ ሓምለ ድዮም ክቕየዱ፡

ሐ/ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳብ ኣብ መሰጋግሪ መንስግቲ ክኸይድ ውሳኔታት እንተሓሊፉ፡ ኣብ ነጥቢ 3 ተጠቒሱ ዘሎ ኪዳን ክዛተየሎም ክምርምሮም ኣለዎ ዝበልክዎ ነጥቢ’ዩ ዝመጽእ። እሞ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ክርስትያን ውድብ ይኹን ሰልፊ መስሪቶም፡ ክሳብ ሕጂ ክሳብ ምንጻርል ናይ ኣውራጃ ሕቶ ዝየቕረቡ ወገናት፡ ንሕና ክርስቲያን ስለ ዝዀና ናይ ክርስትያን ሰልፊ ክፍቀደልና ኣለዎ እንተበሉ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሓቝፎም ድዩ ክነጽጎም ብዘየገድስ፡ እዚ ኩሉ ብሓባርዊ መርመራን መጽናዕትን ክብጻሕ ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ዝብል ዕግበት’ዩ ዘሎኒ። በዚ ኣካይዳና፡ ንሕና ክንኣቱ ሳሕል ዝወፍር ተቃዋሚ ዝፈትር እንተዀይኑ ጻማን ኣበይ ኣሎ ? ዶስ እቲ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ስልጣን ሕዝካ ምቅጻል’ዩ። ሓደ ህዝቢ ዝመርሖ’ምበር ዝዝውሮ ምምሕዳር ውዒሉ ከም ዘይተሓድሮ ይፈልጥ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ኩሉ ስርሓትና ናብ ሕግን ስርዓትን ፍትሕን፡ ዘተን ልዝብን ክምለስ ኣለዎ።

ሃገራዊ ዋዕላ ቅድሚ ምእታዉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ክምዕብል ዝኽእል ተርእዮ፡ ፈውስን መፍትሕን እንተዘይረኺቡ ድማ ሃገርና ሓደ ቃራና መንገዲ ናይ ጥፋኣት ከም ዘላ ጥራሕ’ዩ ክሕብር ዝኽእል።

መደምደምታ

“ናይ ሓሶት ለቖታ” ሃገር ንሓባርዊ ታሪኽና ኣካይዳና፡ ተምክሮና ብሃይማኖትን ዓሌትን ኣሳቢቦም ንምብታን ሰንድ ሃገር፡ ሰነድ ህዝቢ ኣብ ለቆታ ሓቢኦም ኽከዱ ንዝፍትኑ ሎሚ ተጋሊጾም እዮም።

ተምክሮ መሪሕነት ኪዳን፡ በቲ ሓደ ኣብ ሰንፈላል፡ በቲ ሓደ ከኣ ኣብ ምዕራይን ምስርራዕን፡ ቀጥዕን፡ ኣብ ሕጊ ምርኩስ ብምግባር ክሰርሑ ጸኒሖም ግን ከኣ ዘይተዓወትሉ መድረኽ ሓሊፉ። ኣብ መበገሲ ሓሳብን ራእይን ዘይጠርነፈ፡ ኣብ ልዑል ሓላፍንታዊ ደረጃ ውዕልን ስምምዕ ክብጻሕ ክርከበሉ ዝኽእል ፍረ፡ በቲ ዝሓለፈ ተመክሮን መለለይኡን ኣብ’ቲ ስርሓት ክምዘን ይኽእል። ኣብ ዓለምና ኩሉ መዕቐኒ ኣለዎ። ተመሃራይ መርመራ እንተዘይሓሊፉ፡ ኣብ’ታ ክፍሊ ይደግም፡ ኣበስንቲ እንተዘይመሊኣ ሽጉጥን ፈረቓን ትኸውን እሞ ኪዳን ብዘይስርሖን ዘይበቕዖን ብኸመይ ልዕሊ ናይ ኣፈታትሓ ሽግራት ዓቕሙ ድል ክወሃቦ። ኣይወሃቦን፡ ክወሃቦ ከኣ ይስራሕ፡ ብግዝኣተ ሕጊ ይኺድ’ዩ ዝበሃል ዘሎ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ስሩ ተማሕዩ ከልግስ ከኣ፡ ስርሓት ክስርሑ፡ ክስርሑ ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕግን ስርዓት፡ ግቡኣት ናይ ዝተፈጸሙ ስርሓት፡ መደባት ብመርመራን መጽናዕትን’ዩ።

ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ንባዕሉ እቲ ሕቶ ሃይማኖት ዘልዓለ፡ ሕቶ ብሄር ዘልዓሉ ወገናት፡ ንብቐረባ ዝምልከቶም ባእታት ይኹን ህዝቢ እንዳኻሓዱን እንዳኣጸለሙን’ዮም።

ከም ኣብነት ሃገራዊ ዋዕላ ብሕግን ስርዓት ክኸይድ ኣለዎ ዝበሉ ኣመንቲ ምስልምና፡ ከም ክርቲያን ተቆጺሩም እምነቶም ዝተኻሕደሉ እዋን’ዩ። ንሃገራዊ ዋዕላ ብሕግን ስርዓት ብዘትን ስምምዕን ስለምንታይ ዘይፍጸም ዝበሉ፡ ኩሎም ተጠቕሊሎም ኣብ መስርዕ ከበሳ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ኪዳን እዚ ዓይነት ስምዒት የልቦን ዝብል እንተሃለወ ከኣ ንኪዳን ዘይፈልጥ ጥራሕ’ዩ። ፍትሒ ኪዳን ከኣ ኣብ መንጎ ህዝብና እዚ ይመስል፡ ሃገራዊ ዋዕላ ነዚ ግጉይ ኣተሓስሳባ ሒዙ እዩ ክሳብ መሰጋገሪ መንግስቲ ስምምዕ ክገብር ዝዳሎ ዘሎ።

ጉዳይ ሃማኖት፡ ዋላ ኩልና ክርስቲያን ኣይንበል ዋላ ኩሉና ኤርትራውያን ብእምነት ሃማኖት እንተተመራሕና፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘመስከሮ፡ ናይ ሓደ እምነት ቋንቋን ህዝቢ ዝዀኑ ሶማላይውያን ዘጋጠሞም ሓደጋ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ብካልእ ሸነኽ ኣብ ኢርላንድ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝኸደ ግርጭት ሓደ ክርስቲይናዊ ህዝቢ’ውን ተመሳሳሊ ጸገማት ክጥቀስ ይከኣል።

ነዚ ጉዳይ ክፈትሖ ዝኽእል ኣስማት ሃይማኖት ወይ ዓሌት ዘይኾነስ፡ ኣብ ሓባራዊ ጥቕሚ፡ ኣብ ማዕረነት፡ ኣብ ልዕላውነት ሕጊ ዝተመስረተ ብስምምዕ ዝትከል ሓይሊ ሓባርዊ ጥቕሚ ዝሕሉ’ምበር ካልእ ከም ዘይኮነስ ተመክሮ ዘመስከሮ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ እዛ ጽሕፍቲ ነቲ ኩርዓትን ሓበንን ህዝቦም ከይሸራርፍ፡ ክይህሰ፡ ብትብዓት እዚን እቲን እዩ ዘየሰማማዓና ዘሎ ብማለት ተምክሮታቶም ንህዝቢ ንዝገለጹ፡ ብዝለዓለ ከኣ ሙሉእ ግዜኦም ኣወፍዮም ዝቃለሱ ዘለዉ ብትብዓት ክቅጽልዎ ከተባብዖምን ምስ’ቲ ኩሉ ድሩት ተመክሮይ ኣካል ናይ’ቲ ፍትሓዊ ኣተሓሳስብኦም ክኽትኸውን እፈቱ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=771

Posted by on May 19 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ናይ ሓሶት ለቖታ !”

  1. well done!! antonia tesfamariam, a very cintific points,you come very clear to the point, I apreciate it, it is along time we hav,t seen each other but I am proude about you, and whhat you write, just keep, writing

    your old colleegue(abdu khalifa)

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net