“ጣፍ ዝሃንኰተ እህህ በለ”

“ጣፍ ዝሃንኰተ እህህ በለ”

(ቃል ዶር/ ሃብተ ተስፋማሪያም)

ታህዳይ ለካቲት 1982

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

20 ግንቦት 2010

ድሕሪ’ቲ መሪር ተርኽቦ ሓድሕድ ኵናት 28 ነሓሰ 1980፡ ኣብ ውጥጢ ዕረፍቲ ዘይብሉ ኵናት ክልተ ኣሕዋት ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ሓይሊ ተ.ሓ.ኤ ተደፊኡ፡ ናብ ዶብ ሱዳን ኣተወ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ይኹን ሎሚ ንክልተ ኣሕዋት ዘይሳኒ ጉዳይ፡ በረኸት ጓና ጸላእ ከም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ዕላማ ነጻነት ኣብ ወሳኒ ግዜ በቲ ሓድሕድ ኵናት እሞ ምድኻም ሓደ ወገን ምስ ተራእየ፡ ህዝብና ኣብ ዓሙቕ ሓዘን ተዋሒጡ ኣሕሊፍዎ፡ ሰራዊት ሓርነት፡ ህዝባዊ መሊሻን ማሕበራቱን ከኣ ንእዋን ንሜዳ ክምለስ ተ.ሓ.ኤ ታሪኻዊ ቦታኣ ክትምለስ ዘይሕለል ጻዕሪ ተኻይዱ። ሰራዊት ሓርነት ኣብ ኣፍደገ ስደት እንዳሃለወ፡ ተመሊሱ ነቲ ዝተረከቦ ሕድሪ ክፍጽም ደኣ’ምበር ብኡ ኣቢሉ ንስደት ክቅጽል ዕላማ ስለ ዘይነበሮ፡ ጉዳዩ ክፈትሕ ተጋደለ። እንተዀነ ንሜዳ ንምምላስ ብዙሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ስለ ዝነበሮ ብኸመይ ሰራዊት ሓርነት ታሪኻዊ ቦትኡ ይሕዝ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ፍልልያት ተራእዩ።

ኣብ’ዚ ፍልልያት ዝተራእየሉ እዋን ኣተሓሳስባ መሪሕነትን ሰራዊትን ንምምዕርራይ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ፡ ወታሃደራዊ ስታፍ ተ.ሓ.ኤ ናይ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ኮሮኮንን ተህዳይን ንመራሕቲ ሓይልታት፡ ቦጦሎኒ፡ ብርጌዳት ሰፊሕ ኮንፈረን ኣካይዶም። እቲ ኣኼባ ሓደ ሰፊሕ ድሕረ ባይታ ኣውንታውን ኣሉታውን ተምክሮታት ተ.ሓ.ኤ ካብ ዝተዛተየ ሰፊሕ ኣካላት ሰራዊት ሓርነት ዝተኻፈሎ ኣብ ታሪኽ ንመጀምሪያ ከይኰነ ኣይተርፍን’ዩ እብል። ከምኡ ብተመሳሳሊ ካልኣይ ግዜ ብስውእ ጅግና ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለው’ን ተኻይዱ ነበረ።

እቲ ኮንፈረንስ ዘልዓሎ ሕቶታት ከቢድ ስለ ዝነበረ፡ ቀዳማይ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት ብምንባሩ፡ ካልኣይ ኣብ መሬት ሱዳን ኮይንካ፡ ከም ድላይካ ትውስኖን ትፍጽሞን ብዘይምንባሩ( ተጽዕኖ ሱዳናውያን ስለ ዝነበሮ) ኩነታት ካብ’ቲ ብሓደ መዓልቲ ዝተዳለወ ንላዕሊ ስለ ዘድለዮ፡ መላእ ሰራዊት ኣብ ዘዘለዎ ኣኼባታት ከካይድ፡ ንኽለት ሰሙን ዝኣክል ንተምክሮታቱ ኣጀንዳ ብኣጀንዳ ክካታዓሉ ዕድል ተዋህቦ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፡ ኣብ’ቲ እዋን ካብ ዝነበሩ መራሕቲ ሓደ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማሪያም፡ ነቲ ብሰራዊት ዝሕተት ዝነበረ፡ ክዝረበሉ ዝወዓለ ጉዳይ ጥርናፈ ሰራዊት፡ ንሜዳ ንምምላስ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣተሃላልዋ ዝምልከት ከም’ዚ ዝስዕብ ክብል ይምልስ……

“ጣፍ ዝሃንኰተ እህህ በለ” መሰለ’ሞ ቀጺሉ ነታ ምስለ መልዓሊ ዝዀነት ኣገዳሲት ዛንታ ዘኪሩ፡ ከም’ዚ ከኣ በለ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ካብ’ቶም ብዙሓት ገባሮ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳሮም ይነብሩ፡ ሓደ እዋን ክረምቲ ኣብ ምውድኡ ኣብ’ታ ስድራ እኽሊ ተነጊፉ ሓንቲ ንእንጀራ ሓርጭ ዘይብሎም ጥራሕ ኢዶም ተረፉ። ኣብ ጥራሕ ኢዶም ምድሪ ቤት ኮይኖም ንሓድሕዶም ተጠማሚቶም ስቕ ኮኑ።

ኣብ መወድእታ እቶም በዓል ቤታ ከም’ዚ ዝብል ሓሳብ ኣቕረቡ፡

ስምዕኪ በልዋ ነታ በዓልቲ እንደኦም፡

እሂ በለኦም፡

እዋእ ኣነስ ሓሳብ ነይሩኒ፡

እንታዝበለ ሓሳብ፡

እዋእ ካብ’ዚ ተዀርሚና ዓይኒ ንዓይኒ እንዳተጣማመት ስቕ ኢልና ንጠምስ፡ ንዕናይ እንዶ ኣብ’ቲ ገርሁ ይብልወን፡

እዋእ ኣብ’ቲ ገርሁ ደኣ እንታይ ኣሎ፡ እዋእ ገለ እንተረኽብና ኣይፍለጥን በልወን።

በዚ ተሰማሚዖም ሰብኣይን ሰብይትን ተታሓሒዞም፡ ንግራቶም ይወፍሩ፡ ኣብ’ቲ ግራት ምስ በጽሑ፡ ነታ ግራቶም ኮለልዋ፡ እቲ ግራት ጣፍ ተዘሪኡ ነበረ’ሞ፡ እሞ ኣብ እግሪ ከውሒ ዝበቆለ እኽሊ ድሮ ነቒጹ ዝዕጸድ ኮነ፡ እቶም ስድራ ተሓጕስም፡ በሊ ስምዒ እዘን ኣብ እግሪ ከውሒ ዘለዋ ኣኺለን እየን፡ ንዕኤን ዓጺድና እንሀለይደኣስ ንዕንገል በልወን፡ በዓልቲ ቤቶም ተሰማምዐ። ነተን ሒደት ዝሸየባ ጣፍ ዕጽድ ዕጽድ ኣቢሎም፡ በሊ እንሆልኪ ደጊም ኣብ’ዚ ሃንኵትና ንብላዕ በልወን።

ወዮ ሰበይቲ ኣፋልናን፡ ካብ’ዚ ክይና ንህንኵትስ፡ ሻቑጥና፡ ጥሒና ለንቒጥና፡ ለዊስና፡ ጣይታና ደኣ ንበልዕ’ምበር፡ እዚ ትብልዎ ዘለኹምስ ኣይግድን በልኦም። ሰብኣይን ሰበይትን በዚ ክንደይ ተዋጢጦም፡ ኣብ መወዳእትኡ ከኣ መምቕሊቶም ክወስዱ’ሞ በቲ ዝመስሎም መንገዲ ጥሜቶም ክዕንግሎ ነተን ዝተዓጸዳ ጣፍ ጨጭብጦ ተማቐልወን።

ሰብኣይ በቲ ዝነበሮም ጥሜት ነተን ምቕሊቶም፡ ሓዊ ኣጕዶም ሃንኰትወን’ሞ፡ ወዮን ጣፍ ኣይብልዓ ኣይልዓላ ተሃሚዀን ሓሞኽሽቲ ተቐየራ፡ ሰብኣይ ቐዚዞም ዓይኖም ምእማን ስኢኑ ሰምበዱ፡ እህህም ከኣ በሉ፡

እተን ሰበይቲ ዓቕሊ ገይረን፡ ጥሜተን ጸይረን፡ ነታን ምቅሊተንን ግደኤን፡ ከምታ ዝበልኣ ሻቝጠን፡ ጥሒነን ለንቒጠን፡ ለዊሰን፡ መጎጎ ኣጕደን ከም’ዚ ዝመስልዎ የልቦን ዓፍዓፍ ዝበለ ብሑቕ፡ ከመይ ዝበለ ጣይታ ሰተት ሰተት ኣቢለን ኣውጽኤን ኣብ ጊባቦ ገበርኦ’ም፡ ተዓንገላ። ወዮም ሰብኣይ ከኣ ጣፍ ሃንኵቶም እህህም በሉ ይበሃል’ሞ።

ሎሚ ከኣ ንጉዳያትና ንምፍታሕ እሂምን ምሂን ዘይትበሃለሉ፡ ንእፈታትሓ ሽግራት፡ ካልእ ጥበብን መልክዕን እንተሃልይዎ፡ ዝገርም ኣይኮነን። ከም’ቲ ምስላ ዝተመሰለ ኣነ፡ ከም’ቶም ሰብኣይ ጣፍ ዝሃንኰቱ ንኹን ኣይብልን፡ እንተዀነ ናይ’ተን ወሓለ ሰበይቲ፡ ኣገባብ ዓቕልን ጽሮትን ብዘለዎ መንገድን ኣገባብ፡ ኣብ’ቲ ዘድምዕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በቲ ዝግባእ መስርሕ ክኸይድን፡ ናይ’ቲ ነልዕሎ ጉዳይ ከኣ ኩሉ ሕጋዊ ኣሰራርሕኡ ብዘገምታ፡ ብህድኣትን ስምምዕን ዘተን ክንበጽሖ ዝግባእ’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=778

Posted by on May 21 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net