ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፤ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

 

 መማየጢ ሰነድ

Discussion Paper

ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፤

ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

ተስፋጽዮን መድሃኔ (ፕሮፈሰር)

ብረመን ዩኒቨርሲቲ፣ ጀርመን

ብረመን፡ ሰፕተምበር፡ 2012 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

መብርሂን ምስጋናን

Eዚ ጽሑፍ’ዚ ነቲ ካብ 5 ክሳብ 7 ጥቅምቲ (Oክቶበር) ኣብ ከተማ ካስል፣ ሃገረ-ጀርመን፡ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ፡ ንምስረታ ግንባር ዓደ’ቦ ሓርነት ኤርትራ ዝርI ጉባኤ ኣብ ግምት ብምEታው ዝተዳለወ ምርምር Iዩ፡፡ EላምU ከኣ ኣብ’ቲ ዝተባህለ ጉባኤ ይኹን ኣብ ካልE ጊዜን ቦታን ዝካየድ ንዓደቦነት ኤርትራ ዝምልከት ምይይጥ ንኽህብትም ብመጠኑ ኣስተዋጽO ምግባር Iዩ፡፡ በዚ ምኽንያት’ዚ Iዩ “መማየጢ ሰነድ” ተባሂሉ ኣቐዲሙ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡፡

Eዚ መጽናEቲ’ዚ ኣነ ከም ውልቀ-ሰብ ዝወሰድኩዎ ተበግሶ Iዩ፡፡ ዝደፋፈO ወይ ዘዋፈሮ ምንቅስቓስ ይኹን ውድብ ሓደ’ኳ የልቦን፡፡ ንትሕዝቶU ኰነ ንዝርግሐU ብዝምልከት Eቲ ሓላፍነት ብሙሉU ናተይ ጥራይ ሙዃኑ Eሕብር ኣለኹ፡፡

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣዳልየ ንኽውድE፡ ኣስማቶም ምጥቃስ ዘየድልየኒ ፈተውቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣገዳሲ ምትሕብባር ገይሮምለይ Iዮም፡፡ ገሊOም ሰነዳት ሰዲዶምለይ፡ ገሊOም ሓበሬታታት ኣቐቢሎምኒ፡ ገሊOም ከኣ Eቲ ጽሑፍ ንድፊ ከሎ ተወኪሰዮምስ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣቕሪቦምለይ፡ ርEይቶታት ከኣ ለጊሶምለይ፡፡ ንኹሎም ካብ ልቢ Aመስግኖም፡፡

ተስፋጽዮን መድሃኔ

ብረመን፣ ሰፕተምበር 2012

1 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፤

ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

ተስፋጽዮን መድሃኔ

ብረመን፣ ጀርመን

በዚ ሎሚ ብዝEባ ሃገሩ ወረ ክሰምE ብሃረርታ ዝጽበ ኤርትራዊ ውሑድ’ዩ ወይ Eናወሓደ ይኸይድ ኣሎ፡፡ Eቲ ዝፍኖ ዜናታት ዘሕዝነናን ዘሸቚርረናን ጥራይ Iዩ፡፡ ኣብ ፍሉጣት ኣህጉራዊ ማEከናት ዜና ከይተረፈ፡ ሃገርና፡ – ወርትግ ክበሃል ይከኣል – ምስ መከራን Eንወትን ብዝተተሓሓዘ ኣርEስቲ ጥራይ Iያ ትጥቀስ፡፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝብላ ኣምራት ንኤርትራ ጓኖት ኰይነን ኣለዋ፡፡

ህዝብና ኣብ’ቲ ዝኸፍA ክግመት ዝከኣል ሓሳረ-መከራ ከምዝርከብ ዳርጋ ኩሉ ሓቀኛ ተዓዛቢ ዝምስክሮ Iዩ፡፡ ሕብረተ-ሰብና ብሙሉU፡ ብኹሉ መዳያት ኣብ ታሪኹ ተራEዩን ተሰሚUን ብዘይፈልጥ መጠን ይጭቆን፡ ይሳቐ፡ ይሕምተል ኣሎ፡፡ ሃገር ህጹጽ ረድኤት ትሓትት ኣላ፡፡ ህዝባ ብመልክE ግንባር ዓደ’ቦ ተወዲቡ ህላዌኣ ንምድሓን ክቃለስ ጥርዓና ተቕርብ ኣላ፡፡

Eዚ ኩነታት’ዚ Eምበኣር ብዛEባ ዓደቦነት ኤርትራ ክንመራመርን ክንማየጥን ይEድመና ዘይኰነስ ይማሕጸነና ኣሎ፡፡ ከም ምጡን ምላሽ ነዚ ምሕጽንታ’ዚ ኣነ Eውን “ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፤ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን” ብዝብል ኣርEስቲ፡ ንምይይጥ ክሕግዝ ዝተሃቀነ መልEኽቲ Eዝርግሕ Eነሆ፡፡

መልEኽተይ ቅድሚ ምጅማር ግን ንሕልፈተ-ህይወት መራሕ-መንግሥቲ Aትዮጵያ ነበር Aቶ መለስ ዜናዊ ብዝምልከት ሓጻር ቃል ከስምE ኣገዳሲ ይመስለኒ፡፡

Eዚ ሰሙናት’ዚ ተኸታተልቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሕልፈተ ህይወት መራሕ-መንግስቲ Iትዮጵያ ነበር፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ብዝርI ግምገማን ቃለ-ምስክርነትን ዝህቡሉ ዘለዉ Eዋን Iዩ፡፡ ብዙሓት Iትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ጥራይ ከይኰነ ፍሉጣት ወጻEተኛታት Eውን ንዝተሰምOም ሓዘን መጠን ምረቱ ብዝፈላለ ቋንቋ ክገልጹ ቀንዮም Iዮም፡፡

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣነ Eውን ኣብ ልEሊ ገለ ካብ’ቲ ፖለቲካዊ Eላማታትን ንጥፈታትን ኣቶ መለስ ዝነበረኒ ዘይEግበትን ነቐፌታን ብዘየገድስ፡ ኣብ ንUስ’ዩ ክበሃል ዝከኣል EድሜU ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ዘሕዝነኒ ሙዃኑ ክገልጽ Eፈቱ፡፡ ንቤተ-ሰቡን ንወገኑን ከኣ ጽንዓት Eምነየሎም፡፡

ኣቶ መለስ ኣብ ንUስ EድሜU ምማቱ ዝሓዝነሉ ዘተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎኒ፣ ሓደ ካብ’ቲ ምኽንያታት Eዚ ዝስEብ’ዩ፡፡ Eንታይነትን ሳEቤናትን ናይ’ቲ ኣቶ መለስ ንኤርትራ ብዝምልከት ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣከራኻሪ Iዩ፡፡ ሕጂ ኣብ ዝርዝር ናይ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክኣቱ ኣይደልን Iየ፡፡ ንነጻነት ኤርትራ ሓላዪ Eናመሰለ ብተግባር ሃሳዪና ዝዀነ ገለ መደባት ከምዘዋፈረ ግን፡ Eንተዘይተቐየምኩሉ Eኳ፡ ክርስE ኣይክEልን’የ፡፡ Eድመን ጥEናን ሂቢዎ ነይሩ Eንተዝኸውንስ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ሰፊሕ ተሞክሮን ዓሚቝ ብስለትን ኣጥሪዩ፡ ኩላትና ክንገብሮ ከምዝግባE፡ ነቲ ዝሓለፈ ተግባራቱ ዳግመ-ርEይቶ ገይሩ ምስቶም

2 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

ዝተበደሉ ኣካላት ምናልባት ክረዳዳE ምኸኣለ ነይሩ Iለ Eግምት፡፡ ነዚኣ ንኽገብር Eድል ብዘይምርካቡ ኣዚየ Eሓዝን፡፡

ኣቶ መለስ ኣከራኻሪ ዝዀነ ውርሻ ገዲፉ ሓሊፉ ኣሎ፣ ገለን የመስግንዎን ይምርቕዎን፣ ገለን ከኣ ይወቕስዎን ይረግምዎን ኣለዉ፡፡ ብዙሕ ጊዜ መራሕቲ ክሓልፉ ከለዉ Eቲ ብዛEባOም ዝወሃብ ሚዛናት ፍልልያት ኣለዎ፣ ገሊU ናብ ኣዎንታ፡ ገሊU ኸኣ ናብ ኣሉታ ዝዛዙ ይኸውን፡፡ Eዚ ሓቂ Iዩ፣ Eንተዀነ ግን Eቲ ንኣቶ መለስ ብዝርI ዘሎ ፍልልያት ኣመና በሊሕን ገፊሕን ብሙዃኑ፡ ኣገራሚ Eኳ Eንተዘይኰነ፡ Eሙቕ ዝበለ ትርጉም ዘለዎ Iዩ፡፡

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኤርትራውያን Eውን ንመዋቲ ብዝምልከት ምስጋና ዝዓዘዞ ርEይቶታት ከስምU ቀንዮም Iዮም፡፡ ኣብ ባህልና ሕልፈተ ህይወት – ማለት ሞት – ረዚን ተረኽቦ Eዩ፡፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ይመስል፡ ሓደ ሰብ ክሓልፍ ከሎ፡ ብዝተኻEለ መጠን፡ ነቲ ናይ ህይወቱ ኣዎንታዊ ጐኒታት ጥራይ Eናኣጉላሕካ ምፍናዉ ልሙድ ስነ-ስርዓት ነይሩን ኣሎን፡፡ Eዚ ሓቂ Eንተዀነ Eኳ፡ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ገለ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብዛEባ ኣቶ መለስ ዘቕረብዎ ጽሑፋት ዘተሓሳስብ ሸነኻት ነይሩዎ፡፡ ብፍላይ Eቲ ኣብ ልEሊ ሰውራና ንዝተፈጸመ ገበናት ዝረስA፡ ብትሕዝቶU ከኣ ምስ ዓደቦነት ኤርትራ ዘይሳነ ዝመስል መግለጺታት ቁሩብ ኣሰኪፉኒ Iዩ፡፡

ነዚ ሸነኻት’ዚ ከስተብህለሉ ዝኸኣልኩ ከም ኣጋጣሚ Iዩ፡፡ ነቲ ብገለ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዝተጻሕፈ መግለጺታት ዝረኣኹዎ ነዚ ንባህርይን፡ ጸገማትን፡ ብድሆታትን ዓደቦነት ኤርትራ ዝርI መልEኽቲ Eናኣዳለኹ ዝነበርኩሉ ጊዜ Iዩ፡፡ Eቲ ዝነድፎ ዝነበርኩ ሓሳባትን Eቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ጽሑፋትን ፍልልይ ስለዝነበሮ ብዛEባ Eቲ ሕቶታት ዝያዳ መጽናEቲ ንኽገብር ተገደድኩ፡፡ Eቲ ኣጋጣሚ’ቲ Eምበኣር ነዚ ናይ ሎሚ ኣርEስቲ ብዝዓሞቐ ንኽመራመረሉን ብዝበርሀ ንኽገልጾን Eድል ከምዝሃበኒ ክሕብር Eደሊ፡፡

– ፩ –

ኣብ ኣርEስትና ንEቶ፡፡ መልክE ግንባር ዓደ’ቦ ዘለዎ መድሓኒ ሓይሊ ኤርትራ ትሓትት ኣላ፡፡ ንምንታይ ግንባር ዓደ’ቦ? ዓደ’ቦ ክበሃል ከሎ፡ ደሓር ብሰፊሑ ከምዝግለጽ፡ Eቲ መሬትን ህዝብን ጥራይ ከይኰነ Eቲ ባህሉን ክብርታቱን፡ ኮታ ታሪኹን ስልጣነUን ብሙሉU ዘጠቓለለ Iዩ፡፡ ንኤርትራ ብዝርI ሕጂ Eዚ ኹሉ ኣብ ሓደጋ ኣሎ፡፡ Eታ ሃገር ብቐንዳ ከይትጠፍE፡ Eቲ ሕብረተ-ሰብ ከኣ ብሱሩ ከይበርስ ኣብ ዘስግኣሉ ኩነታት Iና ዘሎና፡፡ በዚ Eዋን’ዚ Eምበኣር ኤርትራ ዝዓደቦU ዘበለ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ክዋፈር ይጥለብ ኣሎ፡፡

ኤርትራ ሓንቲ ስሉስ-ዓለማዊት ሃገር Iያ፡፡ ብናታ ውሽጣዊ ታሪኻዊ መስርሕ ከይኰነስ ባEዳዊ መግዛEቲ ጣልያን ብላEሊ መጺU ለጋጊቡ ዘቖማ ሰብ-ሰርሓ ኣካል Iያ፡፡ ቅድሚ መግዛEቲ ጣልያን Eዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ሓንቲ ሃገር ኣይነበረትን፡፡ የግዳስ Eቲ ከበሳ ኣካል ሰሜን Iትዮጵያ (ወይ ኣቢሲኒያ) Iዩ ዝነበረ፤ Eቲ ምEራባዊ ቆላ ኸኣ ዓዲ ዝተፈላለዩ ርEሰ-ምምሕዳር ዝነበሮም ብሄረ-ሰባት ኰይኑ፡ መብዛሕትU ምስ’ዚ ሎሚ ማEከላይን ምስራቕን ሱዳን Eንብሎ – ሰናር ሓዊስካ – ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝኽሰት ዝምድናታት ዝነበሮ Iዩ፡፡

መግዛEቲ ጣልያን ብ1941 ምስ ኣብቅA፡ ታሪኽ ይድግፈና Iዩ Eናበላ ከም Iትዮጵያን ግብጽን ዝኣመሰላ መንግስታት፡ ኤርትራ ወይ ገለ ሸነኻታ፡ ንዓታተን ክወሃብ ሓተታ፣ Eንግሊዝን ጣልያንን Eውን ነናተን ጥቕምን ስትራተጅን ነይሩወን Iዩ፡፡ Eምበኣር በቲ

3 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

Eዋን’ቲ Iዩ ኤርትራ ሉዓላዊት ዓደ’ቦ ንሙዃን ትበቅE ዲያ ወይስ ኣይትበቅEን ዝብል ፈታኒ ሕቶ ብተግባር ዝተቐልቀለ፡፡

ነቲ ኩነታት ንምርዳE ፖለቲካዊ ሃዋህው ኤርትራ ከመይ ከምዝነበረ ምዝካር የድሊ፡፡ ጣልያን ምስተሳEረ Eንግሊዝ ንሓይልታት ኪዳን ብምውካል ንኤርትራ ሓዛ፤ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ተኽለ፡፡ Eዚ ምምሕዳር’ዚ መጻI Eድል ኤርትራ Eንግሊዛውያን ኣብ’ቲ ዞባ ንዝነበሮም ሓዲሽ-መግዛEታዊ ጥቕሚ ብዘገልግል መገዲ ንኽውሰን ዝከኣሎ ገበረ፡፡

ንሜላ Eንግሊዛውያን ንምርዳE ንIትዮጵያ ብዝርI Iጣልያውያን ሃንደስቲ ፖሊሲ ካብ ቅድም ጀሚሮም ሓንጺጾመን ዝነበሩ ክልተ መምርሒታት ምግንዛብ የድሊ፡፡ ንሳተን ከኣ “ፖለቲካ ሸዋና” ን “ፖለቲካ ትግርኛ” ን ዝበሃላ ዝነበራ Iየን፡፡ ፖለቲካ ሸዋና ብናይ Iጣልያ ቤት-ጽሕፈት ወጻI ጉዳያት ዝምረጽ ዝነበረ ኰይኑ፡ Eቲ ዘዋጽE ስልቲ – ብመንጽር ጥቕሚ Iጣልያ – ኣብ ሞንጎ ንጉሠ-ነገሥት Iትዮጵያን Eተን ምስ Iትዮጵያ ዘጐራበታ ግዙኣት Iጣልያ ዝነበራ ሃገራትን ጽቡቕ ዝምድና ከምዝህሉ ምግባር’ዩ፣ Eዚ ንኽሰልጥ ከኣ ፖሊሲ Iጣልያ ስልጣን ኣብ “ዙርያ ኣዲስ-ኣበባን“ መኳንንቲ ሽዋን ንኽጥቕለል ምሕጋዝ Iዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል’ዩ ነይሩ1፡፡

“ፖለቲካ ትግርኛ” ግን ብናይ Iጣልያ ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ኮሎኒ ዝድገፍ ኰይኑ ተጻራሪ ናይ ፖለቲካ ሸዋና Iዩ ነይሩ፡፡ ትርጉም ወይ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ኣምር’ዚ ኸኣ ንIትዮጵያ ንምቁጽጻር፡ ነቲ ማEከላይ መንግስቲ – ማለት ንመንግስቲ ሽዋ – ንዝነጽጉ ወይ ንዝቃወሙ ወገናት ምትብባEን ምድጋፍን’ዩ ዘዋጽE ዝብል Iዩ ነይሩ፡፡ ንትግራይ ብዝምልከት Eቶም ልምዳውያን ገዛEታ ሓይሎም ከምዝድልድል ጌርካ ቁጽጽር መንግስቲ ሽዋ ከምዝልሕልሕን ዝደክምን ምግባር Iዩ ነይሩ መርገጽ ፖለቲካ ትግርኛ፡፡

Eንግሊዛውያን ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ተኺሎም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ነታ ብ1941 ካብ መግዛEቲ ጣልያን ሓራ ዝዀነት Iትዮጵያ Eውን ብሓዲሽ መግዛEታዊ መልክE ክቆጻጸሩዋ ይፍትኑ ነበሩ፡፡ ነዚ ንምትግባር ከኣ ካብተን ኣብ ላEሊ ዝተገልጻ ክልተ ሜላታት ነታ “ፖለቲካ ትግርኛ” ትበሃል መሪጾም፡ መምርሒቶም ገበሩዋ፡፡ ንጉዳይ ኤርትራ ከኣ ንፖለቲካ ትግርኛ ብዘገልግል ሜላታት ቀረብዎ፡፡

ወተሃደራዊ መንግስቲ Eንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝተኸተሎ መምርሒ ፖለቲካ ትግርኛ ኰይኑ ቀንዲ ሸቶU ከኣ “ንትግራይ ምስ ኤርትራ ምልቃብ” Iዩ ነይሩ፡፡ ትግራይ ዳርጋ ተፈልያ ምስ ኤርትራ ምስተደመረት ክልቲኤን “ሃገረ-ትግራይ” ዝበሃል የቑማ፡፡ Eዚ ሃገር’ዚ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ Eንግሊዝ ኰይኑ ምስ ዘይምEክልቲ Iትዮጵያ ልሕሉሕ ዝምድና ይህልዎ፡፡ ምስ’ዚ ዝተተሓሓዘ ንኤርትራ ናይ ምጉዝዛይ መደብ ከኣ ነይሩ፡፡ Eቲ መደብ ኤርትራ ኣብ ክልተ ወይ’ውን ሰለስተ ክትምቀል Iዩ ነይሩ፡፡ ምEራባዊ ቆላ ንሱዳን ክወሃብ ተሓሲቡ ነይሩ፤ ሱዳን በቲ Eዋን’ቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር Eንግሊዝ Iያ ነይራ፤ ተተኣማምን ደጀን ተባሂላ ከኣ ትግመት ነይራ2፡፡ ብተወሳኺ በዚ መደብ’ዚ ካብ ምጽዋE ንደቡብ ዘሎ ገማግም ባሕሪ ብኹሉ ንIትዮጵያ ክኣቱ ተባሂሉ ነይሩ3፡፡ Eቲ ከበሳ – ክሳብ ምጽዋE ዘሎ መሬት ሓዊስካ – Iዩ ምስ ትግራይ ተደሚሩ “ሃገረ-ትግራይ” ከቕውም ተገሚቱ ዝነበረ፡፡

ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር ወተሃደራዊ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ፡ ስተፈን ሎንግሪግ “ሃገራውነት ትግራይ” (Tigrean nationalism) ንዝብል ኣምር ተንቀሳቐሰሉ፤ ኣብ ፖለቲካ

1. ሃጋይ ኤርሊክ ገጽ 195

2. ከማሁ

3. ከማሁ ገጽ 222

4 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

ኤርትራ ከምዝታAታቶ ኸኣ ገበረ፡፡ Eኳ ደኣ Eንግሊዛውያን ኣብ’ቲ ትግርኛ ዝዛረብ ክርስትና ዝሃይማኖቱ ህዝቢ ከበሳ ናይ ትግራይነት ስምIት ንኸሰፍን ብዙሕ ተንቀሳቐሱ4፡፡

4. ከማሁ ገጽ፡ 225

5. ከማሁ፡ ገጽ 225-226

6. ኣለምሰገድ ተስፋይ ገጽ 225

7. ኣለምሰገድ ኣባይ፤ 1997፤ ገጽ 325

8. ከማሁ፤ ገጽ 153፡፡

Eዚ Eላማ’ዚ መታን ክሰልጥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣትዩ ኣብ ክትEን ቆይቍን ክርከብ ነይሩዎ፡፡ Eዚ መታን ክኸውን Iሎም Eንግሊዛውያን ናይ ፐረስ ነጻነትን ፖለቲካዊ ማሕበራትን ብቑልጡፍ ከምዝቐውም ገበሩ5፡፡ ሕራይ፡ EዚIታት ንገዛE ርEሱ ተደላዪ Iዩ፣ ንምEባለ’ውን ሓጋዚ Iዩ፤ Eንግሊዛውያን ዘተAታተዉዎ ግን ንጥቕሞም – ማለት ህዝብና ክናቖት – ብማለት ከምዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ Iዩ፡፡

ሃዋህው ፖለቲካ ኤርትራ ብናይ Eንግሊዛውያን ውዲት ተላEጢጡ ኣብ ዝነበረሉ Eዋን Iዮም ኣቦታትና ኣብ ምውሳን መጻI Eድል ሃገሮም ብንጡፍ ዝተዋፈሩ፡፡ ኤርትራ Eንታይ ትኹን ኣብ ዝብል ሕቶ ምፍልላዮም ዘይተርፍ’ዩ ነይሩ፣ ተፈላለዩ ኸኣ፡፡ ገሊOም ሙሉE ምጽንባር (ኣንድነት) ምስ Iትዮጵያ፣ ገሊOም ሙሉE ነጻነት፣ ገሊOም ፕሮተክቶረት – ማለት፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርን ሓለዋን ናይ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ወይ Eንግሊዝ ይጠልቡ ነበሩ፡፡ ነቲ ንኤርትራ መቓቒልካ ንሱዳንን Iትዮጵያን ምEዳላ ዝብል ንህላዌ ሃገርና ዘEርብ ሓሳብ ከኣ መዋፈርቱ ከይተሓለሉ የንበንብድዎ ነይሮም፡፡

– ፪ –

ነጻነት ኤርትራ ይጠልቡ ካብ ዝነበሩ ማሕበራት ፖለቲካ ሓደ Eቲ Eላዊ ስሙ “ማሕበር ነጻነትን Eብየትን ኤርትራ – ኤርትራ ንኤርትራውያን“ ኰይኑ: ብሓጺሩ ግን “ኤርትራ ንኤርትራውያን“ ተባሂሉ ዝጽዋE ዝነበረ (Eንግሊዛውያን ከኣ ሊበራል ፕሮገረሲቭ ፓርቲ ዝበልዎ) ውድብ Iዩ፡፡ ጠለብ ወይ Eውን መርገጽ ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ – ብፍላይ ኣብቲ ናይ ፈለማ መድረኻት – ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ስግር መረብ – ማለት ኣብ ትግራይን ክኒUን – ዘሎ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ዘለዎ ዓዲ ተደሚራ “ድሕሪ ምግዚትነት ብሪጣንያ“ ሉዓላዊት ሃገር ክትከውን ዝብል’ዩ ነይሩ6፡፡ Eዚ Eቲ ትግራይ-ትግርኚ ተባሂሉ ዝጥቀስ መምርሒ (ፕላትፎርም) Iዩ፡፡

“ኤርትራ ንኤርትራውያን“ Eምበኣር ናይ ትግራይ-ትግርኚ “ጭርሖ“ ጥራይ’ዩ ነይሩ7፡፡ Eታ ተሓሲባ፡ “ብሄረ-ኣግኣዚ“ ወይ ከኣ “ምድረ-ኣግኣዚ“ ተባሂላ’ውን ትጥቀስ፡ ዝነበረት ኣካል Eዛ Eንፈልጣ መረብ-ምላሽ ዘላ ሃገር ከይኰነትስ ብምስራቕ ኣለውሃ-ምላሽ ብምEራብ ከኣ ተከዘ-ምላሽ ብኹላ ማለት Iያ ነይራ፡፡ ደሓር ግን ብምኽንያት ገለ ምEብልናታት፡ ጸኒሕና ከምEንርEዮ፡ ኣብ ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ከቢድ ፍልልያት ተረኽበ’ሞ ኣለውሃ ምላሽ ዝብል ጠለብ’ውን Eናቐሃመ ከደ፡፡

Eቲ Eላማን ጠለብን ናይ’ቲ ትግራይ-ትግርኚ ዝበሃል ዝነበረ ምንቅስቓስ ብመንፈሱ Eንታይ ከምዝነበረ ግን ኣEሚቕና ምፍላጥ ከድልየና Iዩ፣ ታሪኽ ምናልባት ይድገም ከይህሉ!!

ትግራይ-ትግርኚ፡ ከም ኣገላልጻ ፕሮፈሰር ኣለም-ሰገድ ኣባይ፡ ሓደ ኣብነት ናይ’ቲ ሪሶረጂሜንቶ ናሺናሊዝም፡ ማለት ናይ ምብርባር ወይ ትንፋስ ናይ ምምላስ ሃገራውነት ተባሂሉ ዝፍለጥ Iዩ8፡፡ ሪሶርጂሜንቶ ብ 19 ክፍለ-ዘመን ኣብ’ዚ ሕጂ Iጣልያ ዝበሃል ዘሎ ከባቢ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ Iዩ፡፡ ክሳብ 1870 ዓ. ም. ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ቋንቋ ጣልያን

5 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

9. ከማሁ፤ ገጽ 163

10. ኣለምሰገድ ኣባይ፣ (1997)፣ ገጽ 325

11. ተኸስተ ነጋሽ፡ ኣብ ገጽ 170 ከምዝጠቐሶ

12. ከማሁ፡ ገጽ 161

ዝዛረቡ ኣህዛብ ኣብ ዝተፈላለያ ናኣሽቱ ግዝኣታት Iዮም ፋሕ Iሎም ዝነበሩ፡፡ Eቲ ሪሶርጂመንቶ ዝተባህለ ምንቅስቓስ Eምበኣር ነቶም ኩሎም ጣልያን ዝዛረቡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ዝነበሩ ኣህዛብ ኣኻኺብካ ሓንቲ Iጣልያ ትበሃል ሃገር ንሙቛም ዝካየድ ዝነበረ ባህላውን ፖለቲካውን ተበግሶ Iዩ፡፡

ንኤርትራ – ማለት ንምንቅስቓስ ትግራይ-ትግርኚ – ብዝርI Eዚ Eንታይ ማለት ነይሩ? Eዚ ማለት ካብ ግዜ ስልጣነ ኣኽሱም ጀሚሩ Eዚ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ናቱ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ መንነታዊ ስምIት ዝነበሮን ዘለዎን፡ ክተኣታቶ ዝጸንሐን ዘሎን ብሙዃኑ ሓደ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ ዝነበረ፡፡ ኣለምሰገድ ኣባይ ከምዝብሎ፡ ሰረተ-Eምነት ትግራይ-ትግርኚ “ኣብ ፍልማውነት ወይ ጥንታውነት ዝተመስረተ ኰይኑ ትግርኛ ዝዛረብ ዘበለ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፖለቲካዊ ናሕሲ“ – ማለት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓደ ሃገር – ናይ ምጥርናፉ ፍልስፍና Iዩ ዝነበረ9፡፡

ድሕሪ መፈጸምታ ካልኣይ ውግE ዓለም፡ Eቶም ኮሚሸን ኣርባEተ ሓያላት – ፎር ፓወር ኮሚሽን – ዝበሃሉ ወከልቲ ኣመሪካን ሩስያን ፈረንሳን Eንግሊዝን ድልየት ህዝብና ንምርግጋጽ ንኤርትራ ምስከዱ ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ናብኣቶም መተሓሳሰቢ ወይ መዘክር ኣቕረበ፣ ኣብ’ቲ መዘክር ትግራይ ብ “ጂOግራፊያዊ ኣቀማምጣን፡ ባህልን፡ ታሪኽን ንግዳዊ ርኽክባትን“ ከም’ቲ ቀደም’ውን ዝነበረቶ “ኣካል ኤርትራ Iያ“ ብምባል ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ “ንትግራይ ምስ ኤርትራ ምልቃብ“ ዝብል መደብ Eንግሊዝ ሰጢሙ ዝሳነ መርገጽ ኣስምA10፡፡ ኣዚዩ ብዝበርሀ ቋንቋ ከኣ ንሰረተ-Eምነት ትግራይ-ትግርኚ ከምዚ ዝስEብ ገይሩ ኣንጸባረቐ፡፡

“ኩሉ’ቲ ኣብ ሰሜን Iትዮጵያ ዝተኻየደ ውግኣት፣ ኣንጻር ግብጻውያን ይኹን ኣንጻር ጣልያን፣ ከምU Eውን ኣብ መተማ ኣንጻር ደርቡሽ ዝተኻየደ ውግE ብህዝብን ዓበይቲ ዓድን (ወይ መኳንንቲ) ኤርትራን ትግራይን Iዩ Eምበር ብደቂ ሽዋ ኣይኰነን፡፡ Eዚ ዝሕብሮ Eቲ ጂOግራፊያውን ኤትኒካውን (ወይ ዓሌታውን) ታሪኻውን ድሕረ-ባይታ (ወይ መበቆል) ናይ’ዚ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሽዋ ሓንቲ ዘራኽብ (ወይ ናይ ሓባር) ከምዘይብሉ Iዩ፡፡ ብዛEባ ናይ ቀደም ክንዛረብ Eንተዀይኑ፡ Eቲ ጥንታዊ ስልጣነ Iትዮጵያ ኣብ ኤርትራን ትግራይን (ኣኽሱም) Iዩ ዝመንጨወ Eምበር ካብ ሽዋ ተበጊሱ ንሰሜን ኣይመጸን፡፡ደቂ ሽዋ በቲ Eዋን’ቲ ዘይሰልጠኑ ሰበኽ-ሳግም (ኖማድስ) Iዮም ዝነበሩ፡፡ Eኳ ደኣ በቲ ግዜ’ቲ ሽዋ ናይ’ዞም ትግርኛ ዝዛረቡ ህዝቢ ግዝEቲ (ኮሎኒ) ከምዝነበረት ብርግጸኛነት ክጥቀስ ይግባE፡፡“11

Eዚ ኣበሃህላ’ዚ ዘብርሆ ነጥቢ Eቲ መምርሒ ናይ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ከምቲ ፕሮፈሰር ተኸስተ ነጋሽ ዝብሎ፡ ኣብ “ተዘክሮ ጥንታዊ ሞገስን ክብርን ህዝቢ ትግራይን ኣብቲ Eዚ ህዝቢ’ዚ ቀደም ኣብ ሃገረ Iትዮጵያ ዝነበሮ ልUል ወይ መሪሕ ቦታን ዝተመስረተ“ ምንባሩ Iዩ12፡፡ Eዚ መርገጽ’ዚ ናይ ልEልና ወይ ትምክሕቲ መንፈስ ዝተሓወሶ ከምዝነበረ Eውን ብሩህ’ዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ ንመንግስቲ ሽዋ ዝነጽግ ውጹE መርኣያ ፖለቲካ ትግርኛ Iዩ ነይሩ፡፡

ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ክጥቀስ ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ፣ ገሊOም ካብ ኣቦታትና ኤርትራ ንኤርትራውያን ክብሉ ከለዉ ኣበሃህላOም ናይ Iሪደንቲዝም – ማለት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ካልE ሃገር ንዘሎ መሬት ናትና Iዩ Iልካ ኣብ ግዝኣትካ ንኸተEትዎ ምምካት – ሸነኽ

6 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

13. ኣለምሰገድ ኣባይ፡ ገጽ 43፣ ከምU Eውን ሪቻርድ ገሪንፊልድ ገጽ 26 ርA

14. መድሃኔ ታደሰ፡ ገጽ 34

15. ሃጋይ ኤርሊክ፡ ገጻት 201፣ 202

16. ኣለምሰገድ ኣባይ፤ ገጽ 50

17. ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ገጻት፡ 227-228 ርA፡፡

18. ሃጋይ ኤርሊክ፡ ገጽ 226

19. ኣለምሰገድ ተስፋይ ገጻት 425-428

ነይሩዎ፡፡ Eቲ መሬት Eቲ ኸኣ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ምስራቕ ሱዳን ዘሎ – ከሰላ Eንኰላይ ዝርከቦ – መሬት’ዩ ነይሩ፡፡

ካብ ቅድም ጀሚርና ንኤርትራ ንኤርትራውያን ወይ ትግራይ-ትግርኚ ብዝምልከት ዘይነቕልበሉ ዝነበርና ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ፡፡ ንሱ ኸኣ Eቲ ትግራይ-ትግርኚ ዝበሃል ሃገር ብመንዩ ክምራሕ ተሓሲቡ ነይሩ ዝብል Iዩ፡፡ መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ – ወዮ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣየስተብሃልናሉን ነይርና Eምበር – ንጹርን ብሩህን Iዩ ነይሩ፡፡ Eንተወሓደ ብወገን ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን መሪሕነት ናይ’ቲ ትግራይ-ትግርኚ ዝበሃል ሃገር ኣብ Iድ መኳንንቲ ትግራይ (ትግረያን ኣሪስቶክራሲ) ክኸውን’ዩ Eቲ ሓሳብ ዝነበረ፡፡ ገለ ምEቡላት ወይ ምሩጻት ከበሳውያን (ኤሊት) ደቂ ኤርትራ መኳንንቲ ትግራይ ሰብ-ግቡE ወይ ሕጋውያን መራሕትና Iዮም ዝብል Eምንቶ ነይሩዎምዩ፣ ስለዝዀነ ከኣ “ራስ ስዩም መንገሻ (ወዲ-ወዶም ንሃጸይ ዮሃንስ) ናይ ትግራይ-ትግርኚ መራሒ ክዀኑ ምኸኣሉ“ ነይሮም ዝብል ሓሳብ ነይሩዎም Iዩ13::

ሃገራውነት ትግራይ-ትግርኚ ኣብ ስግር መረብ፡ ማለት ኣብ ትግራይ፡ ድሙቕ ምንቅስቓስ ኣይነበረን፡፡ ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eቲ ትግራይ-ትግርኚ ዝብል ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ኣይዓጀቦን ዝነበረ14፡፡ ገለ ካብቶም መኳንንቲ ትግራይ ግን፡ Eንተወሓደ ንውሱን Eዋን፡ ከምቲ ናይ ትግራይ-ትግርኚ ሓሳብ ኣAንጊዶም ነይሮም Iዮም ዝብሉ ኣለዉ፡፡ ንኣብነት Eኒ ራስ ስዩም መንገሻን ደጃዝማች ሃይለስላሴ ጉግሳን ትግራይ ካብ Iትዮጵያ ንኽትፍለ ዝደገፉሉ Eዋናት ዝነበረ ይመስል15፣ ክልቲOም Eውን ኣብ ገለ መድረኻት፡ ንግዜU ብሞግዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ወይ ካልE ወጻEተኛ ሓይሊ ዝEለ ሓድነት ኤርትራን ትግራይን ይደልዩ ነይሮም ይበሃል16፡፡

ህላዌ ምቅስቓስ ትግራይ-ትግርኚ፡ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ Iዩ ነይሩ፣ ንሱ’ውን ኣብ ውሱን ሸነኽ ናይ ከበሳ’ዩ ዝነበረ17፡፡ ብሓፈሻU Eንግሊዛውያን ኣብ ክርስትያን ከበሳውያን ናይ ትግራይነት ስምIት ንኽሰፍን ዝገበሩዎ ፈተነ ኣይተዓወተን፡፡ ከም’ቲ ፕሮፈሰር ሃጋይ ኤርሊክ ዝገለጾ፡ Eቶም ቁሩብ “ዘመናዊ ትምህርቲ“ ቀሲሞም ወይ’ውን ከተመኛታት ኰይኖም ዝነበሩ ኤርትራውያን “ብዘመናዊ ኣምራት Iዮም ዝለዓዓሉ ዝነበሩ“፡፡ ትግራይ ከኣ ናይ ዘመናውነት ከይኰነስ ናይ ድሕረትን ተሓዝ-ጸኒሕነትን መርኣያ ኰይና’ያ ትስምOም ነይራ፡፡ Eምበኣር መብዛሕቶም ካብቶም መሪሕ ፖለቲከኛታት ዝነበሩ መንEሰያት ኤርትራውያን ነቲ ዝነበሮም “ሓዲሽ ፖለቲካዊ ኣምራት“ ምስ Iትዮጵያዊነት ኣዛመድዎ፣ “ኣድናቖቶም“ ከኣ ንሃይለ-ስላሴ ኰነ18፡፡

Aቐዲሙ ከምዝተገልጸ Eንግሊዛውያን ንሳቶም ብገለ መልክE ዝቆጻጸርዎ ሓድነት ትግራይን ኤርትራን ደልዮም ነይሮም Iዮም፡፡ ጸኒሖም ግን ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ፖለቲካ ነቲ ሓሳብ’ቲ ገዲፎም ኣብ መወዳEታUስ ነቲ ብኣመሪካውያን ዝቐረበ ፈደራላዊ ፍታሕ – ማለት ውሕስነት ዘለዎ ሓድነት ምስ Iትዮጵያ – ደገፉ፡፡ ገለ ካብ መራሕትን ልሉያት ኣባላትን ናይ’ቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝበሃል ዝነበረ ሰልፊ Eውን መርገጾም ቀይሮም ነቲ ማEከላይ ፍታሕ – ማለት ፈደረሽን – ተቐበሉ፡፡ ነዚ ለውጥ’ዚ ዝገበርዎ ኸኣ ብሪጋደር ፍራንክ ስታፈርድ ዝተባህለ ወኪል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘካየዶ “ውዲት“ ካብ’ቲ ሰልፊ ተፈንጪሎም ሓዲሽ “ናጽነታዊ ሕብረት ምስ Iትዮጵያ“ ዝበሃል ማሕበር ምስ ኣቖሙ Iዩ19፡፡

7 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

20. ኣለምሰገድ ተስፋይ ከምዝጠቐሶ፡ ገጽ 519

21. ኣለምሰገድ ኣባይ ገጽ 72

22. ኣማረ ተኽለ፡ ገጽ 353

ነቲ ፈደረሽን ዝብል ሓሳብ ኩሎም Eቶም ማሕበራት ፖለቲካ Iዮም ዝተቐበልዎ፡፡ ዝተቐበሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብሓቂ ምርጫOም ስለዝነበረ ከይኰነስ፡ ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ ኤርትራ ከም ሓንቲ ኣካል ንኽትቅጽል ሓደ ወይ ውልቂ መንገዲ ዝነበረ ንሱ Eቲ ፈደረሽን ስለዝነበረ Iዩ፡፡ ንኣብነት ናይ’ቲ ቀጽሪ ነጻነት (Iንዲፐንደንስ ብሎክ) ዝተባህለ ልፍንቲ ናይተን ነጻነት ዝጠልባ ዝነበራ ማሕበራት ፕረዚደንት፡ ራEሲ ተሰማ ኣስበሮም፡ – ኣቐዲሞም ቀንዲ ተሓላቒ “ትግራይ-ትግርኚ“ ዝነበሩ -፡ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰንዎ ፈደረሽን ተቐበሉን ከም ዓወት ከኣ ቆጸሩዎን፡፡ Eቲ ዝወሰድዎ መርገጽ በቲ ዝነበረ ኩነታት ቅኑE ከምዝነበረ ንምግላጽ ከኣ ከም’ዚ ዝስEብ በሉ፡ “ንሕና ….. Eተጋደልናሉ …. ምሉE ናጽነት“ Eንተዘይሰለጠ’ኳ “Eዚ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት፡ ንኩላትና ኬርብሓና Iዩ ዚግባE፡፡ ብሳላ’ዚ ዓወት Eዙይ፡ ኣንድነት ሃገርና ኣየቋረጸን፣ ህዝብና’ውን ኣይተመቓቐለን፡፡“20

Eቶም ነጻነት ዝጠልቡ ዝነበሩ ኣቦታትና ነቲ ፈደረሽን ጸጊሙዎም ክቕበልዎ ከለዉ ስኽፍክፍ Aናበሎም ምንባሩ ክግመት ይከኣል፡፡ ንኣብነት ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ነዚ ኣጸጋሚ ኩነታት’ዚ “ከይጸድፉ ቆንጠጠፈ ይሓቑፉ“ ንዝብል ምስላ ብምጥቃስ ገሊጸሞ ይበሃል21፡፡ Eምበኣር ነቦታትና ሓድነት ኤርትራ ንገዛE ርEሱ ዝተባህገ (ስተራተጂካዊ) ነገር Iዩ ነይሩ፣ Eቲ ፈደረሽን ከኣ፡ ብናቶም ኣረኣEያ፡ ነቲ ባህጊ’ቲ ዘማልE ብልሓት Iዩ ዝነበረ፡፡

መንግስቲ ሃጸይ ሃይለ-ስላሴ Eውን ነቲ ፈደረሽን ዝተቐበሎ ፈትዩዎን ኣሚኑሉን ኣይነበረን፡፡ ካልE ኣማራጺ ስለዘይነበሮ ጥራይ Iዩ፡፡ በቲ Eዋን’ቲ ንሙሉE ሓድነት ምስ Iትዮጵያ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ካብቶም ደለይቲ ፍጹም ምጽንባር ይበዝሑ ነይሮም፤ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት Aውን ንጠለብ Iትዮጵያ Eኹል ደገፍ ኣይነበረን፡፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነቲ ፈደረሽን ዝተቐበልዎ፡ ቀስ Eናበሉ ኣፍሪሶም ንኤርትራ ክጥቕልሉዋ ዝኽEሉ ሙዃኖም ስለዝተመኽሩ ምንባሩ ዶክተር ኣማረ ተኽለ ኣብ’ቲ ብ1964 ዘዳለዎ ሰፊሕ መጽናEቲ ኣመልኪቱ ኣሎ22፡፡

ከም ሕጊ፡ Eቲ ፈደረሽን ናይ ጊዜ ገደብ ኣይነበሮን፡፡ ፈደረሽን ን10 ዓመት Iዩ Eናተባህለ ከምዝውረ ግን ተገይሩ፤ ዝርግሐ ናይ’ቲ ወረ’ቲ ፈደረሽን ንምፍራስ ዘገልግል ስነ-ኣምሮኣዊ መንጸፍ’ዩ ነይሩ፡፡ ኰይኑ ኸኣ፡ ነቲ መንጸፍ’ቲ ድሕሪ ምዝርጋሕ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነቲ ፈደረሽን ቀስ ብቐስ Eናቖራመመ ብ1962 – ማለት ድሕሪ 10 ዓመት – ብምትሕብባር ናይ ገለ ኤርትራውያን ኣፍሪሱዎ፡፡ ነቲ ፈደረሽን ዝብል ስርዓት ከም መሰጋገሪ ተጠቒሙሉ፡፡

ንመንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ Eምበኣር ፈደረሽን ሜላ ጥራይ Iዩ ነይሩ፤ Eቲ ስትራተጂU ከኣ ኬድካ-ኼድካ ንኤርትራ ጠቕሊልካ ምሓዝ Iዩ ዝነበረ፡፡

Eቲ ፈደረሽን መሰጋገሪ ጥራይ ከምዝነበረ ክንዝክሮን ኣዚና ከነስምረሉን ዘሎና ነጥቢ Iዩ፡ ስለምንታይ Eንተተባህለ ሕጂ’ውን ምናልባት ኣብ’ዚ ሓዲሽ ኩነታትና ታሪኽ ብገለ መልክE ይድገም ከይህሉ!!

8 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

23. ረድI መሓሪ፤ ገጽ፡ 114

24. ረነ ለፎርት ገጽ 268

– ፫ –

ብ1961 – ኣብ ድሮ Eላዊ ምፍራስ ፈደረሽን – ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ)፡ ብወተሃደራዊ መሪሕነት ሓሚድ Eድሪስ ዓወተ Eጥቃዊ ሰውራ ኣበገሰት፡፡ ባህርያት ብሄረ-ሰባውን ሃይማኖታውን ኣቀዋውማ ሃገርናን ትሕዝቶ ቀረባ ታሪኽናን ዝመግለጺU ሓጐጽጐጽ ንሰውራ ኤርትራ ኣብ’ቲ ፈለማ መድረኻት ጸገማትን መሰናኽላትን ፈጠረሉ፡፡

Iሳያስ ኣፍወርቂ ካብ 1970 ዓ. ም. ጀሚሩ ናቱ ውድብ ንምህናጽ ኣብ ዝተንቀሳቐሉ ጊዜ ንድኽመት ኣቀዋውማ ሕብረተሰብ ኤርትራን ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ንዝተራEየ ሓጐጽጐጽን ብዘይ ንሕስያ መዝመዞ፡፡ Iሳያስ ኣብ’ታ “ንሕናን Eላማናን“ ትብል ኣዋጁ፡ ህዝቢ ንምትላል ቋንቋ ሃገራዊ ሓድነት ቁሩብ Eንተነስነሰ Eኳ፡ ክርስትያን ዘበለ ኤርትራዊ ክቕበሎን ክስEቦን’ዩ ብዓውታ ዝተማሕጸነ፡፡ “ንሕናን Eላማናን“ ኩነታት ህዝቢ ዘሻቐላ ወይ መሰል ህዝቢ ዘገደሳ ሰነድ ኣይነበረትን፣ የግዳስ Iሳያስ ስሱE ሕልሙ ንምትግባር ዝፈነዋ ሰባብ ኣውያት Iያ ዝነበረት፡፡ ከምቲ ተጋዳላይ ረድI መሓሪ ኣብ’ቲ ዘጊት ውሩይ ዝዀነ ሓዲሽ መጽሓፉ ዝኣመቶ፡ Iሳያስ ንህዝብና ከተዓሻሹ Iሉ’ዩ ንሕናን Eላማናን ዝበላ Eምበር ከም ሓቅስ Eቲ ኣርEስታ “ኣነን Eላማይን“ Iዩ ክኸውን ዝነበሮ23፡፡

Iሳያስ ኣፍወርቂ ናብ ሰውራ ኤርትራ ክጽምበር ከሎ ሓቀኛ ዓላማUን ባህጉን ነጻነትን ልUላውነትን ኤርትራ ኣይነበረን፣ ብዓቢ ጥንቃቐ ሓቢU ዝንቀሳቐሰላ ዝነበረ Eላማ ትግራይ-ትግርኚ ከምዝነበረት ረድI መሓሪን፡ ተስፋይ ተምነዎን፡ ከምU’ውን ካልOት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ደጋጊሞም ነጊሮምና ኣለዉ፡፡

ብEዋን ብረታዊ ገድሊ Eውን Iሳያስን ተሓባበርቱን ሸቶOም ትግራይ-ትግርኚ ምንባሩ – ኰነ Iሎም ይኹኑ ወይ ከይተፈለጦም – ኣነጺሮም ዝኣመቱሉ ግዜ ነይሩ፡፡ ንኣብነት Eቲ ብብልሑን Eምቈቱን ዝተፈልጠ፡ ረነ ሌፎርት ዝተባህለ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ንሜዳ ህዝባዊ ግንባር ከይዱ Uደት ክገብር ከሎ ዝተዓዘባ ነገር ኣላ፡፡ Aብ’ቲ ብ1983 ዘሕተሞ መጽሓፍ ሓደ ካብ መራሕቲ ህ. ግንባር ብዛEባ Eቲ ውድብ ነዊሕ ገለጻ ክህብ ሰማEኩዎ ይብል፣ Eቲ መራሒ ኣብ’ቲ መግለጺU “Eላማ ገድሊ ኤርትራውያን“ Eንታይ ከምዝዀነ ኣረዲU ክድምድም ከሎ “ንሕና ወረስቲ ንግስነት ኣኽሱም Iና፣ ምስ’ዚ ናይ ሽዋ መንግስቲ ምንም ዘራኽብ ኣይክህልወናን Iዩ!“ በለ፡፡ ወሓለ ተዓዛቢ ረነ ለፎርት ነዚ ምስ ሰምA Eዚ ዘረባ’ዚ ስቕ Iልካ ዝተደርበየ ቃላት ከይኰነስ ከቢድ ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ምንባሩ ኣብ መጽሓፉ መዝገበ24፡፡

Iሳያስ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓይሉ ዘጠጥሐ፡ ኣብ ፈረቓ ናይ ሰብዓታት ኣብ Iትዮጵያ ንሃጸይ ሃይለስላሴን ብመሰረቱ ንንጉሳዊ ስርዓቶምን ቦንቊሱ ዝደርበየ ሰውራ ምስተኻየደ Iዩ፡፡ ኣብ መስርሕ ናይ’ዚ ሰውራ’ዚ ደርጊ ስልጣን ጠቕሊሉ ሓዘ Eሞ፡ ከይዱ-ኸይዱ መንገዲ ዴስነት መሪጸ Iሉ ምስ ሶቭየት ሕብረት ተዛመደ፡፡ Eቲ Eዋን’ቲ ገና ዘመነ ዝሑል ኵናት ኰይኑ ኣብ ሞንጎ ብሶቭየት ዝምራሕ ምስራቓዊ ደምበን ብኣመሪካ ዝምራሕ ምEራባዊ ደምበን ናይ ስነሓሳብን ስትራተጂን ውድድር ዝካየደሉ ዝነበረ Iዩ፡፡

ናይ ደርጊ ምስ ምስራቓዊ ደምበ ምዝማድ ንኣመሪካን ካልOት ምEራባውያንን ረበሾም፣ ስለ’ዚ ኸኣ ንደርጊ ብኸመይ ከምዘውድቕዎ መጽናEቲ ገበሩ፡ ንሰውራ ኤርትራ ብቐጥታ ዝትንክፍ ንድፊ Eውን ኣውጽU፡፡ Eቲ ዘውጽEዎ ውጥን ንሰውራ ኤርትራ ንደርጊ ንምውዳቕ ንጠቐመሉ ዝብል ኰይኑ ኣብ’ዚ ዝስEብ ትንተና ዝተመስረተ ነይሩ፡፡

9 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

25. ዩ.ኤስ ኮንግረስ፡ ገጽ 106

26. ጆን ስፐንሰር፡ ገጻት 63-67

ካብ’ቲ ንደርጊ ዝቃወም ዝነበረ Eጥቃዊ ምንቅስቃሳት Eቲ ዝሓየለ Eቲ ብጀብሃን ሻEቢያን ዝቖመ ሰውራ ኤርትራ Iዩ ዝነበረ፡፡ Eቲ ጸገም – ብኣበሃህላ ኣመሪካውያን መሃንዲሳት ስትራተጂን ፖሊሲን – Eላማ ውድባት ኤርትራ ሙሉE ነጻነት፡ ማለት ካብ Iትዮጵያ ምፍላይ፡ ሙዃኑ Iዩ፡፡ ነጻነት ኤርትራ ኸኣ ምስ Eላማ ወይ ስትራተጂ ኣመሪካ ዝቃዶ ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ ኤርትራ ንበይና Eንተዀይና ንድሕነት Eስራኤል ጠንቂ ሙዃና ስለዘይተርፍ፡፡ Eምበኣር፡ በሉ ኣመሪካውያን፡ ንሰውራ ኤርትራ ንጠቐመሉ፣ ክንጥቀመሉ ከሎና ግን ነጻ ኤርትራ ንድሕነት Eስራኤል ጠንቂ ክትኰነሉ ብዘይትኽEል ኣገባብ ወይ ኩነታት ክኸውን ኣለዎ፡፡

ንሕቶ ኤርትራ ብኸምዚ ንምፍታሕ ዝተፈላለየ ሓሳባት ብኣመሪካውያን ክIላታት ቀረበ፡፡ Eተን ዘገድሳና ቀንዲ ክልተ ሓሳባት Eዘን ዝስEባ Iየን፡፡

Eቲ ሓደ ሓሳብ፡ ምፍላይ ኤርትራ ካብ Iትዮጵያ ንEስራኤል ጠንቂ ኣይከውንን Iዩ፣ ምኽንያቱ፡ ንሙቛም ተ. ሓ. ህ. ት (ናይ ሕጂ ህዝባዊ ወያኔ) ብምጥቃስ፡ ኣብ ትግራይ Eውን ናይ ምፍላይ ምንቅስቓስ ስለዘሎ፡፡ ትግራይ ምስተፈልየት ብገለ መልክE ምስ ኤርትራ ክትሓብር Iያ’ሞ፡ መብዛሕትU ህዝቢ ናይ’ቲ ስሙር ሃገር ክርስትያን ክኸውን Iዩ፡፡ ክርስትያን ዝበዝሕዎ ድምር ኤርትራን ትግራይን ዝዀነ ሃገር ከኣ ንEስራኤል ጠንቂ ኣይከውንን Iዩ፡፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ፕሮፈሰር ቶም ፈረር ዝተባህለ ሊቅ ወይ ክIላ ንናይ ኣመሪካ ሓጋጊ ኣካል (ሰነት) ብነሓሰ 1975 ኣቕረቦ25፡፡

Eቲ ካልኣይ ሓሳብ ወይ Eማመ ድማ ጆን ስፐንሰር ብዝተባህለ ክIላ ዝቐረበ ነይሩ፡፡ ትሕዝቶU ኸኣ ከም’ዚ ዝስEብ ነበረ፡፡ ንደርጊ ኣውዲቖም ሶቭየት ሕብረት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምEትወጽE ክገብሩ ዝኽEሉ ውድባት ኤርትራ Iዮም፡፡ Eዞም ውድባት ግን ካብ Iትዮጵያ ምፍላይ – ማለት ነጻነት – Iዮም ዝደልዩ፡፡ ነጻነት ኤርትራ ግን ንሕና ኣመሪካውያን ንደልዮ ነገር ኣይኰነን፡፡ Eሞ Eንታይ ደኣ ይገበር? Iሉ ነዚ ዝስEብ ውጥን ኣቕረበ፡፡ Eቲ ነጻነት ኤርትራ ዝብል ምንቅስቓስ ደርጊ ክሳብ ዝወድቕ፡ ሶቭየት ሕብረት ከኣ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ትወጽE ይቐጽል፡፡ ደርጊ ወዲቑ፡ ኣብ Iትዮጵያ ስልጣን ምስ ኣመሪካ ብዝሰማማE መንግስቲ ምስተታሕዘ ኤርትራ ነጻ፡ ማለት ፍልይቲ ሃገር ትኹን፡፡

Eቲ ነጻነት ናይ ኤርትራ ግን ነባሪ ዘይኰነስ ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ክህሉ Iዩ ዝተባህለ፡፡ ብቓላት ጆን ስፐንሰር “ፍሊቲንግ ኤክስፐሪየንስ“ – ዘይጸንሕ ወይ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ተሞክሮ – ጥራይ Iዩ ክኸውን፡፡ Eዚ Eምበኣር ኤርትራ ንሓጺር Eዋን ጥራይ Iያ ፍልይቲ ነጻ ሃገር ክትበሃል ማለት Iዩ፡፡ Eንታይ ደኣ ክትከውን Iያ? ብEማመ ጆን ስፐንሰር ኤርትራ ከይዳ-ኸይዳ ከምዚ ዝስEብ ተፈናጪላ ክትጠፍE Iያ፡፡ Eቲ ከበሳን ደንካልያን፡ Eቲ ካብ ምጽዋE ጀሚርካ ንደቡብ ክሳብ ባብ Aልመንደብ ዘሎ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን፡ ምስ Iትዮጵያ ይሕወስ፣ ምስ Iትዮጵያ ኰይኑ ግን ናቱ ውሽጣዊ ምምሕዳር ይህልዎ፡፡ (ምስ Iትዮጵያ ክበሃል ከሎ ኣብ’ዚ ብዝያዳ ምስ ትግራይ ማለት’ዩ፣ ምኽንያቱ ኤርትራን ትግራይን ብቐጥታ Iየን ዝዳወባ፡፡) Eቲ ካልE ሸነኽ ኤርትራ – ማለት ሳሕልን Eቲ ዝተረፈ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብሩሉ ምEራባዊ ቆላን – ከኣ ምስ ሱዳን ይሕወስ፡፡ ከምዚ Iላ ኤርትራ ፋሕ-ብትን ትብል፡፡ Eዚ’ዩ ዝነበረ Eቲ ናይ ስፐንሰር Eማመ26፡፡

10 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

27. ረድI መሓሪ፣ ገጽ 254

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊመ ዝገለጽኩዎ Eዚ ክዛረበሉ ዝጸናሕኩ ናይ በዓል ቶም ፈረርን ጆን ስፐንሰርን ሓሳባት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ግምት ኣEትዩ መሰረት ፖሊሲU ዝገበሮ ይመስል፡፡

ንኤርትራ ፈናጪልካ ንምጥፋE ብዝዓለመ ርሑቕ ስትራተጂ ምEራባውያን: ጀብሃ (ማለት ተ. ሓ. ኤ.) ብድሙር ሓይሊ ህ. ግንባርን ወያኔን ተጠቒዓ፡ ሕጂ ከምዝመስሎ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ንገዛE ርEሳ ብዝነበሩ ኣገልገልቲ ሻEብያን ቁጹራት ወጻI ኣካላትን ተፈርፊራን ተዓንቂፋን፡ ዓቢ ሸነኻ ካብ ሜዳ ተደፊU ወጸ፡፡ ከምዚ Iሉ Eምበኣር ሰውራ ኤርትራ ብፖለቲካ Iሳያስ ተዓብለለ፡፡ ስለዚ ካብ 1980-81 ጀሚሩ Eቲ ብረታዊ ምንቅስቓስ “ሰውራ ኤርትራ“ ተባሂሉ ይጸዋE Eምበር ንኻልE Eላማ – ማለት ንEላማ Iሳያስን ምEራባውያን መጻምድቱን ካልOት ተሓባበርቱን Iዩ ዘገልገለ፡፡ ብኻልE ኣበሃህላ፡ ካብ’ቲ Eዋን’ቲ ጀሚሩ “ሰውራ ኤርትራ“ ህሉው ወይ ሓቀኛ ነገር ዘይኰነስ “ዓረም“ ጥራይ Iዩ ነይሩ፡፡ ካብ መጽሓፍ ረድI መሓሪ ሓንቲ ውቅብቲ ሓረግ ተለቂሐ ነዚ ሓቅ’ዚ ብዝበለጸ ከብርሆ ክፍትን’የ፣ “ከም’ቲ ላም ምራኻ ሞይቱ ክነሱ ብዓረም ነዋርሕ ትሕለብ“27 መንEሰይ ኤርትራ ኸኣ ሰውራ ተጨዊዩ ክነሱ ብኣምሰሉ ሰውራ ኤርትራ ንዓመታት ተታሊሉ፡ ደም ተሓሊቡን ተገንሺሉን’ዩ!!

ፖለቲካ Iሳያስ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ትግራይ-ትግርኚ Iዩ ዝነበረ፡፡ ስለ’ዚ ብስነ-ሞጐታዊ ኣዘራርባ፡ ናይ’ቲ ብረታዊ ምንቅስቓስ ነዊሕ Eላማ ትግራይ-ትግርኚ Eምበር ብሓቂ ምህናጽ ሉዓላዊትን ስምርትን ኤርትራ ኣይነበረን ማለት’ዩ፡፡ ነጻነት ኤርትራ ጭርሖ ወይ ሜላ ጥራይ Iዩ ነይሩ፤ ካሳብ ሕጂ Eውን ዘሎ፡፡፡

በዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ኣዚዩ ዘስተንተነ ኣቡU ኣብ ሜዳ ተሰዊUስ ንሱ Eውን ንEስነቱ ኣብ ብረታዊ ገድሊ ዘሕለፈ – ፓይለት Iዩ ይመስለኒ – ኣብ ፓልቶክ ከምዚ ክብል ሰሚAዮ፡ “ኣነ ንብላሽ ተጋዲለ፤ ኣቦይ ከኣ ንብላሽ ተሰዊU!“ Eዚ ኣበሃህላ’ዚ ንጹህን ቅኑEን Iዩ፡፡ ብኻልE ኣዘራርባ፡ ሕጂ ክርA ኸሎ – ማለት ንኹነታት ናይ’ዛ ሕጂ ነጻ ትበሃል ኤርትራ ኣብ ግምት ብምEታው – “ኣነ ንጥቕሚ ኤርትራ ኣይተጋደልኩን፡ ኣቦይ ከኣ ንረብሓ ኤርትራ ኣይኰነን ህይወቱ ዝሃበ“ Iዩ ዝብለና ዘሎ፡፡

ከም’ቲ Eዚ ተጋዳላይ ዝብሎ ዘሎ፡ ካብ’ዚ በዓል Iሳያስ ነጻነት ዝብልዎ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣይተጠቕመን፡፡ Eቲ ህይወቱ ዝሃበን ዝሰንከለን ጥራይ ከይኰነሰ ኩሉ Eቲ ዝተጋደለ ዜጋ ግን ንህዝበይን ንሃገረይን ክውፈ ብዝብል ሕልና Iዩ ዝነበረ፣ ስለ’ዚ ኸኣ ክኽበር ዝግባO ሙዃኑ ከስምረሉ Eደሊ Iየ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣይተጠቕመን Eንተተባህለ ግን፡ ዝተጠቕመ ኣካል ፈጺሙ የልቦን ማለት ኣይኰነን፡፡ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ሓደ ነገር – መስዋEቲ ይኹን ሽቕለት፡ ወይ ገድላዊ ጻEሪ – ብላሽ ኣይከይድን Iዩ፡፡ዝጥቀም ኣካል ኣሎ፡፡ Eቲ ሕቶ መን’ዩ Eቲ ዝጥቀም ኣካል Iዩ፡፡ ካብ መስዋEቲ ደቂ ኤርትራ፡ ካብ ገድላዊ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጠቕሙ ኣካላት ኣለዉ፡፡ Eቶም ንደርጊ ከውድቑ ንጽልዋ ዴስነት ከኣ ክዓናቕፉ ዝተንቀሳቐሱ ምEራባውያን ሓይልታት ሸቶOም ሃሪሞም፤ ህዝባዊ ወያኔ ኣብ Iትዮጵያ መንግስታዊ ስልጣን ክሕዙ ክIሎም፤ Iሳያስ ኣፍወርቅን ጉጅለUን ከኣ ኣብ ኤርትራ ነጊሶም መደቦም የሰላስሉ ኣለዉ፡፡ ካልOት ዝተጠቕሙ ኣካላት – Eንኰላይ ኤርትራውያን ውልቀሰባት – ከምዘለዉ Eውን ክግመት ይከኣል’ዩ!!

11 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

ኤርትራ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ኣብ መስርሕ ጥፍኣት፡ ኣብ መንገዲ ሞት ትርከብ፡፡ ዝርዝር ናይ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓሳረ-መከራ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ Iዩ፡፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣዚዩ ዘጉህን ዘተሓሳስብን ነገር Eዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ክመጽE ወይ ክኽሰት ዘይግብO ምንባሩ Iዩ፡፡

ህሉው ኩነታት ኤርትራ ነቲ ቭላዲሚር ፖዝነር ዝተባህለ ሩስያዊ (ሶቭየት) ተዓዛቢ ኣብ ጥቓ መወዳEታ 80ታት ዝበሎ የዘኻኽረኒ፡፡ ኣብ ኣመሪካ ፊል ዶነሂው ዝተባህለ ጋዜጠኛ “ብዛEባ ሃገርካ ኣዚዩ ዘሕዝነካ ነገር Eንታይ Iዩ?“ Iሉ ምስ ሓተቶ ፖዝነር፡ “ሃገረይ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽEል ከምዝነበረት ግምት ኣሎኒ፤ ብኽዉን ወይ ብጭቡጥ ኣበይ ከምዘላ ኸኣ Eፈልጥ Iየ፤ ኣብ ሞንጎ Eቲ ክትበጽሖ ትኽEል ዝነበረትን Eቲ ብክዉንነት ዘላቶን ዘሎ ገፊሕ ፍልልይ የሕዝነኒ“ Iሉ መለሸ፡፡ Eዚ ንኹነታት ኤርትራ ከምዘለዎ (ማለት ብልክE) ዝገልጽ ኣበሃህላ Iዩ፡፡

ኤርትራ ክሳብ ኣበይ ክትስጉም ትኽEል ከምዝነበረት ንፈልጥ Iና፤ ብሕልፊ Eቶም ንEስነት ኣብ ዓዲ ዘሕለፍና ሕጂ ኣብ ናይ ህይወት ድሕሪ-ቐትሪ Eንርከብ!! ኤርትራውያን ከም ህርኩታት Iና Eንፍለጥ ዝነበርና፤ ሓቂ’ዩ Eውን፤ ብምኽንያት ኩነታትናን ዋሕዲ ባህርያዊ ጸጋታት ሃገርናን፡ ህይወትና ንኽንEንግል ንሰርሕ፡ ንጽEር Iና፤ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት – ኣብ Iትዮጵያ ይኹን ኣብ ሱዳን ንኣብነት – ከም ህርኩታትን ኣፍረይትን፤ ብቑዓትን ክIላታትን Eሙናትን ተፈሊጥና ንኽበር ዝነበርና Iና፡፡ ብሓቂ ኸኣ ተደለይቲ ነይርና፡፡

ከም ነጻ ሃገር Eምበኣር ንተኽEሎታትና ወይ Eቑር ዓቕምታትና ኣብ መዓላ ኣውIልና ከም ሕብረተሰብ ክንEምብብ፡ ክንምEብል፡ ክንደምቕን ክንኩላEን Iዩ ዝግባE ዝነበረ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክዉንነት ግን ኣንጻር ናይ’ቲ ዝግባE Iዩ፡፡

ኤርትራ ብናይ ኩሉ መዳያት መለክIታት ፍንፍንቲ ኰይና ኣላ፡፡ ህዝብና በዚ ሎሚ Eታ ዝሃሰሰት መሰል ፖለቲካ ዘይብሉ፤ ሰብኣዊ መሰላቱ ፈጺሙ ዘይተሓለወሉ፤ ኣመና ዝተዓዛዘሮ ድኽነት ዝደቖሶ፤ ማሕበራዊ ናብራU ሰብኣውነት ዝሓረሞ፤ ኩነታት ህላዌU ፍርህን ራEድን ዓብሊሉዎ ኣፋፍኖት ድሕነት ወይ ሕሉውነት ዘይብሉ Iዩ፡፡ ብፍላይ ኩነታት መንEሰያትና ኣዚዩ ዘሕዝን፡ Eቲ ዝዓሞቐ ትራጀዲ Iዩ ኰይኑ ዘሎ፡፡ መንEሰያትና ኣብቲ ክሕጐሱሉ ዝግባE Eድመ ሳዋ ዶስ ኣገልግሎት ዶስ ንዝበሃል ባርነት ይዳረጉ ኣለዉ፡፡ ካብ ከምዚ ዝበለ ገሃነም ንምህዳም ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ ገሊOም ኣብ ማEከላይ ባሕሪ Eናጠሓሉ ሺሻይ ናይ ምሕረት-ኣልቦ ዓሳታት ይዀኑ ኣለዉ፣ ገሊOም ከኣ ብEፍሊ ኣረሚን ተጨውዮም ከም Eንስሳ Eናተጠብሑ ኩላሊቶምን ካልE ውሽጣዊ ኣካላቶምን ተዘሚቱ ሬሳታቶም ኣብ ምድረበዳታት ሳሃራን ሳይናይን ይባድን ኣሎ፡፡ Eዚ ፈጺሙ ዘስካሕክሕ ንኽትሰምO Eውን ዘባህርር መከራ Iዩ፡፡

ንምዃኑ ደቂ ኤርትራ ነዚ መከራ’ዚ ክሳጥሑ ከለዉ Eቲ መንግስቲ ኣስመራ Eንታይ ይገብር ኣሎ ዝብል ሕያዋይ ሓታቲ ኣይሰኣንን፡፡ Eዚ Iሳያስ ኣፍወርቂ ዝሓለቕU ንሃገርና ዝገዝE ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብሓቂ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኰነን፤ Eዚ ሓደ ኣብ ልEሊ ኤርትራውያን ጽልEን ቅርሕንትን ዘለዎ ናይ ተመሳጠርቲ ጋንታ (ካባል) Iዩ፤ Eቶም ተመሳጠርቲ ከኣ ብትውልዶም ወይ መበቆሎም ተጋሩ ሙዃኖም ብዘየገድስ ኤርትራውያን ክዀኑ ዝኽEሉ ዝነበሩ፡ ግን’ከ ብምኽንያት Eንታይነቱ ዘይተመርመረ ጸገም፡ ንህዝብና ብዘጥቅE መልክE ኣዋፈርቲ ትግራይ-ትግርኚ ክዀኑ ዝመረጹ Iዮም፡፡

12 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

ምስ’ዚ ብዝተዛመደ ክለዓል ዘለዎ ዘሕዝን ጉዳይ ኣሎ፡፡ ንነዊሕ ዓመታት ንIሳያስ ኣብ ሜዳ – ደሓር Eውን Aብ መንግስቲ ህግዲፍ – ዘገልገልዎ፡ ከም በዓል ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩE)፡ማሕሙድ ሸሪፎ፡ Eስጢፋኖስ ስዩም፡ ጴጥሮስ ሰለሞን፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ኣስቴር ፍስሓጽዮን፡ በራኺ ገብረስላሴ፡ Uቕበ ኣብርሃ፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር ዝኣመሰሉ፡ ኣብ’ቲ ገሃነማዊ ቤት-ማEሰርቲ Iራ-Iሮ ተዳጕኖም፡ ገሊOም መይቶም ገሊOም ከኣ Eናተሳቐዩ ሞቶም ይጽበዩ ኣለዉ፡፡ Eዞም ተጋደልቲ’ዚOም ዝፈጸምዎ ገበን የለን፤ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ንኽተኣታቶ መታን ጽገና ብምሕታቶም ጥራይ Iዮም ንኣበሳ ዝተዳረጉ፡፡ ንጉዳይ ናይዚኣቶምን ካልOት Eሱራትን ትርI ሓንቲ ኣገዳሲት ነጥቢ ኣላ፡፡ ንሳ ኸኣ ኩሎም Eዞም ብIሳያስ ዝEሰሩን ብዝተፈላለየ ሜላታት ዝቕንጸሉን ዘለዉ ዜጋታት ውጹኣት ኤርትራውያን ሙዃኖም Iዩ፡፡ ብዙሓት ከምዝሕብሩኒ፡ ብመንግስቲ Iሳያስ ዝተቐንጸሉ ወይ’ውን ዝተኣሰሩ ብትውልዶም ተጋሩ ዝዀኑ ኤርትራውያን የለዉን፡፡ Eዚ ኣገዳሲ ትEዝብቲ Iዩ!!

ድሕሪ Eዚ ነጻነት ተባሂሉ ዝጽዋE ኩነታት፡ ኤርትራ ንቕድሚት ኣይሰጐመትን ጥራይ ኣይኰነን፡፡ ካብ’ቲ ዝነበረቶ ንድሕሪት ተዓዚራስ ኩለን ጐረባብታ ቀዲመንኣ ትርከብ፡፡ Eታ ቀደም ብዘመናዊ ምEባለ ኣዚያ ድሕሪት ዝነበረት ትግራይ Eኳ ሕጂ ንኤርትራ ሕርሕራይ ገይራ ቀዲማታ Eነሃ!! ኣብ ትግራይ ዘሎ ምEባለ ኣዚዩ ዘሐጉስ Iዩ፣ ተጋሩ ብሓቂ ነፊOም! Eቲ ሕቶ ዘሎ ኤርትራ ከመይ’ላ ትሓምቕ’ዩ? Eሞ ኸኣ ብተጋሩ Eናተገዝኣት!! ትግራይ ኣዚያ EናማEበለት፡ ኤርትራ ኸኣ ብኣንጻሩ Eናተዶቕሰትን Eናደሓረትን ክትከይድ ምርኣይ ጉዳም ዝዀነ ነገር Iዩ፡፡

ሃገርና ከመይ’ላ ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ’ዚ ዓዘቕት’ዚ ወደቐት? ዝብል ሕቶ ብዙሕ ወይ’ውን መብዛሕትU ኤርትራዊ ዝጭነቐሉ ዘሎ Iዩ፡፡ Eዚ ሕቶ’ዚ ግን ብሩህ መልሲ ኣለዎ፡፡

Eዚ ኩነታት’ዚ ዝህልወሉ ምኽንያት ኤርትራ ንሽሙ Eምበር ብሓቂ ነጻን ሉዓላዊትን ሃገር ዘይሙዃና Iዩ፡፡ ሓንቲ ሃገር ነጻ ወጺኣ ክበሃል ከሎ Eቲ ነጻነታን ልUላውነታን ነባሪ Iዩ ብዝብል ትርጉምን ተረድOን Iዩ፡፡ ኤርትራ ግን፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፡ ደርጊ ምስ ወደቐ ንሓጺር Eዋን ጥራይ ነጻን ፍልይትን ሃገር ተባሂላ ትጸንሕ፣ ብድሕሪU ግን ፋሕ-ብትን ክትብል Iዩ Eቲ መደብ፡፡ ንዝተወሰነ Eዋን ፍልይትን ሉዓላዊትን፣ ብድሕሪU ግን ፋሕ-ብትን Iላ ክትጠፍE ብዝብል መደብ ዝመጸ ኩነታት ነጻነት ኣይኰነን፡፡ Eምበኣር Eዛ ሕጂ ዘላ ኩነታት ኤርትራ ናይ ነጻነትን ሉዓላዊነትን ከይኰነትስ ናይ ምስግጋር መድረኽ Iያ፡፡ ከም’ታ “ፈደረሽን“ ናብ ፍጹም ምጽንባር መሰጋገሪት ዝነበረት፡ ናይ ሕጂ “ነጻነት“ ከኣ ንፋሕ-ብትን ሃገርናን ንሙቛም ትግራይ-ትግርኚን ተመቻቹ መሰጋገሪት መድረኽ Iያ፡፡

ትሕዝቶ ናይ’ዚ ሕጂ ንርEዮ ዘሎና ኩነታት ንኤርትራ ትርጉም-ኣልቦ ዝገብር Iዩ፡፡ ንኤርትራዊ መንነታዊ ስምIት ዘዳኽም፣ ንኤርትራ ብዘይ መንEሰይ ኣትሪፉ መጻI Eድል ዘይብላ ዝገብር፣ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ መንEሰያት፡ ናብ’ታ በዚ Eዋን’ዚ ዝነኣድ ምEባለታት ዝርኣየላ ዘሎ ትግራይ ገጾም ብቕንEን ብሃረርታን ንኽጥምቱ ዝግድድ፣ ብሓጺሩ ኤርትራውያን – ብፍላይ ትግርኛ ዝዛረቡ ኤርትራውያን – ትግራይ-ትግርኚ፡ ማለት ምስ ትግራይ ምጽንባር፡ ንዝብል መደብ ንኽቕበሉ ብመንፈስን ብስነኣEምሮን ዘዳሉ Iዩ፡፡

ስነመጐት ትግራይ-ትግርኚ Eምበኣር ኤርትራ ንህዝባ ዘይተሐብን፣ ብህዝባ ዝተጸልAት ንኽትከውን ዝግድድ Iዩ፡፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዚ’ሉ ሕሱም ምስዝኸውን ህዝብና “ርኣዩ’ንዶ! ትግራይ ማEቢላ ኣበይ በጺሓ Eናህልኩም! ምስ ትግራይ ምሕዋሰ ይሕሸና“ ንኽብል Iዩ Eቲ ውጥንን ትጽቢትን ኣሳወርቲ ትግራይ-ትግርኚ፡፡

13 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

28. ኣብ ማውሪዚዮ ቪሮሊ ከምዝተጠቕሰ፤ ገጻት 84-85

ብደቡብ – ማለት ብወገን Iትዮጵያ – ከኣ ከምU ንመደብ ትግራይ-ትግርኚ ምድላዋት ዝመስል ይግበር ነይሩን ኣሎን፡፡ ቀንዲ ኣካል ናይ’ዚ ምድላዋት’ዚ ኸኣ Eታ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ትብል ሰራም ኣምር Iያ፡፡ ህዝባዊ ወያኔ ዝዓብለሎ መንግስቲ Iህኣዲግ ነዛ ናይ ምግንጻል መሰል ኣብ ሕገ-መንግስቲ Iትዮጵያ ከምትሰፍር ገይሩ Iዩ፡፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 39 ሕገ-መንግስቲ Iትዮጵያ ትግራይ ክትፍለ ትኽEል Iያ፡፡ ብርግጽ Eውን፡ ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ፡ ንትግራይ ምፍላይ ህዝባዊ ወያኔ – ወይ ገለ ኣካል ኣብ ወያኔ – ከም ናይ መወዳEታ ኣማራጺ ዓቝሩዋ ዘሎ ተኽEሎ Iያ፡፡

ውድብ ህዝባዊ ወያኔ Eዛ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ትብል ሰበብ ኣብ ኤርትራ Eውን ንኽተኣታቶ ንነዊሕ Eዋን ጻEርታት ገይሩን፡ ገና ይገብር ኣሎን፡፡ Eተን ምስ ወያኔ ክሳዳዊ ዝምድና ኣሎና ዝብላ፡ – ብኣረኣEያ ብዙሓት ግን ንUሳት መሻርኽቲ ወይ’ውን ምEዙዛት ወያኔ ዝዀና፡- ውድባት ኤርትራ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ንትብል ኣምር መለለዪተን መርገጽ ገይረንኣ ኣለዋ፡፡

Eዛ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ትብል ቋንቋ ብቐጥታ ንመደብ ትግራይ-ትግርኚ ተገልግል Iያ፡፡ Eተን ብሄረሰባትና ወይ ገለ ካብኣተን ተፈሊና Iና ምስዝብላ Eቲ ትግርኛ ዝዛረብ ከበሳ Eውን ምስ ትግራይ ይኸይድ Eሞ ሕልሚ ትግራይ-ትግርኚ ይረጋገጽ፡፡

ኣነ ብማEርነት ብሄረሰባትና Eኣምን፣ ብመሰል ርEሰውሳኔ ብሄረሰባትና Eኣምን፡፡ Eዚ ክብል ከለኹ ግን መሰል ብሄረሰባትና ዝረጋገጽ ኣብ ውሽጢ ሓንትን ስምርትን ኤርትራ ማለተይ Iየ፡፡ ንኤርትራ ብሽም ርEሰ-ውሳኔ ፋሕ ንዘብል መደብ ምውፋር ሃገራዊ ክድዓት – ትሪዝን – ካብ ሙዃን ኣይሓልፍን Iዩ፡፡

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተኣመተ Eቲ ብድሆ በዚ ሎሚ ኤርትራ ትሃሉዶ ኣይትሃሉ ዝብል’ዩ፡፡ ሃገር ንኽትህሉ ኩሉ ኤርትራዊ ንሓርነታዊ ቃልሲ Eጃሙ ከበርክት ኣለዎ፡፡ መልክE ውደባ ናይ’ዚ ቃልሲ’ዚ ኸኣ ግንባር ዓደ’ቦ Iዩ፡፡

– ፭ –

ዓደ’ቦ ማለት ብዘወትር ተረድO ወይ ቃል-ብቓሉ ክውሰድ ከሎ፡ ኣቦታትካ ቀቅድሚOም ከኣ ኣባሓጎታትካ ዝነበሩሉ ዓዲ ወይ ከባቢ ማለት Iዩ፡፡ ኣብ ስነ-ፖለቲካ ግን ዓደ’ቦ Eሙቕ ዝበለ ትርጉም ኣለዎ፡፡ ንሓደ ውሱን ወይ ፍሉጥ ቦታ ወይ ዓዲ ጥራይ ኣይኰነን ዝምልከት፣ Eንታይ ደኣ ንሓደ ልሉይ “ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን“ ትሕዝቶ ዘለዎ ህዝቢ Iዩ፡፡ ብምEቡል ወይ በቲ ዝማEበለ መልክU ወይ Eንታይነቱ ካብ ወለዶታት ጀሚሩ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቦታ ዝነብር ናይ ሓባር ቋንቋ ባህልን መሰረታዊ ክብርታትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ማለት’ዩ፡፡

ጁዘፐ ማዚኒ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ንሙቛም ሃገረ-Iጣልያ – ሪሶርጂመንቶ – ዝተቓለሱ ክልሰ-ሓሳባውያን ንትርጉም ዓደ’ቦ ብዝርI ከምዚ ዝስEብ በለ፡፡

“ዓደ’ቦ ቦታ ወይ ቦታ ጥራይ ኣይኰነን፣ ቦታ መሰረት ጥራይ Iዩ፣ ዓደ’ቦ ኣብ’ቲ መሰረት’ቲ ዝተሃንጸ ሓሳብ Iዩ፣ ናይ ፍቕሪ ሓሳብ፣ ነቶም ኩሎም ደቂ Eቲ ቦታ ዘሕብር ናይ ውህደት መንፈስ Iዩ፡፡“28

ኣብ ታሪኽ፡ ዓደ’ቦ ክበሃል ከሎ ዝተፈላለየን ማEባልን ትርጉም ነይሩዎን ኣለዎን፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣውሮጳ ቅድሚ ገለ ኣማEታት ዓመታት – ማለት ብዘመነ መስፍንነት –

14 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

29. ኣብ’ዚ ገጻት’ዚ ዘሎ ንዓደቦነት ኤርትራን፡ ንሕቶ ትግራይን ዓደቦነትን ዝምልከት ጭቡጥ ሓበሬታታት መብዛሕትU ወይ’ውን ዳርጋ ኹሉ ካብ’ቲ ኣለምሰገድ ኣባይ ዝደረሶ፡ “Identity Jilted or Re‐imgining Identity“ ዘርEስቱ መጽሓፍ ዝወሰድኩዎ Iዩ፡፡ ንፕሮፈሰር ኣለምሰገድ ከም’ዚ ዝበለ ብትሕዝቶU ሃብታም ዝዀነ መጽሓፍ ብምብርካቱ ከመስግኖ Eደሊ፡፡ ኣብ ገሊU ነጥብታት ዘይሰማማዓሉ Eንተዀንኩ Eኳ፡ Eዚ መጽሓፍ’ዚ ጠቓሚ ሙዃኑ Eምስክር፡፡

ዓደ’ቦ ዝብል ኣምር ጸቢብ ትርጉም’ዩ ዝነበሮ፡፡ ንኣውራጃ፡ ዞባ፡ ክፍለ-ምምሕዳር ወይ ወረዳ ዝኣመሰለ ከባቢታት Iዩ ዝምልከት ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ኣብ ኣውሮጳ ርEሰ-ማላዊ ስርዓተ-ቁጠባ ተቐልቂሉ ሃገር ብሙሉU ምስተራኸበን ብማሕበረ-Iኮኖሚያዊ መዳይ ምስተሓዋወሰን ዓደ’ቦ ነቲ ናይ’ቲ ሃገር ብዓቢU ፖለቲካውን ባህላውን ሕብረተሰብኣዊን ማሕበረ-ኮም ዝምልከት ኣምር ኰነ፡፡

ስሉስ ዓለማዊ ሃገራት ብኣቀዋውማAንን ደረጃ Eብየተንን ካብ ናይ ኣውሮጳን ካልOት ምEቡላት ሃገራትን ይፍለያ Eየን፡፡ ብውሽጣዊ ታሪኻዊ መስርሐን ዘይኰነስ ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባት ኣብ ቁጽጽር ባEዳዊ ሓይሊ ኣትየን ብምጥርናፈን ዝቖማ ኣካላት Iየን፡፡ ኣመጻጽAAንን ደረጃ ምEባለAንን ብዘየገድስ ግን ዓደ’ቦታት Iየን፡፡ Eቲ ካብ ባEዳዊ መግዛEቲ ነጻ ንምውጻE ዘካየዳO ቃልሲ ከም ፍትሓውን ብቑEን ምክልኻል ዓደ’ቦ ተፈሊጡ ብሓይልታት ግስጋሰን ሰላምን ተደጊፉ Iዩ፡፡

ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ክንጸር ዘለዎ ሓደ ነጥቢ ኣሎ፡፡ ወረርትን ዓመጽትን መንግስታት Eውን ምክልኻል ዓደ’ቦ ወይ ውን ግንባር ዓደ’ቦ ንዝብል ሓረግ ንስለ መዝማዝን ጸረ-ሰላምን Eላማታት ይሮቕሑዎ Iዮም፡፡ Eዚ ግን ሓቀኛ ግንባር ዓደ’ቦ ኣይኰነን፡፡ ፍቕሪ ሕብረተ-ሰብ ዘይብሉ፤ ንስሱEን መዝማዝን ጥቕሚ ውሑዳት ጥራይ ዝሓሊ ናይ ሓሶት ጭርሖ Iዩ፡፡ ግንባር ዓደ’ቦ ፍትሓውን ቅቡልን ዝኸውን EላማU መሰል ንምክልኻል ወይ ከኣ ንኻልOት ብዘይሃሲ መልክE ንመሰልካ ምጥቃም ምስዝኸውን Iዩ፡፡

ኤርትራ ዓደ’ቦ ዲያ? ወይ ከኣ ንኤርትራውያን ዓደ’ቦOም መን’ያ? Eዚ ሕቶ’ዚ ብ40ታት ብዙሕ ይዝረበሉ ነይሩ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት Eቲ መዛረቢ ዝነበረ ኸኣ በቲ Eዋን’ቲ Eቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝተባህለ ማሕበር ሒዙዎ ዝነበረ ፖለቲካ ትግራይ-ትግርኚ Iዩ፡፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣባላት Eቲ ማሕበር’ቲ ኤርትራ ክብሉ ከለዉ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ፈለማ መድረኻት፡ ትግራይ-ትግርኚ (ኣለውሃ ምላሽ) ማለቶም’ዩ ዝነበረ፤ ስለ’ዚ ብተግባርስ ዓደቦና ትግራይ-ትግርኚ Iያ ይብሉ ነይሮም ማለት Iዩ፡፡

ሎሚ’ኸ Eቲ ትግርኛ ዝዛረብ ኤርትራዊ ዓደቦይ ክብል ከሎ Eንታይ ወይ ኣየነይቲ ዓዲ ማለቱ Iዩ? ተጋሩኸ ዓደ’ቦና መን ወይ ኣየነይቲ ዓዲ’ያ ይብሉ?29

ዓደ’ቦ ብዛEባ ዝብል ቃል ትግርኛ ዝቛንቋOም ኤርትራውያን ሓደ ተረድO የብሎምን፡፡ ንኣብነት ኣብ ሞንጎ ከበሳውያን ገባርን ከበሳውያን ናይ ፖለቲካ ተዋሳEትን ናይ ተረድO ፍልልያት ኣሎ፡፡ መንነታዊ ስምIት ወይ Eምንቶ ከበሳውያን ገባራት ኣብ’ቲ ዝጸንሐ ጥንታዊ ታሪኽን ባህልን ዝምድናታትን ዝተመስረተ Iዩ፡፡ ምስ’ዚ ብዝተዛመደ ከፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ፤ ንሱ ኸኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛEቲ ጣልያን ኣብዝነበረትሉ ጊዜ Eንተዀነ Eውን Eቲ ህዝቢ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ከም ቀደሙ ይራኸብን፡ ይተኣታቶን ምንባሩ Iዩ፡፡

ዓደቦና መን’ያ ትብሉ? ብዝብል ሕቶ ኣለምሰገድ ኣባይ ንገባር ከበሳውያን ኤርትራ መጠይቕ (ኩወሽነር) ኣቕሪቡሎም ነይሩ፡፡ ካብቶም ዝተጠየቑ ገባር 21.4% ጥራይ Iዮም ዓደ’ቦና ኤርትራ’ያ ዝበሉ፡፡ መብዛሕትOም፡ (ማለት 53.6%) ዓደ’ቦና ዝበሉዋ ነታ ቁሸቶም

15 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

30. ኣለምሰገድ ኣባይ፡ ገጽ 160

31. ከማሁ፡ ገጻት 153-154

32. ከማሁ. ገጽ 168

ወይ ነታ ኣቦታቶምን ኣበሓጎታቶምን ዝተወለዱላ ከባቢ Iያ፡፡ ገለ ኣዚዮም ውሑዳት Eውን ዓደ’ቦና ትግራይ-ትግርኚ ወይ ትግራይ’ያ ዝበሉ ነይሮም30፡፡

ገባር ተጋሩ’ኸ? መብዛሕቶም ከይኰኑስ ብዙሓት (39.3%) ተጋሩ ገባር Eውን ዓደቦና ዝበሉዋ ነታ ቁሸቶም ወይ ነቲ ውሱን ናይ ትውልዶም ከባቢ Iዩ፡፡ ገለ 25% ግን ዓደቦ’ና ትግራይ Iያ በሉ፡፡

ኤርትራውያንን ተጋሩን ብምኽንያት መግዛEቲ ጣልያን ን62 ዓመታት ተፈላሊዮም ነይሮም Iዮም፡፡ ከም ሳEቤን ናይ’ዚ ምፍልላይ’ዚ ታሪኻዊ ጸላIኹም መን’ዩ ወይ ከኣ ታሪኻዊ ጸላEትኹም መን’ዮም ኣብ ዝብል ሕቶ ይፈላለዩ Iዮም፡፡ ኤርትራውያን ኣብተን 62 ዓመታት ብጣልያን ከም ባሮት ይግዝU ነበሩ፤ Eቶም ተጋሩ ኸኣ ንግስና ሃጸይ ዮሃንስ በናይ ሸዋ ኣምሓሩ ተመንጢሎም ብኣምሓሩ ተገዝU፡፡ ኤርትራውያን ንጣልያንን ንኻልOት ስግር-ባሕሪ ባEዳውያንን ጸልU፡፡ ተጋሩ ኸኣ ኣብ ልEሊ ኣምሓሩ – ብፍላይ ኣብ ልEሊ ናይ ሽዋ ኣምሓሩ – ቂምን ቅርሕንትን ኣሕደሩ፡፡

ካብ’ዚ ታሪኽ’ዚ ብዝነቐለ ምኽንያት ይመስል፡ ታሪኻዊ ጸላEትኹም መን’ዮም ንዝብል ሕቶ ኤርትራውያንን ተጋሩን ዝተፈላለየ መልስታት ኣለዎም፡፡ Eቶም ገባር ኤርትራውያን መብዛሕትOም (86%) ታሪኻዊ ጸላEትና Iሎም ብቐዳምነት ንቱርኪ፡ ቀጺሎም ከኣ ብመስርE ንግብጺን፡ ጣልያንን Eንግሊዝን ሮቚሖም፡ ኣብ መወዳEታ ኸኣ ንሃይለስላሴን ንደርግን ይጠቕሱ፡፡ Eቶም ተጋሩ ግን ታሪኻዊ ጸላEትኹም መን’ዮም ክበሃሉ ከለዉ መብዛሕትOም (ማለት 82.1%) “ኣምሓሩ፤ ብፍላይ ናይ ሽዋ ኣምሓሩ“ Iሎም Iዮም ዝመለሹ፡፡ ውሑዳት (ማለት 10.7% ጥራይ) ንቱርክን ንጣልያንን ከም ታሪኻዊ ጸላEቲ ሓወስዎም31፡፡

ኤርትራውያንን ተጋሩን ኤሊት (ማለት Eቶም ናይ ፖለቲካ ተዋሳEቲ) ዓደ’ቦኹም መን’ያ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ፍልልያት ነይሩ፤ Eቲ ፍልልያት ኣዚዩ የገድሰና Iዩ፡፡ መልስታቶም ከመይ ነይሩ? ብኤርትራውያን ንጀምር፡፡ ኤርትራውያን ተዋሳEቲ ፖለቲካ ንገዛE ርEሶም ዓደ’ቦና መን’ያ ኣብ ዝብል ሕቶ ቁሩብ ፍልልይ ነይሩዎም፤ ቁሩብ’ዩ ግን፡፡ ንUስ ክፋል ናይቶም ዝተሓተቱ (ማለት 26.5%) ዓደ’ቦOም ንሳቶም ወይ ኣቦታቶም ዝተወልዱሉ ቦታ ሙዃኑ ገለጹ፡፡ መብዛሕትOም ግን (ማለት 71.4%) ዓደ’ቦና ኤርትራ Iያ Iዮም ዝበሉ፡፡ ንኣብነት ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ከም’ዚ ዝስEብ በለ፡

“ኣብ (ነጻነታዊ) ገድሊ ዝነበረ ኩሉ ሓወይ Iዩ፡፡ መሓመድ Oስማን (ሓደ ተጋዳላይ ዝነበረ) ሓወይ Iዩ፡፡ ንኽልቴና ኸኣ ዓደ’ቦ ክበሃል ከሎ ኣብ ሓንጐልና EትመጽE ኤርትራ Iያ“፡፡32

ዓደቦ’ይ ትግራይ-ትግርኚ Iያ ዝበለ ኤርትራዊ ናይ ፖለቲካ ተዋሳI የልቦን፡፡

ኤርትራውያን ዓደ’ቦና ኤርትራ Iያ ክብሉ ከለዉ ግን ኤርትራ ዓደ’ቦ ካብ Eትኸውን ነዊሕ ዘመናት ከምዘይኰነ ይኣምኑ Eዮም፡፡ Eኳ ደኣ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብቐንዱ ዝተቐልቀለ ኣብ ምፍላም መግዛEቲ ጣልያን – ማለት ኣብ መወዳEታ 19 ክፍለ-ዘመን – ሙዃኑ የስምሩሉ፡፡ Eዚ ማለት ከኣ – ቁሩብ ጽንሕ Iለ ከምዝገልጾ – ዓደቦነት ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምEባለ Iዩ ዘሎ ማለት Iዩ፡፡

16 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

33. ከማሁ፡ ገጽ 169

34. ተክለጻድቅ መኩርያ፡ ገጽ 471

ተጋሩ ፖለቲከኛታት (ወይ ተዋሳEቲ ፖለቲካ – ኤሊት) ናይ’ዚ Eዋን’ዚ ዓደቦኹም መን’ያ ንዝብል ሕቶ ዝሃቡዎ መልሲ ብመንፈስን ኣተሓሳስባን ካብቲ መብዛሕትOም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ዝሃብዎ መልሲ ብኣገዳሲ መጠን ይፍለ Iዩ፡፡ ካብዞም ተጋሩ EዚOም ዓደ’ቦና Iትዮጵያ Iያ ዝበሉ 3.6% ጥራይ Iዮም፡፡ መብዛሕትOም ካብቶም ዝተሓተቱ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ዓደቦና ትግራይ Iያ Iዮም ዝበሉ፤ Iትዮጵያ ኣይበሉን፡፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልሽ ከሎ፡ ቁሩብ “ዝግ ድሕሪ ምባልን ምውልዋልን“ ዓደ’ቦ ክበሃል ከሎ ኣብ ሓንጐሉ EትመጽE “ትግራይ“ ሙዃና ገሊጹ፡፡ ከምU Eውን ኣቶ ጸጋይ በርሀ፡ ክሳብ Eዚ ቀረባ Eዋን ናይ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት ዝነበረ፡ ሕጂ ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ወያነ ዘሎ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልሽ ከሎ ከይተወላወለ “ዓደ’ቦይ ትግራይ Iያ“ Iዩ ዝበለ፤ Iትዮጵያ ኣይበለን፡፡ “ብትግራዋይነተይ ኣቢለ Iየ Iትዮጵያዊ ዝኸውን“ ብምባል ግን ነታ መልሱ ስሕውቲ Iትዮጵያዊነት ኣጐልቢቡዋ Iዩ፡፡33

Eዚ ዓደ’ቦና ትግራይ Iያ (Iትዮጵያ ኣይኰነትን) ዝብል ኣራኣEያ ካብ ልሉያት ኣባላት መሪሕነት ህ. ወያኔ ክወጽE ከሎ የተሓሳስበካ Iዩ፡፡ (ንኣብነት ሓደ ኣብ መሪሕነት ኤርትራዊ ውድብ ዘሎ ሰብ ዓደ’ቦይ Iሉ ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ዝሮቍሕ፡ ንባርካ ወይ ንቢለን ወይ ንኩናማ ወይ ከኣ ንሓንቲ ካብዘን ናይ ከበሳ ኣውራጃታትና – ማለት ሓማሴን፡ ኣከለጉዛይ – Iሉ Eንተዝጠቅስ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ኣዚዩ መሰከፈና ይመስለኒ!!) ኣብ ታሪኽ Iትዮጵያ Eቶም ነጋውስ “ዓደ’ቦ“ ክብሉ ከለዉ Eቲ ሓሳብ ነታ Iትዮጵያ ሙዃኑ Eናደልደለ ዝመጸ ነይሩ፡፡ “Eናት ኣገር“ ይብሉዋ! ንኣብነት ሃጸይ ዮሃንስ Eኳ፡ ተምቤን ዝመወለዶም ትግራዋይ፡ ንIትዮጵያ Iዮም ዓደ’ቦ ዝቖጽርዋ ዝነበሩ፡፡ ነዚ ኣነጺራ ተመልክት ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝጠቅሱዋ ናይ’ዞም ሃጸይ ዓሟቕ ዘረባ ኣላ፡፡ በ1887 ምስ ጣልያን ውግE ንምግጣም ንሰሓጢ ክብገሱ ከለዉ ንመኳንንቶምን ንሰራዊቶምን “Eኔም ስለ Eናቴ፡ ስለ Iትዮጵያ ህይወቴን ልሰዋላት ሙሉ ፈቃድ ኣለኝ“ ድሕሪ ምባል ከምዚ ዝስEብ ኣወጁ፤

“የIትዮጵያ ልጅ ሆይ! ልብ ኣድርገህ ተመልከት! Iትዮጵያ የተባለችው ኣንደኛ Eናትህ ናት፤ ሁለተኛ ዘውድህ ናት፤ ሶስተኛ ሚስትህ ናት፤ ኣራተኛም ልጅህ ናት፤ ኣምስተኛም መቃብርህ ናት፡፡ Eንግዲህ የEናት ፍቅር፤ የዘውድ ክብር፤ የሚስት ደግነት፤ የልጅ ደስታ፤ የመቃብር ካባቲነት (ታቃፊነት) Eንደዚህ መሆኑን ኣውቀህ ተነሳ፡፡“34

ትርጓመ ትግርኛ ናይ’ዚ ኣዋጅ Eነሆ፤

“ኣነ Eውን ምEንቲ ኣደይ (ዓደቦይ) ምEንቲ Iትዮጵያ ህይወተይ ክስውE ድሉው Iየ፤

“O ወዲ Iትዮጵያ! ብልቢ ኣስተውEል! Eዛ Iትዮጵያ ትበሃል ብቐዳምነት ኣዴኻ Iያ፤ ካልኣይ ዘውድኻ Iያ፤ ሳልሳይ በዓልቲ Eንዳኻ Iያ፤ ራብዓይ ውላድካ (ቆልዓኻ) Iያ፤ ሓሙሻይ ከኣ መቓብርካ Iያ፡፡ Eምበኣር (Iትዮጵያ) ከም ፍቕሪ ኣደ፤ ክብሪ ዘውዲ፤ ሕያውነት በዓልቲ Eንዳ፤ ታሕጓስ ቆልዓን፤ ሑቕፊ መቓብርን Eዝዝቲ ሙዃና ፈሊጥካ ተበገስ፡፡“

ንሃጸይ ዮሃንስ ዓደ’ቦ (Eናት ኣገር) ክበሃል ከሎ Iትዮጵያ ምንባራ ንጹር Iዩ፡፡ Eምበኣር ትግራዎት ፖለቲከኛታት በዚ ሎሚ ዓደቦና ትግራይ Iያ ምባሎም ንመጻI Eድል ሃገረ-Iትዮጵያ ብዝርI Eንታይ Iዩ ትርጉሙ ወይ ኣገዳስነቱ? ንኤርትራ’ኸ ብኸመይ ክምልከታ ይኽEል? ንዝብል ሕቶታት የልEል፡፡ ነዚ ሕቶታት’ዚ ንጐኒ ገዲፍና ንመጠን ድንፍAን ዓይነትን ኤርትራዊ ዓደቦነት ዝምልከት ጉዳይ ነቕልበሉ፡፡

17 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

35. ኣለምሰገድ ኣባይ ገጽ 170

– ፮-

ብዓይኒ ታሪኽ ክርA ከሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ጥንታዊ ኣይኰነን፤ ኣዚዩ Eሸል Iዩ፡፡ ኤርትራ ዓደቦይ Iያ ዝብል ስምIት ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ክድንፍE ዝጀመረ ምስ’ቲ ኣብ ጉEዞ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መስዋEትን ስቅያትን ብሄረሰባዊ ምልላያትን ተተሓሒዙ Iዩ፡፡ ንኣብነት ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ዓደቦኹም መን’ያ ተባሂሎም ምሰተሓተቱ “ኤርትራ፤ ኤርትራ’ያ ዓደ’ቦይ! ክልተ ደቀይ ንኤርትራ ተጋዲሎም፤ ንኤርትራ ተሰዊOም Eኮዮም!“ በሉ፡፡35

ከም ዓደ’ቦ Eምበኣር ኤርትራ ብመሰረቱ ጥራይ Iያ ህልውቲ፡፡ ካብU ተረፈ ብዓቢUስ ክትጥጥEን ክትበስልን ክትተርርን ኣለዋ፡፡ ብኻልE ኣዘራርባ ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ ገና ኣብ መስርሕ Iያ ዘላ፤ ክትፍጸም ዘለዋ ዋኒን ወይ Eማም (ፕሮጀክት) Eያ፡፡

ዓደቦነት ብምስላታትን ምልክታትን ያታታትን ብሂላትን ዝተሰነየ ናይ ብዙሕ ሮቛሒታት ውሁድ ዝዀነ መንፈስን ባህርይን ኣለዎ፡፡ ዓደቦነት ኤርትራ Eሸል ስለዝዀነ ነዚ ሮቛሒታት’ዚ Eኹል ብዝዀነ መጠን ኣይውንኖን Iዩ፡፡ ስለዚ Eምበኣር ዓደቦነት ኤርትራ ብዙሕ ሓለዋን ክንክንን Eንጋለን ዘድልዮ Iዩ፡፡ ብኹሉ መዳያት – ማለት ብባህላዊ ንጥፈታት፡ ብIኮኖሚያዊ ምEባለ፡ ብናይ ዜናን ሓበሬታን Eዮ፡ ብሕውነታዊ ዝምድና ብሄረሰባትና፡ ብብቕዓትን ቅንEናን መደባት ትምህርቲ ንዓደቦነት ኤርትራ ዘጉልሕን ዘደንፍEን ኣብ ጥንቁቕ መጽናEቲ ዝተሰረተ ፖሊሲ ተሓንጺጹ ክትግበር ኣለዎ፡፡ ቆልU ዓደቦOም ኤርትራ ሙዃና ብዘመልክት ምህሮ ክኽስኰሱ ኣለዎም፡፡ ደረስቲ ብጽሑፋቶም፤ ስነጥበባውያን ከኣ ብኹሉ ናይ ፈጠራ ስራሓቶም ንኤርትራዊ ዓደቦነት ከም ኣምር ንሙግላሕን ንምEንጋልን ንኽዋፈሩ ክፍቀደሎምን ክተባብUን ኣለዎም፡፡

ንEብየትን ድንፍAን ዓደቦነት ኤርትራ፡ ቅኑE ኣፍልጦ ወይ ተረድO ታሪኽና ማEከላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ፡፡ ሓደ ካብ’ቲ ዓበይቲ ጸገማትና Eምበኣር Eዚ Iዩ፡፡ Iሳያስን ተሓባበርቱን ልUኻቱን ካብ ቅድም ጀሚሮም ንናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ታሪኽ ሕብረተሰብና ዝጠምዘዘ ጽውጽዋያት ናብ ሰራዊቶምን ኣባላቶምን፤ ናብ ህዝብናን ህዝቢ ዓለምን ከይተሓለሉ ዘርጊሖም Iዮም፡፡ ብናይ ሓሶት ታሪኽ ዝተሓጽበ ሰራዊቶምን ሰዓቢOምን ንጸረ-ስምረት ውግኣት ምEዙዝ ኰይኑ፡ ከይተፈለጦ ንናይ በዓል Iሳያስ ንኤርትራ ኣፍሪስካ ትግራይ-ትግርኚ ናይ ምህናጽ መደብ መጋበርያ ዀነ፡፡

Eምበኣር ህዝብና ሓቀኛ ኣፍልጦ ታሪኽና መታን ክህልዎ ክፍጸም ዘለዎ ነገራት ብዙሕ Iዩ፡፡ Eቲ Eማም ኣዚዩ ዝተሓላለኸ Iዩ፡፡ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት Eቲ ህዝቢ – ብፍላይ Eቲ መንEሰይ – ሓቀኛ ታሪኽ ክመሃር ኣለዎ ጥራይ ዘይኰነ Eቲ ሕጂ ፍልጠት ታሪኽ Iሉ ሒዙዎ ዘሎ ሓሶት ቅድመ-ዝኣገረ ክድምሰስ ስለዘለዎ Iዩ፡፡ መንEሰያት Eቲ ዘለዎም ንታሪኽ ዝርI ተረድO ግጉይን ሓሶትን ሙዃኑ ከምዝኣምኑን ከምዝቕበሉን ክግበር ኣለዎ፡፡

ንዓይ ከምዝመስለኒ ገሌና ሓቀኛ ታሪኽና ንምፍላጥ ንፈርሕ Iና፡፡ ሓቀኛ ታሪኽና Eንተፈለጥናን Eንተኣመንናን ነጻነትን ሉዓላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ Iዩ ዝመስለና፡፡ Eዚ ግን ካብ የዋህነት ዝተበገሰ ፍርሒ Iዩ፡፡ ብታሪኽ ምስ ኩለን ጐረባብትና ንዛመድ Iና፡፡ ነዚ ሓቅ’ዚ ምEማን ፈጺሙ ንነጻነትን ልዓላውነትን ኤርትራ ዝጻባE ኣይኰነን፡፡

18 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን

ኣብ ምEራባዊ ቆላ ዘለዉ ህዝብና ብታሪኾም ምስ ሕብረተሰባት ምስራቓዊን ማEከላዊን ሱዳን ይዛመዱ Iዮም፤ Eኳ ደኣ ሓደ ታሪኽ Iዩ ዘለዎም፡፡ Eቲ ትግርኛ ዝዛረብ ከበሳዊ ኸኣ ብታሪኹ ምስ ሕብረተሰባት ሰሜን Iትዮጵያ ዝዛመድ Iዩ፤ Eኳ ደኣ ክሳብ ምትEትታው መግዛEቲ ጣልያን ዘሎ ታሪኹ ሓደ Iዩ፡፡

ታሪኽ ክበሃል ከሎ ቀሊል ነገር ኣይኰነን፤ በዚ ዘመን’ዚ ከምዚ ዀነ’ዶ ከምቲ ዀነ Iሉ ተረኽቦታት ጥራይ ዝነግር ጽውጽዋይ ኣይኰነን፡፡ ታሪኽ ንኣካይዳ ናይ ሓደ ህዝቢ ዝጸሉ ጥራይ ዘይኰነስ ቅርጺ ዘትሕዝ፤ ንመስርሕ ስልጣነ ሓደ ህዝቢ ማEዝን ዝህብ፤ ንናይ መንነት ስምIት፡ ንሃይማኖት፡ንባህሊ፡ ንቛንቋ፡ ንያታታትን፡ ክብርታትን ኩሉ ዝሓቖፈ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ Eናተመሓላለፈ ብመልክE ውርሻታት ዝነብር ህያው ነገር Iዩ፡፡ ሓቀኛ ታሪኹ ዝኽሕድ ህዝቢ ቅልውላው መንነትን ባህላዊ ድንግርግርን ከጥቅO፡ ብዛEባ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ጐረባብቲ ሕብረተሰባት ከኣ ግጉይን ኣEናውን ግምት ክህልዎ ናይ ግድን Iዩ፡፡

ንታሪኽ ብዝርI Eምበኣር ንሕና ኤርትራውያን ክንፈልጦ ዘሎና ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ፡፡ ታሪኽ ምስራቓዊን ማEከላውን ሱዳን ብኣሕዋትና በኒ-ዓምርን ካልOት ሕብረተሰባት ምEራባዊ ቆላን ኣቢሉ ይብጸሓና Iዩ፡፡ ታሪኽ Iትዮጵያ ኸኣ Eንተወሓደ በቲ ትግርኛ ተዛራቢ ሕብረተሰብ ከበሳ ኣቢሉ ይብጸሓና Iዩ፡፡ ነዚ ታሪኻት’ዚ ክንፈልጦ ኣሎና ጥራይ ዘይኰነስ ነዚ ሕጂ ዘሎና ሃይማኖታት ኰነ ባህልታት፤ ያታታትን ክብርታትን ሕግታት ስነ-ምግባርን ቅርጺ ዝሃበ – ኮታስ ንመንነትና ዝሃነጸ – ሙዃኑ ብምEማን ናትና ናይ ገዛE ርEስና Iዩ Iልና ክንቅበሎ ይግባኣና፡፡ ንታሪኽና ክንፈልጦ፡ ነቲ ድኹምን ኣሉታዊ ጐኑ ከነለልዮን ክንጥንቀቐሉን፡ ነቲ ሃናጽን ኣዎንታውን ሸነኹ ከኣ ከነኽብሮን ክንኰርዓሉን ከነማEብሎን ኣዚዩ ኣገዳሲ Iዩ፡፡ ከምU ምስEንገብር ጥራይ Iና ብኣካይዳናን ብEላማናን፡ ብኣራኣEያናን ኤርትራ ዓደ’ቦና ሙዃና ከነንጸባርቕን ብግብሪ ከነመስክርን EንኽEል፡፡

ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ዓደቦነት ኤርትራ ብ40ታት ብምንቅስቓስ ትግራይ-ትግርኚ ተበዲሁ ነይሩ Iዩ፡፡ Eኳ ደኣ ትግራይን ኤርትራን፡ ከምቲ ተጠሊቡ ዝነበረ፡ ተደሚረን ሓደ ሃገር Eንተዝዀና ነይረን Eዛ ኣስላምን ክርስትያንን ብኣሃዛዊ ማEርነት ዘለዉላ ኤርትራ ከይዳ-ኸይዳ ምፍንጫላ ኣይምተረፋን ነይሩ፡፡ ከመይ? ኣብቲ ትግራይ-ትግርኚ ተባሂሉ ክቐውም ዝተሓስበ ሃገር፡ Eቲ ክርስትያናዊ ኣካል ብቑጽሪ ዓብላሊ፡ Eቲ ኣስላማዊ ሸነኽና ከኣ ብቑጽሪ ኣዚዩ ንUስ ኰይኑ ሚዛን ብዝሒ-ህዝቢ (ድሞገራፊክ ባላንስ) ምተዘረገ ነይሩ፡፡ ስለዚ ኸኣ Eቲ ኣብ ምEራባዊ ቆላ ዘሎ ህዝብና ንኸይEብለል ናብ ሱዳን ክንጽምበር ይሕሸና ብምባል ምንቅስቓስ ኣይምተረፎን ነይሩ፡፡ ናይቶም Eንግሊዛውያን መደብ Eውን ከምU Iዩ ዝነበረ፡፡

ዝዀነ ኾይኑ ትግራይ-ትግርኚ ኣይተዓወተን፡፡ ኣቦታትና ሃገር ከይትፈናጨል ብምባል፡ ንፈደረሽን ከም ማEከላይ ፍታሕ ተቐቢሎም ሓድነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም፡፡ ስለዚ Eምበኣር Eቲ ፈደረሽን መሰረት ዓደቦነት ኤርትራ ንኽቕጽል ኣስተዋጽO ገይሩ Iዩ ክበሃል ይከኣል Iዩ፡፡

በዚ ሎሚ Eውን ዓደቦነት ኤርትራ ብሓንቲ ከይሲ ዝዀነት ኣምር ይብዳህ ኣሎ፡፡ Eታ ኣምር Eቲኣ ኸኣ Eታ ኣቐዲመ ዘልዓልኩዋ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ትብል Iያ፡፡ Eዛ ሓሳብ’ዚኣ ከይዳ-ኸይዳ ኣብ’ቲ ኣብ ላEሊ ዝጠቐስኩዎ ኣራኣEያ በዓል ኣቶ ስብሃት ነጋን ኣቶ ጸጋይ በርሀን Iያ ትዓልብ፡፡ ከም’ቲ Eዞም ክልተ መራሕቲ ወያኔ “ዓደ’ቦይ ትግራይ’ያ“ (Iትዮጵያ ከይኰነትስ ትግራይ’ያ) ዝበሉ ናትና ተጣበቕቲ መሰል ብሄራት ከኣ ዓደ’ቦይ ኤርትራ ከይኰነትስ ሓንቲ ካብ ብሄረሰባትና (ንኣብነት ኩናማ’ያ፡

19 መማየጢ ሰነድ (Discussion paper)፣ ሰፕተምበር 2012

ቢለን’ያ፡ ትግረ’ያ ወይ ውን ንሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ከበሳ ብምጥቃስ ኣከለ-ጉዛይ’ያ፡ ሓማሴን’ያ) ክብሉ Iዮም ማለት Iዩ፡፡ Eዚ መርገጽ’ዚ ንዓደቦነት ኤርትራ ብዘይንሕስያ ዝቆራቘሶ Iዩ፡፡

ንመሬታዊ ወይ ግዝኣታዊ ሙሉEነትን ንዓደቦነትን ኤርትራ ምጥባቕ ንትግራይ ምንጻግ ኣይኰነን፣ ከምU ተባሂሉ ኸኣ ክትርጐም የብሉን፡፡ ነዛ ነጥቢ Eዚኣ ከስምረላ Eደሊ Eየ፡፡ ኤርትራን Iትዮጵያን ክልተ ዝተፈላለያ ነናተን ልUላውነት ዘለወን ሃገራት Eኳ Eንተዀና ኣብ ሞንጎ ክልቲAን ብኹሉ መዳያት ሕውነታዊ ዝምድናታት ዘይህልወሉን ዘይምEብለሉን ምኽንያት የልቦን፡፡ ኤርትራን ትግራይን Eሞ ኸኣ ብቐጥታ ዝዳወባ ስለዝኰና ዝምድናኤን ናይ ግድን ሓለፋ ኣለዎ፡፡ ብፍላይ Eቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንዘመናት ክተኣታቶን ክተሓዋወስን ዝጸንሐ Iዩ፡፡ Eኳ ደኣ ነዚ ህዝብታት’ዚ Eቲ ናይ ዶብ ሕንጻጽ ተግባራዊ ትርጉም የብሉን፤ ኣይረኣዮን Iዩ Eውን፡፡ ስለዚ ምስ ተጋሩ Eቲ ጥንታዊ ዝምድና ከም ቀደሙ ንኽቅጽል ዝኽልክል ነገር የልቦን፡፡

ነዛ ንመሰል ብሄራትን ሓድነት ኤርትራን Eትምልከት ርEይቶይ Eምበኣር ተጋሩ Iትዮጵያውያን የሕዋትና በታ ትውፈየላ ዘላ መንፈስ ምሕዝነትን ሰላምን ንኸስተማቕርዋ ከዘኻኽር Eደሊ፡፡

ንዓደቦነት ኤርትራ ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ዘስደምም ጸገማትን ከቢድ ብድሆታትን ኣሕጺረ ድሕሪ ምድህሳስ፡ ናይ ምሕጽንታ ቃና ብዘለዎ ቋንቋ መልEኽተይ Eድምድም Eነሆ፡፡

ከም’ቲ ኣብ መኽፈቲ ዘረባይ ዘመልከትኩዎ Iትዮጵያ ሕጂ ኣብ ዘመን ድሕረ-መለስ ኣትያ ኣላ፡፡ ሕልፈት ሓደ ኣብ ምምራሕ ሃገር ዓቢ ግደን ጽልዋን ዝነበሮ ባEታ ኣገዳሲ ምEራፍ Iዩ፡፡ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ሳEቤናት ስለዘለዎ ወይ ክህልዎ ስለዝኽEል Iዩ፡፡

ህዝባዊ ወያኔ ካብ ግዜ ብረታዊ ገድሊ ኣትሒዞም ክሳብ Eዛ Eዋን Eዚኣ ንጉዳይ ኤርትራ ብዝርI ዓቢ ተራ ነይሩዎም፣ ገን Eውን ኣለዎም፡፡ ብመሪሕነት መለስ ዜናዊ ክሳብ ሕጂ ዝሰዓብዎ ሰትራተጅን ሜላን ንውልቀ-መላኺ Iሳያስን መዳርግቲ ዘይብሉ ኣራዊታዊ ስርዓቱን ብመሰረቱ ጠቒሙዎም Eንተዘይኰይኑ ኣይጐድOምን፣ ብኣንጻሩ ኸኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ጐዲUዎ፣ ሃገርና ገሃነም ንኽትከውን ኣስተዋጽO ገይሩ፡፡

ኣቶ መለስ ከም ውልቀ ሰብ ዝድነቕ ኣኻEሎ ከምዝነበሮ ብዙሕ ተዓዛቢ ዝምስክሮ Iዩ፡፡ ኣነ Eውን ብብቕዓቱን መንፍዓቱን ኣዚዮም ካብ ዘድንቕዎ ሓደ Iየ፡፡ ንኤርትራ ብዝርI ብዝተግበሮ ፖሊሲ ግን ቅድሚ ሕጂ ኣየመስገንኩዎን፣ ሕጂ Eውን ኣየመስግኖን Iየ፡፡ ሕጂ-ሕጂ ነፍሰ-ሄር መለስ ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ንምግባር መደብ ነይርዎ፣ ክትግብሮ Eውን ጀሚሩ ነይሩ ዝብል ዘረባታት ይድሀ ኣሎ፡፡ Eቲ ክትግበር ዝተባህለ ለውጥታት – ሓቂ Eንተዀይኑ – ነቲ ኣብ’ዚ መልEኽት’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ጉዳያት ክሳብ ክንደይ ክምልከቶ ይኽEል ከምዝነበረ በዚ Eዋን’ዚ ከረጋግጸሉ ዝኽEል መንገዲ የብለይን፡፡

ዝዀነ ኾይኑ፡ ሕጂ ሓዲሽ ኩነታት መጺU ኣሎ፤ Eዚ ሓዲሽ ኩነታት’ዚ ኸኣ ንህዝባዊ ወያኔ ኣብ ኣካይዳOም ለውጥታት ንኽገብሩ Eድል ከፊቱሎም ኣሎ፡፡ ንዝሓለፈ ኣካይዳOም ብዘይ ቃል-ዓለም ገምጊሞም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ዓዘቕቲ ንኽወድቕ ንሳቶም Eውን በየናይ መልክE ኣስተዋጽO ከምዝገበሩ ብንጽህና ክመራመሩ ኣለዎም፡፡ ካብ’ዚ ተበጊሶም ሓድነትን ሉዓላዊነትን ዓደቦነትን ኤርትራ መታን ክጥጥE፡ ጽቡቕ ዝምድና ኤርትራን Iትዮጵያን ከኣ መታን ክድልድልን ክዓብን፡ Eቲ ዘድሊ ጸገናታት ንኽገብሩ Eምሕጸን ኣለኹ፡፡

20 ኤርትራ ከም ዓደ’ቦ፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣብ ታሪኽን ሎምን 21

መወከሲ (Bibliography)

Alemseged Abbay, Identity Jilted or Re-Imagining Ide?, (Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 1998)

Alemseged Abbay, “The Trans-Mereb Past in the Present”, The Journal of Contemporaray African Studies, vol. 35, No. 2, (1997)

Amare Tekle, “The Creation of the Ethio-Eritrean Federation: A Case Study in the Post War International Relations (1945-1950),” PhD dissertation, University of Denver, 1964.

Richard Greenfield, “Pre-colonial and Colonial History”, in Basil Davidson, Lionel Cliffe, and Bereket Habte Selassie, Behind the War in Eritrea, (Notingham: The Spokesman Press 1980)

Rene Lefort, Ethiopia: An Heretical Revolution? (London: Zed Press, 1983)

Medhane Tadesse, The Eritrean-Ethiopian war: Retrospect and Prospects, (Addis Ababa: Mega Printing Enterprise, 1999)

John Spencer, Ethiopia, The Horn of Africa and US Policy (Cambridge, Mass.: Institute for Foreign Policy Analysis, 1977)

Tekeste Negash, Italian Colonialism in Eritrea, 1882-1941: Policies, Praxis and Impact, (Uppsala: Acta Universitatis Upsaliens, 1987)

US Congress, Sub Committee on African Affairs, Ethiopia and the Horn of Africa, Hearings, 94th Congress, 2nd Session, Aug. 4, 5, and 6, 1976.(Washington, D. C.)

Maurizio Viroli, Republicanism, (New York: Hill and Wang, 1999)

ኣለምሰገድ ተስፋይ፤ ኣይንፈላለ 1941-1950 (ኣስመራ፤ ሕድሪ፡ 2001)

ረድI መሓሪ፤ ትልሚ ንዘርI ክርዳድ፤ (ኪቸነር፡ Oንታርዮ፤ ኣለና፡ 2012)

ተክለ ጻድቅ መኩርያ፤ Aፄ ዮሃንስ Eና የIትዮጵያ ኣንድነት (ኣዲሰ-Aበባ፤ ኩራዝ ኣሳታሚ ድርጅት፡ 1982)

__________________________________

Copyright © 2012 by Tesfatsion Medhanie.

መሰል ደራሲ © 2012 ተስፋጽዮን መድሃኔ፡፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7790

Posted by on Sep 28 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net