መኤረምታ ፡ ነቲ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ

ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ፡ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ፡ መስመሩ ዝሰሓተን ዘይሓላፍነታዊን ክንዲዝኾነ ፡መሪሕነት ደሞክራስያዊ  ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ፡ ነቲ ዘውጽኦ መግለጺ ዳግመ ግምት ብምግባር መኤረምታዊ መግለጺ ከውጽእ ንጽውዕ ።

እቲ ዝወጸ መግለጺ ንብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ዘየእተወን ፡ ካብ ህሉው ውድዓዊ ኩነታት ዝረሓቐን ፡ ኣቃውማ ማሕበረሰብ ኤርትራ ዘይተረደኤን ዝመስል ክንዲ ዝኾነ ፡ ንብዝሒ ብሄራት ኤርትራ ዘየስተውዓለ ፡ ወይ ድማ ነቲ ናይ ህግደፍ ስነሓሳብ ምርኩስ ዝገበረ፡ ማለት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ንብሄር ጀበርቲ በስገዳድ ምስ ብሄረ ትግርኛ ብምጽንባር ፡ ኣብ ኤርትራ 9 ብሄራት ጥራይ እየን ዘለዋ ክብል ዝተኸተሎ ኣገባብ ድጋፍ ዝህብ ክንዲዝኾነ ፡ ዘይቅቡልን መኤረምታ ዘድልዮ ምዃኑን ክንገልጽ ንፈቱ ።

ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ “ ትሸዓተ ብሄራት ” ዝብል ቃል ብተደጋጋሚ ተዘኪሩ ይርከብ ።  ንምንታይ ዕላማ እዩ ፡ ወይድማ እንታይ ክውቃዕ ዝተደልየ ሸቶ ስለዘሎ እዩ ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሰ ኢልካ ክሕተት ዝከኣል እኳ እንተኾነ ፡ እቲ መልሱ ነቲ ዘውጽኦ ብምግዳፍ ፡ ንመዘኻኸሪ ዝኣክል ግን ነዚ ዝስዕብ ፡ ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተጋብኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ከም መትከል ዝወሰዶ መርገጺ ክንጠቕስ ንግደድ ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ጉባኤ ፡ ንመሰል ብሄራት ኣመልኪቱ ዝወሰዶ መርገጺ እንተሃልዩ ፡ ነቲ ሓደ ብሄር ምስ ሓደ ብሄር ኣገዲድካ ዝግበር ምጽንባር ብምቅዋም ፡ ኩለን ብሄራት ኤርትራ በቲ ዝደልዮኦ ስም ክጽዋዓ ዘፍቅድ ሕጊ ብምጽዳቑ ፡ ከም መወከሲ ንኸገልግል ኣብ ደምቢታቱ ኣስፊርዎ ይርከብ ።

ደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ውን ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከም ምዃኑ መጠን በቲ ብሱታፌኡ ዝጸደቐ ሕጊ ክቕየድ እዩ ዝግባእ ዝነበረ።

ነቲ ብሱታፌ ናይ ኩላትና ዘጸደቐ ሕጊ ፡ ግዜ ከይወሰደ ባዕልና ከነፍርሶ እንተደኣ ኮይንና ነቶም ኣብ መጻኢ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክጸድቑ ዝኽእሉ ጉዳያት ፡ ዓቢ ግምት ዘይምሃብን ሸለልታን ዘውርስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ፡ ተቐባልነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘንቆልቁልን ተሰማዕናቱ ዘማህምንን ውን እዩ። ስለዚ ነቲ ጽላል ኩሉ ኤርትራዊ ክኸውን ዝተሰማማዕናሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሓደጋ ከይነውድቖ ዓቢ ጥንቃቐ ይሓትት።

ደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ነቲ ዘውጽኦ ፡ ብዝሒ ብሄራት ኤርትራ 9 ጥራይ ከም ምዃኑ ኣምሲሉ ዝጠቐሰ መግለጺኡ ዳግማይ ግምት ብምግባር ክእርሞ ጻውዒትና ዳግማይ እናኣቕረብና ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ይኹን ፡ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘየድልይ ነቓዕ ዝፈጥር መግለጺ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ንላበው።

ኩለን ናይ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሓይሊታት ውን ነቲ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ብምቅዋመን በኣወንታ ዝጥቀስ ኣኳ እንተኾነ ፡ ኣብቲ “ 9 ብሄራት ኤርትራ ”  ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ኣተኲረን ተቓውሞኤን ብዘይምስመዐን ዝተስማዓና ቅረታ ውን ከይገለጽናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን ።

ከም መዘኻኸሪ ንኹሉ ዝኣክል ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዘለናዮ ተኣፋፊ ግዜ ፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕድነቱ ዘደልድልን፡ ኣብ ሓደ ደምበ ዝጥርነፍን ፡ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መንፈስ ዘሕድርን ፡ ኮታስ ንብሩህ መጻኢ ዘኤንፍት ሓሳብን መግለጺን ተግባርን እዩ ዘድልዮ ዘሎ ደኣምበር ፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዘእትው ኣሉታዊ ስምብራት ዝገድፍ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺታትን ተግባራትን ኣየድልዮን እዩ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

25/9/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7793

Posted by on Sep 30 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net