ካልኣይ ጉባኤ ሰልፋ ናህዳ ኤርትራ ጀሚሩ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዕለት 18/10/2012 ጀሚሩ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ የካይድ ኣሉ። ኣብቲ “ኩሉ ዓቕሚታትና ንምድሕነት ህዝብን
ሃገርን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኩሎም’ቶም ተጋባእቲ ግቡእ ቦትኦም ምስ ሓዙ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቃላ ብምስማዕ ከፊታቶ።።

ስዒቡ ኣቦመንበር ሰልፊ ኢንጂኒር ኑር እድሪስ መደረ ከስምዕ ኣብ ዝተዓደመሉ፡ ንተሳተፍቲ ናይቲ ጉባኤ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፡ ሱታፌኹም ምልክት ዓወት ጉባኤና’ዩ ክብል ንዕዱማት ኣመስጊኑ። ኣገዳስነት ናይ ሓባር ስራሕ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ’ውን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ናይ ሓባር ስራሕ ካባና ካብ ኩላትና ይጥለብ ኣሎ ብምባል ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከነበራብሮን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኮይና ሓቢርና ክንሰርሕን እዋኑ ሕጂ’ዩ ኢሉ። ቀጺሉ’ውን ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ንጨፍላቒ ስርዓት ንምእላይን ፍትሒን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ቆሪጾም ተላዒሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ። መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ስለ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራን ደምበ ተቓውሞኡን ዝገብርዎ ዘለዉ ዓቢ ደገፍ ኣሞጊሱን ኣመስጊኑን ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ስለ’ቲ ጻዕሮምን ምድላዋቶምን ምስጋና ኣቕሪቡ።።

ኣስዒቡ ኣብ’ቲ ናይ መኽፈት ስነስርዓት ዝተረኸቡ፡ ወከልቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ስምረት መንኣሰያት ንድሕነት ሃገር፡ ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑዱማትን ኣጋይሽን ተረኺቦም በብሓደ ቃሎም ኣስሚዖም።

ዝቐጸለ ካልኣይ መዓልቲ

ኣብ ዕለት 19/10/2012 ዝቐጸለ ጉባኤ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዘዳለወቶ ጸብጻብ፡ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቶ እድሪስ ኑሩ ድሕሪ ምንባቡ፡ እቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስርሓ ካብ ዝጀመረትሉ ስጋብ ናብ ጉባኤ እትኣትው ዝዓመመቶም ስረሓትን ዘጓነፍዋ መሰናኽላትን፡ ንምስጋሮም ዝወሰደቶ ስጉምቲን ኣመልኪቱ ሓደ ብሓደ ብደቒቕ ዘብርሄ ክንዲ ዝነበረን፡ ተሳተፍቲ ኣስፊሖም ክርድእዎ ብምኽኣሎምን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ተጋባእቲ ኣድናቖትን ምስጋናን ክትረክብ በቒዓ።

ቀጺሉ ነቶም ኣብ ስርሖም ንጡፋት ብምዃን፡ ነቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ኣብቲ ዝግባእ መዕለቢኡ ዘንበሩ ኣባልት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ናይ መተባብዒን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎም።

ካብኡ ብምቕጻል ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንጉባኤ እትመርሕ 5 ዝኣባላታ ሰክረታርያ ተመሪጻ  ጉባኤ ንኽትመርሕ ሓላፍነት ተሰኪማ፡ ንሳቶም
ኸኣ፡

  1. ሓው፡ ሙሳ በሺር  (ኣቦመንበር)
  2. ሓው፡ ስዒድ ኑሩ  (ምክትል ኣቦመንበር)
  3. ሓው፡ ኣቡ ሱለይንማን (ተሓጋጋዚ)
  4. ሓው፡ ኣቡ ራእድ (ተሓጋጋዚ)
  5. ዶ/ር በድሪያ (ተሓጋጋዚ)

ተጋባእቲ ብወገኖም ነቶም ዝተመርጹ ኣባላት ሰክረታርያ፡ ነቲ ጉባኤ ተጠንቂቖም ብምምራሕ ናብ ዕዉት መዛዘሚ ከብጽሕዎ ተላብዮም።

ዝቐጸለ ሳልሳይ መዓልቲ

ጉባኤ ኣብ ዕለት 20/10/2012 እውን ቀጺሉ ውዒሉ። ኣብ ፈለማ ብመሰረት እቲ ዝወጸ መደብ፡ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ጸብጻብ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቕሪቡ። ብምቕጻል ካብ ተጋባእቲ ንዝቐትረበሉ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ድሕሪ ምሃብ ተጋባእቲ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ምይይጥን ክትዕን ብምክያድ፡ ንዝነበረ ድኽመታት ንምእላይን ነቲ ሓያል ጎኑ ድማ ንምዕቃቡን ንምሕያሉን ዝጠቕሙ ሓሳባት እናፍሰሱ ሕውነታዊ መንፈስን ትዕግስትን ብዝዓሰሎ ኣገባብ ቃል ንቃል ክወሃሃቡ ድሕሪ ምውዓሎም ኣብ ብሩህ መጻኢ ዘአንፍት ሓሳባትን መደባትን ኣተኲሮም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም።።

ኣብ ሞንጎ’ቲ ኣኼባ ሓሓሊፉ ካብ ኣባላትን ፈተውቲን ደገፍቲን ናይ ሰልፊ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ክመሓላለፉ ውዒሉም። ገለ ካብቲ ጎሊሑ
ዝረኤ መልእኽቲ ናይ መምህር ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊጶ) ቃል ዓወት ናይ ጉባኤና ዝተተምነየ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ይርከቦ።።

ቀጻሊ ጸብጻብ ኣብ ዝመጽእ ይስዕብ…..

ዓወት ንኻልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤና

ክፍሊ
ዜና

20/10/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7868

Posted by on Oct 22 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net