ኣገዳሲ ውድባዊ መግለጺ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ)

ዝኸበርኩም ጀጋኑ ህዝብታት ኤርትራ፡

እዋናዊ ውራይ ብደግሓሳኤ፡ ህዝብታት ኤርትራ ብሰርዓት ህግደፍ ዝወርዶም ዘሎ መሪር ብሄራዊ ጭቆናን ደርባዊ ወጽዓን ተናጊፎም፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ተኸባቢሮምን ተደጋጊፎምን ክነብሩ ዝኽእልሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ተጸሚዱ ኣሎ፡፡
እወ ብደግሓሳኤ ህዝብን ሃገርን ካብ ምድሓን ወጻኢ ኣብዚ መድረኽ ካልእ ውራይ የብሉን፡፡ ነዚ መግለጺ ንምውጻእ ተገዲዱ ደኣምበር መደብ ኣይነበሮን፡፡

እንተኾነ፡ ንውድብና ካብዚ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ጎዶና ንክእለይን ኣብ መድረኽ ዕንክላሎ ሸንኮለል እናበለ ንክነብር፡ ብ የማንን ጸጋምንን ብቕድምትን ድሕሪትን እዚ ዘይበሃል ምትኹታኽ ክካየድ ጸንሑን ኣሎን፡፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት ምስ መግለጺ ደምሓኩኤ፡ ጉዳይ ዓዋተን ውሳኔታት ፈ/ቤ/ጽ/ ኤ/ሃ/ባ/ደ/ለ/ ኣተሓሕዞም ኣብ ልዕሊ ውድብና  ብዲግሓሳኤ ዝተወሃሃደ ፖለቲካዊ  ወፍሪታት ክካየድ ቀኒዩ ኣሎ፡፡ ብ ሓደ ኤርትራዊ ውድብ ትውነን መርበብ ሓብሬታ ኣልናህዳ ዶት ኮም ብጋህዲ ኣብ ዝዘርገሓቶ መግለጺን ብስውር ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ውድብና ንምጽላምን ንምድኻምን እዚ ዘይበሃል ሽርሕታት ይካየዱ ኣለው፡፡

መትከላት፡ ውሳኔታትን ሪኢቶታትን ውድብና፡ ደስዝበሎም ትርጉምን መልክዕን  ብምሃብ ንህዝቢና ክቓለሑ ዝፍትኑ ዘለው ዘይሓላፍነታውያን  መንቀኛታት ገለ ካብቲ ንውድብና ዘጸልሙሉ ናይ ፈጠራ ውጹእ ሓሶት ንመልከት፡-

  1. ተወካሊ  ብ.ደ.ግ.ሓ.ሳ.ኤ.  ኣብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ን ደምሓኩኤ ካብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ  ከይድስክል ተጣባቒ ብምዃን ተቓውሙ፡፡
  2. ኣብዚ  ታሪኻዊ መድረኽ ንህዝቢ ምስልምና ጠሊሞም፡ ኣንጻር  ታሪኻዊ ሃገራዊ ቃልሱን ሓርበኘነት ዓዋተ  ምስ ዝኸሓደ ወገን  ደው ኢሎም፡፡
  3. ብ.ደ.ግ.ሓ.ሳ.ኤ. ጅግንነት ዓዋተ ኣይኣምንን…….. ወዘተ ዝብሉ ኢዮም፡፡

ዝኸበርኩም ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን

ውድብና ብ.ደ.ግ.ሓ.ሳ.ኤ. ኣብ መስርሕ ቃልሱ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸሞ ታሪኻዊ ጌጋ እኳ እንተ ዘይሃለዎ ፍጹም ክጋገ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል  እምነት ግን የብልናን ፡፡ ኣብ ዝጋገየሉ እዋን ድማ ዝፍጽሞም ጌጋታት ምስ ዝህልው ብዝግባእ ገምጊሙ እውጅ ርእሰ ነቐፌታ ንከይገብር ዝኽልክሎ ምኽንያት ብፍጹም የለን፡፡ እኳ ደኣ ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ ናይ ምቕጻል ትብዓትን ብቕዓትን ኣሕዲሩ ይርከብ፡፡ እዚ ምስ ጉዳይ ዓዋተ ኣተኣሳሲሮም ኣብ ዝባን ውድብና ዘውርድዎ ዘሎው ጸለመ፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ርኡይ ዘመተ ብህጹጽ ጠጠው ከብሉ ነተሓሳስብ፡፡

  1. ተወካሊ ብ.ደ.ግ.ሓ.ሳ.ኤ. ኣብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንደምሓኩኤ ካብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከይድስክል ተጣባቒ ብምዃን ተቓዊሙ ብዝብል ዝቐረበልና ናይ ፈጠራ ጸለመ ብዝምልከት፡-

ኣብ ዘይስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ክውሰድ ኣለዎ ተባሂሉ ንኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቐረበ  ናይ ምድስካል እማመን ናይ ብ.ደ.ግ.ሓ.ሳ.ኤ. ሪእቶን መበገሲኡን ሓፋሽ ህዝብና ብዝግባእ ክርደኣልና ንደሊ፡፡

እምበኣርከስ ብ 6 ጥቐምቲ 2012 ተወካሊ ብደግሓሳኤ ኣብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሪእቶኻ ግለጽ ተባሂሉ ብ(Email) ዝተላአኸሉ ደብዳቤን ዝሃቦ መልስን  ኣገዳሲነቱ ተራኢዩ ንውድባዊ ልኡላውነትና ንምኽባር ከነውጾ ከም ንግደድ ኣቀዲምና እንዳ ኣተሓሳሰብና፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ዘተታትን ኣኼባታትን፡ ጉዳይ ዓዋተ ተላዒሉ፡ ዓዋተ ሃገራዊ ጅግና ድዩ ኣይኮነን? ደምሓኩኤ ዘውጸኦ ውድባዊ መግለጺ ዓዋተ ብዝምልከት ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን? ውድባዊ መርገጺኹም ኣብ ልዕሊ መግለጺ ደምሓኩኤ እንታይ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ፍጹም ኣይተላዕሉን፡፡ እቲ ሓደ ዝተላዕለን ኣብ ኣኼባ ምይይጥ ዝተገብረሉን ነጥቢ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንደምሓኩኤ ኣደስኪሉዎ ከም ዘሎ ብምንጻር፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምሓኩኤ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ሰዓታት ከደስክሎ ከም ዘለዎ ዝብል ብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ እማመ ጥራይ ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ድማ ብሸነኽ ተወካሊ ብደግሓሳኤ ሓንሳብ ዝተዋህበ መልሲ ኣብ ላዕሊ ዘሎን ብጽሑፍ ዝተላእኸን ጥራይ ኢዩ፡፡ እዚ መልሲ ከም ዝሕብሮ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ሰዓታት ብመሰረት ናይ ደብዳቤታት ምልእኣኽ ብሃታ ሃታ ውሳኔ ካብ ዝሓልፍ ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት
ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ብምህላዎም፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት ዝህልዎም ኣፍልጦ ዝተፈላለየ ክኸውን ሰለዝኽእል፡ እቲ
ዝውሰድ ስጉምቲ ብዝተኻእለ ናይ ኣብዛሓ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ደገፍን ስምምዕን ክህልዎ፡ ብሕጋዊ ሸነኻቱ ገለ ኖዃላት ንከይተርፍ፡
ከምኡ ውን ኣቃውማን ዕላማታትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሮ ሓደ ወርሒ ኣሕሊፉ ዘሎ
ጉዳይ ድሕሪ 30 መዓልታት ኣብ ዝካየድ ናይ ፈጻሚት ስሩዕ ኣኼባ ብዝግባእ ተመያይጡ ሕጋውን ፖለቲካውን መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ ካብ
ዝብል ሓላፍነታዊ ኣረኣእያ ተበጊሱ ዝተዋህበ ሪኢቶ ኢዩ፡፡

ውድብና ብደግሓሳኤ ደምሓኩኤ ይኹን ካልእ ውድብ ክድስክል፡ ወይ ክባረር፡ ወይ ካልእ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ነቲ ኣካል ዘይኮነስ ዝጣበቕ፡ ንሕግታት፡ ዕላማታትን ቻርተርን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ጥራይ ኢዩ ዝጣበቕ፡፡
ሰለዚ ወኪል ብደግሓሳኤ ኣብቲ ናይ መልሲ ደብዳቢኡ ይኹን ብቓል ደምሓኩኤ ክድስክል የብሉን ኣይበለን፡፡ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ
ክስዕብ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው ግዜ ወሲድና (ክሳብ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት) ናይ ሓባር ዘሰማምዓና
ውሳኔ ክንወስድ ይግባእ ኢዩ ዝበለ፡፡  ምኽንያቱ መሰረታዊ ዕላማታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብኣሉታ ንከይጽሎ ናይ ምክልኻል ግዴታን ሓላፍነትን ስለ ዘለዎ፡፡ ኩሎም ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ዝሕልፉዎ ውሳኔታትን ስጉምታትን ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐ
ምግባር ንባይቶ ምክልኻል ሰለዝኾነ፡ ተወካሊ ውድብና ዝንቕፈሉ ጉዳይ ብፍጹም ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ ሓደ ከነነጽሮ እንደሊ ጉዳይ፤ ወኪል ውድብና ብደግሓሳኤ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያትና፡ ሓበራዊ ዕላማታትና ንምሕላው እምበር፡ ደምሓኩኤ  ይኹን ወይ ንካልእ ውልቀ ውድብ ረብሓ ጠጠው ከም ዘይበለን ብሕጂ ከም ዘይብልን ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡፡

  1. 2. ኣብዚ  ታሪኻዊ መድረኽ ንህዝቢ ምስልምና ጠሊሞም፡ ኣንጻር  ታሪኻዊ ሃገራዊ ቃልሱን ሓርበኘነት ዓዋተ  ምስ ዝኸሓደ ወገን
    ደው ኢሎም ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ካልእ ፖለቲካዊ ወፍሪ ብዝምልከት፡-

ኣብ ዘይስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ እንትርፎ ን ደምሓኩኤ ናይ ምድስካል እማመ ሓሳብ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ይኹን ወይ ቅድሚኡ ብዛዕባ ሓርበኘነት ዓዋተን ልሉይ ተራን ኣበርክቶን ዓዋተ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ምይይጥ ኣብ ዝተገብረሉ ኣጀንዳ  ይኹን ኣብ እቶም ብ Email ካብ ቤት ጽሕፈት ስክረተርያ ናብ ምሉእ ኣባላት
ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብ Email ዝተላእኹ መልእኽታት ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ወላ ሓደ ነጥቢ እኳ ኣይነበረን፡፡ ምኽንያቱ፡
ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ዝውሰድ ስጉምትን ኣገባቡን፡ ምስ ታሪኻዊ ሃገራዊ ቃልስን ሓርብኝነት ዓዋተን ከምኡ ውን ምስ ምስልምና ዝተኣሳስር ነገር ስለዘይነበረ፡፡

ብመሰረቱ ብደግሓሳኤ ንናይ ብሄረ-ሳሆ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ማዕርነትን ነጻነትን ንምርግጋጽ ዝቃለስ መሪሕ ውድብ ኢዩ፡፡ እዚ ፖለቲካዊ ራእይ ንምዕዋት ድማ ምስ ኣከናውና ህዝብታት ኤርትራ ማለት፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝብታት ኤርትራ መሰረት ብምግባር ዝቕረጽ ፖለቲካዊ ስትራተጂ እምበር ካብዚ ክውንነት ወጻኢ ኣብ ናይ ግለ ሰባት ዊንታን ባህግን ዝተመስረተ ኣይኮነን፡፡ ሰለዚ ውድብና ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ራእይ ክሕዝ ከሎ ንጉዳያት ካብ ትኽክለኛ መኣዝኖምን ክውንነቶምን መዚኑ ብኡ መሰረት ክትርጓም ከም ዘለዎ ይኣምን፡፡

ካብዚ ወጻኢ ብክውንነቶምን ትርጉሞምን ዘይተኣሳሰሩ ነገራት ኣተኣሳሲርካ፡ ንድሑርን በለጸኛ ዕላማ ክትጥቀመሉ ምፍታን ካብ ጌጋ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ህዝባዊ  ሓድነትን ሓበራዊ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ተጽዕኖ ንምግማት ኣየሸግሮን፡፡ ሰለዚ ንሕብረተ-ሰብ ምስልምና ኤርትራን ታሪኹን ሃገራውነቱን ከምኡ ውን ተራ ሓርበኛ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ናጽነታዊ ቃልሲ ከም ዝኸሓድና፡ ንሶም ተጣበቕቲ ኮይኖም ኣብ ልዕሌና ዝግበር ትሕዝቶ ዘይብሉ ግሁድ ናይ ጸለመ ዘመተ ናይ ህዝቢ ሳሆ ታሪኹን መስዋእቱን  ኣብ ናጽነታዊ ቃልሲን ሕጂ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ካብ ዘይምእማን ወይ ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን፡፡ ልዕሊ ህዝቢ ሳሆን መሪሕ ውድቡ ብደግሓሳኤ፡ ንሕብረተ-ስብ ምስልምናን ሓርበኛ ዓዋተን ከም ተጣባቒ ኮይንካ ክትቀርብ ምፍታን ዝምቡዕ ፖለቲካዊ ህውተታ፡ ነገራት ኣብ ምምዛን ዘሎ ርኡይ ፖለቲካዊ ድኽመት ዘበርህ ጥራይ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ ልዕሊ ሸኽ ሙስሊም ክትከውን፡ ልዕሊ ሓርበኛ፡ ሓርበኛ ክትከውን፡ ልዕሊ ሃገራዊ፡ ሃገራዊ ክትከውን ሰለ ዘይካኣል ኢዩ፡፡

  1. ብ.ደ.ግ.ሓ.ሳ.ኤ ጅግንነት ዓዋተ ኣይኣምንን…ወዘተ ዝብል ፖለቲካዊ ሸፈጥ ብዝምልከት፡-

ን ብደግሓሳኤ ኣብ ጉዳይ ዓዋተ መርገጺኹም ኣፍልጡ፡ ኢሉ ክግድድ ዝኽእል ሕጋውን ምኽንያታውን ሓላፍነት ዘለዎ  ኣካል የለን፡፡ ክህሉ እውን ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉዳይ ዓዋተ ዘለና ፖለቲካዊ መትከል ንጹርን ዘየወላውልን ኢዩ፡፡ ጅግና ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ፖለቲካዊ (ሰለማዊ) ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይምዕዋቱ፡ ልዕሊ ሰላሳ (30) ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝኸፈልናሉ ሃገራዊ ናጽነት ንምርግጋጽ ርቺት ሓርነት ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተኮሰ ሓርበኛ ኢዩ፡፡ ሓርበኛ
ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ርቺት ሓርነት ክትኩስ ከሎ ኣብ ጽኑዕ መትከላቱ፡ ህዝብታት ኤርትራን መሬታዊ ግዝኣቱን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ
ኢትዮጵያ ሓራ ከውጽእ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ህዝብታት ኤርትራ ንመሰሉን መንነቱን ክቃለስ ባብ ዘርሓወን ህዝብታት ኤርትራ ሕቶ ናጽነት
ብብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ኣርኣያ ኮይኑ ዝሰረሐ መምህር ሓርነት፡ ከምኡ ውን ፈለጉ ንዝተኸተሉ ተቓለስቲ ድማ
ናይ ሓርነትን ጽንዓትን ሃገራውነትን ታሪኽ ዘውረሰ ጅግና ኢዩ እንተ በልና ይውሕዶ፡፡

ነዚ ክንብል ከለና እምነትና ብምዃኑ ጥራይ እምበር ንዝኾነ ኣካል ንምሕጓስ ወይ እውን ካብ ዝኾነ ኣካል ብምፍራሕ ነነጽሮ ርኢቶ ወይ መርገጺ የብልናን፡፡ ታሪኽ ዓዋተ ታሪኽና ኢዩ፡፡ ጅግንነቱ ድማ ጅግንነትና ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብሄረ ሳሆን መሪሕ ውድቡ ብደግሓሳኤን ን ዓዋተ ዝዝክሩሉን ዘኽብሩሉን ንሱ ንዝተሰዋኣሉ ዕላማ ካብ ዘለዎ ክብርን ፍቕርን ዝብገስ ምዃኑ ክነረጋግጽ ንደሊ፡፡

 

ሓርበኛ ዓዋተ
ወትሩ እንዳ ተዘከረ ክነብር ኢዩ!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ን ሰማእታትና!!

ዓወት ን ደሞክራስያዊ ቃልስና!!

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት

ብሄራዊ ደሞክራስያዊ
ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ)

25 ጥቅምቲ 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7891

Posted by on Oct 28 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net