ዕላማን ድሕረ-ባይታን ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ (ስዊዝ) ደለይቲ ለዉጢ ኤርትራውያን

ኤርትራውያን ደለይቲ ለዉጢ፡ ኣብ ጀነቭ ብ 16 ሕዳር 2012 ሰላማዊ ሰልፊ ከም እነካይድ፡ ብሓያለይ ማዕከናት መራኸቢ ህዝቢ ምዝርጋሕና ይፍለጥ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ብደረጃ ኣውሮጳ ብፓልቶክ ሩም ስመር ተወዲቡ፡ ብጨንፈር ስዊዝ ደንበ ተቓውሞ ዝተዳለወ ኢዩ። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ቕድሚ ምስልሳል ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ክፍለጡን ክጽቐጠሎምን ዘለዎም ኣገደስቲ ነጥብታት ዝያዳ ንምንጻርን፡ አእጃምና ንምዝኽኻርን ነዚ መግለጺ ነመሓላልፍ ኣሎና።

ከም ዝፍለጥ፡ ቕድሚ 21 ዓመታት፡ ኣብ ዓለም ሒደት መዳርግቲ ብዘለዎ መስዋእቲ ተኸፊልዋ፡ ዝተመጠወት ሃገር፡ ነቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዝሚዞም፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝሓኾሩ ‘መራሕቲ’፡ መብጽዓታቶም ጠሊሞም፡ ነቲ ደቐይ ኢሉ ዝሓቖፎም ህዝቢ፡ ደም የንብዕዎ ኣለዉ። ነቲ ህዝቢ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ምንፋጎም ከይኣክል፡ ሓርኮትኮት ኢሉ ዝርካባ ዋኒኑ ከይፍጽም፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ኩናት ጻሕቲሮም፡ ኣብ መጋርያ ሓዊ ብምጥባስ፡ ወግሐ-ጸብሐ ዉግእን ወረ-ዉግእን ብምግዋሕ፡ ኣብ ሸቐልቐል የንብርዎ ኣለው። የግዳስ፡ ከምቲ ኣናፎለስ (Anopheles) ጣንጡ፡ ኣብ ጀቕ-ጀቕ መሬት እምበር ኣብ ንቑጽ ቦታ ዘይትርከብን ዘይትራባሕን፡ ዉልቐ-መለኽቲ እዉን፡ ኣብ ዕግርግርን ቕልዉላዉን እምበር፡ ኣብ ሰላምን ቕሳነትን ክነብሩን ክሰርሩን ከም ዘይኽእሉስ፡ ህሉው ኩነታትን ሕሉፍን ታሪኽ ዓለም ስለ ዝምህረናስ፡ ብዙሕ ኣይሕድሰናን።

እምበኣር ካብዚ ብምብጋስ ኢና፡ እቶም ኣብ ዲሞክራሲያዊ ዓለም፡ መሰል እንስሳታት’ኳ ዝኽበረለን ሃገራት እንርከብ፡ ደለይቲ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ዜጋታታ፡ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ እንዉድብ ዘሎና። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም፡ ሓላፍነታዊያን ዜጋታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ኮይኑ፡ መሪሕ ቴማ፡ ‘ደጊም ሕጅስ ይኣክል፡ ዉልቐ-መላኺ ኢሰያስ ይዉረድ’፡ ‘Enough is nough:Dictator Isaias must go!’ ብምሓዝ ብዉሑዱ ነዘን ዝስዕባ 8 ንጥፈታት ንምትግባር ይብገስ ኣሎ።

1) ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ቖጽሉ ዘየንበረሉ ስለ ዝኾነ፡ ንኽወርድ ምጥላብ
2) ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ምህላውና፡ ዳግማይ ንምርግጋጽ
3) ንሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደዉ ንኽብል መጸዋዕታ ንምቕራብ
4) ትም በሃልቲ (Silent Majority) ዲያስፖራ፡ ኣብ ህዝቦም ንኽዓስሉ ንምልባው
5) ህግደፍ ዝግህሶ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ህዝብናን ስደተኛታትና ዝበጽሖም ዘሎ ስቓይን፡ ናብ ኮሚሽነራት ሕ.መ.፡ ኣዉያት ንኸነስምዕ
6) ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ መሪሕነት’ቲ ስርዓት ዘቕንዐ እገዳ(targeted /smart sanction)ሕ.መ.ምሉእ ብምሉእ ክትብሮ ጻውዒት ንምቕራብ
7) እቲ ክንድ’ቲ ዝብህጎ፡ ክራኸብ ዘይከኣለ፡ ሰዓቢ ዕላማታት ስመር ሩም፡ ብኣካል ንኽራኸብ ባይታ ንምፍጣርን ከምኡ’ውን
8) ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዝ፡ ግቡእ ሚዛን ንኽወሃቦም ርክብ ንምክያድ
ቐጺልና፡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሸሞንተ (8)ነጥብታት፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ንዝርረን:
1)ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ቖጽሉ ዘየንበረሉ ስለ ዝኾነ፡ ንኽወርድ ምጥላብ
ብኢደ-ዋኒኑ፡ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣዕናዊ ዘቤታዊ ምሕደራን ተታዃቢ ሜላ ጉዳያት ወጻኢ ብምኽታል፡ ቐንዲ ጠንቒ ቑጠባዊ ቑልውላው፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ምድኻም ማሕበራዊ ክብርታት፡ ዋሕዚ ስደት ህዝቢ፡ ብዓቢኡ ከኣ ናይ ተረከብቲ ሃገር መንእሰያታ፡ ዝተደወነ ምስሊ ሃገር ኣብ መድረኻት ዓለም ብምዃን፡ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ሸሚሙዋ’ሎ።
ክንዲ ዝኾነ፡ ፈላሚ ጠለብ ሰላማዊ ሰልፍና፡ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ይርከብ።

2)ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ምህላውና፡ ዳግማይ ንምርግጋጽ
እቲ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ‘ቕድም ቐዳድም ድሕነት ሃገር!’ ብዝብል ጭርሖ ተሞኽልዩ፡ ንሃገር ኣዳኺሙ ከይኣኽሎ፡ እቲ ዕንደራዊ ባህግታቱ ንኽትግብሩሉ፡ ኣብቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ከም መፈራርሒ ክጥቐመሉ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ፡ ንነዊሕ ግዜን ንብዙሕ ህዝብን ኣታሊሉሉ ኢዩ። በዚ’ውን ህዝብና፡ ተሸቑሪሩ’ኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ኩነታት ናብ ረብሓ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታትን ናብ ህዝብን ይዛዚ ከም ዘሎ ንምሕባር ኢዩ። ኣብ ደገ እንርከብ ደለይቲ ለዉጢ፡ ቑጽርና እንዳሰሰነ፡ ኣድማዕነትና እንዳዓበየ ይኸይድ ምህላዉን፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ጭርሖ ኣምሰሉ ናይቲ ስርዓት፡ ተሓሊኾም ዝጸንሑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ነቲ ላሕሊሑ ዘሎ ‘ማሕለኻ‘ በንጢሶም ክጽንበሩና ንጽበዮም ከምዘለና ንምግላጽ ኢዩ። ንሕና፡ ኣብ ደገ ንቐመጥ ’ምበር፡ ሃምናን ቐልብናን’ሲ፡ ምስ ህዝብናን ሃገርናን ምዃኑ፡ ደጊምና ንህዝብና ንምርግጋጽ ኢዩ።

3)ንሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደዉ ንኽብል መጸዋዕታ ንምቕራብ
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ፡ ደቒ-ህዝቢ ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደዉ ንኽብሉ፡ ንምምሕጻን ኢዩ። ኣባላት ሰራዊት፡ ኣብ ህዝቦም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ንዓዓቶም እዉን ሕርሕራይ ገይሩ ኣረኻኺቡሎም’ዩ። ለዉጢ ኣብ ዝበጋገሰሉ እምበኣር፡ ሰራዊት ብዓንተቦኡ’ዉን፡ ሓሳሲ ንብዓት ህዝቡን፡ ዋልታ ሃገሩን ምዃኑ፡ ደጊሙ ኸረጋግጽ ንምዝኽኻር ኢዩ። ደለይቲ ለዉጢ’ዉን ብተመሳሳሊ፡ ምስ ሰራዊትና ከምዘለና ንምንጻር ኢዩ።

4)ትም በሃልቲ (Silent Majority) ዲያስፖራ፡ ኣብ ህዝቦም ንኽዓስሉ ንምልባው
በቲ እናሻዕ ዝቐያየር ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ተደናጊሮምን ርዒዶምን ንመጋረጃ ፍርሒ ገና ዘይቐደዱዎ ዜጋታት ኣለዉና። እዚ ምናልባሽ፡ ካብ ክቱር ሓልዮት ሃገር ዝመንቐሊኡ ክኸዉን ይኽእል። ብመፈንጠራ ፈልዮም ቐርቐብ ክንዲ ምባል፡ ምእንቲ ሞጎጎ ኣንጭዋ ብምሕላፍ፡ ዘይጽወር ዝጻወሩ ዜጋታት ሒደት ኣይኮኑን። ኣዴታት ቐሲነን እንጌራ ክስንክታስ፡ ‘ሃየ ተጸንበሩና’ ኢልና ኸኣ ንደሃዮም። እዚኣቶም ጥራይ ግን ከኣ ኣይኮኑን። ቤተሰቦም ናብ ወጻኢ ኣምጺኦም፡ ‘ሃገርና ጽቡቕ ኣላ’ ኢሎም ዘሽካዕልሉ በለጸኛታት’ውን ኣለዉና። ነዚኦም ‘ናብ ልብኹም ተመለሱ፡ ሃየንታ’ለዎ’ ንብሎም። እዋእ፡ እቲ መሪሕነት ህግደፍ፡ ዝያዳ’ቲ ካልእ ክፋል’ቲ ሕብረተሰብ ዝቐርቦም ዝመስሎም፡ ግን ከኣ እቲ ረብሓስ ይትረፎም፡ ከም ሰቦም እንዳተቐጥቐጡ ክነሶም፡ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾኑ’ውን ኣይተሳእኑናን። እቲ ስርዓት ዲል ተረኺቡ፡ ንዓዓቶም’ውን ከይነሓፈ፡ ብሓባር ንኹልና ለኻኺሙና ንምኻድ ዘይማታእ ምዃኑ ኣየባ እንተተስተብህሉሉ!

ካብዞም ዝጠቐስናዮም ዝገደዱ ኸኣ፡ እቲ ስርዓት በዲሉና ኢሎም ኣእዉዮም፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ስደት ተዋሂብዎም ከብቕዕ፡ ኮር ተገልበጥ፡ ኣብ ኤምባሲታት ህግደፍ ሕግብግብ ክብሉን፡ ኣመት ናይቲ መቐጥቐጢ ህዝቦም ዝዉዕል ገንዘብ ክገብሩ ዝረኣዩስ መዓስ ዊሒዶምና? ነዚኦም ‘ተጠንቐቑ’ ንብሎም። ‘ብሰንክኹም ጉዳይ ንጹሃት ስደተኛታት፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣቱን፡ ምድንጋጽ ሕብረተሰብ ዓለምን ከኣ ይጎድልን ኣሎ’ ንብሎም። ስለዚ፡ ነቶም ኩለ-መዳያዊ ትም በሃልቲ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ህዝብና ይጽበየኩም ኣሎ፡ ‘ሎሚ ዘይሰመረ፡ ኣይ ቡቕሊ ኣይ ፍረ’’ እንዳበልና ንኽንላበዎም ኢዩ።

5)ህግደፍ ዝግህሶ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትና ዝበጽሖም ዘሎ ስቓይን፡ ናብ ኮሚሽነራት ሕ.መ.፡ ኣዉያት ንኸነስምዕ
እቲ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ኣብቲ ንናጽነት ኣምጺኤልካ ዝብሎ ህዝቢ፡ ዘዉርዶ ዘሎ እዚ ዘይበሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንምቕላዕ፡ ምስ ቤት ጽ/ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ርክብ ንምክያድ እዩ። ኣብዚ እቲ ቤት ጽ/ት፡ ነቲ ጉዳይ ሂብዎ ዝጸንሐ ኣቓልቦ ብምዕዛዝ፡ እቲ ክገብሮ ዝኽእል ጸቕጢ ተጠቒሙ፡ ሃናጺ ተራ ክጻወት ንምሕታት ኢዩ። ምስ’ዚ ብዝዛመድ፡ ካብቲ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት፡ ናብ ምድራዊ ሲኦል ተቐይራትሉ ዘላ ሃገሩ፡ ሃጽ ኢሉ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ዘጋጥሞ ዘሎ ጭዉያን ምምዝሓቕ ክፍሊ ኣካላትን (human trafficking and organ harvesting)፡ ኣስካሕካሕነት ናይቲ መከራን ንሰብ መዚ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት፡ ጸቒጥና ንምሕባርን ንምዝኽኻርን ኢዩ።

6)ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ መሪሕነት’ቲ ስርዓት ዘቕንዐ እገዳ targeted/ smart sanction) ሕ.መ. ምሉእ ብምሉእ ንኽትግበር መጸዋዕታ ንምቕራብ
ከም ዝፍለጥ፡ ብሰንክ’ቲ ተጻባእን ሃዋኽን ሜላ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ስርዓት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት፡ ክልተ ግዜ ኣብቲ መሪሕነት ናይቲ ስርዓት ዝቐንዐ፡ ማዕቐብ ንኽግበር ወሲኑ ኢዩ። የግዳስ፡ እቲ ዉሳነ ከምቲ ዝድለ ምሉእ ብምሉእ ዝተተግበረ ኣይመስልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ፡ ላዕለዋት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ምንቕስቓሳቶም ንኽዕገት ተወሲኑ ክንሱ፡ ነቲ እከይ ሜላታቶም ንምትግባር ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝመላለሱ ዘለዉ። ነቲ ስርዓት ናይ ምእላይ ሓላፍነት፡ ናትና ናይ ዜጋታት ሙኻኑ ርዱእ ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ንህዝቡ ረጊጹ፡ ሰላም ጎረባብቲ ዝዘርግ ዘሎ ስርዓት ዝያዳ ክንጸልን ክዳኸምን፡ ጻዕርታት ክካየድን፡ ኣብ ዝከኣል ዝሓጸረ እዋን፡ ነቲ ስርዓት ክወሃቦ ዝጸንሐ መአርነቢ ስጉምትታት፡ ተጠናኺሩ ንኽቕጽል ንምምሕጻን ኢዩ።

7)እቲ ክንድ’ቲ ዝብህጎ፡ ክራኸብ ዘይከኣለ፡ ሰዓቢ ዕላማታት ስመር ሩም፡ ብኣካል ንኽራኸብ ባይታ ንምፍጣር
ፓልቶክ ሩም ስመር፡ ኣብ ምቕላዕ እከይ ተግባራት ‘ቲ ስርዓት ዝተጻወቶ ተራ ኣገዳሲ ኢዩ። ክንዮ’ዚ ብምጥማት፡ ደለይቲ ለዉጢ ዝያዳ ንምዉድዳብ ክኽእሉን፡ ሓሳባቶም ብቐረባ ንኽለዋወጡን ፡ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ይጽዕት ኣሎ። ብመሰረት’ዚ፡ ነዚ ኣብ 16 ሕዳር 2012፡ ኣብ ጀነቭ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ኣጋጣሚ ብምጥቓም፡ ደላይ ለዉጢ ዘበለ ኹሉ፡ ነቲ ዝበዝሕ ግዜ ብድምጽ ’ምበር ብኣካል ክረኽቦ ዕድል ዘይረኸበ መቓልስቱ ንምርካብን፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ኢህን ሚህን ንምብህሃል ክኽእል ምእንቲ ተወሳኺ መድርኽ ንምፍጣርን

8)ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዝ፡ ግቡእ ሚዛን ንኽወሃቦም ርክብ ንምክያድ
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ስዊዝ ብዘበግስዎ ምንቕስቓሳት፡ ሓገግቲ ኣካላት፡ ንኤርትራዉያን ዑቕባ ዝወሃበሉ ኩነታት ጸቢብ ንኽኸውን፡ ዉሳነታት ንምሕላፍ ይደናደኑ ኣሎው። ነዚ ዘቕርብዎ ቐንዲ ምኽንያት ከኣ ‘ካብ ሰራዊት ወይ ሃ/ ኣገልግሎት ሃደምቲ (Army / National Service Deserters) ኢዮም’ ዝብል’ዩ። ብወገንና፡ እቲ ቐንዲ ፍታሕ፡ ዜጋታት ባዕልና ኣብ ሃገርና ብእነምጽኦ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ምዃኑ ብምንጻር፡ ምንጪ ናይቲ ስደት ንምድራቕ ንጽዕት ከምዘለና፡ ንኹነታት ደለይቲ ዑቕባ ብዝምልከት ግን፡ ሃ/ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ ደኣ’ምበር ናብ 18 ዓመታት ክምጠጥ ወይ’ውን ደረት-ኣልቦ ክኸውን ከም ዘይነበሮ፡ ንሰብ-መዚ ስዊዝ ንምርዳእን ኢዩ።

ቕድሚ ምዝዛምና፡ ብዛዕባ መስከረም ዳት ኮም ወስ ከነብል። ብዛዕባና ኣብቲ ዓምድታታ ኣይግድን ጽሑፋት ስለ ዘስፈረት ወይ’ውን ኣንበብታ/ተኸታተልታን ስለ ዝጸሓፉ’ምበር፡ (ሓደ ሓደ እዋን’ኳ መን ከም ዝጸሓፎ እዉን ኣይፍለጥን /ኣይሕበርን ኢዩ)፡ ኣብ ቖየቛ ክንኣቱ ደሊናስ ኣይኮንናን። ኣብዚ ቕንያት’ዚ፡ እቲ ዘየማትእ ስምናን ኣብ ባይታ ምስክርና ዝኾነ፡ ስመር ፓልቶክ ሩም፡ ዝብል ተጎስዩ ፡ ‘ስመር ምስ ኢትዮጵያ’ ብዝብል ኣጠሚቖምና ጥራይ ዘይኮነ፡ ‘ውሽጣዊ ጉዳይና ንኢትዮጵያውያን ኣረኪብኩሞ። እዚ ጥልመት እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ሰዊዘርላንድ ተቓውሞ የጋጥሞ ኣሎ።’ ዝብሉን ካልኦት መልእኽትታትን ኣብቲ ወብሳይት ንረኽቦ።

ነቲ ጸሓፊኡ ወይ ኣንጋዲኡ ነመሓላልፈሉ መልእኽቲ ኣሎ። ጸሎሎ ምቕባእን ምጥቓንን ኣይጠቕምን ኢዩ’ሞ ዓገብ!! ‘ቲ ጥልመት ተኾነ፡ ገዲም ዋንኡ ኣሎዎ። ስርዓት ህግደፍ ከኣ ኢዩ። ወዮ ደኣ፡ ጉዳይ ስጊንጥር ኮይኑ’ምበር፡ ንናጽነት ሃገር ተቓሊስ እንዳበለ፡ ንኽበታትናን ንልኡላዊነታ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዘሎ፡ ንሕና ዘይኮንና፡ ብቐንዱ መሪሕነት ህግደፍ ኢዩ። ምስቶም ‘ዳር ድንበራችን ቀይ ባሕራችን ነው!’ ዝብሉ ጸበብቲ ባእታታትን ዉድባትን፡ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ‘ቲ ስርዓት’ዩ። ሕልሚ ምግባት ዓሰብ ምስ ዘባህርሮም ዘሎ ምኩሓት፡ ዘይቕዱስ ኪዳን ዝኣስር ዘሎ፡ እሱ ባዕሉ ሙኻኑ፡ ብትሕትና ነዘኻኽሮም።

ንምጥቕላል፡ እዚ ኣብ 16 ሕዳር 2012 ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዉራይ ናይቶም ፡ ‘ብሃገርና ንግደስ ኢና፡ ስቓይ ህዝብና የሕምመና ኢዩ’፡ ንብል ኩልና ዜጋታት፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ሽኽ ይኹን ቐሺ፡ ኣስላማይ ይኹን ክስታናይ፡ ኣማኒ ይኹን ዘይኣማኒ፡ ሓለንጋይ ይኹን ጎርዞ፡ ሽማግለ ይኹን መንእሰይ፡ ምሁር ይኹን ሸቓላይ፡ ኩሉ ኢደይ ኢድካ ኢሉ፡ ጸጸጸሩ ንኽድርቢ፡ እዋናውን ህጹጽን መጸዋዕታና ነመሓላልፍ ኣሎና። ብደሓን ምጹ! ብደሓን ምጽኣ!

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!
ንደርቢ ኩልና ጸጸጸርና!

6 ሕዳር 2012

ኮሚተ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ 16 ሕዳር 2012

ብደረጃ ኣውሮጳ ብስመር ዝተወደበ
ብጨንፈር ስዊዝ ደንበ ተቓውሞ ዝተዳለወ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7960

Posted by on Nov 7 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net