ሕጊ 90 ደቂቕን፡ ሃገራዊ ዋዕላን

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

8 ሰነ 2010

ሕጊ 90 ደቂቕ ኣብ 1567 ብሎሚ ብልክዕ ቅድሚ 943 ዓመታት ዝጀመረ ሕጊ’ዩ። እዚ ሕጊ 90 ደቒቕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ሕጊ ማዕቢሉ፡ እንዳተመሓየሸ ዝመጸ እንተዀነ፡ እቲ ነቲ ዝፈላልዮ ናይ ምዕባለ መስርሕ፡ ኣገባብ፡ ዓይነት ግን ብሕጊ ዝተወሰነ’ዩ። እቲ ኣገዳስነቱ ከኣ ኣብ’ቲ ሕጊ ዝተመስረተ ኣካይዳ፡ ኣገባብ፡ ቐጥዒ ንዝምልከት እዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ እንዳተቐያየረ ዝመጸ ምዕባለ፡ ካብ’ቲ ቀይድን ሕግን ከይወጸ መስርዕ ሒዙ ክኸይድ ክኢሉ ኣሎ።

ሕጊ 90 ደቂቕ ብተዛማዲ፡ ናይ ግዜ ስም ዝሃብኩዎ ሕጊ’ዩ። እቲ ሕጊ 90 ደቂቕ ምስ ናይ ሕጊ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ዝግለጽ’ዩ። ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝገልጽክዎ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከም’ዚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት፡ ክፍለ ዓለማት ከም ኩዕሶ ጸወታ እግሪ፡ ክሪከት፡ ሩግቢይ፡ ባስኬት፡ ቦሊቦል፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝተፈላልየ ባህልን ልምድን ሒዙ ዝማዕበለ ግን ከኣ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ፡ ብዝተወስነ ግዜ ናይ ባዕሉ ሕግታት ዝምራሕን ዝካየደን ሕግታት ዘለዎ ግዝኣት 90 ደቂቕ’ዩ።

ኣነ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብስምዒትን ኣተዓባብያ ከባብን፡ ካብ’ዚ ኩሉ ዓይነት ጸወታታት ኩዕሶ፡ መብዛሕትኡ ኣብ’ቲ ክሊ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ዝዝውተረሉ ከባቢ ከም ዝዓበኹ መጠን ብፍላይ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ኣብ’ዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ናይ ሕጊ 90 ደቂቕ ተዓዛቢ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብምዃኑ ብሓፈሻዊ፡ ንምግላጽን እዩ።

ብሓጺሩ ግደ ሕጊ፡ ግደ ኣገባብ፡ ግደ ተራን ሓላፍነትን ንምግላጽ’ዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ክምርሓሉ ዘለዎ ሕጊ፡ ክኽተሎ ዘለዎ ኣገባባትን ካብ ምድላዋቱ ኣትሒዙ፡ ሂወት ናይ 90 ደቂቕ ዘለዎ ሕጊ ከማዕርግ ዝገብሮ ምቕርራባት። ክዋሳኣሉ ዘለዎ ባይታን ፈሊጡ፡ ካብ ተበገሰ፡ ሓደ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ንዘንተ ዕለት ክትናበረሉ ዘለዋ ሕጊ ደኣ ኸ እሞ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ኣርእስቲ ክንምርምር ይግባእ።

ጸወታ ኵዕሶ እግሪ፡ ብግዳማውን ውሻጣውን ናይ ባዕሉ ሕግታትን፡ ዘለዎ እዩ። ውሽታዊ ሕግታት ምስ’ቲ ግዳማዊ ሕጋታት ክራጸም ከም ዘይብሉ ከኣ ፍሉጥ’ዩ። ኣብ’ዚ መዳያ ብደረጃ ሃገር ንዝካየደ ግጥሚያታት ኣመልኪተ ክገልጽ እፈቱ።

ኣህጉራዊ ጸወታ ኵዕሶ ፈደረሽን ዓለም ናቱ ሕጊ ኣለዎ፡ እዚ ነፍሱ ዝኸኣለ ኣህጉራዊ ትካል’ዩ። እዚ ትካል’ዚ ኣብ መብዛሕትኡ መዳይ ንምሕዝነትን ሰላም ኣብ መንጎ ሃገራት ዝሰርሕ ኣህጉራዊ ትካል ደኣ ይኹን’ምበር፡ ብሕግታት ዝምራሕ ዓብይ ተሰማዕነት ዘለዎ’ዩ። ተሰማዕነቱ ከኣ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ኣርእስቲ ክዛረበሉን ክጽሕፈኦን ዝደለኹ ከኣ ተሰማዕነት ሕጊ ንዝምልከት’ዩ።

ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝገልጽክዎ ጉዳይ ስምዒት ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ስምዒት ደገፍትን ተዓዘብትን ጥራሕ ዝደረተን ብኡ ዝውሰንን ኣይኮነን፡ ሕግታት ኣለዎ። ስለ’ዚ ስምዒት ደገፍትን ካብ’ቲ ሕጊ ወጻኢ ከተግብርዎ ዝክእሉ ነገር የብሎምን። ምናልባሽ ከም ታሪኽ ኣብ ሓደ ሓደ ተርኽቦ ኣብ’ዚ መዳይ ጌጋታት ተፈጺሙ ክበሃል’ኳ እንተዀነ ብመሰረቱ እቲ ሕጊ ብስምምዕ ኩሉ ስለ ዝፍጸም ዘካትዕን ዘሳሓሕብን የብሉን።

ሕጊ 90 ደቒ፡ ከም ሓደ ቅዋም ክረአ እንተዀይኑ ኣብ’ዚ ክምርመር ዝለዎ ጉዳይ፡ መሰረታዊ ናይ ሰላም፡ ናይ ምሕዝነት፡ ምዃኑ እዩ። በቲ ዝተፈጥረ ምሕዝነትን ረብሓ ናይ ምርካብ’ዩ። ሕጊ 90 ደቂቕ ኣብ መንጎ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ይኹን፡ ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ፡ ካብ ዝተፈላየ ክፍለ ዓለማት ብሕጊ ናይ ምግዛእ ሕቶ እዩ። ኣቲ ቅዋም ንጹር ‘ዩ።ሕጊ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ፡ ብሓደ ዳኛ፡ ብክለት ናይ መስመር ዳኛታት ዝምራሕ፡ 22 ተጻወቲ ዝካየድ’ዩ። ካብ ሕግታቱ ንኣብነት ክብደት ኵዕሶ ፍሉጥ ግራም፡ ክቢ ኵዕሶ ብዲያ-ሜትር ፍሉጥ ዝኸነ ዕቕን ዘለዎ ሕጊ ዝካየድ ‘ዩ። ተጻወቲ ዝንቀሳቐስሉ ፍሉጥ፡ ተሓጋገዝቲ ኣውራ ዳኛን ናይ መስምር ዳኛታትን ፍሉጣት፡ ብህላውነት ጋዜጣኛታት፡ ህዝቢ ዝካየድ ብፍላይ ሎሚ ኣብ ዓለማን ዓብይ ተጸዋርነት ዝሓትት ድሌት ፍጹም ዓወት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝሰርዐ’ዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን።

ካብ’ዞም 11 ካብ ነፍሲ ወከፍ 22 ተጻወቲ፡ ካብ ነፊስ ወከፎም 1 ብኢዶም ዝሕዙ ሓለውቲ ማዕጾ ( ቦርቴረ) እንተዘይኮይኖም ዝተረፉ ኩሎም ብእግሮም ዝጻወቱ’ዮም። እዚ እቲ መባእታዊ ሕጊ ኮይኑ። ኣብ ግዜ ጸወታ ኵዕሶ ክትህልዎ ዘለዋ ቦታ ብሕጊ ዝተነጸረ’ዩ፡ ተጻወቲ ክንቀሳቐስሉ ዘልዉዎ ቦታ ብሕጊ ዝርተነጸረ’ዩ። ካብ’ዚ ዝተወሰነን ዝተነጸረ ቦታ፡ ዝኸደት ኵዕሶን ተጻዋታይን፡ ብሕጊ ቀዳማይ ዳኛ ይምራሕ። ቀዳማይ ዳኛ ጌጋ ኮይኑ ንዝተሰምዖ ሙሉእ መረጋገጺ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ናብ’ቲ ናይ መስመር ዳኛ( ሰኛሊኖ) ምኽሪ ብምሕታት ናብ ውሳኔን ፍርድን ይበጽሕ። ብቅኑዕ ጸወታን፡ ብምሕዝነትን ሰላምን ዝተጻወተ ናይ’ቲ ዓወት ምልክት ክሳብ’ቲ ሓላው ማዕጾ በጺሑ ናብ ሰኪዔት ዝሓለፈ ተጻዋታይ ከኣ ከም ዕዉት ይቑጸር።

እዚ ኣብ ውሽጢ 90 ደቂቕ ዝካየድ ሕጊ ካብ ዝሃለወ፡ እቲ ንዘንተ ዕለት፡ ንመወእል ንሃገራት ዘካይድ ቅዋምን ሕግን፡ ካብ’ዚ ጉዳይ ከሕይሎን፡ ከደልድሎን ዘይክእል ምኽንያት ክህሉ የብሉን ዝብል ሓሳብ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን።

ሃገራዊ ዋዕላ ልዕሊ 90 ደቂቕ ዘገልግል ህዝባውን ሃገራውን ጉዳይ ዘጣመረ ምዃኑ ንሓስብ እንተደኣ ኮይና፡ ስለምንታይ ንቅዋምና ከሕይል ዝኽእል፡ ቀጥዒ፡ ኣገባብ፡ ዳኛን ነጻ ፍርዳዊ መስርሕ ዘለዎ መድረኽ ዘይንፈጥር። ቅኑዕን ግሉጽን፡ ኣገባብ ስምምዓትና ዘይንኽተል።

መስርሕና ኣብ መጽናዕንትን ምርምርን፡ ዝሓለፈ መስርሕ ታሪኽን ዘጽነዐ ጭቡጥ ጉዕዞ ክመርሓና ዝኽእል ሕጊ፡  ተዛቲናን ተላዚብናን ቅዋም ዘይንትልም ? ብዕግበተይ ኤርትራውያን ካብ ስምዒት ወጻኢ ብሕጊ 90 ደቂቕ ከም ንኣምን እፈልጥ፡ ሕጊ 90 ደቂቕ ካብ ኣመና ከኣ ብሕጊ ሃገርን ህዝብን፡ ብሕጊ ዘንተ ዕለት ክንኣምን ግድነት’ዩ። እቲ ጉዳይ ከይዱ ከይዱ ናይ ልዕላውነት ሕጊ፡ ናይ ግዝኣተ ሕጊ፡ ናይ ምእዙዝነት ሕጊ ዘመልክት ስለ ዝዀነ።

ሕጊ 90 ደቂቕ ኣህጉራዊ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ምድላዋት ትግበር’ያ። ናይ ሕጊ፡ ናይ ስነ ኣእምሮ፡ ኣካላዊ ፍልጠት ዘለዎም ምሁራት ከኣ ብመደብ ሰሪዓ 11 ተጻወቲ ምስ መብረይቲ ትቕርብ።

በዚ መስርሕ ሕጊ 90 ደቅቕን ኣካይድኡን ሓደ ንዘንተ ዕለት ዝኸይድ ህዝብን ሃገርን ክንሃንጽ እንተዀይና፡ መን እዩ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ናይ ማህበራዊ ባህላዊ ጉዳያት ምሁር፡ ነጻ መርማርን ፈርድን ክህሉ የብሉን ክብል ዝኽእል፡ መን’ዩ ናይ ሃገርን ህዝብን ናይ ዘንተ ዕለት መጻኢ ዕድሉ ዝውስነሉ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ውሳኔ ካብ ናይ 90 ደቂቕ መወሰኒ ሕጊ ንላዕሊ ኽከይድን፡ ብሕጊ ክግዛእን ኣለዎ ዘይብል ? እቲ ብቅንዕና ንህዝቡን ሃገሩን ዝሓሊ ካብ’ዚ መስመር ክሓስብን ክሰርሕን ከም ዘይደሊ ፍሉጥ’ዩ። ልዕላውንትን ግዝኣተ ሕግን ኣወንዚፉ ክሃልፍ ዝደሊ እንተሃለወ ከኣ፡ ሓደ ካብ’ቲ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ግርጭት ታሪኽ ክሳገር ዘይደሊ፡ ከም ሽማዓ ኣብ ዕትሮ፡ ነፍሱ ከኣ ካብ ክውንነት ህዝቡን ሃገሩን ከዊሉ ከንብር ደሊ ኣካል ጥራሕ’ዩ።

ለውጢ ዘይደሊ፡ ዘይንዕብል፡ በቲ ዝነበርናዮ ንኺድ ዝብል፡ ንሕሉፍ ታሪኽ ፍታሕ ዝደየቕርብ ኣረጊት መብጽዓታት ሒዝ ዝጓዕዝ፡ ናይ ሓድሽ ወለዶ ኣተሓሳባን ዘየንብብ፡ ኣካይዳ ዘይእምት ከይዱ ከይዱ ኣብ’ቲ ግለት ዝጸፈሉ መዅባዕቲ ዝውዳእ ታሪኽ ናይ ኣነ እፈልጥ ዝብል ናይ ትምክሕቲ መድረኽ’ዩ።

መደምደምታ

ሕጊ 90 ደቂቕ፡ ድሕሪ 90 ደቂቕ ኣብ መንጎ እቶም ዝምልከቶም ወገናት ውዱእ’ዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተዋስእሉ ናይ ግዝኣተ ሕጊ 90 ደቂቕ ግን ኩሉ ይግባኣና ዝብልዎ፡ ኩሉ ጌጋ ዝብልዎ ክምጉትሉ ክሳብ ዝለዓለ ዋጋን ግዜ ከፊሎም ዝምጉትሉ መስለ ዘለዎም’ዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዝርክበ ሓይልታት፡ ብትምክሕቲ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊ ኽጭርሕን፡ ክምድርን፡ ክጽሕፍን ጸኒሑ ኣብ’ቲ ወጻኒ መድረኻት ኣብ መጻኢ ዕድሉ ኣንጻር ጭርሖታቱን፡ ባህጉን መጻኢ ዕድሉን ክምጕት ይትረፍ ፈትውቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ እንተዀነ’ውን ዘይጽበዮ መድረኽ’ዩ።

ዝገርም’ዩ ገገለ ኣባላት ኣሰንዳዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ተዓዲሞም ዝመጹ’ምበር ዓደምቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዘይምዃኖም ስለ’ዚ ከኣ ጉዳይ ውሽታዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኤ.ዲ.ኪ ዘይፈልጡን፡ ብዛዕባኡ ክዛረቡ ዘይደሊዩ ናይ ላህመት ሃገራዊ ጉዳይ ክዛረቡ ዝደልዩ ኣብ’ቲ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት ዝተኻየደ ኣኼባ ተነጺሩ።

ቀድምስ ሓባእ ሕማሙ፡ ሓባእ ፈውሱ ክባህል ተመሲሉ፡ ሎሚ ግን ኣብ መድረኽ ሃገራዊ ዋዕላ ሕሙምን ፈውሱን ዝሓብኡ ሓይኻይም መጺኦም። ዝገርም’ዩ። ብዛዕባ ዋዕላ ስቶክሆልም ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ኣስፍሕ ኣቢለ ክገልጽ ክፍትን’የ። ክሳብ ሽዑ ግን ሰላም ቅነ ይግበረልኩም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=797

Posted by on Jun 10 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net