ፖለቲካዊ ውሳኔታት መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ፡ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን

“ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ንቃለስ”፤ “ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን፡ ኩሉ ዓቕምታትና፡ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖታት ዝተሰላሰለ፡ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ፡ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ካብ 3-5 ሕዳር 2012 ኣብ ዘሎ እዋን ብዓወት ተሰላሲሉ፡፡ እዚ ኣብ ጽባሕ እቲ ክልተ መዓልትን ፈረቓን ዝወሰደ ሰፊሕ ሓባራዊ ግንባራዊ ሰሚናር ዝተኻየደ ዕዉት ግንባራዊ ጉባኤ፡ ነዞም ዝስዕቡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍ እዩ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

  1. ህዝብታት ኤርትራ ሎሚ ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ጉጅልኡን ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሎም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ቀቢጸ ተስፋነት ጥርዙ በጺሑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተነጺፉ  ንክወድቕ ዝጨከነ ስርዓት ምኳኑ ብምግማገም፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓንን ስሙር ቀጻልነቶም ንምርግጋጽን ናይ ምቅላስ ጉዳይ፡ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ጉዳይ ምኳኑ ጉባኤና መዚኑ፡፡
  2. ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ምጭባጥ፡ ብብቕዓት ዝተሃንጸ ኣባልን ጽሬቱ ዝሓለወ ስጡም ውደባን ጽኑዕ መሰረት ናይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዓወት ምኳኑ ብምግንዛብ፡ ደሞክራስያዊ ግንባርና፡ ድልዱል መሰረቱ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መደብ ዕዮኡ ኮይኑ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ንክህብ ሓያል ናይ ህንጸት ንምክያድ ከይተሓለለ ክነጥፍ ወሲኑ፡፡
  3.  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብዚ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ናይ ብርሰት ሓደጋ ንምድሓን ኩሉ ሃገራዊ ዓቕማታት ቅልጽሙ ጠሚሩ ናይ ምቅላስ ጉዳይ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ምኳኑ ብምስትውዓል ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ ኣንጸር ስርዓት ህግደፍ ዘቕነዐ፡ ኩሉ መዳያዊ ቃልስታት ዘካይድ፤ ንብዙሕነታዊ ክውንነት ሃገርና ዝኣምን፤ ንመሰልን ማዕርነትን ብሄራት ኤርትራ ዝኣምንን ዝቕበልን፤ ሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነትና እውን ብጸጋ ተቐቢሉ ዘኽብር ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ መስርሕ ምስግጋር ሰለማውን ደሞክራስያውን ኮይኑ፡ ዕልመናዊ (secular) ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ምቹእ ባይታ ዘንጽፍ፤ ሰፊሕን ንቑሕን ተሳትፎ መንእሰያት ማእከል ናይቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ክኸውን ኣጽኒዑ ዝኣምን፤…ወዘተ ኣብ ዝብሉ መትከላዊ መቖምያታት ዘትከለ ክኸውን ጉባኤና ወሲኑ፡፡
  4. ትምክሕትን ጽበትን እቶም ዝኸፍኡ መንሽሮ ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ህዝብታትናን ጸረ-ስሙር ሃገርነትን ምኳኖም ብምስትውዓል ኣትሪሩ ንክቃለሶም ጉባኤና ወሲኑ፡፡
  5.  ንብዙሕነታዊ ከውንነት ብሄራት ኤርትራ እዉጅ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ዘይተጓደለ መሰል ርእሰ-ውሳኔኦም ንምርግጋጽ ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ኣብ ሓድሕድ ምትእምማንን ዘምክብባርን ዝተሰረተ ፍቶታዊ ሓጺናዊ ሓድነት ብሄራትና ምርግጋጽን ናይ ሓድሽን ስሙርን ኤርትራዊ ሃገርነት ጽኑዕ መሰረት ምኳኑ ብምእማን፡ ግንባርና ነዚ ንምዕዋት ከይተሓለለ ክቃለስ ምኳኑ ጉባኤና ወሲኑ፡፡
  6. ፈካርን ተሳዓርን ትምሕተኛ ስርዓት ህግደፍ፡ ኲናታውን ጸረ-ሰላምን ድርቅንኡ ከምዘየዋጽኦ ኣብዝርእየሉ እዋን፡ ተቓውሞ ሓፋሽ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ማዕበላዊ መኸተ ህዝብታትና ድማ ብፍላይ ክስርንቖ እንከሎ፡ “ሰላማዊ ዘተ” ክብል ብሓሶት ክመጻደቕ፤ “ቅዋም ከነተግብር ኢና” ክብል ጸረ-ህዝቢ ጽገናታት ክቕበል ከምዝኽእል ብምስትውዓል፡ መንግስቲ ህግደፍ ዝቕበሎ ሰላምን፡ ዝገብሮም ናይ ሓሶት ጽገናታትን ሓቀኛ ናይ ሰላም ሓይሊ ኮይኑ ዝገብሮም ጽገናታት ዘይኮኑስ፡ ዕድመ ትምክሕተኛን ጸረ-ህዝብን ስርዓቱ ንምንዋሕን፡ ቁጠዐ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ማዕበላዊ ተቓውሞ መንእሰያትና ንምዝሕሓልን ንምጉታምን ክብል ዘካይዶ ስልታዊ ምዕልባጥ ምኳኑ ብምስትውዓል፡ ግንባርና ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ)ን ምዑት ተቓላሳይ ህዝብናን ከይተሓለሉ ክቃለስዎን፡ ነቒሖም ክምክትዎን ኣምሪሮም ከቃልዕዎን ከምዝግባእ ብምርዳእ፡ ጠቕሊልካ ንምቅባጹ
    ዝካየድ ቃልሲ ብሕኑን ክቕጽል ጉባኤና ወሲኑ፡፡
  7. ደላይ ሰላም ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ መሰል ርእ-ውሳኔ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላዊ ክብሪ ሃገርናን ዘለዎም መትከላዊ መርገጽ ብምስትውዓል፡ ኣብ ሃገሮም እናዓምበበ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ልምዓታዊ ህንጸት ሃገርን ንህዝብታትና ዘለዎ ኣወንታዊ ጽልዋ እውን ብምርዳእ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ቃልስን ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልስና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕጂ እውን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ምባሎምን ብተግባር ደገፎም ምርግጋጾምን እውን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ከም ስትራተጂካዊ መሓዛ ደላዪ ሰላምን ምዕባለን ህዝብና መጠን ምሕዝነትና ዝያዳ ብምድልዳል ንናይ ጽባሕ ጥዑም ሕውነታዊ ጉርብትናና ብዘገልግል መልክዑ ብኩሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ይግባእ ክብል፡ ጉባኤ ወሲኑ፡፡
  8.  ኣብ መወዳእታ፡ ጀጋኑ፡ ተቓለስቲ ክልቲኡ ውድባትና (ምደፍኤን ብደግሓሳኤን) ንግንባራዊዕማማት ቀዳምነት ብምሃብ ኩሉ ዓቕምታትና ጸንቂቕና ንቃለስ ድሕሪ ምባል፡ ታሪኻዊ መስራቲ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባርና ኤግደለ ጅማሮ ናይቲ ነዊሕ ሓባራዊ ስትራተጂካዊ ጉዕዞ ምኳኑ ጉባኤና ኣስሚሩሉ ሓፉ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና!

መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ግንባር

ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ)

5 ሕዳር 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7971

Posted by on Nov 10 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net