ዜናዊ ጸብጻብ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን

መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ብቀዳም 3 ሕዳር 2012፡ ልክዕ ሰዓት 6፡20 ድሕሪ ቀትሪ ብውዕዉዕ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ብወግዒ ተኸፊቱ፡፡ ኣብዚ ወግዓዊ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ናይ ክልቲኡ ውድባትና፤ ወከልቲ መሓዙት ውድባት ወከልቲ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም፡፡

ኣብዚ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ብቐዳምነት፡ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብጻይ ተውፊቕ ኑርሑሴን እዩ ቀሪቡ፡፡ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ መግለጺኡ፡ ንኩሎም ዕዱማት ኣጋይሽን ወከልቲ መሓዙት ውድባት ኤርትራን ድሕሪ ምምስጋን፡ “ኣውራ ድማ ንምዑታት ተጋደልትን ኣባላትን ደግፍተን ክልቲኡ ደሞክራስያዊ ውድባትና፡ እንቋዕ ናብዚ ፍረ-ጻማ መሪር ተጋድሎኹም ዝኾነ ወግዓዊ ጽምብልኩም መኣዲ ስምረትኩምን ሓድነታዊ ቃልስኹምን ኣብቃዓኩም ኣብቃዓና” ክብል ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ሞጎሱ ገሊጹ፡፡ ኣስዒቡ ድማ፡ ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መሳርዕ ደምበ-ተቓውሞን ንምብትታን ውራየይ ኢሉ ኣብ ዝጽዕተሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ብመንእሰያዊ ሓይሊ ዝተወደቡ ክልተ ደሞክራስያውያን ውድባትና፡ ናይ ስምረትን ሓድነትን ጉዕዞ ክጅምሩ ምኽኣሎም፡ ውድዓውነቱን ኣገዳስነቱን ዝሰገር ከምዘይኮነ ብምብራህ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዓንዲ ሕቆ ሰውራና ክኸውን ተጽቢት ዝግበረሉ ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ዓሲሉ፡ ናይ ህጹጽ እዋን መድረኻዊ ሕቶታት ህዝብና ንምምላስ፡ ድልውነቱ ብግብሪ ከረጋግጸሉ ዝግባእ ኣገዳስን ወሳንን መድረኽ፡ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ምኳኑ ርዱእ እዩ ክብል ኣስሚሩሉ፡፡ ጉዕዞ ሓድነታዊ ቃልስና በዚ ጥራሕ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ጌና ክቕጽል ምኳኑን ጽላል ኩሉ መስመራዊ ተቓላሳይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን ዝበቅዕ ዓቢ መተኣኻኸቢ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ክሳብ ምርግጋጽ ድማ ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና ክብል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣሰሚሩ፡፡

ቀጺሉ ዝቐረበ፡ ቃል ኣቦ መንበር ውድብ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ) ብጻይ ሰዓድ ከማል እዩ ነይሩ፡፡ ብጻይ ሰዓድ ከማል ኣብ መግለጺኡ፡ “ውድብና ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ) ንቓልሲ ክብገስ፡ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ብሄረ-ሳሆ ብስርዓት ህግደፍ ተጻዒኑ ዘሎ፡ ደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ንምቕንጣጥን፡ ኣብ ሓራን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ፡ መሰልን ማዕርነትን ብሄራት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዓሊሙ ዝተበገሰ ውልዶ ብሄራዊ ውድብ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ) እዚ መሰልን ማዕረትነትን ሕብረተ-ሰባት ዝተረጋገጸላ ስምርትን ብልጽግትን ደሞክራስያዊት ሃገር ናይ ምህናጽ ቃልሲ፡ ናይ በይኑ ዕዮ ገዛ ከምዘይኮነ፡ እኳ ድኣስ፡ ናይ ኩሎም ውጹዓት ብሄራት ኤርትራ ስሙር ቅልጽም ዝጠልብ ናይ ሓባር ዋኒን ምኳኑ ኣትሪሩ ከምዝኣምንን ከምዝቃለሰሉን ድሕሪ ምግላጽ፡ ነዚ ራኢ እዚ ንምዕዋት፡ ንመሰልን ማዕርነትን ብሄራት ኤርትራ ብልቢ ምስ ዝቃለሱ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ ሓቢሩ ንክቃለስ ድልውነቱ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ከም ቀዳማይ ምርጫ ድማ፡ ምስ መንእሰያዊ ሓይሊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ) ብደረጃ ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓቢሩ ክቃለስ ከምዝወሰነን ኣብሪሁ፡፡ ኣቦ መንበር ብደግሓሳኤ ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ሕጂ ብክልተ ውልዶ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ ተበጊሱ ዘሎ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር፡ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክሰፍሕን፡ ብቐንዱ ድማ ማእከል ስሕበት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ኮይኑ ኣብ ዓወት ከብጽሓናን፡ ብደግሓሳኤ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ከማልእ ምኳኑን ከይተሓለለ ከምዝቃለሰሉን ኣረጋጊጹ፡፡

 

ቀጺሉ ዝቐረበ፡ ቃል ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ምደፍኤ፡ ብኣባል ፈጻሚ ኣካል ምደፍኤ ብጻይ ጥዑምዝጊ ሃይሉ እዩ ነይሩ፡፡ ብጻይ ጥኡምዝጊ ሃይሉ ኣብ መግለጺኡ፡ ንኩሎም እቶም ኣብዚ ግንባራዊ ጉባኤዚ ንክንበጽሕ ከይተሓለሉ ዝተቓለሱን ሞራላውን ንዋታውን ደገፋቶም ዘበርከቱን ወገናት ከምኡ እውን ንዕዱማት ኣጋይሽ ምስጋንኡ ድሕሪ ምቕራብ፡ “ኣብ ድሮ እዚ ሎሚ ብወግዒ ዝኽፈት ዘሎ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤና፡ ናይ ሓባር ኣረኣእያታት ኣብ ምዕሟቕ፤ ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኩነታት ደምበ-ተቓውሞ፡ ህሉው ኩነታት ክልቲኡ ውድባትናን መጻኢ ኣንፈት ጉዕዞናን፡ ኣብ ምግምጋምን ኣብ ምንጻርን ዓበይቲ ቁምነገራት ብምጭባጥ፡ ኣብ ዝቕጽል ሓባራዊ ጉዕዞ ስትራተጂካዊ ግንባርና ኣንፈቱ ብዝተነጸረን ብዝጣጠሐን ጎደና ክንምርሽ ዘኽእለና፡ ፈላሚ ናይ ጉዕዞና መሰረታዊ ዓወት ንምጉንጻፍ ዘኽእለና ታሪኻዊ ግንባራዊ ሰሚናር ኣዐዊትና ኣብዚ ምብጻሕና ንመጻኢ ጉዕዞና ድርዒ ዝኸውን መሰረታዊ መኽሰባት ኣረጋጊጽና ኣለና” ክብል ኣስሚሩ፡፡ ቀጺሉ ድማ “ዝሰመረን ዝተወሃሃደን ቅልጽም ንምፍጣር፡ ዝሰመረ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ከምዝሓትት፤ ዝሰመረ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ንምህናጽ፡ ጥጡሕ ፖለቲካዊ መድረኻትን ሃናጺ ክትዓትን ልዝባትን ከምዝሓትት፤ ጥጡሕ ፖለቲካዊ መድረኻትን ልዝባትን ንምፍጣር፡ ቅኑዕ ልቦናን ክፉት ሕልናን ልባዊ ገድላዊ ብጻያዊ መንፈሳትን ከምዝሓተና፤ ቅኑዕ ልቦና፡ ገድላውን ብጻያውን መንፈሳት ክንውንን ድማ ጥዑይ ፖለቲካዊ ባህልን፡ ካብ ኣንነትን በለጽን ጸቢብነትን ዝረሓቐ ደርባዊ ትዕድልቲ ከምዘድልየና ፍሉጥ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ) ነዚ መሪር ዋጋ ዝተኸፍሎ ስሙር ስትራተጂካዊ ግንባር ኣብ ምዕዋት ብክፉት ልቢ፡ ቅኑዕ ሕልናን ገድላዊ ሰውራዊ ባህርያትን ተሃኒጹ፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ምኳኑ፡ ብጻይ ጥዑምዝጊ ሃይሉ ኣስሚሩሉ ሓሊፉ፡፡

ብድሕሪ እዚ፡ ናይ ደግፍ መግለጺታት መሓዙት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ኣካላት መንግሰቲ ኢትዮጵያን እዩ በብተራ ቀሪቡ፡፡ ብቐዳምነት ካብ ዝቐረቡ ናይ ደገፍ መግለጺታት፡ ቃል ስመረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር እዩ ነይሩ፡፡ ቃል ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ስመረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዘቕረበ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ናይ ስመረት መንእሰይ ተስፉ ኣጽባሃ ክኸውን እንከሎ፡ ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣብዚ ድቕድቕ ጸልማት ዝመስል፡ ውልቀ-ሕሳባትን ንዓይ ይጥዓመንን ዝበዝሖ ወቕቲ፡ ኣብዚ ሃገራውነት ከም ዕሽነት ዝቑጸረሉ ዘሎ ሰዓት፡ ብሓያል ሃገራዊ ፍናን፡ ኣብዚ ታሪኻዊ መድረኽ ኩሉ ካባኹም ዝድለ ጠለባት ክሳብ እውን ሂወት ንምኽፋል ድልውነትኩም ምርግጋጽኩም ድርብ ታሪኻዊ ሓለፋ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምስዓርን እቲ ሓቀኛ ለውጢ ንምጫባጥን ኩሉ ዓቕምታትና ኣብ ሓደ ኣስሚርና ክንሰርሕ መተካእታ ዘይብሉ ኮይኑ፡ ነዚ ንምዕዋት ሓደ ታሪኻዊ ውሳኔ ምውሳድኩም ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ ክብል ገሊጹ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ “ኣብዚ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ወሳኒ መድረኽ፡ ሕፍ ተመኩሮታት ብዝግባእ ተገምጊሙ፡ እቲ ዝህነጽ ግንባር ንኩሉ ዝሓቁፍን፡ ኣርኣያን ኣብነትን ዝኸውንን ብቑዕ ደሞክራስያዊ ግንባር ክኸውን ንምዕዋቱን ንምስፍሑን ኣብ ጎድንኹም ኮይንና ክንቃለስ ምኳንና ነረጋግጸልኩም” ክብል ደገፉ ገሊጹ፡፡

ቀጺሉ ዝቐረበ ናይ ደገፍ መግለጺ፡ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ኮይኑ፡ ነዚ ናይ ደገፍ ቃል ዘቕረበ ድማ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኤደግ ተጋዳላይ ብርሃነ የማነ (ሃነጆማ) እዩ ነይሩ፡፡ ተጋዳላይ ብርሃነ የማነ ሃነጆማ ኣብ መግለጺኡ፡ ዘለናዮ ኩነታት ብመንጽር ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ሃገራውን ኩነታት ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ “መንእሰያትና ቀነዲ ገዳይ ህሉው ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ብምኳኖም፡ ብሰፊሑ ናብ ቃልሲ ክኣትዉ ንርእዮም ኣለና፤ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ወሳኒ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ መንእሰያትና ዝወደቐ ምኳኑ ናይ ኤደግ ጽኑዕ እምነት እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ፡ መንእሰያትና ማእከላይ ስሕበት ክኾኑ ዘብቅዖም ፖለቲካዊ ተሳተፎ ከረጋግጹ ይግባእ” ክብል ገሊጹ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ “ኣቲናዮ ዘለና ህጹጽን ተኣፋፍን መድረኽ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ሓይልታት ተቓውሞ ሃገርና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ዓቕምታቶም ጠሚሮም ክቃለሱ ዘብቅዑ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ከተመሓላልፉ ትጽቢትና ዓቢ እዩ፡፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኡደግ) ግንባራዊ ጉባኤኹም ብዓወት ክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት እናገለጸ፡ ኣብ ውጽኢት ጉባኤኹም ተመስሪቱ፡ ምስ ግንባርኩም ተቐራሪቡ ሓቢሩ ክሰርሕን ብክንዲ ዘለዎ ዓቕምታት ተመኩሮታቱ ካብ ምክፋል ሓሊፉ ኣብ ኩሉ መዳይ ዝከኣሎ ምድግጋፍ ክገብር ቅሩብ ምህላዉ ነረጋግጸልኩም፤ ደጊምና ድማ ዓወት ንምነየልኩም” ክብል፡ መግለጺኡ ዛዚሙ፡፡

ቀጺሉ ዝቐረበ፡ ናይ ደገፍ መግለጺ፡ ናይ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ደምሓኩኤ) ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ደገፍ መግለጺ ዘቕረበ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ደምሓኩኤ ብጻይ ኣማኑኤል ዳኒኤል ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ “ክልቲኡ ውልዶ መንእሰያዊ ውድባት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ነዊሕ መስረሕ ሓሊፉ ኣብዚ ምብጽሑ እንቋዕ ደስ በለኩም” ድሕሪ ምባል፡ “እዋናዊ ቃልስና ናይ መሰረታትን ሓይልታት ስመረትን ኣሰላልፋን ቃልስን ዝጠልብ ይኽውን ኣሎ፡፡ ስለዚ በዚ መዳይ እዚ ክረኤ እንከሎ፡ ዝወሰድኩሞ ተበግሶ ዘተባብዕ እዩ፡፡ ንጉባኤኹም ድማ ዓወትን ንምነ” ክብል መግለጺኡ ዛዚሙ፡፡

ካብዚ ቀጺሉ ዝቐረበ፡ ናይ ደገፍ መግለጺ፡ ናይ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ እዩ፡፡ ነዚ ናይ ደገፍ መግለጺ ዘቕረበ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ደግሓኤ ተጋዳላይ መንግስ ሃብተምካኤል ኮይኑ፡ ንሱ እውን ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣብ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤኹም ክንሳተፍን ቃልና ከነስምዕን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዘቕረበትልና ዕድመ፡ እንዳመስገንና ጉባኤኹም ብዓወት ክዛዘም ዘሎና ሰናይ ትምኒትን ንገልጸልኩም” ድሕሪ ምባል ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ኣብ ዝግበር ምርብራብ ኣብ ክሊ ብሓባር ዘሰማማዓና ጉዳያት ሓቢርና ክንሰርሕ ሕጂ እውን ድልዋት ምህላውና ክንገልጸልኩም ንፈቱ፡፡ “ብምባል መግለጺኡ ዛዚሙ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዞባታትን ጨናፍራትን ናይ ክልቲኡ ውድባት፡ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ደገፍ መግለጺታቶም ልኢኾም ነይሮም፡፡

ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት በዚ ናይ ደገፍ መግለጺታት ኣቢሉ ምስተኸፍተ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተዋጸአት ጉጅለ ሰውራዊ ባህሊ ውዕዉዕን መሳጠን ባህላዊ ምርኢት ኣቕሪባ፡፡ ኣብዚ ድሙቕ ባህላዊ ምርኢት፡ መሳጢ ሃገራዊ ስምዒት ዘለዓዕል ገድላዊ ዜማታት፡ ምስ ወኒ ዘለዓዕል ናይ ሰራዊት ትልሂትን ጸወታታትን፡ ከምኡ ድማ ዝተፈላለዩ ንገድልና ዝውክሉ ግጥምታትን ድራማታትን ትሕዘቶታት ማዕሪጉ እዩ ኣምስዩ፡፡ እዚ ወግዓዊ ናይ ጽምብል ስነ ስርዓት ብቐጥታ ብስመር ሩም ብፓልቶክን ፌስቡክን ዩትዩብን ካልኦት ናይ መራኸቢ መሳርሒታትን ኣብ መላእ ዓለም ንምቅላሕ ዘተፈተነ ኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገማት ግን መሊኡ ክመሓላለፍ ኣይተኻእለን፡፡

 

ሰንበት 4 ሕዳር 2012፡ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ ወግዓዊ ኣጀንዳ ጉባኤ ተኸፊቱ፡፡ በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ዝቐረበ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ማለት ጸብጻብ ኣሰናዳኢ ሽማግለ፡ ንከባቢ 2 ሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ጸብጻብ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብምሉእ ድምጺ ጸዲቑ፡፡ ብድሕር እዚ ድማ ንጉባኤ እትመርሕ ፕረሲድዮም ናይ ምምራጽ መስርሕ ተኸፍተ፡፡ በዚ መሰረት ድማ 6 ዝኣባላታ ፕሮሲድዮም ንመስረሕ ጉባኤ ክትመርሕ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመርጸት፡፡ በዚ ድማ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ናይ ጉባኤ መደብ ጸዓጽዩ፡፡ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ልክዕ ሰዓት 2፡00 ዝጀመረ ጉባኤ ድማ፡ ጉባእተኛታት፡ ኣብ ንድፊ መሰረታዊ ዕላማታት ግንባር ክመያየጡ ውዒሎም፡፡ እቲ ክትዕ ርሱንን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ብምንባሩ፡ ካብ ንድፊ መሰረታዊ ዕላማታት 2 ምዕራፍ ምስተዛዘመ፡ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ኣኼባ ተዓጽዩ ጉባእተኛታት ናብ ደራር ተፋነዉ፡፡ ንጽባሔቱ ሶኑይ 5 ሕዳር 2012፡ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ፡ ምይይጥ ኣብቲ ዝተረፈ ምዕራፋት ንድፊ መሰረታዊ ዕላማታት ቀጺሉ ውዒሉ፡፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ክትዓት ድማ፡ ንድፊ መሰረታዊ ዕላማታት ምስቲ ኩሉ ዝተገብረ ምምሕያሻት ብምሉእ ድምጺ ጉባእተኛታት ጸዲቑ ፡፡ በዚ ድማ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ፕሮግራም ተዓጽዩ፡፡ ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ልክዕ ሰዓት 2፡00 ዝጀመረ መስረሕ ጉባኤ ድማ፡ ጉባእተኛታት ኣብ ንድፊ ግንባራዊ ቅዋም ምይይጦም ቀጺሎም ውዒሎም፡፡ በዚ መሰረት ክሳብ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ንዝቐረቡ መመሓየሺ ናይ ውሳኔ ሓሳባት እውን ብምክታት፡ ግንባራዊ ቅዋም ብምሉእ ድምጺ ጉባእተኛታት ጸዲቑ፡፡

ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ክትዓት ተሳተፍቲ ጉባኤ ብሓፈሻ፡ ብተዓዛብነት ኣብ ምሉእ መሰርሕ ጉባኤና ዝተሳተፉ፡ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገርን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዓድሓርሽን ሽመልባን ዝተሳተፉ ግዱሳት መንእሰያት ሃገርናን ዘርኣይዎ ምልኣት ልቢ ዘለዎ ተሳተፎን ዘቕረብዎ ሃናጺ ርእይቶታትን ዝፈጠርዎ ርሱን ናይ ክትዕ ድሙቕ ሃዋህዉን፡ ኣብ መስርሕ ጉባኤና ፍሉይ ታሪኻዊ ተዘክሮታት ዘሕድረን ናይ ቃልስን ሓድነትን መንፈስ ዘዕኩኽን፡ ደሞክራስያውነት ናይ ታሪኻዊ ግንባራዊ ጉባኤና ዘግህድ፡ ኣብ መንእሰያትናን ኣባላት ሰራዊትናን እውን ፍሉይ ጦብላሕታ ዝፈጠረን ኣብ መንጎ መንእሰያትና ዘሎ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ርሱን ሃገራዊ ወኒ ዝተራእየሉን ምንባሩ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ መስርሕ ግንባራዊ ጉባኤና ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍን ካብ ክልቲኡ ውድባት በቢ 7 ምሉኣትን 1 ተጠባባቕን፡ ብድምር፡ 14 ምሉኣትን 2 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ብምምራጽ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ሰሉስ 6 ሕዳር 2012 ወግዓዊ ናይ መዕጸዊ ስነ-ስርዓት ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ዝተኻየደሉ ነበረ፡፡ ኣብዚ ወግዓዊ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ብቐዳምነት ደምዳሚ ኣዋጅ ጉባኤናን በዓል 8 ነጥብታት ፖለቲካዊ ውሳኔታትናን ብብጻይ ተውፊቕ ኑርሑሴን ምስ ቀረበ፡ ቀጺሉ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ እንቋዕ ሓሰኩም መግለጺታት ኣስሚዖም፡፡ ብቐዳምነት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መግለጺታት ካብ ዝስምዑ ብቐዳምነት፡ ኣቦ መንበር ፈ ጻሚ ኣካል ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር መንእሰይ ተስፉ ኣጽባሃ እቲ ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙ ዝተሰመዖ ሓጎስ ብምግላጽ፡ መንእሰያት ስምረት እዚ ኣብ ጎኒ እዚ ግንባር እዚ ኮይኖም ክቃልሱ ምኳኖም ገሊጹ፡፡ ወኪል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ተጋዳላይ ክልለየውሃንስ ወልደግዮርግስ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዉት ግንባራዊ ጉባኤ ምስታፉ ዝተሰመዖ ሓጎስን ፍናንን ብምግላጽ፡ ኤደግ ኣብ ጎኒ እዚ ደሞክራስያዊ ግንባር ኮይኑ ክቃለስ ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊጹ፡፡ ኣብ ምሉእ መስርሕ ሰሚናርናን ጉባኤናን ተረኺቡ ኣገዳሲ ተመኩሮኡ ዘካፈለና ግዱስ ተቓላሳይ ልኡል ጋይም እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምሉእ ተመኩሮኡ፡ ከምዚ ዓይነት ብክፉት ናይ ቃልሲ ሸውሃት ዝተነድቀ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ርእዩ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ስሙር ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተመስረቱ ግንባራት ዝፈልይዎ ብዙሓት ረቋሒታት ከምዘለዉ፡ ሰፊሕ መግለጺታት ብምቕራብ ብመረዳእታ ኣሰንዩ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ምሪሕነታት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ሓርበኛታት እዮም ክብል፡ ትብዓትን ጅግንነትን ናይ ኣባላትን መሪሕነትን ክልቲኡ ውድባት ፍሉይ ናይ ቃልሲ ወኒ ከምዘጎናጸፎ ገሊጹ፡፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ብተመኩሮ ፍሉይ ክባሃል ዝከኣል ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኣብ ምድላዳል ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክሕግዘዝን ክረባረብን ምኳኑ ኣረጋጊጹ፡፡

ብድሕር እዚ፡ ግጅለ ስውራዊ ባህሊ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ንኣባላት ሰራዊትን ዕዱማትን ርሱን ናይ ምዝንጋዕ መደባት ኣቕሪበን፡፡ ኣብዚ ብባህላውን ዘመናውን ገድላውን ደርፍታት ዝማዕረገ ባህላዊ ምርኢት፡ ኣባላት ሰራዊትን ዕዱማትን ተሳተፍትን ጉባኤና ብቓላት መግለጺ ዝሰኣንሉ ሓጎሶምን ፍናን ቃልሶምን ብትልሂትን ድሙቕ ጸወታታትን ክገልጽዎ ኣምሰዮም፡፡ በዚ ድማ ወግዓዊ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ታሪኻዊ ግንባራዊ ጉባኤና ሰሉስ 6 ሕዳር 2012 ልክዕ ሰዓት 10፡30 ናይ ምሸት ተዛዚሙ፡፡

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና!

ግንባረዊ ጉባኤ ኤግደለ

9-11-2012

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7976

Posted by on Nov 11 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net