ብሽም ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ አውራጃዊ ምፍልላያት አብ ከተማ ጎተንበርግ

አብ ከተማ ጎተንበርግ ዝነብር ኤሪትራዊ ብሰላምን ብፍቕርን፡ ምስ ኩሉ ኤሪትራዊ አስላማይን ክርስትያን፡ ከበሳ መታሕት፡ ብአውራጃይ አውራጃኻ  ከይተፈላለየ ክነብር ዝጸንሔ ለዋህ ህዝቢ እዩ፡፡

ከም ብልጫ ድማ ንዝኽሰቱ ውልቃውያን ናይ ሓሳባትን ናይ አረአእያን ፍልልያት አኽቢሩ፡ ባህሉን ኤሪትራውነቱን ዕቂቡ፡ ዝነበረን ዝነብር ዘሎን ፍሉይ አብነታዊ ህዝቢ እዩ እንተበልኹ ዝተጋነን አይኾነንይ፡፡

እቲ ሓቒን እቲ ዝበዝሕ ኤሪትራዊ ዝአምነሉ እዚ እካ እንተኾነ፡ ብአንጻሩ ድማ ለይትን መዓልት ሓድነት ኤሪትራዊ ንኽበታትኑ ደቂሶም ዘይሓድሩ፡ እቲ ሓደ እንተፈሸሎም ካልእ ሓድሽ ዝምህዙ፡ ዓገብ አንተበልካዮም ዝሃድሙ፡ ነውሪ እንተበልካዮም ዝሓዝኑ ጽዩቃት መዘኑ አራዊት አውን አይተሳእኑን፡፡

ኩልና ከም እንፈልጦ አብዘን ዝሓላፈ 11 ዓመታት ብሰንኪ እዚ አብ ሃገርና ዝተራእየ ናይ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት፡ ነዚ አብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ብፍላይ ድማ ንተቀማጦ እዛ ኸተማ ንግዚኡ ብሓሳባትን ብአረአእያን ፈላልይዎም ኔሩ እዩ፡ ፡

እቲ መብዛሕትና ዘይተጸበናዮ ግና፡ እቶም አውራጃዊ ሕማማት ዝነበሮም ወይ ዘለዎም ውልቀሰባት፡ ነቲ አብ ህዝብና ዝተራእየ ናይ ሓሳባት ፍልልያት መልኽዑ ብምስሓት፡ እቲ ፍልልያት ናይ አውራጃ እዩ እንዳበሉ ዕላምኦም ንምዕዋት ብአውራጃ ክጠራነፉን አውራጃዊ ጎስጋሳት ንኸካይዱ መንገዲ ምኽፋቱን ዕድል ምርካቦምን እዩ፡ ፡

እዞም ባእታታት ካብ ነዊሕ እዋን ብአውራጃዊ ምፍልልያት ካብ ቀደም እካ ፈሊና እንተአላለናዮም: ንሓደ ምዕቡል፤ መስተውዓሊ፤ ንልዕሊ ሳላሳ ዓመት ንሃገሩ ዝተቃለሰ ሓርበኛ ህዝቢ ስጋዕ አብ ኤሪትራዊነቱ አትዩም ብአውራጃዊ ስሚዕታት ክፈላልይዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ንብዙሓት እምነት ሓዲሩና ኣይፈልጥን፡፡

“ዕግርግር ንሰራቒ ይጥዕሞ ከምዝበሃል” ገለ ዱኹማት ወገናት ነዚ አብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝተራእየ ናይ ሓሳባት ምፍልላያት ተጠቂሞም ከይሓፈሩ ንህዝብና ክፈላልይዎ ብዙሕ ሜላታት ይጠቀሙ እንበር እኹል ሓይልን ተቀባልነትን ስለዘይነበሮም ምስ ግዜ ኩሎም በብሓደ ተደሲቖም ተሪፎም እዮም፡፡

ተደሲቖም ደአምበር ተሓግሒጎም ስለዘይተእለዩ ግና ከም ድጉል ሓዊ ተሓቢኦም ብምጽናሕ ንገለ ሕልና ዝጎዶሎም፡ ርእሰተ እማንነት ዘይብሎም፡ መስዋእቲ ዘይስቖሮምን ፍቅሪ ሃገር ይኹን ፍቅሪ ሰብ ዘይብሎም፤ እንስሳዊ እተሓሳስባ ንዘለዎም: መምዮም አብ ትሕቲ ህግደፍ ወይ ድማ ብስም ህግደፍ ተጠቂሞም ከምዝውደቡን ብኡኡ አቢሎም ድማ እቲ ጽዩቕን ነውራም አውራጃዊ ምፍልላያት አብ ውሽጢ ህብረተሰብና ክዝርግሑ ለይትን መዓልትን ዕድል ወይ ድማ ቀዳድ ረኺቦም እቲ አውራጃዊ ቃልሶም ሕጅውን ሓደሽቲ እንዳመልመሉ ይቅጽልዎ አለዉ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ድማ እንሆ አብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ አዋርሕ አብ ከተማ ጎተንበርግ ዝተገብረ ክንሕብረኹም፡፡

መእተዊ ንክኾነኩም ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት መብዛሕትኦም ብአውራጃዊ ምፍልላያት ዝተጨማለቑ አብ ህግደፍ ዝነበሩ ተአኺቦም ኩሉ ኤሪትራዊ አብዛ ኸተማ ዝቕመጥ ንተቃወምቲ ሰላም ክብሎም የብሉን፡ ፡ አብ ውራዮም ክሳተፍ የብሉን ዝብል ውሳኔታት ምስ አሕለፉ፡ ህዝቢ ዳርጋ ብኹሉ ነጺግዎም ጥራሕ ዘይኮነ እቶም ብአውራጃ ዝተወደቡ ህግደፋውያን ናበይ ክበጽሑ ከምዝደለዩ ስለዝተነጸረሉ ሓሳባቶም ከይተበገሰ ፈሺሉ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ለባም ብኤሪትራውነቱ ዝኾርዕ እውን ፎእ ኢሉ ክርሕቆም መሪጹ እዩ፡፡

” ዕድመ ንመንግስቲ ኤሪትራ ዕድመ ንቖንስል ኤሪትራ አብ ሽወደን” ስለዝኾነ ግና ነዞም ብስም ህግደፍ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ አውራጃውያን ህዝቢ ፎእ ምስበሎም ስጋዕ ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኤሪትራ ካብ አስመራ ናብታ እቶም ጽዩቓት ዝጥቆሙላ ረድዮ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ አንዳደወሉ ሞራልን ድጋፍን ንክህብዎም ተጌሩ እዩ፡፡

ካብ አቶም ገለ አስማት ንምጥቃስ የማነ ገብርአብ፡ ዓሊ ዓብዱ፡ ወዲ ገራህቱ፡ ግርማ አስመሮም ይርከብዎም፡፡

ሞራል ዝረኸቡ ህግደፋውያን ብሓድሽ ተወዲቦም ነቲ አውራጃዊ ስሚዒታቶም ብሓዲሽ ብምልዓል እቲ ንተቓወምቲ ህዝቢ ሰላም ክብሎም የብሉን ዝብል ዝነበረ ሓሳብ ” ንሕና ” ብዝብል ብምቕያር ብሓዲሽ ከተግብርዎ ጀመሩ፡፡

ሕጅውን እቲ ንሕና ንተቃወምቲ ሰላም አይንበሎም ዝብል ውሳኔ ምስቲ አውራጃዊ ስሚዒታቶም ስለ ዘይተቃደወ እቲ ንተቃወምቲ ዝብል ገዲፎም እቲ ተቃዋማይ አበይ ዓዱ እለልዮም ወዲ ዓዶም እንተኾይኑ ሰላም አይኮነን አብ ገዝኡ እውን ይኸድዎ ፡ ወዲ ካልእ አውራጃ እንተኾይኑ ድማ አውራጃዊን ህግደፋዊ ትእዛዝ ስለዝኾነ ሰላም ከይበሉ ረጊጸሞ ኽኸዱ እዮም ኽመርጹ ጸኒሖም፡፡

ከምውጺኢቱ ድማ እቲ ዝወጠንዎ ከምቲ ንሳቶም ዝሓሰብዎ ስለዘይከደ እቲ ዝሓሰብዎ ቶንኮል ተገልቢጡ ንዓዓቶም ክወቅዕምን ካብ ህዝቢ ክግልሎምን ጀመረ፡፡

በዚ ዝሰንበዱ ህግደፋውያን ነተን አብዚ ከተማ ዝነበራ ማሕበራት ናይ መኸተ፡ ማሕበረሰብን ማሕበረኮምን ብሓዲሽ ብምውዳብን ብሓደ ብምጥራንፍን ንኹለን አብ ትሕቲ ህግደፍ ብምውዳብ ብሽም ህግደፍ ነቲ አውራጃዊ መስርሕ ከተግብራ ትእዛዛት ተዋሂብወን እንሆ አብ ምትግባር ይርከባ አለዋ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ድማ አብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ አዋርሕ አብዛ ኸተማ ክካየድ ዝቀነየ ናይ ህግደፍ ይኹን ናይ ማሕበረኮም አኼባታት ዝካትዕሉ ዝነበሩ አርእስቲ ጉዳይ ሃገር ጉዳይ ህዝቢ ጉዳይ ስደተኛታት ዘይኮነስ ስለምንታይ እዩ እቲ ሰላም አይንበሎም አብ ውራዮም አይንኺድ ዝብል ውሳኔታ ዘይተተኸበረን እቶም ነቲ ውሳኔታት ዝጥሕሱ ዘለዉ አባላት በዓል መን ሙኻኖም ተለልዮም ስጉምቲ ክውሰዶምን አለዎም ዝብል ይርከቦም፡፡

አብቲ አኼባ ነዚ ሓሳባት ብዝልዓለ ደርጃ ዘልዓሉ ውልቀሰባት አሮን ጳውሎስ፤ አለም ዘሞ፤ ዮውሃንስ አስመሮም፤ ምናሴ ዮሴፍ፤ ብንያም አልመዶም ክኾኑ ከለዉ ካብቲ ምናሴ ዮሴፍ አብቲ አኼባ ዝተዛረቦ ንምጥቃስ ” ብርሃነ ዘመኑ አብ እንዳ በረኸት ወዲ ፍራይ ዝተገብረ ውራይ ተሳቲፍካ፡ ምስ ወዲ ፍራይ ዕርክነት አለኻ ዝብል ክኸውን ከሎ ብንያም አልመዶምን አሮን ጵውሎስ ድማ ንቶማስ መንግስ ዝተባህለ ምስ ዮሴፍ ዝተባህለ ከመይ ጌርኻ ቶቆጺርካ ስራሕ ትሰርሕ አለኻ ብምባል ንኽልቲኦም ብሕቶታት ልቦም አጥፍእሎም፡፡

ድሕሪ ብዙሕ አኼባታትን ክትዓትን ነቲ ምስ ተቃዋሚ ስራሕ ተቆጺሩ ስራሕ ዝነበረ አለሞ ዘሞ ረኺቡ ስራሕካ ደው አይተብልን ስጉምቲ ክውሰደካ እዩ ምስ በሎ  ቶማስ ካብቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዘሰርሓሉ ዝነበረ ስራሕ ደው ከምዝብል ተጌሩ፡፡

ንናይ ጉዳይ ብርሃነ ዘመኑ ግና ኧብ ሂወተይ እንታይ አተወኩም ኢሉ ብትብዓት ደው ስለዝበለ ብጀካ ምናሴ ዮሴፍን ብንያም አልመዶምን ናይ ዓቅሊ ጽበት ዘረባ ዝቀጸለ የለን፡፡

እቲ ካብ ኹሉ ንህዝቢ እዛ ከተማ ዘስደሞሞ ግና ካልእ ኣሎ፡ ፡

አብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኩሉ ኹርንዓት ናይ ምዕራብ ሽወደን ዝተወጻጽኡ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ተቃወምቲ መንእሰያት ንምምስራት ማሕበር ስመርርርርርር አብ ዞባና ዓቢ አኼባ አካይዶም ኔሮም፡፡

አብቲ አኼባ ድማ ንዕዱማት ዝኾውን እኽለማይ ተዳልዩ ኔሩ፡፡ ንሓምሳ ሰባት ዝኸውን ጸብሒ ስጋን እንጀራን አብ ሓደ ገዛ እዩ ተሰሪሑን ተሰንኪቱን፡፡ ነቲ ዝተዳለወ መግቢ ዘጎዓዕዙ ዝነበሩ ድማ ጭው ዝበሉ ሃገራውያን (ተቃወምቲ) እዮም ኔሮም፡ ፡

ስለዚ ህዝቢ ከተማ ጎተንበርግ እዚ መስሓቕ ከየምልጠኩም ንአለም ዘሞ አበይን አብ እንዳመን ገዛን ከም እተስርሔ ሓብረና ክትብልዎ ሓደራ ይብለኹም፡ ፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8000

Posted by on Nov 15 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net