ደምዳሚ ኣዋጅ 1ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኤርራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ)

ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ) ካብ 9-10 ሕዳር 2012 ኣብ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣቃኒዑ፡፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኤግደለ ኣብዚ ኣኼብኡ እዚ፡ ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኩነታት ጸላእን ደምበ-ተቓውሞን ብዝምልከት ዓሚቕ ምይይጣት ዘካየደ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ኩነታት እዚ ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ ሓያል ውደባን ናይ ቃልሲ ጠበባትን ብዛዕባ ዝተኣታተወሉ ኣገባባት እውን ብዕምቆት ዘትዩ፡፡

ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዕምሪ ስልጣኑ ኮይኑ ኣብ ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ለኪሙ ክዓርብ፡ ሓያል ምዕልባጥ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ብሓይሊ ብረት ብምዕጣቕን ዘይቅሱን ሂወት ክነግስ ብምግባርን፡ ኣብ ግዳም ድማ፡ ፈቐድኡ ዝተበተነን ፋሕ ዝበለን ኤርትራዊ መንእሰይ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ተመሊሱ ኣገልጋሊ ናይቲ ስርዓት ንምግባሩን፡ ብኡ  ኣቢሉ ደማ መሳርዕ ደምበ-ተቃውሞ ናይ ምድኻም ኣዕናዊ ፖሊሲታት ይኽተል ምህላዉ ዝገምገመ ፈጻሚ ሽማግለ ኤግደለ፡ በቲ ካልእ መዳይ እውን፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ካብ ሱር-መሰረቱ ሓግሒግካ ካብ መድርባይ ወጻኢ ካልእ መፍትሒ ከምዘየለ ብዝግባእ ተገንዚቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተቓውሞታቱ ኣብ ዘጓሃህረሉን፡ ናብ ዝተወሃሃደ ናይ ተቓውሞ መስርሕ ዝሰጋገረሉን ዘሎ ውድዕነት ምኳኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዕድላት ኣብ ቀረባ መጻኢ ክኸውን ዘሎ ዕድላትን ተኽእሎታትን ኣዝዩ ሰፊሕ ምኳኑ ፈጻሚ ሽማግለ ኤግደለ ገምጊሙ፡፡ ነዚ መርኩስ ብምግባር እውን፡ ነዚ ናይ ለውጢ መስረሕ ንምቅልጣፍ፡ ኤግደለ፡ ብመሰረት ውሳኔታት ግንባራዊ ጉባኤን 1ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለን፡ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ዙርያ እዚ ስሙር ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ዓሲሎም ዝቃለስሉ መስርሕ ክቀላጠፍ ከምዝግባእ ብምንጻር፡ ኤግደለ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ይጽነሓለይ ከይበለ፡ ከም ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ሰሪዑ ክዋሳእን፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሕሳባትን ውልቃዊ ኮነ ጉጅላዊ ኣጀንዳታትን ሓራ ብዝኾነ መልክዑ ኣብ ንጹር መትከላዊ እምነታት ግንባርና ዝተሰረተ ቀጻሊ ዘተታትን ልዝባትን ንክካየድ ፈጻሚ ሽማግለ ኤግደለ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ፈጻሚ ሽማግለ ኤግደለ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣወዳድባን ኣሰላልፋን ግንባርና ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ምይይጥ ብምክያድ፡ ግንባርና ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ብስጥመትን ብውህደትን፡ ንግንባራዊ መደብ ስራሕ ቀዳምነት ሰሪዑ ዝዋሳአኣሉ ንጹር ናይ ስራሕ ትልምታትን ናይ ኣፈጻጽማ ስልትታትን ሜላ ቁጽጽርን ዘተኣታተወ ክኸውን እንከሎ፡ ዝተተለሙ ዕማማት ኣብ ግብሪ ንምርጓም የኽእሉ እዩ ኢሉ ዝረኣዩ፡ ብማእከላይ ሽማግለ ግንባር ዝጸደቐ ናይ ኣሰራርሓ ሕግታት ኣብ ኩሉ ቦታን ኩሉ ግዜ ዝኸበረሉ ሜላታት ሓንጺጹ ኣሎ፡፡ ብመሰረት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ግንባራዊ ሰሜናርናን ጉባኤናን፡ ብቐዳምነት ክስራሓሎም ካብ ዝግብኡ ጉዳያት እቲ ቀንድን ወሳንን፡ ህንጸት ዓቕሚ ሰብ ከም ምኳኑ መጠን፡ ኤግደለ ውሽጣዊ መሰዳርዑ ንምድላዳል፡ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝበሎም ናይ ህንጸትን ምንቕቓሕን መደባት ወጢኑ ኣሎ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን፡ ናይ ነብሰ-ወከፍ ቤ/ጽ ግንባር ነናይ 3 ወርሒ ትልሚ ስራሕ ብምሕንጻጽን ካብ ውሽጡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ፡ ዋና ጸሓፊ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤ/ጽ፡ ሓላፊ ዜናን ባህልን፡ ሓላፊ ጎስጓስን ሓበሬታን፡ ሓላፊ ቤ/ቁጠባን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽን፡ ኣድላዪ ናይ ዓቕሚ ሰብ ምደባታት ብምክያድን ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና

ፈጻሚ ሽማግለ ኤግደለ
10 ሕዳር 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8003

Posted by on Nov 15 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net