ደምዳሚ መግለጺ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤግደለ)

መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ካብ 3-5 ሕዳር 2012 ኣብ ዘሎ እዋን ብዓወት ተሰላሲሉ፡፡ መሓዙት ውድባት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ብመሰረት ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ናይ ሓባር ደሞክራስያዊ ግንባር ንምምስራት ብዝገበርዎ ስምምዓት መሰረት፡ ኣቐዲሞም ኣርኣእያታቶም ንምስፋሕን ንምዕሟቕን፡ ህሉው ኩነታት ንምግምጋምን ኣቐዲሞም ካብ ዕለት 1-3 ሕዳር 2012 ንሰፊሕ መሰርታትን ተጋደልትን ክልቲኡ ውድባት ዘሳተፈ ዕዉት ግንባራዊ ሰሚናር ምክያዶም ዝዝከር እዩ፡፡ ነዚ ዕዉት ግንባራዊ ሰሚናር ስዒቡ ድማ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተዋጽኡ ወከልቲ ሰራዊት ወከልቲ ስቪል ኣባላትን ኣባላት ኣመራርሓን ካድራትን ክልቲኡ ውድባት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤኦም ብዓወት ኣሰላሲሎም፡፡

ኦ! ውጹዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ!

ግንባራዊ ጉባኤና ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዕምቆት ብምግምጋም፡ ኣብ ወድዓዊ ጸገማት ድምበ-ታቐውሞን ኣፈታትሕኡን ብዝምልከት እውን ብዕቱብነት ብምምይያጥ፡ እዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ደሞክራስያዊ ግንባር ንመላእ ደሞክራስያዊ መስመራት ዝውንኑ ሓይልታት ብምትእኽኻብ፡ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልስና ኣብ ዓወት ንምብጻሕ፡ ከይተሓለለ ክሰርሕ ከምዝግባእ እዩ፡ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤና ኣስሚሩ፡፡ በዚ መሰረት ግንባራዊ ጉባኤና ንኩሎም ደሞክራስያውያን ሓይልታት ክጠምርን ከተኣኻኽብን ዝኽእል ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ተመያይጡ ኣጽዲቑ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ እውን ንኩሎም ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኣብዚ ደሞክራስያዊ ግንባር እዚ ብማዕርነት ከሳትፍን ከዋስእን ዝኽእል ግንባራዊ ቅዋም ጸዲቑ ኣሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ዝጸደቐ ግንባራዊ ቅዋምና ድማ፡ ግንባርና “ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ)” ተባሂሉ ክጽዋዕ ተወሲኑ ኣሎ፡፡

ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ) ኣብዚ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤኡ እዚ፡ መላእ ዓቕምታት ደምበ-ተቓውሞ፡ መሊእካ ኣብ ቃልሲ ብምጽማድ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፡ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ምቅልጣፍ መታን ክከኣል፡ “ኩሉ ዓቕምታትና ዲክታርያው ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ንኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ዘተኣኻኽብ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ብሓደ መዳይ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዕማም ዝሽከም መሪሕ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ናይ ምስልሳል ዕማም ድማ በቲ ካልእ መዳይ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ህጹጽ መድኻዊ ጠለብ ህዝብና ምኳኑ ብዕምቆት ተገምጊሙ፡፡

ኦ! ውጹዕ መንእሰይ ኤርትራ!

መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ፡ ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ) ብዕምቆት ካብ ዝተመያየጠሎም ጉዳያት ሓደ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዓነዲ ማእከል፡ ናይ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና ክኸውን ዘለዎ ተደላይነት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ኤግደለ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዕቱብነት ርእዩ ክቃለስ ዝግበኦን ዝጥለቦን ምኳኑ እዩ፡፡ ብምኳኑ እውን ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ምሉእ መሰርሕ ግንባራዊ ጉባኤና ምሳና ክሳተፉ ብምዕዳምን ኣብ ምሉእ መሰርሕ ጉባኤና ሃናጺ ተሳተፎም ከረጋግጹ ብምግባርን ኤግደለ ምስ መንእሰያት ዝያዳ ተቐራሪቡ ዝሰርሓሉ ባይታ ዝምድምድ ጅማሮታት ኣርእዩ ኣሎ፡፡ በዚ መሰረት መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ንምሽካም ምስ እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ግንባር፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክቃለሱ ጉባኤና ይጽውዕ፡፡

ብስም ምክልኻል ሃገር ኣብ ወፍሪ ባርነት ተጸሚድኩም፡ ሕሱም መነባብሮ እትመርሑን ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ስደት ትበታተኑን ዘለኹም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ እዚ ጽላል ኩሉ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ክኸውን ተመስሪቱ ዘሎ ብቐንዱ ኣካልኩም ብዝኾነ ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ ዝቕለስ ደሞክራስያዊ ግንባር ምምስራቱ ዮሃና እናበልና፡ ኣብ ዝባንኩም ተሓንጊሩ ብሩህ መጻኢ ተስፋኹም ኣጸልሚቱ፡ ዝገዝኣኩምን ዝምዝምዘኩምን ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ብምሽካም፡ ኣብ ጎኒ እዚ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ግንባርና ኤግደለን  ውጹዕ ህዝብኹምን  ደው ብምባል ብትብዓት ክትቃለሱ ጉባኤና ይጽውዕ፡፡

ግንባራዊ ጉባኤ ኤግደለ፡ ብመሰረት ግንባራዊ ቅዋም 14 ምሉኣትን 2 ተጠባበቕትን ብድምር 16 ዝኣባላቱ ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽን ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍን እዩ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ግንባራዊ ጉባኤ ኤግደለ፡ እዚ ጉባኤ እዚ ዕዉት ኮይኑ ንክወጽእ፡ ኩለንትናዊ ምርብራብ ንዝገበሩ፡ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፤ ኣብ ምሉእ መስርሕ ጉባኤና ብምስታፍ፡ ሃናጺ ርእይቶታት ብምልጋስ እጃሞም ንዝተጻወቱ ወከልቲ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፤ ዕድሜና ኣኽቢሮም ኣብ መኽፈትን መዕታን ጉባኤና ንዝተረኸቡ መሓዙት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፤ ካብ ግዜ ሰሜናር ጀሚሮም ኣብ ሉእ መስርሕ ዝተሳተፉን ዘይነዓቕ ተመኩሮም ዘካፈሉናን ርሱን ሃገራዊ ናይ ቃልሲ ሸውሃት ዝኸፍት ምውቕ ተሳትፎ ዘርኣዩናን ተቋድስቲ ናይ ቃልሲ ውራይና ኮይኖም ዝቐነዩን፤ ውልቀ-ግዱሳት መንእሰያት ኤርትራ ከምኡ ድማ፡ ብሞራልን ብንዋትን ኣብ ጎንና ጠጠው ዝበሉ ደለይቲ ለውጥን ከምኡ እውን ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ጉባኤና ልዑል መጎሱን ምስጋንኡን ገሊጹ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና!

መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ

ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ

(ኤግደለ)

5 ሕዳር 2012 ሐ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8007

Posted by on Nov 15 2012 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net