ዑደት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ስቶክሆልም 22 ግንቦት 2010

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

13 ሰነ 2010

“ትማሊ ንኺድ ሎሚ ከኣ ንኺድ”

ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርሖ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ድሕሪ ቐትሪ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቅድሚ ኣብ’ዚ ናይ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ህጽር ዝበለ ጸብጻብ ምቕራበይ ገገለ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታት ክጠቕስ እፈቱ።

ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣብ ስቶክሆልም ብተደጋጋሚ ግዜ መጺኡ ኣኼባታት ኣካይዱ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ’ቲ ብሳልሳይ ማዕበል ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣኼባታት ብፍላይ ኣብ ስቶክሆልም፡ ከም በዓል ኣምሃ ዶመኒኮ፡ ሙሴ ኤፍረም፡ ሃብቶም ዮውሃንስ፡ ሑሩይ ተድላ ባይሩ፡ ብሓልዮት ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ተዳልዩ፡ ቀጺሉ ብምትሕግጋዝ ሽወደናውያን ቀጻሊ ኣኼባታት ዝካየድ ዝነበረ’ዩ።

ኣብ’ቲ እዋን እቲ ብሙሉእ ሓይሉን ግዜኡን ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ከኣ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ጉዳይ ረፈረንደም ተወዲኡስ፡ መስርሕ ንድፊ ሃገራዊ ቅዋም ክሳብ ኣብ ባይቶ ዝጸደቐሉ ግዜ ዝተሰጋገረ ናይ ምትሕብባር መስርሕ ዝውዳእ ብዓብይ ዊንታን ሃንቐውታን ዝቃለስ ማሕበረ ሰብ ሽወደን ዝመወሎ ኣኼባታት ሰሪዑ ከካየድ ዝጀመረሉ እዋን ሓድሽ ለውጢ ሓድሽ ኣተሓሳባ ክልተ ወገና ክነፍስ ጀመረ። እዚ ማለት ተምክሮ ጀብሃን ሻዕብያን ኣብ ሓደ ገጹ ከማዕዱ ዝጀመረሉ ግዜ ንምሕባር’የ።

ኣብ’ቲ ግዜ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ወርሒ ጥቅምቲ 2000 ብድምጺ ኤርትራውያን ተባሂሉ ዝፍለጥ መጽሔት፡ ብሓሊዮት ማሕበረ ሰብ ሽወደን ዝሕተም ኣገዳሲ ጉዳያት ኣልዒሉ ዘትዩን ንህዝቢ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእክቲ ጉዳይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ መሰልን ክብሪ ሰባት ጎሊሑን ብንጹርን ዝተዘርበሉ፡ ዳግማይ ብፍሉይ ሕታም ከኣ ዲሞክራሲ ለውጢ ንዝብል ሕታም ኣብ ዘውጽኣሉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዓብይ ተስፋ ዝተራእየሉ መድረኽ ተፈጥረ። ቅድሚ’ዚ ተርኽቦ ብዕለት 6 መጋቢት 1999 ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ድሮ ናይ ምሕዝነት ጽላል ተመስሪቱ ብምንባሩ፡ ነቲ ጉዳይ ኣተሓሒዙ ሓድሽ ናይ ሓባር ስርሓት መደብ ሓንጺጽካ፡ ናብ ሓድነት፡ ናብ ምጽንባር ሰጕምካ፡ ንዕድመ ምልካዊ ስርዓት ንምሕጻር እቲ ጉዳይ ተባሪዑ።

ከም’ቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ደሞክራሲያዊ ሕቶ ንጥፈታት ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ኣመልኪተዮ ዘለኹ፡ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ካብ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሓደ ኣቶ ኣምሃ ዶሞኒኮ’ዩ።

ስርዓይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ኣብ መበል 13 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ዘጽደቆ ንድፊ ኣዋጅ ምርጫን፡ ንድፊ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ብዝብል ሽፋን ኣብ ኤርትራን ወጻኢ ካብ ኤርትራን ብዙሕ ኣኼባታት ተኻይዱ፡ ኣብ ብ24 ሰነ 2001 ኣብ ስቶክሆልም ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ፡ እንተዀነ ህዝቢ ነቲ ኩነታት እንዳተኻታተለ እንከሎ፡ ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ብውሽጢ ውሽጢ ጸረ ዲሞክራሲያዊ ተንዀል ክፍሕስ ጀመረ’ሞ። መራኸቢ ብዙሓት ናይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ቲቪ ኤረ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሓዳስ ኤርትራን ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ብመደብ ሒዝዎ ዝነበረ ቆጸራ ምስ ሽማግለ ንድፊ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ከም ዘይመሓላለፍ ኣፍሊጡ። እቲ ጉዳይ ግን ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝትመሓላለፈ ትእዛዝ ከም ዝነበረ ጸኒሑ ርኡይ ኮነ። ሽማግለ ንድፊ ብመሪሕነት ማሕሙድ ሸሪፎ ነቲ ጉዳይ ክዛረብሉን ጸብጻባቶም ንባይቶ ከቕርቡን ቆጸራ ኣብ ዝመደብሉ ግዜ፡ ከም ሓድሽ ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ ባይቶ ብሓላፍነት ተመዚዙ ክነሱ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ  ካብ ስልጣኑ ከም ዝተወገደን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ከም ምክትል ፕረሲደንት ናይ ውሽጢ ሃገር ሚኒስተር ኮይኑ ንስራሕ ዝተመዘዘሉ ሓላፍንት ድምር ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ገበሮ። እዚ ንድፊ ምርጫን፡ ንድፊ ፖለቲካዊ ሰልፍን ንህ.ግ.ዲ.ፍ መሕለፊ ግዜ፡ መናዊሒ ስLኣትን ክኸውን እንከሎ፡ ንበዓል ኣምሃ ዶመኒኮ ከኣ ዓብይ ዝላ ንቕድሚት ስርሒት ደሞክራሲ ተባሂሉ፡ ኣብ ኣኼባ ስቶክሆልም ንሕና ከይድና ኣብ’ቲ ምርጫ ክንሳተፍ ኢና፡ እንዳበለ ብዕግበት ኣብ’ቲ ዘቕረቦ ናይ ኣኼባ ሓሳባቱ ብዘይ ገለ ፖለቲካዊ ነቐፈታ ተዛሪቡ።

ካብ’ዚ ቀጺለ ካብ’ቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራዊ ዋዕላ ገገለ ነጥቢ ኣልዒለ ኣብ’ዚ ጽሑፈይ ከስፍሮ እደሊ።

1. ዕዱም’ምበር ዓዳሚ ኣይነበርኩን

2. ውሽጣዊ ጉዳይ ኤ.ዲ.ኪ ስለ ዘይነበርክዎ ኣብ ውሽጢ ኣትየ ክዛረብ ኣይደልን

3. ሽምጦም ሒዞም ጉድለታት እንዳጸብጸቡ ዝዛረቡ ኣለዉ

4. ንኪዳን ክንከላኸለሉ’ና።

ሎሚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ንደምበ ተቃውሞ ወኪሉ’ኳ እንተመጸ፡ ሕጂ’ውን ብሩህ ብዘይኮነ መልእክቲ፡ ብዘይገለ ፖለቲካዊ ነቐፈታ ሃገራዊ ዋዕላ ክግበር ግድን’ዩ ንሕና ክንሳተፍ ኣሎና ክብል ሓሳቡን መልእክቲ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመሓላሊፉ።

ካብ’ቶም 21 ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ 8 ሲቪካዊ ማሕበር ሓደ ኮይኑ ዝተወከለ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ፡ ኣብ መእተዊ ኣኼብ ዝሓቦ ቃል፡ ነቲ ብግዳም ዝመጽእ ነቐፈታ ክኸላኸልን ከምክንን፡ ብካልኣይ ከኣ ካብ ሓላፍነት ክርሕቕ፡ ንጉዳይ መረጻ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ፡ ንሱ ንገዛኣ ርእሱ ተዓዲሙ ዝኸደ’ምበር፡ ዓዳሚ ከም ዘየነበረ፡ እቲ ጉዳይ’ውን ከም ዘይምልከቶም ከምስል ፈተነ ኣካይዱ።

1.  ዕዱም’ምበር ዓዳሚ ኣይነበርኩን

ዕዱም’ምበር ዓዳሚ ኣይነበርኩን፡ ብኣበሃህላ፡ ተራ መገሻ’ዩ ነይሩ። ብዛዕባ ምንታይ ከም ዝተዓደመን፡ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ከጋጥሞ ንዝኽእል ኩነታት’ውን ዝተዳለወሉ ኣይመስልን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብስም ሃገራዊ ዋዕላ ብኣካል ንኽሳተፍ ዕድመ ካብ ዝተላእኸሉ፡ ብዝወሓደ ኣብ ሓሳቡ ዘሎ ጉዳይ ምልኣት ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ስእሊ ሒዙ እንተዝኸይድ ነይሩ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ኩሉ ሃገራዊ ዘለዎ እጃምን ተራ ርእዩ ተረዲኡ ዕዱም’ምበር ዓዳማይ ኣይነበርኩን ክብል ኣይምተገበኤን። ልክዕ ከኣ ከም’ታ ዘረብኡ፡ ልክዕ ከም ሓደ ጋሻ በልዑ ሰትዩ መሪቑ ዝኸይድ፡ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ነቲ ዓደምቲ ዝሃብዎ መልእክቲ እርይቑጽር ሒዙ ዘብዘብ ክብል ይርከብ። ሎሚ ከም በዓል ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ክሳብ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ መዝነት ሓላፍነት ስራሕ ተዋሂብዎ ከብቕዕ፡ ዕድም’ምበር ዓዳሚ ኣይነበርኩን ክብል፡ ማዕረ ክንደይ ኩነታት ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከም ዝተመስረተ ዘመልክት’ዩ።

2. ውሽጣዊ ጉዳይ ኤ.ዲ.ኪ ስለ ዘይነበርክዎ ኣብ ውሽጢ ኣትየ ክዛረብ ኣይደልን

ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ስለ ዝነበርኩ ከኣ ነቲ ኩሉ ዝበሃል ክምልስ ኣይክእልንየ በለ። እወ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣብ ውሽጡ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ኣባል ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ስለ ዘይኮነ። እንተዀነ ሓደ ሃገራዊ ባእታ ክሳብ ኣብ ምድላው ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ስራሕ ምቕሊት ክወሃቦ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዘሎ ግርጭታት ኣካሉ እንተዘይኮነስ፡ ክፈልጦን፡ ፈሊጡ መፍትሒ፡ መተዓረቒ ሓሳብ ከቕርብ ካብ ዝግብኦም ባእታታት ሓደ ክኸውን ምተገብአ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ኳ ህዝቢ ኣይኮነን ኣብ ሓሳባት፡ ኣብ ኣገባብን ኣሰራርሓ ተፈላልዩ ዘሎ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ስለ ዝዀነ ነዚ ጉዳይ ግቡእ ከጽንዖን መንቐሊታት ክምርምርን ዝግባእ ኮይኑ፡ ነቲ መሰረታዊ መንቐሊ ሃገራዊ ዋዕላ ዝዀነ ጠለብ ህዝቢ ከኣ ነቲ ፖለቲካዊ ስርሓት ንምጽባብን፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ደረጃ ንምብጻሕን’ዩ። እንተዀነ እዚ ጉዳይ ኣብ ኣጀንዳ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ የለን። እዚ ጉዳይ’ውን ካልኣይ ክብደት ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ዘምልክቶ ዓብይ ጉድለት’ዩ። ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ግርጭታት ተዘራሪቦም ፍታሕ ዘይደልዩ ወገና ዝነቕል ከኣ’ዩ። ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ፡ ንሕና ፈጻሚት ሽማግለ ዝሃበና ስራሕ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ምትግባር ንሰርሕ ኣሎና ዝበሎ፡ ምስ’ዚ ኣርእስቲ ተተሓሒዙ ዝኸይድ፡ ዘይምርምር፡ ዘይፍትሽ፡ ሽማግለ ምዃኑ ካብ ዘብርሆ ሓደ’ዩ።

እወ ሽምጥና ሕዚና፡ ጉድለታት ንጽብጽብ፡ መተካእታ ሓሳብ ከኣ ነቕርብ። እቲ ኩሉ ክወጽእ ዝጸንሐ ጽሑፋት ኣብ ሓደ ክልተ ዘይኮነስ ጉዳያት ዝተወሰነ ዘይኮነስ፡ ካብ መባእታ መስርሕ ንሃገራዊ ዋዕላ ጀሚሩ ነቐፈታ ኣቕሪቡ። ሓደ ዓይነት ነቐፈታ ኣይነበረን። ብዝተፈላልየ ኣርእስትታን ጉዳያትን ተንቲኑ፡ ፖለቲካዊ ኣድራሽኡን ዝምባሌኡ ገሊጹ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብምስጢራዊ ሽም ዘይኮነስ ብጋህዲ ዘቕረበ’ዩ። እዚ ስርሓት’ዚ ከኣ ብቀዳምነት ሓላፍነትን ዕማምን ናይ በዓል ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ’ዩ ክኸውን ዝነበሮ’ዩ።

ኣብ’ዚ ጉዳይ በሪሁ ክቕመጥ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ሽምጥና ሕዚና ብቀንፈዘው ንጽበዮ ዘይኮነስ፡ ሽምጥና ሒዝና ዕዉት ኮይኑ ንኽወጽእ፡ ብንቕሓት፡ ብሓበራ፡ ብዘተን ምርድዳእን ክኸውን ኣለዎ’ዩ እቲ ጉዳይ።

ነቶም ዝወራዘዩን ነቐፈታ ዝኣራርዩ ክንቃለሶም’ና ይብል ኣቶ ኣምሃ። እዚ ኣበሃህላ ከም ዘለዎ፡ ወከልቲ መን ከም ዝዛረብዎ ብሩህ’ዩ። “ጊላስ ሓጋዚኣ እንተረኣየት መጣሕን ትሓብእ” ኮይኑ ነገር። ኣቶ ኣምሃ ነዚ ነቐፈታ ንመሰራሒ፡ ንሰነድ፡ ንብሓሳብ ዝተሳተፉ ጸብጻብ ክጥቀመሉ ምስ ተገብኤ እመስለኒ። ከመይስ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳብ ተጻሪዩ ዝውዳእ፡ ኣብ’ዚ ዘሎና መድረኽን ኩነታትን ብኡ ክሓልፍ ግድነት ስለ ዝዀነ። ክንቃለሶም’ና በለ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን እታ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዘቕረባ ሓሳብ፡ ነዚ ኩሉ ደመብ ተቃውሞ ጠንጢኑ’ዩ ከይድና ኣብ ምርጫ ክንካፈል ኣሎና ቢሉ ዝሞጎተ፡ ፈሺሉ ከኣ። ብድሕሪኡ ክንደይ ዓመጽ ስዒቡ። እንሆ’ኳ ኣቶ ደመኒኮ ነቲ ዓመጽ ኮኒኑስ ኣብ ደመበ ተቃውሞ እጃሙ የበርክት፡ እንተዀነ ሎሚ’ውን ካብ ዝዀነ ዘይገመትናዮ ኩነታት ክከላኸለልና ዝኽእል ሃገራዊ ዋዕላ መዲብና ነካይድ ኣብ ዝተባህለሉ፡ ክንቃለሶም ይብል።

4. ንኪዳን ክንከላኸለሉ’ና።

ኪዳን ጽላል ደመበ ተቃውሞ’ዩ፡ ነዚ ከፍርስ ዝህቕን ከኣ ክንከላኸል’ና ይብል። ኣቶ ኣምሃ ነዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ኣኼባ ስቶክሆልም ሃንደበት ዘምጽኦ ኣይኮነን ኣይኮነን። ቅድሚ ከም’ቲ ንሱ ዕዱም’ምበር ዓዳሚ ኣይኮንኩን ዝብሎ፡ ቅድሚ ተዓዲሙ ምዃዱ፡ ኣብ ኣተሓሳብኡ ኣብ ኪዳን ክልተ ዝተፈላልየ መርሆ ፖለቲካ ዝኽእተል ሓይልታት ከም ዘሎ ኣቕሚጡ። ምእን’ቲ ኪዳን ከፍርሱኒ ዝደሊዩ ኣለ’ሉ ከኣይኣወጀ ባዕሉ ክንቃለሶም’ና ይብል። ስለ’ዚ ንኣባልት ውድባት ኪዳን ብክልተ መልክዕ ክቐርብ ፈቲኑ ወይ ይፈታትን። እቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝደገፈ ወገና ከም ሃናጺ ኤ.ዲ.ኪ፡ እቲ ዘየደገፈ ከኣ ከም ኣፍራሲ ወ.ዘ.ተ። እቲ ይኹን እቲ ብመሰረቱ ካብ ሓደ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ከም’ዚ ዘረባ ክወጽእ ዘይግበኦ’ዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዘሎ ጉዳይ ገሊሁ ክሪሽኢ ክምርምርን ከም ባእታ ከም ታሪኽ ቅድሚ ኩሉ ዘረባታት ክሓስበሉ ዝነበሮ’ዩ። ግን ከኣ ልኡኽ’የ ስለ ዝበለ፡ ከም ልኡኽን መልእኽቱ ዘብጽሐን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓራቒ ሓሳብ ዘይብሉ ምዃኑ ትዕዘብ። ቅደም’ውን’ኳ ንተቃወምቲ ብሓባር ንኺድ ኣይበለን፡ ሎሚ ከኣ ብሓባር ንኺድ ኣይበለን። ብኣንጻሩ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ’ዩ ተኻይዱ እንዳበለ ይምጉት ኣሎ’። ኣብ’ዚ ጉዳይ ቅድም ክብል ኣቶ ቀለታ ኪዳን ንኣቶ ኣምሃ ደመኒኮ ዝሰደዳ ቅልዕቲ ደብዳበ ትዝ በለትኒ’ሞ። ኣቶ ኣምሃ ነታ ደብዳበ ተመሊሱ ከንብባ እምሕጸን።

ኣቶ ኣምሃ ንኪዳን ኣይፈልጦን’የ ክብል ጸኒሑ፡ ኣብ መወድእታ ንኪዳን ክንከላኸለሉ’ና ይብል። ኣቶ ኣምሃ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝጠቐስክዎ መንታ ሓሳብ ሒዙ እንተዘይወፍር ንኪዳን ካብ መን’ዩ ክከላኸለሉ። እሞ ኪዳን ኣብ ውሽጡ ጸላእቲ ከም ዘለዎ ምስኡ ብምስጢር ተዛሪቡ ክኸውን ኣለዎ ስለ ዝብለካ እቲ መልሲ ባዕሉ ደፊሩ ክዛረበሉ ይገድፈሉ።

ኣኼባ ሃገራዊ ዋዕላ ስቶክሆልም ኣብ መወዳእታ ብዘይተዳሎ፡ ካብ’ቲ ኣኼበኛ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ሽማግለ ሃቡና በሉ። ሽማግለ ዋዕላ ኣብ ዘዝኸዶ ሃገራት ብኽመዚ ኣብ ስቶክሆልም ዝተገብረ ምምራጽ ሽማግለ ዝተኻየደ እንተዀይኑ ዘሕዝን’ዩ። ሽማግለ ዋዕላ ከም’ቲ ዝበሎ መልእክቱ እንተብጺሑ፡ እቲ ዝተረፈ ተቐማጦ እተን ከተማታት ስለ ዝፋለጡን ዝተሓጋገዙን ግዜ ተዋሂብዎም፡ ቅድመ ስርሓት ክዕመም ዘለዎ ጉዳያት ኣጻፊፎም እንተዝኸዱ ዝተመርጸ’ዩ እሞ እዛ ናይ መወዳእታ ለበዋይ ናይ ሽምጢ ምሓዝ ከይቆጸርካ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣኼባታት ብድሕረኻ ሓያላት ሽማግለ ከተፍሪ፡ ኣብ ኣኼባ ሕጂ እንተዘይመረጽኩም እንተዘይበልካ ይሓይሽ። ነዚ ሕቶ ከልዕሎ ዝገደደኒ ቀንዲ ሕቶ ንሓደ ኣብ’ቲ ኣኼባ ክሰምዕ’ሉ ዝኸደ ብሃደበት ስሙ ረቝሖም ባላ ሽማግለ ዋዕላ ክኸውን ምሕታቶም’ዩ። እቲ ካብ መሰረቱ ዘዛርበና ከኣ እዝን ንኡ ዝመስል ዘይብሱል ስርሓት’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=801

Posted by on Jun 14 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net