ደምዳሚ መግለጺ 1ይ ሰሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤግደለ)

1ይ ሰሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ካብ 8-9 ሕዳር 2012 ኣብ ዘሎ እዋናት፡ ብዓወት ተሰላሲሉ፡፡ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ብዓወት ክዛዘም ምኽኣሉ፡ ንህዝብናን ደለይቲ ለውጢ ተቓለስቲ ወገናትናን ብሓፈሻ፡ ነቲ ዓንዲ ማእከል ሰውራና ዝኾነ ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ትርጉም ቀሊል ከምዘይኮነ ብምምዛን፡ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ከቢድ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ይሽከም ከምዘሎ ተገንዚቡ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ ኤገደለ፡ ህሉው ኩነታት ህዝብና፡ ኩነታት ጸላእን ደምበ-ተቓውሞን ብዝምለከት ብቐዳምነት ካብ ዝተመያየጠሎም ጉዳያት ክኾኑ እንከለዉ፡ ዕዉት ግንባራዊ ሰሚናርናን መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤናን፡ ዘስመረሎም፡ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ መስመራት ኣብ ግብሪ ንምትርጓም፡ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምኳኑ ኣረጋጊጹ፡፡ ዲክታርያዊ ሰርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ፡ ብሓደ መዳይ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርርትራ ለኪሙ ክዓርብ፡ ክሳብ ደቂ 70 ዓመት ሽማግለታት ከይተረፈ፡ ሓውን ዓረርን ብምዕጣቕ፡ ናይ ኲናትን ሕንፍሽፍስን ፖሊሲታቱ ንምትግባር እናሰርሐ፡
በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ካብ መጠነ ሰፊሕ ተቓውሞ ህዝብና ብፍላይ ድማ ካብቲ ብኩሉ መኣዝናት ዝጎሃሃር ዘሎ ናይ መንእሰያትና ሓያል ነድርን ቁጠዐን ዝወለዶ ሰውራዊ ምልዕዓላት ብምስጋእ፡ ደላዪ ሰላም ንምምሳልን፡ ግዝያዊ ጽገናታት ክገብር ከምዝኽእል ዘአንፍት ላሕኲ ሓበሬታታ ብምንዛሕን፡ ናይ ተቓውሞ ሓይልና ንምድኻም ዘካይዶ ዘሎ ፈተነታት፡ ግንባርና ኣቐዲሙ ዝነቕሓሉ ምኳኑ ዘረጋገጸ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ለውጢ ውጹዓት መንእሰያት ሃገርናን፡ ንመሰረታዊ ሱርነቀላዊ ለውጢ ዘበገስዎ ሰውራዊ ባርዕ፡
ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ብናህሪ ቃልስታቶም ካብ ምስጓም ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎምን፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ መንስያት ሰውራዊ ናይ ቃልሲ ተበግሶታትን ማዕበላዊ ምልዕዓላትን፡ ማእከል ስሕበት ዕጥቃውን ፖለቲካውን ቃልስና ብምግባር፡ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻር ተፈጢሩ ዘሎ ጽቡቕ ኣጋጣሚታትን ዝምድመድ ዘሎ ብሱል ፖለቲካዊ ባይታን ብዝግባእ ክንጥቀመሉ፡ ማእከላይ
ሽማግለ ኤግደለ ኣዘኻኺሩ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ግንባርና ክሕቆፉ ዝግበኦም ደሞክራስያውያን ሓልታት ብዝምልከት ብዘይወዓል ሕደር፡ ከምቀዳማይ ዕማሙ ወሲዱ ክዛተን ክመያየጥን ምኳኑ ብምግላጽ፡ ደሞክራስያዊ መስመራትናን ህዝባዊ ዕላማተትናን ንምውሓስ፡ ኩሎም ደሞክራስያውያን ሓይልታት፡ ካብ ውልቃውን ጉጅላውን ውድባውን ሕሳባት ሓራ ብምኳን፡ ብቐዳምነት፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ቅድምኩሉን ልዕ ኩሉን ሰሪዖም ክቃለሱ ከምዝግባእ ኣስሚሩ፡፡ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝቃለሱ ኩሎም ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ብምዕሳል፡ ካብ ሓድሕድ ምክሳስን ምቅንጻልን ተቖጢቦም፡ ሓድሕድ ተኸባቢሮምን ተወሃሂዶምን ክቃለሱ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ብምዝኽኻር፡ ካብዚ ወጻኢ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዝካየድ ሓድሕድ ምጥቕቓዕን፡ ምክሳስን ፕሮፓጋንዳዊ ጸለመታትን ግንባርና ኣትሪሩ ከምዝኹንኖ ገሊጹ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ንውሽጣዊ ግንባራዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥን ዘተን፡ ንግንባርና ዘቖሙ ክልቲኦም ደሞክራስያውያን ውድባት ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ካብ መፈለምትኡ፡ ነዚ ግንባር እዚ ኣብ ምቋምን፡ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ምቅልጣፍን ነዊሕ ራኢ ሰኒቖም ብናይ ሓባር ስትራተጂካዊ ዕላማታት ሓቢሮም ንምቅላስ ብግብሪ ዝተሰነየ ዝነኣድ ተበግሶታትን ቃልስታትን ከካይዱ ምጽነሖምን ምህላዎምን ብምግምጋም፡ ሕጂ እውን ነዚ ተመስሪቱ ዘሎ ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኣብ ምዕዋት ቀዳምነት ሰሪዖም ከሰርሑን፡ ኣብ ዓወት ከብጽሐዎን ዘሎ ዕድላት ኣዝዩ ሰፊሕ ምኳኑ፡ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ ገምጊሙ፡፡ ኣባላትን ተጋደልትነ ክልቲኡ ደሞክራስያዊ ውድባትና ኣብ ምምስራት እዚ ግንባር እዚ ዘርኣይዎ ፍናንን ሓያል ጽንዓትን ተወፋይነትን መርኣያ ናይቲ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ዓወት ዕድላት ምኳኑ ዝገምገመ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ሕጂ እውን አቲ ተበግሶን ተወፋይነትን ኣባላትን ተጋደልትን ክልቲኡ ደሞክራስያዊ ውድባትና ብዘለዎ ናህሪ ክቕጽል ተላብዩ፡፡ ግንባዊ ጉባኤና ኣብ ምዕዋት፡ ብገንዘብን ብንዋትን ዘተረባረቡ፡ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኤውሮጳን እስራኤልን ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ንስለ ምዕዋት እዚ ታሪኻዊ ግንባራዊ ጉባኤ ዘርኣይዎ ሓያል ተወፋይነት፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተበግሶታት ብፍሉይነት ዝረኤን ኣዝዩ ዝምጎስን ተበግሶን ተወፋይነትን ኮይኑ፡ ሕጂ እውን ነዚ ደሞክራስያዊ ግንባር እዚ ኣብ ምድልዳል ተወፋይነቶም ብናህሪ ክቕጽል፡ ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ ይጽውዕ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን፡ ዜናውን ባህላውን ንጥፈታት ግንባርና ብዝምልከት፡ ዓሚቕ ዘተን ምይይጣትን ብምክያድ፡ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት ስራሕ ናይ ነብሰ-ወከፍ ቤ/ጽ ሓንጺጹ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወተሃዳራዊ መዳይ፡ ሰራዊት ናይ ክልቲኡ ውድባትና ብናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስትራተጅን ናይ ሓባር ግንባራዊ ወተሃደራዊ እዝን ዝምራሕ ኮይኑ ክሰርሕ ዘኽእሉ ውሳኔታትን መደባትን ሓንጺጹ፡፡ በዚ መሰረት እውን ብደረጃ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ እዚ ከምዝቐውም ተገይሩ ኣሎ፡፡
ማእከላይ ሽማግለ ኤገደለ፡ ካብ ውሽጡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ብምምዛዝ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ ኣብ መወዳእታ፡ ንኩሎም እቶም፡ ደሞክራስያዊ ግንባርና ንምምስራት ንዝተኻየደ ግንባራዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋት እጃሞም ዘበርከቱ፡ ኣባላትን ደገፍትን፡ መሓዙት ተቓልስቲ ወገናትን ከምኡ ድማ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ልባዊ ምስጋንኡ ገሊጹ፡፡

ዓወት ነደሞክራስያዊ ቃልስና!

ማእከላይ ሽማግለ ኤግደለ

9 ሕዳር 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8010

Posted by on Nov 15 2012 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net