ዋዕላ ቁጠባዊ ወፍሪ 17 ታሕሳስ ዳግም ክፈሽል’ዩ

ሕዳር 2012

ብሓደ ግዱስን ምሁርን ዜጋ ካብ ውሽጢ

 

ኩቡራትን ኩቡራንን ኣንበብትን ሰማዕትን!

ነሓሰ 27- 28/2012 “ቀዳማይ ቁጠባዊ ዋዕላ” ኣብ ኣስመራ ፓላስ  ተጋቢኡ፡፡ “2ይ ቁጠባዊ ዋዕላ” ክቕጽል ምዃኑ ብዝተነግረና መሰረት ከኣ ን17- 18 ታሕሳስ 2012 ከምዝጋባእ ይጋዋሕ ኣሎ፡፡ ካልኣዩ ካብ ቀዳማዩ ዝፍለየሉ እንታይ ክህሉ ኢሉ፡፡ እንተኾነ ግን ከም ዜጋ መጠን ሓድሓደ ኣቐዲመ ክብሎ ዝደለኹ ንምብህሃል እዩ፡፡ ሃነጽቲ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየግድስ ዝስምዑኻን ዝረኣዩኻን ርእይቶት ብቐረባ ንህዝብኻ ተቕርበሉ መበሃሃሊ መድረኽ ብምስኣን ምኽንያት ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ርእይቶ’ውን ስግረ ዶብ ብምልኣኽ ተጠዊዩ ናብ ህዝብኻ ክበጽሕ ከምዝከኣል እግረ መገደይ ንምርግጋጽ’ዩ፡፡   

ግንቦት 2004 ቁ.12 ዝተሓትመት ልሳን ህግዲ.ፍ. ዝኾነት ሕድሪ “ኣብ ቁጠባ ንፈሽል ዲና ዘለና ወይስ ንዕወት?” ብዝብል ኣብ ዓንዲ ኣተኩሮ ዘውጸኣቶ ትሕዝቶ እጠቅስ “ሽኮር ተሳኢኑ፡ ቡን 120 ናቕፋ በጺሑ፡ ተንዲኖ ንሰብ ዶላር ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ ዘሎ፡ ዋጋታት ክረጋጋእ እዩ ተባሂሉ ተነሃሂሩ፡ ሓደሽቲ መምርሒታት ንግዲ ኣይሰርሐን፡ ንነጋዶ ዕድል ተዝወሃቦም ሽግር ምተፈትሐ ኔሩ፡፡ እዚ መንግስቲ ነዛ ሃገር ለኪምዋ ክጠፍእ’ዩ” ዝብሉ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ይላዓሉ ከምዝነበሩን፡ እቶም መብዛሕትኦም ሕቶታት ሓቂ ከምዝኾኑን ኣብቲ እዋን ሓቢራ ነይራ፡፡

ሕጂ ኸ ድሕሪ 8 ዓመት ኣብ 2012 እቶም ሕቶታት ህዝቢ ተፈትሑ ዶ ወይስ ብኢሶም ቀጸሉ? መጽሄት ሕደሪ እንታይ መምለሰት?

መጽሄት ሕድሪ ብምቅጻል “ዝምድና መንግስትን ብሕታዊ ክፋልን ኣብ ዕቤየት ቁጠባ ተመላላኢ’ምበር ተተፋናኒ ኣይኮነን” በለት፡፡ ወዳጀ ክእሎ ዘረባ! ኤርትራ ሃብታማታ ይኹኑ ድኻታታ ዘይ ኩሎም ዜጋታታ ተተሓሒዞም ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ድኽነት ዝዓርቡላ፡ መረበቶም ዝኾነት ዕሸል ሃገሮምን ስድራቤታቶምን ራሕሪሖም ናብ ስደት ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ ሃገር ዶ ኣይኮነትን ዘላ?

ብኣንጻሩ ኣብ’ዛ ሃገር ዝሓልፈሎምን ዝህብትሙን እቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ውሕዳት ሕልና ኣልቦ ዶ ኣይኮኑን ተሪፎምዋ ዘለው?

ከምታ ሓንቲ ካብ እንስሳታት ዝኾነት ንሎሚ’ምበር ንጽባሕ ዘይትሓስብን ኣርሒቓ ዘይትጥምትን ኣድጊ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዘይሓስቡን፡ ጽባሕ ከምዝወግሕ ዝዝንግዑን፡ ሰብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ጥራይ ዶ ኣይኮኑን ዘለው፡፡ ህግደፍን መንግስትን ኣብ ዕዳጋ ወሪዶም ክሳብ ድስትን ኩስኩስትን ኣብ መደበር ከይተረፈ ሸቐጥ ምስ ኝጀመሩ፡ ህዝቢ መሪቑ ንዘይሃቦም ስልጣን ተጠቒሞም ንኹሉ ገቢቶምዎ፡፡ እቶም ቀደም ሃብታማትን ነጋዶን (ሰብ ብሕታዊ ክፋል) ደቂባት ዜጋታት መብዛሕትኦም፡ ክእለቶምን ሃብቶምን ሒዞም ተስፋ ንዝሰኣኑላ ሃገሮም ራሕሪሖም፡  ፈቖዶ ጁባ፡ ኡጓንዳ፡ ኣንጎላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዱባይን ተሰዲዶም ዶ ኣይኮኑን ዝነብሩ ዘለው፡፡

ትማል ትማል፡ መስርሒ ቦታ፡ ዕድል ስራሕ፡ ሓሪምዎም ሃገሮም ራሕሪሖም ዝተሰደዱ ሰብ ብሕታዊ ክፋል፡ ሎሚ ናብ ሃገር ተመሊሶም ወፍሪ ከካይዱ ደኣ’ሞ ኣየናይ ዝተለወጠ ፖሊሲን መንግስትን ሪኦም ንዓዲ ክምለሱ?    

ህግደፍ ኣብ 2004 “ናይ ሕርሻ ወፍርታትና ን13 ዓመት ማዕረ ወፍርና ውጽኢት ኣይረኸብናሉን፡፡ ኣብ ዝመጽእ 3- 5 ዓመት ኣብ ሕርሻ ደሓን ኣንፈት ክነርኢ ትጽቢት ዝግበረሉ’ዩ” ይብሉ፡፡ ኣብ 3- 5 ዓመት እሞ ይትረፍ፡ ክሳብ”ዚ  መወዳእታ 2012 ን8 ዓመት ምሉእ እንትርፎ ምንቁልቋል ምዕባለ ዝበሃል ኣይተረኣየን፡፡

          እቲ ብራሽንን ብኩፖንን ዝዕደል፡ ቀለብ ሰራዊት ይኹን ንነባሪ ከተማ ህዝቢ ዝዕደል ዘየምውት ዘየሕዊ ኣስቤዛታት፡ ወዲ ዓከር፡ ዓደስ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ፡ ቀጠፍ፡ ፊኖን ካልእን ካብ ሱዳን፡ ምስሪ፡ ዱባይ፡ ኬንያን ብራዚልን እዩ ዝኣቱ ነይሩ፡፡  ሎሚ ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ መዕደጊ ተሳኢንዎ ናብ ሃገር ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ናቕፋ እንተረኸብካ ’ውን ናይ ቀረብ ሕጽረት ኣጓኒፉ መዕበሲ ጎረሮ ኳ ናብ ዝሰኣነሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ፡፡

          ካልእ ይትረፍ ማይ እታ ማይ’ኳ ብኩፐን ክትዕደል ጀሚራ ኣላ፡፡ ንሓንቲ ፊስቶ ብ10 ናቐፋ ንምግዛእ ኩፖን ክህልወካ ኣለዎ፡፡ ሽኮር፡ መሸላ፡ ዘይቲ፡ ፊኖ፡ ባኒ፡ ላምባስ ሕራይ ብናይ ወጻኢ ባጤራ ካብ ደገ ስለዝግዛእ፡ እታ ካብ ተኮር እትመጽእ ማይ’ውን ብኩፖን!!! 

          እተን ሃገር ዝበሓታ ህግደፍ ዝውንነን ኩባንያታት ህንጻ፡ ንግዲ፡ ኮንስትራክሽን መንቀሳቐሲ ነዳዲ፡ ቴንዲኖ፡ ሸሜንቶ፡ ሲኢነን ማሽነሪታተን ዓጺፈን ጠጠው ካብ ዝብላ ዓመትን ፈረቓን ኣቑጺረን ኣለዋ፡፡

          ንግዳዊ ኮርፐረሽን  ቀይሕ ባሕሪ ብዕሱማን ዓሊ በኺት (ወዲ በኺት) ኣቢላ ብደረጃ ጀሪካናት ብመገዲ ራሻይዳ ብኮንትሮባንድ ካብ ሱዳን ዝኣቱ ነዳዲ ኣብ ከባቢ ዓሊ ጊደር እንዳኾፈት ቦጣት እንዳተመልአ፡ ነቲ ጠጠው ክብል የብሉን ዝተብሃለ ፕሮጀክት ወርቂ ቢሻ ተመላልስ ኣላ፡፡ ካብ ጀሪካናት ዝውህለል ነዳዲ ኣሚንካስ ቁጠባዊ ወፍሪ!     

          ብጀካ እታ ኢሳያስ ባዕሉ ብሕቡእ ብዘይወግዓዊ እንዳተመላለሰ ዝበጽሐ ዘሎ ብሜጀር ክብረኣብን ብኣብርሃም ኢሳያስን (ወዲ ኢሳያስ) ክትምራሕ ጀሚራ  ዘላ ኣስታት 60,ሚሊዮን ናቕፋ ተሰሊዑላ ክትእለ ጀሚራ ዘላ ፕሮጀክት ሕርሻ ጋሽ ካልእ ኩሉ ደስኪሉ እዩ፡፡ እዛ ፕሮጀክት ሕርሻ ጋሽ ቅድም ክትብል ብኮሎኔል ወልዱ ገረየሱስ (ወልዱ ባርያ) ትመሓደር ነይራ ሎሚ ሜጀር ክብረኣብ ምስ ወልዱ ባርያ ብዘለዎ ምትፍናን ምስ ወልዱ ባርያ ርክባ ኣቋሪጻ፡ ቀጥታ ባዕሉ ፕረዚዳንት እንዳተመላለሰ ዝመርሓ ዘሎ ፕሮጀክት’ያ፡፡ ነንባዕላቶም ክሳነዩ ዘይካኣሉ መራሕቲ ሃገር ጽባሕ ምስ ወጻእተኛታትን ዜጋታትን ብሕታውያን ኣውፈርቲ ከመይ ኢሎም ይሳነዩ?  

          እተን ክንዲ ናይ ሓደ ሃብታም ዘይኮና ክንሰን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቻይና ዘእተውወን ሰከንድ ሃንድ ማሽነሪታትን መካይንን ቀለም ቀቢኦም ኣብ ዓሻ ጎልጎል ሰሪዖም ንኣስታት ኣዋርሕ ኣብ ኤረ ቲቪ ዘመረቑወን ከይተረፋ ስራሕ ሲኢንን ራር ኢለን ሓመድ ለቢሰን ኮፍ ኢለን ኣለዋ፡፡ እዘን ወፋሮ እዚአን ደኣ ዘይወፈራ ?     

          ምሉእ ዘይጎደሎ ዕቑር ተፈጥራዊ ሃብቲ ባሕሪ፡ መሬት፡ ሕርሻ፡ መዓድን፡ እንስሳን ሃብታም ዝኾነት ኤርትራ ንውሕድ ህዝባ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ክትቅልብ ኣይከኣለትን፡፡ 1200 ኪ/ሜትር ዝርገሐ ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ሒዛ ኣብ 21 ክ/ዘመን ዝስተ ማይ፡ ባኒ፡ ላንባ ሽኮር፡ መሸላን ካብ ድኳን ሕድሪ ህግደፍ ብኩፖን ንምዕዳል ህዝቢ ብቑሪ ብሪጋ ተሰሪዑ ዝረኣየላ ሃገር ክትከውን መስደመም ኢዩ፡፡ ዋጋ ሓንቲ ባኒ ካብ 0.35 ሳንቲም ናብ 6.00 ናቕፋ ምድያባ ጥራይ ዘይኮነ ምስኣና’ውን ከቢድ ብደሆ ኮይኑ ኣሎ፡፡

          እዚ ህዝቢ’ዚ ነንገዛእ ርእሱ  ናይ ምድግጋፍን ናይ ምትሕልላይን ኩቡር ባህሊ እንተዘይህልዎ ነይሩ፡ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ስድራቤቱ እንተዘይሕግዝዎን፡ ብመሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዶ ክነብር ምኸኣለ? ኩሉ ግዜ ናብ ሓንጎለይ ዝመላለሰኒ ሕቶ እዩ፡፡

ጠንቂ እዚ ኩሉ ጸገማት ኢሳያስ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍ እዩ፡፡ ይትረፍ ዶ ጻዕራም ህዝብን ሰፊሕ ተፈጥራዊ ጸጋን ዘለዋ ሃገር ሒዝካ፡ እዚ ኩሉ ትዕድልቲ ዘይብለን ሃገራት’ኳ ርሒብን ይነብራ ኣለዋ፡፡ ስለዚ ጠንቂ ኹሉ ድኽነት ተፈጥራዊ ትዕድልቲ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ እቲ ወሳኒ ስርዓት ኢዩ፡፡ ሃገርና ከኣ ናይ ኢዱ ኣይስኣን ሳላ ህግደፍ ደኽያ’ምበር እቲ ካልእ ዕቑር ተፈጥራዊ ሃብቲ ሓዲግካ ብጻዕራም ህዝባ ጥራይ ማዕረ ወይ ቅድሚ ሃገራ እንተዘይኮይና ድሕሪት ኣይምተሰረዐትን፡፡                      

ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ “ዝኸሰረ ነጋዳይ ናይ ቀደም መዛግብቱ ይፍትሽ” ዝበሃል ዓመት ዓመት ዝዛረበሉ “ኤርትራ ቅድሚ 1997 ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ 7 ሚኢታዊት ዕብየት ኣመዝጊባ ነይራ” ዝብል ዝደጋገም መዝሙር ኣሎ፡፡ ለንቅነ ከይተረፈ ኩላትና እንተሰሚዕናዮ የማነ ማንኪ ኣብ ኣመሪካ መዲርዎ፡፡ ሓቂ እዩ ኤርትራ ካብ ፈለምኡ ቁኑዕ ፖሊሲ ዝኽተል ስርዓት ነይርዋ እንተዝነብር ነይሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ምዕባልኣ ክተረጋግፅ እትኽእል ሃገር ኢያ ኢሉ ዝኣምን ይትረፍ ዜጋ ወጻእተኛ ውን ዝትንብዮ ዝነበረ ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ናይ ለውጢ መሰረት ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ተፈጥራዊ ጸጋ፡ ፓሊሲ ስለዝኾነ፡፡ እንተኾነ ሰኣን ፖሊሲ ክሳብ ሎሚ ትንቢት ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ፡፡

እቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ዝምክሕሉ ናይ ቅድሚ 1997 ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ሑጻ  ከም ዝተሰረተ ቤት ስለዝነበረ ነዊሕ ከይጸንሐ ድዋሕ ኢሉ፡፡ ምኽንያቱ ህግደፍ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶላር፡ ወርቂ፡ ቡንን ካልእን ሃብቲ ኢትዮጵያ፡ ኣልማዝን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ኩቡራት መዓድናት ተፈጥራዊ ሃብቲ ኮንጎን ዞባ ዓበይቲ ቃላያትን ንምርሳይ ብዝገበሮ ዓሎቕ ዝተኣከበ ሃብቲ ስለዝነበረ፡ እቲ ዓሎቕ ምስተዓጽወ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ኣብ ዝባን ሑጻ ዝተሰረተ ቤት ፈሪሱ፡፡   

ኣብ ውሽጣዊ ምዕባለ ኣተኩሩ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ ኣብ እንግዳዕ ካልኦት ሃገራት ተሓንጊሩ ሃብቲ እንዳማቱ እንዳሰረቐን እናዘመተን “ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕብየት ኣረጋጊጸ ነይረ” ኢሉ ሎሚ እንተመደረ፡ ኣብቲ እዋን ዝኽወሎ ዜጋ እንተነይሩ ሎሚ ከም ግመ ዝበንን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝጭበጥን ዝእመንን ከምዘይብሉ ዘረጋገጸ እቲ ዝበዝሐ’ዩ፡፡

ኣብ ልዕሊ እዚ ምስ ቁጠባ ኤርትራ ዘይመጣጠን ኣዝዩ ግዙፍ ወተሃደራዊን ጸጥታዊን ትካላት ንምህናጽ ብኣማኢት ሚሊዮን ዶላራት ወጻእ ወፍሪ ስለ ዝተገብረ ንኣሉታዊ ስንብራት ዝያዳ ኣጋዲድዎ፡፡ ምህናጽ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ዊዓ፡ ምዕጥር ከምኡ’ውን ማእለያ ዘይብሉ ኣፍራዬ ሓይሊ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝበሃል መንእሰይ ወለዶ ብተኸታታሊ ን26 ዙር ኣብ ውትህድርና ብምዕስካር ካብቲ ሓደን ቀንድን ንሃገርና ናብ ድቕድቕ ጸልማት ዘብቀዐ ዓቢ ተረኽቦ ውድቀት’ዩ፡፡

ህልው ኩነታት ኤርትራ ይትረፍ ንዜጋታታ፡ ንጎረባብትን ዓለምን’ውን ዝተኸወለ ኣይኮነን፡፡ ህግደፍ ባዕሉ እውን እንተኾነ ብግልጺ ዋላ ኣይዛረቦ ሓድሓደ ግዜ መሊቑዎም ንካድራቶም ክዛረብዎ ዝስማዕ ሃገር ናብ ትሕቲ ዜሮ ደረጃ ወሪዳን ካብኡ ብዝኸፍአ ኣብ ምንቁልቋል ከምትርከብን ይጠቕሱ ኢዮም፡፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ደንባር መሪሕነት ትምራሕ ሃገር እንዳመራሕኻ “ወፍሪ ቁጠባዊ ዋዕላ”  እንተጨራሕኻላ መን ይሰምዓካ? መን ከ ይስዕበካ?፡፡

ነሓሰ 27- 28/2012 ኣብ ኣስመራ ሆቴል ፓላስ ፍሹል “1 ዋዕላ ወፍሪ ቁጠባ” ተጋቢኡ፡፡ ‘’2ይ ቁጠባዊ ዋዕላ’’ 17- 18 ታሕሳስ 2012 እውን ከም ቀዳማዩ ክፈሽል’ዩ፡፡ ቀንዲ ምኽንያት ንፍሽለት “1ይ ቁጣባዊ ዋዕላ” ህግደፍ ብዓንዲ ነገሩ ህግደፍ ብባህሪኡ ነጻ፡ እዋናዊ ቁኑዕን ሃናጽን ዋዕላ ከካይድ ስለዘይክእል እዩ፡፡ ‘’ቀዳማዩ’’ ይኹን ‘’ካልኣዩ’’ ወፍሪ ቁጠባዊ ዋዕላ ከኣ ህግደፍ የካይዶ ክሳብ ዝሃለወ ከምቲ ማይ ሓቒንካ ጠስሚ ዘየውጽእ ብህግደፍ ዝምራሕ ሃገር ዝልውጥ ቁጠባዊ ወፍሪ ክህሉ ማለት ዘበት’ዩ፡፡ ሓቀኛን ኹሉ ወዲ ዜጋ ዝሳተፈሉ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ሃገርና ዝህሉ ኣብ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ጥራይ’ዩ፡፡ 

ናይዚ መረጋገጺ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 27-28/2012 ህግደፍ ዝሰየሞ “1ይ ዋዕላ ቁጠባዊ ወፍሪ” ኣለይቲ’ቲ ዋዕላ ክመልስዎም ዘይከኣሉ ብተጋባእቲ እቲ ዋዕላ ዝተልዓሉ በዳህቲ ሕቶታት ነይሮም፡ እስከ ካብቶም ብዙሓት እቶም ውሕዳትን ቀንድን ዝቐረቡ ሕቶታት ቀጺለ ከቕርብ፡- 

1)  ኣብ ሃገርና 1991/96 ዝተጋብአ ቁጠባዊ ዋዕላታት ነይሩ፡፡ ሎሚ ድሕሪ 21 ዓመት ከኣ “1ይ ዋዕላ ንወፍሪ ቁጠባ” ተባሂሉ ተሰይሙ እቲ ቀዲሙ ዝተጋብአ ዋዕላታት ስለምንታይ ተፈንፊኑ፡ ኣብቲ እዋን ዝተሓንጸጹ ፓሊስታት ቁጠባን ማክሮ ፖሊሲን ናበይ ሃጠሙ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዋዕላ ካብ ናይቲ 1991/96 ዋዕላ ብምንታይ ይፍለ፡ ዘዝቐደመ ዋዕላ እንተዘይተፈጺሙ ኸ ብዛዕባ እዚ ናይ ሕጂ ትብልዎ ዋዕላ ንምፍጻሙ እንታይ ዘውሕስ ኣለዎ?

2)  ወፍሪ ቁጠባ (Investment) ንምክያድ ካብ ወሰንቲ ረቋሓታት ገሊኦም ቅዋም፡ ምንጪ ቅዋም ዝኾነ ናይ ቁጠባዊ ወፍሪ ፖሊሲ፡ ሕጊ፡ ምዕቡል ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ምርግጋጽ ትሕተ ቅርጺ (መገዲ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ መጎዓዝያን ርክብን፡ ማይ፡ ናይ ሰደድን ቀረብን ንግዲ ፖሊሲ፡ ጸጥታ …ወዘተ ኣዝዮም ወሰንቲ እዮም፡፡ ነዚኣቶም ኣመልኪቱ መንግስቲ ዘዳለዎ እንታይ ኣሎ?

3)  ቁጠባዊ ወፍሪ ኤርትራ ይውሓድ ይብዛሕ ብናይ ህግደፍ ካንፓኒታት እዩ ክዕመም ጸኒሑ፡  ነዚ ገባቲ ኣካይዳታት እዘን ካንፓኒታት መልክዕ ንምትሓዝ ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ እንታይ ኣሎ?

4)  ቁጠባዊ ወፍሪ ብዜጋታትን ወጻእተኛታትን ክዕመም ክፈቅድ እንተ ኮይኑ፡ ኣብ ፖሊሲታት ዝምድናታት ወጻኢ ዝተሓስበ ለውጥታት እንታይ ኣሎ? 

5)  ፖሊሲ ባጤራን ሽርፊ ወጻኢን ኸ እንታይ ሓዱሽ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ተወጢኑ ኣሎ?

6)  ጉዳይ ብልሽውና ኣብ ሃገርና ኣመና ሳዕሪሩ ክሳብ ላዕለዎት ጽፍሒ ዘለዎም ሰበስልጣናት  ናብ ደረጃ ምቅትታልን ምትፍናንን ዘብጸሐ ኩነታት ከምዘሎ ዘይከሓድ’ዩ፡ ነዚ መግትኢ እንተዘይተገይርሉ ከኣ ናይ ልምዓት ወፍሪ ምስ ዝበሃል ኣጀንዳ ኣዝዩ ተራጻሚ እዩ፡፡ ብዛዕባ’ዚ ዝተሓስበ እንታይ ኣሎ?

7)  ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ስሉጥ፡ ምቕሉልን ምዕሩይን ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተገብረ ምድላው ከ ኣሎ ድዩ?

8)  ብወጻእተኛታትን ዜጋታትን ናይ ብሓቂ ቁጠባዊ ወፍሪ ክዕመም ይሕሰብ እንተደኣ ሃሊዩ  ጉዳይ ሰላም እዛ ሃገር ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣሎ? ንቁጠባዊ ወፍሪ ምዕሩይ ሰለማዊ ኩነታት ኣሎ እንተደኣ ዝበሃል ኮይኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ከይተረፉ ብኣልማማ ንኹሉ ዜጋ እዛ ሃገር ናይ ምዕጣቕ ወፍሪ ንምንታይ ኣድለየ ?

9)  ወጻእተኛታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ወፍሪ ከካይዱ ክብገሱ እንተኾይኖም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ዝተፈላለዩ ሓተቲ ዘቕረብዎም ኣገደስቲ ሕቶታት ብቅድመ ኩነት ክማልኡ ዝሓትዎምን ዘጽንዕዎምን ሕቶታት ከምዝኾኑ ፍሉጥ እዩ፡፡ እቲ ካልእ ዝለዓለ ትኹረት ዝገብርሉ በዳሂ ሕቶ ድማ ኣብታ ወፍሮም ዘካይዱላ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ፡ ቁኑዕ ምሕደራ (Good Governances) እዩ፡፡ ኣብ ሃገርና እዚ ዝተማልአ ኢዩ ንምባል ይከኣል’ዶ?  

ነዞም ኣዝዮም ኣገደስትን በዳህትን ሕቶታት ዝተውሃቦም ብቑዕ ምላሽ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ቀጻሊ ንዝካየድ ካልኣይ ቁጠባዊ ዋዕላ መበጋገሲ ዝኸውን ሓሳባት ንምርካብ ደኣ’ምበር ንኹሉ ሕቶታት ሕጂ ክንምልሶ ኣይኮናን ብዝብል ምስምስ እዩ ተሰጊሩ፡፡

እሞ ሕጂ ኸ እዞም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ዶ ይኾኑ? ቀዳማይ ቁጠባዊ ወፍሪ ከምዝፈሸለ ዝተረደአ ፕረዚዳንት፡ ንኣካየድቲ እቲ ዋዕላ ጸዊዑ፡ “እዚ ዋዕላ ብጸላእቲ ተሳዒሩ እዩ፡፡ ሕጂ ከም ብሓዱሽ ንካልኣይ ዋዕላ ኣድሚቕኩም ኣዋዕውዕዎ፡፡ እቲ ቅዋም! ቅዋም! ዝበሃል ዘረባ ቅዋም መፍትሒ እንተ ኮይኑ እቲ ሰነድ (ቅዋም) ኣብ ዕዳጋ ኣውጺእኹም ሽጥዎ! መሬት ናይ መንግስቲ ምዃኑን ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ መሬት ብልሽውናን “ይኣክል” ብዝብል ሓተታ ሓውሲ ኣዋጅ መሳሊ ኣውጽኡ” ክብል ኣዚዝዎም፡፡ ብመሰረት ትእዛዝ ፕረዚዳንት፡-

  • §  ቅዋም ናብ ዕዳጋ ወጺኡ ኩሉ ሰብ ብ10 ናቕፋ ክዕድጎ ተዘርጊሑ
  • §  ኣዋጅ ድዩ ሓተታ ብልሓት ቁንቁኝኡ ዘይፍሉጥ ብዛዕባ መሬት ሓደ ነገር ተባሂሉ ግን ክሳብ’ዛ ዕለት ሎሚ (ፍርቂ ሕዳር 2012) ዝረኣናዮ ዋላ ሓንቲ የለ፡፡ 
  • §  እቲ ኣብ “1 ዋዕላ ዝፈሸለ ወፍሪ ቁጠባ” ዳግም ደሚቑ ክወዓዋዕ ብዝተሓበሮም መሰረት ኣብ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ብሓዳስ ኤርትራ ውን ዓገግ ይብሉ ኣለው፡፡

እቶም ንባርነት ኣብ ምዕቡል ዓለም መሪጾም ንናይ ኢሳያስ ቃል ከም ቃለ እግዝኣብሄር ክደግሙዎ ዝውዕሉ በዓል ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር ኣሜን ኢሎም ተቐቢሎም ንምትግባሩ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣዩ ኣለው፡፡ እንሆ ከኣ እቲ “2ይ ቁጠባዊ ዋዕላ” ታሕሳስ 17- 18/2012 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ፡፡ እዚ ዋዕላ ከም ቀዳማዩ ድዩ ክፈሽል ወይስ ካልእ ተኣምር ክፍጠር’ዩ ግን ሓቢርና ክንሪኦ “ከልብን መዓልትን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ከምዝበሃል እታ ግዜ ምእንተባዕላ ክትመጽእ’ያ፡፡ እንታይ ሒዛ ትመጽእ ከኣ ሽዑ ንሪኣ፡፡ 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8018

Posted by on Nov 17 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net