ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ዞባዊ ጉባኤ ደ.ግ.ሓ.ኤ ኣመሪካ።

ዞባዊ ጉባኤ ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዓመታዊ ጉባኤኡ ንሰለስተ መዓልታት ዝኣክል ድሕሪ ምክያዱ ብዕለት 17 ሕዳር 2012 ብዓወት ተሰላሲሉ።

እዚ ጉባኤ’ዚ ዝተኻየደሉ ህልው ኵነታት፡ ህግደፍ ብሰንኪ ጸረ ሰላምን ደሞክራስን ዝዀነ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፖለቲካዊ ቅዋማቱ፡ ዝርከበሉ ዘሎ ምጣነ ሃብታውን ሕብረተ ሰባውን ጻዕረሞት፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰማዒኡ ኣብ ዘስደምም ናይ መነባብሮን ሃለዋትን ዓዘቕቲ ናይ ጥፍኣት ሸኺልዎ ከምዝርከብ ገምጊሙ። ዓዲ ውዒል ዝዀኑ ኣረገውቲ፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ ደቀንስትዮን ኣብያተ መስተን… ወዘተ ከይተረፉ፡ ብምግዳድ ብረት ክሕዙ ምግባሩ፡ ከምኡ’ውን ናይ ነዳዲ ጸገም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ህዝቢ ናይ ዝስተ ማይ ግቡእን እኹልን ኣገልግሎት ስኢኑ፡ ኣብ ናይ ጫቝጫቝ ኵነታት ምህላው ብዓሚቝ ሓዘን ርእዩ።ብሰንኪ’ዚ ዓቕሊጽበት ናይ ሃለዋትን መነባብሮን፡ እቲ ዘዝተወልደ እግረይ ኣውጽእኒ ብምባል ህይወቱ ከድሕን ናብ ስደት ብምምራሕ ኣብ ፈቐዶ ሲናይን ካልእ ናይ ወጻኢ ቦታታትን ዝበርስን ዝሳቐን ዘሎ መንእሰይ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝሕተተሉ ምዃኑ መዚኑ። ከምኡ’ውን ብመሸጣ ኣካላት ነብስን ካልእ ንሰማዒኡ ዘስካሕክሕ ተግባራትን ዝማስን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ስደተኛ፡ ዓለምለኻዊ ናይ ሰብኣውን ሬድኤትን ማሕበራት ምስ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ መንግስትታትብምርኻብ ወይ ተጽዕኖ ብምግባር፡ እዚ ሽግር’ዚ መዕረፊ ዝግበረሉ መንገዲ ጻዕርታት ከካይዳ ኣተሓሳሲቡ።ብሓፈሻኡ ከኣ ንኹሉ ተቓዋማይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስደት መፍትሒ ሽግራቱ ከምዘይኰነ ተገንዚቡ፡ ነዚ ጠንቂ ናይ ኩሉ ሽግራትና ዝዀነ ስርዓት ህግደፍ ኢደይ ኢድካ ኢሉ ግሒጡ ብምድርባይ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ክረባረብ ጸዋዒቱ የቕርብ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ደምበ ተቓውሞ ሽሕ’ኳ ካብ ማንም ግዜ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ፡ ንዝተፈላለየ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን …ወዘተ ዝጠርነፈ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ግንባር ድኣ የቝም’ምበር፡ ተሪር ማህረምቲ ኣንጻር ህግደፍ ፡ ከድምዕ ዝኽእል ሓይልን ፍጥነትን ኣብ ምህናጽ ጽጉም ምህላው ርእዩ። ዞባዊ ጉባኤ፡ ደምበ ተቓውሞ ንስርዓት ህግደፍ ደርቢዩ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ምዕባለን ከንግስ መታን ክበቅዕ፡ ዞባ ደግሓኤ ኣመሪካ ብደረጅኡ፡ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳንን ሓዪሎም ክዕወቱ፡ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ወሲኑ። ብዘይካ’ዚ መንእሰያት ኣብ ኩሉ ሸነኻት ቃልሲ ናይ ተቓውሞ ዘርእይዎ ዘለው ናይ ቃልሲ ፍናን ብምትብባዕ፡ ነቲ ንደምበ ተቓውሞ ዘዐንቅፎን ዘዛሕትሎን ዘሎ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ሕልኽልኻት፡

ብምስትብሃል፡ ነብሱ ኣካል ናይቲ መድሕን ናይ ቃልስናን ዓወትናን ዝዀነ ህዝባውን ደሞክራሲያውን ኣረኣእያን ሓይልን ኰይኑ ክቕጽል ጸዋዒቱ የቕርብ።

ውድባዊ ኵነታት ኣልዒሉ ኣብ ዝዘተየሉ ሸነኽ፡ ደግሓኤ ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ምሕያል ብሓፈሻ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምህናጽን ምድልዳልን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳንን ዝተጻወቶን ጌና’ውን ዝጻወቶ ዘሎን ግደ ንኢዱ። ብተወሳኺ ዕጡቓት ናይ ፕሮፓጋንዳን ውደባን ኣሃዱታትና፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘካይድዎ ዘለው ውፉይ ጸረ ህግደፍ ቃልስታት ኣመጕሱ።

ዞባዊ ጉባኤ፡ ኣብቲ ዝቐረበሉ ናይ ዓመታዊ ስራሕ ጸብጻብን ኦዲትን ዕቱብ ዝዀነ ክትዓት ድሕሪ ምክያዱ፡ ንዝሓለፈ ንጥፈታቱ ብዝምልከት ዕማማትን መደባትን ኣልዒሉ ብምምይያጥ፡ ኣባል መሰረታቱ ኣብ ምስፋሕ ይኹን ምስ ካልኦት ኣካላት ደምበ ተቓውሞን ውልቀሰባትን ብምርኻብን ብምትእስሳርን፡ ጸረ ህግደፍን ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ብተወፋይነት ክቕጽሎ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።ከምኡ’ውን ኵነታት ኣሰራርሓኡን ውደብኡን ብምግምጋም፡ ብህግደፍ ይኹን ካልኦት ናይ ትምክሕትን ጽበትን ዝምባሌታት ዝፈታተኖ ጸለመታት ኣብ ምምካትን ንዕቤትን ስፍሓትን ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ደሞክራሲያዊ ዕላማ ኣብ ምዕዋትን ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣር፡ ብዝያዳ ከተኵረሎም ዘለዎ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ወሲኑ።

ዞባዊ ጉባኤ፡ ብዕረፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ፈታው ህዝቢ ኤርትራ ንዝዀነ  ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ቅዋምን ናይ ልምዓት መደብን ክቕጽሎን ከማዕብሎን ተስፋን ምትእምማንን ገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ፡ ዞባዊ ጉባኤ፡ ነቲ ዝወጸ ሓድሽ ዓመታዊ መደብ ዕዮ እተተግብር መሪሕነት ዞባ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ብምምራጽ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዘመ።

 

ዓወት ንህዝባውን ደሞክራሲያውን ቃልሲ ህዝብና

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍ

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

 

ዞባዊ ጉባኤ ደግሓኤ ኣመሪካ

 

ሕዳር 18, 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8036

Posted by on Nov 21 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net