“ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ አጽንዕ”

ህጹጽን ኣገዳስን ምሕጽንታ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶን፡መላእ ሓርበኛዊ ተቓላሳይ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጥን  ኣብ ወጻእን ዝርከብ!

ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ህዝቡን መሬት ሃገሩን ክብል፣ ብዘየወላውል መርገጽ መጀመርያ ፖለቲካዊ ቃልሱ ብጊዜ አርብዓታት ድሕሪ ነዊሕ ምርብራብ፣ ንኣርዑት ባዕዳውያን ገዛእትን ወረርትን ብፖለቲካ ጥራሕ ክስዓሩ ከምዘይክእሉ ምስ አረጋገጸ፣ ብረታዊ ቃልሱ ሸጥ አቢሉ ብጅግና እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ዝምራሕ ሓይሊ ብባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም. ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሓቦን ኒሕን ብኣረጊትን ብውሑዱን ብረት ምስ ውሑዳት ብጾቱን ነቲ ተሃንዲዱ ዝመጽእ ዝነበረ ድሩዕ ሓይሊ  ወተሃደራት ጸላኢ ናይ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ  አብ ጎቦ ዓዳል ብዘደንቅ ሓርበኛዊ መጥቃዕቲ አብ ልዕሊ ሃይሊ ጸላኢ ብናይ ቃልሲ ሃልሃልታዊ ባርዕ ከልኪሉን ሓምሺሹን ንሰፊሕ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ በኹሪ ዓወት ድማ አበሰረ።

ካብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም. ክሳብ 1980 አደ ቃልሲ ዝኾነት ብህዝባውነታ እትልለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን በዘን ክልተ ውድባት’ዚአን ስልጣን መን በሓተ ንምቅድዳም፣ኣብ ዘይተደልየ ውግእ ሓድሕድ ሽሕ እኳ ግርጭት ዝተፈላለየ አረእያ ብምህላው አወንታዊ ግደ እንተ ሃለወ ካልአዊ ግርጭት ከአ ብደሞክራሳዊ ልዝብ አብ ክቢ ጠረጴዛ ክፍታሕ ይግባእ።እዚ ከኣ ናይ አረአእያ ፍልልያት  ሃልዩካ ንሓደ ህዝቢን ሃገርን ንናጽነት ሓርነትን ንሓደ ዕላማ ኢልካ ወጺእካ’ስ፡ አደዳ ዘስካሕክሕ ውግእ ሓድሕድ ምክያድ፣ቀዳማይ ጸላኢ ከየልገስካ አብ ዘይተደላዪ ናይ ክንደይ አሽሓት ጀጋኑ ሓርበኛታት መንእሰያት ሰፍ ዘይብል መስዋእተነት ተኸፊሉ ኢዩ። ሽሕ እኳ እታ ሓንቲ ካብታ ሓንቲ ውድብ  ዝሓሸ አንፈት ናይ ደሞክራሲ እንተ ነበራ ክልቲኤን ውድባት ነዚ አዕናዊ ዝኾነ ዘስካሕክሕ ውግእ ሓድሕድ ብሓላፍነት ይሕተታሉ እየን።

ካብ 1980 ካሳብ 1991 ነጻነት ኤርትራ፣ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ብምሽራኽ ንሜዳ ኤርትራ ንምብሓት ንተ.ሓ.ኤ. ምውዳቅ ዝዓለመ እኳ እንተነበረ አብ ምድራዊ ናጽነት እቲ ቀዳማይ ዕላማ ብሰፊሕ ሓርበኛ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳውያን ገዛእቱ ካብ ስሩ ምሕዩ ብመሪሕነት ህ.ግ. ተረጋጊጹ እዩ።እቲ ካልአይ ግርጭት ከይተፈትሔ ህዝቢ ኤርትራ ሰብአዊ መሰሉን ሓርነቱን ሓቀኛ ዲሞክራሳዊ ክብሩን፡ ፍትሕን፡ ሕግን፡ ሓሪምዎ ይርከብ አሎ። እዚ ከአ ክሕደት ንጀጋኑ ሓርበኛታት ስውአትናን ክሕደት ንመላእ ሰፊሕ ሓርበኛ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ዘይርስዖ ስምብራት እዩ። እዚ ከአ ኮነ ኢልካ ሞራልን ሕልናን ህዝቢ ኤርትራ ሰባቢርካ ዘርኢ ደቀባት ኤርትራውያን ምብራስን ምጽናትን ምጥፋእን ዝዓለመ እዩ። አብ ክንድ’ኦም ከአ ብዘይ ደቂ ሃገር ልዕልነት ምንጋስንኰይኑ ጨካን አረመናዊ በሓቲ ስልጣን ክሳብ ዘሎኻ አጥፊእካ ምጥፋእ ዝብል መርሆ፡ ንህዝብን ሃገርን ንምጽናት ተዓጢቅሉ ዘሎ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ።ብወገን ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ግን ነንፋንጣኻ ኰንካ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ብምትንኳል ሓድሕደን ክሰሓሓባን ክካሰሳን ሃለዋት ህዝብን  ሀገርንኤርትራ ተረሲዑ አብ ስልጣን ክቛራቘሳ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ዝርከባ ውድባትን ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለምን ዝተወከላ ህዝባውያን ማሕበራትን ዝተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላ ድሕሪ ምኽያድ 53 ዝኣባላታ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ውድባትን ማሕበራትን ሃገራዊ ኮሚሽን ናብ ሃገራዊ ጉባኤ እተብጽሕ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪማ ብትብዓት ዝከኣላ ኩሉ ዓቕምታት ኣብ መላእ ዓለም ብሃገራዊ ዋዕላ ሕግን መምርሒን ስርርዓት ብምክያድ ሰሪዓን ወዲባን ድሕሪ ሓደ ዓመት ብዕዉት ኣሳልጦ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምብጻሕ እቲ ካብ ዝተፈላለየ ኵርነዓት ዓለም ተወኪሎም ዝተሳተፉ ልዕሊ 600 ዝተኻፈልዎ ጉባኤኛታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒኻን ፈሊኻን ኣነጺርካን ነቶም ዕሉላት ኮራኩሩን ኣጽዋራቱን ኣምኪንካ፣በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ጽኑዕን ድልዱልን ዝምድና ምስ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራን፣ ነቲ ካብ 70 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመኡ ዝግፈፍ ዘሎ ህዝብን፡ህዝባዊ ሰራዊን ኣብ ጐድኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኰይኑ ክቃለስ ዕዙዝ ኣቓልቦ ክግበረሉ ምጽዓርን፣ክሳብ’ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝለግስ እዚ ጉባኤ’ዚ ውሽጣዊ ዝመሓደረሉ ግዜያዊ ሕግን ስርዓትን መሚዩን ጸሚቑን ኣጽፊፉን ብዝሰፍሐ ምምይያጣትን ክታዓትን ብልዝብ ብህድኣት ብርግኣትን ምጽውዋርን ምክእኣልን ምክብባርን ናተይ ኢሉ ብትብዓት ነዚ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ታሪኻዊ ጉባኤ ኰይኑ ክወጽእ ብቕኑዕ ሕልና ካብ ባሕሪ ልቦምን ካብ ውሽጢ ኣእምሮኦምን ብኒሕን ሓቦን ህድኣትን ምስትውዓልን ለባም ኣካይዳ ንዘውረሱ ተበዓት ኤርትራውያን መጎስ ይብጻሕኩም ይብል።

እዚ ዕዉት ታሪኻዊ ጉባኤ ኣዋሳ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ ካብ ኩሎም ኵርነዓት ዓለም ተወኪሎም ዝተሳተፍዎ ኣባላት ብዘይ ተጽዕኖ ነጻ ኣረኣእያታቱ ወኒኑ ብዘውጽኦ ሕግን መምርሕን ኣኽቢሩ በቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዕግበትን ነፍሰ ምትእምማንን ምስ ኩሉ ጉድለታቱን ጸገማቱን ሓቢርካ ዘቲካን መኺርካን ሓሳብ ንሓሳብ ተላዚብካን ነዚ ግዜያዊ መስጋገሪ ሕጊ’ዚ እተተግብር መሪሕነት 127 ዝኣባላታ ባይቶ መሪጹ እታ ዝለዓለት ካብ ኩለን ውድባት ይኹና ካብ ሰፊሕ ህዝቢ እዛ ባይቶ’ዚኣ ፖለቲካውን ምጣኔሃብታውን ወተሃደራውን ስርርዓት ኣወሃሂዳ እትመርሕ ብሓደ ድምጽን ብሓደ ልሳንን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸትን ዝለዓለ ተጸዋዒነት ዘለዋ።

እዛ ብጉባኤኛታት ኣብ ከማ ኣዋሳ ብወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ 30 2011 ዓ.ም ይኾነና ኢሉ እዚ ኹሉ ሓላፍነት ተሰኪማቶ ዘላ እዛ ባይቶ’ዚኣ ኢያ።

እሞ’ኸ ደኣ እዚ ኹሉ ግዜያዊ መሳጋገሪ ሕጊ ተምርዂሳን ተረዲኣን ኣጽኒዓን ነቲ ዝተሓገገ ሕጊ ብጉባኤ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ዝተዋህባ ሓላፍነት ብምዝንጋዕ ገለ ካብ ኪዳን ውድባት ብግስ ከይበሉ እንታይ ኣምጽኦ እዚ ኽሉ ምውጥይጣይ? ባዕልኻ ዝወዓልካሉ ወይ ይውክለኒ ኢዩ ኢልካ ዝለኣካዮ ንዝተገብረ ዕዉት ታሪኻዊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ኣዋሳ ዘጽደቖ ግዚያዊ ሕግታትን መምርሒታትን ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ምዕጥይጣ’ስ ገመል ሰሪቕካ ጉምቡሕ ጉምቡሕ ምባል ባዕልኻ ናብ ውዱእ ፍርዲ ወይ ባዕልኻ ናብ ሽግር ምጥሓል ሓሊፉ ካልእ መፍትሒ ዘምጽእ ዘሎ ኮይኑ ኣይመስለንን።ካብ መጀርታኡ’ውን ንጉባኤ ዝተወሰነ ግዜ ብመዓልቱ ንኽውዕል ተወሲኑ ከብቅዕ ቅድመ ኩነት ኣብ ኣፉን ዕርበቱን መዓልቲ ይቀየረልና ኢሎም ሰለስተ ስሙን ምስ ተረፎ ነዚ ብቅድሚ ዓመት ናይ ጉባኤ መዓልቲ ዝተመደበ ዕንቅፋት ድሕሪ ምኳን ሕጂ እንተ ዘይተቐይሩ ንሕና ኣብ ጉባኤ ኣይንሳተፍን ኢና ኢሎም ድሕሪ ምቕዋም፡ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ኮሚሽንን መላእ ናይ ተቛውሞ ህዝብን ግን ብሓላፍነት ልቢ ኣዕብዩ ደሓን ይቀየር ኢሉ፡ነቲ ቅድሚ ዓመት ዝተመደበ መዓልቲ ጉባኤ ከምቲ ዝሓተትዎ ንኽቕየር ብትዕግስትን ብትዕዝብትን ነቲ ዝተገብረ ተንኰላት ክስገር ተይሩ።ዕዉት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጉባኤ ኣዋሳ ድማ ዝለዓለን ዝዓበየን ካብ ውድባዊ ኪዳን ናብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ኪዳን ተሰጋጊሩ ኢዩ። ነዚ ካብ መላእ ዓለም ተወኪሎም ናይ ተቛውሞ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ሓሳብ ንሓሳብ ርእሲ ንርእሲ ተኻኣኢሉን ተጸዋዊሩን ተላዚቡን ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ሕድገታት ገይሩ ሕግታትን መምርሒታትን ኣጽፊፉ ብሕጊ ዝግዛእን ዝምእዘዝን ዝለዓለ ህዝባዊ ሓላፍነት ተሰኪማ እተመሓድር 127 ዝኣባላታ ባይቶ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ መሪጹ ዝተጋብአ ሰፊሕ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ኣዋሳ ገዲፍካ የማን ጸጋም ምዕጥይጣይ ኩርኳሕ ናይ ውጹዕ ሰፊሕ ጅግናን ሓርበኛን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ሓቅን ቅንዕናን ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን።

እሞ ሕጂ’ውን ርሑቕ ከይከድና ምልስ ኢልና ጌጋታትና ኣሪምና ለባምን ሓላፍነታውን ኣገባብ ኣቀላልሳ ተኸቲልካ ነዚ ብጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ህልቀትን ዕንወትን ኣብ ህዝብን ሀገርን ኤርትይራ ወሪዱ ዘሎ ጥፍኣት ቀዳምነ ሂብካ ነዚ ግዜያዊ ሕግታትን መምርሒታትን ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ብምልኣተ ባይቶ ተማእዚዝካ ሕጹይ ናይ መስዋእቲ ኰይንካ ብደገን ብውሽጥን ብፍላይ ከኣ ኣብ መቑሕ ወልቀ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ ጎድኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተሓቛቚፍካ ናብ ሕምብርት መሬትካን ናብ ሕቝፎ ውጹዕ ህዝብኻን ዘእቱ ዘተኣማምን ቅኑዕን ድልዱልን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ነቕ ዘይብል ድልድል መስሪትካ ናብ ዝሰፍሐን ብትሕዝቶኡ ይኹን ብዓቐኑ ንረብሓን ጠቕምን ናይ ውጹዓት ደርብታት ዘሳትፍን ዝጣበቕን ብቕዋምን ሕግን ብናይ ኩሉ ውጹዕ ተቓላሳይ ተሳትፎ ብቕጥዕን ስነ-ስርዓትን ብዘይ ተጽዕኖ ኣብ ኣብዝሓ ፓርትታትን ወይ ሰልፍታትን ብናይ ነጻ ድሌት ወዲ ሰብ ኣብ ደስ ዝበሎ ብምርጫኡ ክስራዕ ሰብኣዊ መሰሉ ኰይኑ፣እቲ ዝምስረት ሕጊ ኣብ ሓራ ሓዳስ ዲሞክራሲያት ኤርትራ ከኣ ካብ ጎቦታትን ሰናጪሮታትን ገጠራትን ክሳብ ነኣሽቱን ዓበትን ከተማታት ኤርትራ ኣብ ከከባቢኡ ባዕሉ ወይ ወካሊኡ ሰዲዱ ንዓኡ ዘገልግል ሕጊ ነዲፉን ኣጽዲቑን እንተተበዲሉ ፍትሒ ዝረኽበላ፣እንተ በዲሉ ድማ ዝቕጸዓላ፡ላዕለዋይ ኢድ ዘይብላ ግዜያዊት መሰጋገሪት መንግስቲ ገይርካ እቲ ንዓይ ይውክለኒ ኢዩ ዝብሎ ብናይ ነጻ ድሌቱ ፓርቲ ይኹን ሰልፊ መሪጹ ብቑዓትን ቅኑዓትን ለባማትን ትጉሃትን መስተውዓልትን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ክብሪ ወዲ ሰብን ዝሕልዉ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዘገልግሉን ዝለኣኹን ዘመሓድሩን ናይ ውጹዕ ተጋዳላይ ህዝቢ ኤርትራ ባህግን ድሌትን ብተግባር ምእዙዛት ኮይኖም ብሕግን መምርሕን ሃገር ዝቕየዱ ብናይ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋብኤ ሃገራዊ ጉባኤ ገይርካ ባይቶኻ መስሪትካ ብኡ መሰረት ከኣ ሓንትን ሰላማዊትን ቅሳነትን ፍትሕን ማዕርነትን ብተግባር እተረጋግጽ ዘይምእኩል ምሕደራ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብእንካን ሃባን ናይ ስልጣን ምቅብባል ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊት ሓዳስ ኤርትራ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ እትሓቝፍን እትሕብሕብን እተሳትፍን ፍትሓዊት ሃገር ክትህልወና ከይተሓለልካ ብምርብራብ ክረጋገጽ ይግባእ።እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ናይ ሞት ሕጹይ ንዝኽፈል መስዋእቲ ሞት ወይ ዓወት ኢልካ መኒንካ ሂያው ታሪኽ ገዲፍካ ንመጻኢ ወለዶ መርኣያ ወይ ኣብነት ኮይንካ ምሕላፍ ጥራሕ ህዝባዊ ዓወት ክጭበጥን ክረጋገጽን ዝኽእል፣ምኽንያቱ ፍትሕን መሰልን ማዕርነትን ዝረጋገጽ ብህያብ ወይ ብተኣምራት ዝመጽእ ኣይኮነን፣እንታይ ደኣ እትደልዮ ክትረክብ እትፈትዎ ሃብ ስለ ዝዀነ።
እሞ ዝሓለፈ መድረኽ ናይ ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ ፍልልያተን ጸጋ ምኳኑ ተረዲአን ሕድገት ገይረን ተኻኣኢለንን ተጻዋዊረንን ናብ ዓወት ዘምርሕ ኣብ ክንዲ ዝሓስባ ኣብ ነሓድሕደን ክወናጀላን ክወቓቐሳን ክሰሓሓባን ንውልቀ-መላኺ ጉጅለ ህግደፍ የብርስን የጽንትን እናሃለወ ካብዚ ጂሆ’ዚ ከናግፍኦ ኣይበቕዓን።ሕጂ ግን ብናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሴያዊ ለውጢ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተመርጸት ሃገራዊ ባይቶ ብናይ መምንሒ ጉባኤ ተመርዂሳ ግዜ ዘይወሃቦ ህጹጽ እዋናዊ ጠለብ ብተግባር ኣብ ስራሕ ክትዋናጨፍ እንተ ዘይኪኢላ እዚ ኹሉ መንእሰይ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ዲሲ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ ናዝሬት ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ ስዊድን ዝተጋብኤ ጉባኤ መንሻአያት ኤርትይራ ኣብ ጐድንኹም ኣሎና ኣጆኹም እናበሉ መንእሰያት ኣብ ፓልቶክ ናይ ክትዕ መድረኽ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓለም እናተወናፀፉ ከለዉ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ግን ደብዙን ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ዝሃቦ ሓላፍነት ብግቡእ ከሰርሓሉ ዘይከኣለሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? እንታይ’ከ ይጽበ ኣሎ?

እዚ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ሽግር ግዜ ዝወሃቦ ኣይኮነን።ሓደ ህዝቢ ኩሉ ምስ ተወደኦ ሓንት መዓልቲ ህዝባዊ ናዕቢን ምግልባጥ መንግስትን ከም ዘኸትል ሃገራዊ ባይቶ ነዚ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ፖለቲካውን ምጣኔሃብታውን ወታደራውን ምንቅስቓሳቱ ኣወሃሂዱ ነዚ ዉዕዉዕ መድረኽ’ዚ ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ብደገን ብውሽጥን ንጽባሕ ዘይበሃለሉ ተሃዋሲ መድረኽ ኢና እቲና ዘሎና’ሞ ኣብዛ ዓመታዊት ኣኺባ ባይቶ ኩነታቱ ገምጊሙ ንጡፍ ምምሕያሻት እንተ ዘየርኢዩ፡ ሓባእ ቑስሉ ሓባእ ፈውሱ ኮይኑ ከይተርፍ ምጥንቃቕ የድሊ።ህዝባዊ ተቓውሞ ማንም ሓይሊ ጠጠው ከብሎ ዝኽእል ከም ዘየለ ክርዳእ’ውን ይግባእ።መላእ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ትዕግስቱ ከይወድአ ብዓቢዪ ትጽቢትን ምክትታልን ብዝለዓለ ኣትኵሮ ይዕዘብን ይከታተልን ኣሎ!! እሞ ሓደራ ድሕሪ ሃገራዊ ጉባኤ ኣዋሳ ሕቡእ ወይ ምስጢር ዝበሃል ነገር የልቦን።ነቲ ብሕድሪ ብጉባኤ ዝተቐበሎ ሃገራዊ ባይቶ ብሕግን መምርሕን ተቐይድካ ካብ ምኻድ ሓሊፉ ካልእ መፍትሒ የልቦን።ኣብ ውሽጢ ኣባላት ባይቶ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ክፍታሕ ዘይከኣል ጸገም ምስ ዘጋጥም ብዝከኣል መጠን ኣብ ሕጊ ተመርኲስካ ብትዕግስቲ ብዘተ ክፍታሕ ይግባእ።እቲ ሽግር ግን ህዝባዊ ሽግር ስለ ዝኾነ ብዕሊ ብወግዒ መግለጺ ነቲ መምርሒን ሕግን ሂቡ ዝለኣኸኩም ሓርበኛ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብእዋኑ ክበርሃሉ ይግባእ።

ንዓወት ውጹዕ ሰፊሕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓግቶ ሃይሊ የለን!!

ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጉባኤ ኣዋሳ!!

ክብርን ዝኽርን ንሓርበኛታት ስWኡኣት ተጋደልትና!!

መስዋእትነት ጀጋኑና ሕጂ’ውን ብሓቀና ዲሞክራሲያዊ ቃልስና ከነረጋግጾ ኢና!!

 

ካብ ተወልደ ገብሩ

ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣትላንታ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8044

Posted by on Nov 24 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net