‘..ተዋስኦ ከመይ ሓዲራ?’

ካብ ሚ/ሪ ምክልኻል  ባለነኪ

8 ክፋል

Dec 1st 2012   

ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ’ዛ ሃገር ዓቢ ምትፍናን ተፈጢሩ ክርቢት ክትሽርጠጥ ተቐሪባ ኣላ፡፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ መዓስ ኮን ትሽርጠጥ ትጽቢት ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተረፉ “..ተዋስኦ ከመይ ሓዲራ?” ተበሃሂሎም ንጉሆ ቅድሚ ስራሕ ክተሓታተቱ ይስምዑ ኣለው፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትፍናን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ  2001 ኳ ተራእዩ  እንተነበረ ብስፍሓቱን ዕምቆቱን ግን ናይ ሎሚ እቲ ዝሓየለ’ዩ፡፡  ሰባት ንሰባት ጥራይ ዘይኮነ ትካላት መንግስትን ህዝብን ውን ኣካል’ዚ ምፍጣጥ ኮይኖም “ሰራዊት ኢሳያስ እንታይ ገበረ? ሰራዊት እከለ ኸ?” ዝበሃለሉ ግዜ ስለዝተበጽሐ ኣቃሊልካ ዝረአ ጉዳይ ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ፡፡

እቲ ፍሕፍሕ ኣብ ሞንጎ ክልተ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት እኳ ጎሊሑ ይረአ እንተሎ  ጽልውኡ ግን ንታሕቲ ውን ዘሊቑ’ዩ፡፡ እንተ እቲ ተኺሎ መሲሉ ዝረኣ ዘሎ እምባታት ግና፡-

1) እቲ ሓደ ፕረሲደንት ዝርከቦ ናብ ጥቕኡ የጸግዖም ምስ ዘሎ ሓደሽቲ ሽሞኛታት  በዓል ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ብ/ጀ እዮብ ሓሊባይን ዝኣመሰሉ ሓዊሱ ኣብ ላዕሊ ዝተንጠልጠለ  ተናሓናሒ ጉጅለ (“ሰራዊት ኢሳያስ”) ክኸውን ከሎ

2) ብኣንጻራዊ ገጹ ከኣ ካብ ጥቕኡ ዘርሕቖም  ኣስማቶም ምርቋሕ  ኣድላይ ዘይኮነ ኣብ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታ እዛ ሃገርን ጸለውቲ ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ሓድሓደ ኣገደስቲ ኣካላት መንግስቲ፡  ገለ ኣሃዱታት ካብ ሓይልታት ምክልኻል ሓዊሱ፡  ክሳብ ታሕቲ ምምሕዳር ከባቢታት ዝርከብ ህዝቢ ዝለሓኸ ጸብለልታ ዘለዎ ሓይሊ(”ሰራዊት እከለ”) ’ዩ፡፡

በዚ ካልኣይ ጉጅለ ዝሰግአ ፕረዚደንት ኢሳያስ ስልጣኑ ተጠቒሙ ሓድሓደ ስጉምታት ንምውሳድ መደባት ሓንጺጹ ተንቀሳቒሱ ነይሩ፡፡ እቲ መደብ (ውጥን) ኣብ ልዕሊ “ደጊም ይኣክል!” ዘስምዑ ዘስግእዎ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከካብ ዝጸንሕዎ ስራሕን ቦታን ብምስምስ ተኽሊጥ ብኣካልን ብኣተሓሳስባን ነጻጺልካ ንምውቃዕ ዘንቀደ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስኣቶም ምትእስሳራት ከይሃለወን ኣይክተርፍን ተባሂለን ዝተጠርጠራ ሓድሓደ ትካላት መንግስቲ ከይተረፉ ካብ ቀረባ ርሕቐት ማእከላይ መንግስቲ ንምርሓቕ፡ ልኡኻተን ንምስንኻልን ከም ኣካል ክድስክላ ንምግባርን ስጉምታት ክወስድ ጀሚሩ፡፡ናይ’ዚ መርኣያ ብተግባር ንሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ፡ ንብዙሓት ኣካላት ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ካልኦትን ካብ ማእከል ክርሕቑ ቦታ ክቐያይሩ ምግባር፡ ናይ ሓድሓደ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ስራሕቲ ብሓሊባይን ተኽለ ማንጁስን ንምትካእ ምንቅስቓሳት ተኻይዶም፡፡

ይኹን’ምበር ነዞም ብፕረሲደንት ክውሰዱ ዝተወጠኑን ክትግበሩ ዝጀመሩ ፍጻመታትን ሪኡ  ከምዘይረኣየ ኣሜን ኢሉ ምኻድ ዘይመረጸ ሓይሊ ፍልይ ዝበለን ዘይገመቶን ተቓውሞታት ኣጓኒፍዎ፡፡ ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፕረሲደንት ከም ቀደሙ ዝበልኩዋ እንተዘይኮይና ስሬኹም ንዓቐብ ዝዓይነቱ ብደዐ ክኸዶ ኣይከኣለን፡፡ ፈቲዩ ጸሊኡ ብትዕግስቲ ክሪኦ መስሎኺ መታን ንምርካብ ግዜ ክህቦ ተገዲዱ’ዩ፡፡ እዚ ድማ ንሱ ብኣጻብዕ ንዝቑጸሩ ጸለውቲ ዘይኮኑ ሓደሽቲ ሽሞኛታት ኣሰሊፉ፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝኾነ ካልኣይ ገጽ ሓይሊ ክእዝዝ ከምዘይክእል ብምግማቱ’ዩ፡፡ እዚ ኣንጻር ፕረሲደንት ዓንተር ጉጅለ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተሞኩሮ ቀሲሙ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ መርበባቱ ዘርጊሑ ውዳበታቱ ኣሰጣጢሙ ብምህላው እቲ ምፍጣጥ ኣጉሊሕዎ ጥራይ ዘይኮነ ሚዛናዊ ንሕንሕ ገይርዎ ኣሎ፡፡ ምትፍናን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ’ዚ እዋን ጎሊሑ ክረአ ምኽንያት ዝኾነ ድማ እዚ’ዩ፡፡

ኣብ’ዚ  ውህብ ኩነታት ኣሰላልፎኦም ዘየነጸሩ፡ ምስ ኣየናይ እምባ ተጸጊዖም ነየናይ ከምዝነጽጉ ዘይወሰኑ ኣብ ምምታእ ዝርከቡ ውሕዳት ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ውን ኣለው፡፡ ሚዛን ናበይ ገጻ ከም ትዛዙ ክሳብ ዘረጋግጹ ከኣ ኣብ ምውልዋሎም ክጽንሑ ይመስሉ፡፡ ምናልባት እዞም ሰባት ፕረሲዳንት ክጥቀመሎም ኣካይዳ ጎብዬ ይኸዶም ከምዘሎ ንሰምዕ ኣለና፡፡ እንታይ ክወልድ ኢዩ ግን መዛዘሚኡ ሓቢርና ክንሪኦ ኢና፡፡

ጠንቂ  ናይ’ዚ ሚዛናዊ ሓይሊ ምፍጣጥ፡ ብጃምላ ናይ ምዕጣቕ፡ ብኣልማማ ናይ ምግፋፍ፡ ኣሃዱታት ተወርዋሪ እዚ ብምስምስ ግጭት ካብ ከባቢ ኣስመራ ናብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያ ምርሓቕ፡ ተወርዋሪ እዚ ከማሓድሮም ዝጸንሐ ቤት ማእሰርታትን ቤ/ጽሕፈታትን ብ/ጀ ተኽለ ማንጁስ ክርከቦም ምእዛዝ፡ ንሓይልታት ጸጥታ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣውጺኻ ናብ ቤት ገርግሽ ምስጓግ፡ ኣብ ቤት ገርግሽ ዝጸንሐ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል  ኣገዲድካ ካብ ቤት ገርግሽ ናብ በለዛ ክወጽእ ናይ ምግባር፡ ከም በዓል ተኽለ ማንጁስ፡ ሓሊባይ፡ ወልዱ ባርያን ካልኦትን ንዝኣመሰሉ ሓደሽቲ ሽሞኛታት ዓቢ ዲል ብምሃብ ገበርትን ሓደግትን ብምግባሮም እዩ እዚ ኩሉ ስዒቡ ኢሎም ዝትንትኑ ሓድ ሓደ የዋሃት ኣይተስኣኑን፡፡

እቲ ሓቂ ግን ከም ግምት እዞም ሓድሓደ የዋሃት ዝብልዎ ኣይኮነን፡፡ ኣብ’ዚ እዋን ፕረሲደንተ ክወስዶ ዝፈተነ ተግባራትን ዘጓነፎ ተጻብኦታትን ውጽኢት እቲ ምኽንያት ደኣ’ምበር ባዕሉ እቲ ቀንዲ ጠንቂ (cause)  ኣይኮነን፡፡ እቲ ነዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ምፍጣጥ ቀንዲ ጠንቂ  ብዓንደ ነገሩ እቲ ስርዓት ምዃኑ ግልጺ ኮይኑ፡፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ምፍጣጥ ግን ሕጂ ዘይኮነ  ኣብ ሕሉፍ “ካብ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ባለነኪ” ብዝብል ተዘርጊሑ ኣብ ዝነበረ ተኸታታሊ ሓበሬታ ንምግላጽ ተፈቲኑ ነይሩ’ዩ፡፡  እቶም ኣብ’ዚ እዋን ተፋጢጦም ዘለው ክልተ ተናሓናሕቲ ጉጅለታት፡ እቶም ኣንጻር ፕረሲደንተ ዓቢ ጎቦ ፈሊዮም ዘለው ኣስማቶም ምርቋሕ ዘይተደለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገለ ገሊኦም ቅድም ኢሎም ዘልዓልዎም ግን ምላሽ ዘይረኸቡ መሰረታዊያን ዝብሉዎም ርእይቶታትን ሕቶታትን ነይሮም፡፡ እንታይ ነይሮም ድማ ገለ ካብ ትሕዝቶ ርእይቶታቶም እዞም ዝስዕቡ ከዘኻኽር፡-

1. ኩናት ከብቅዕ፡ ኣብ ልዕሌና ዝተነብረ ማዕቀባት ክለዓል፡ ጉዳይ ዶብ ብልዝብ መዕለቢ ክረክብ፡ ብሓፈሻ እዚ ብኣእላፍ ሰማእታትና ዘረጋገጽናዮ ናጽነት፡ ሃገራዊ ሓድነትን ስርዓትን ህልውንኡ ክቕጽል እንተኾይኑ፡ ሕጂ ካብ ሰላም ወጻኢ ካልእ ምርጫ የለን፡ ህዝብን ሰራዊትን ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዝጠልብዎ ዘለው ነዚ’ዩ፡፡

2. ንጉዳይ  ምሕደራዊ ለውጢ፡ ምምሕያሽ መነባብሮ፡ ጉዳይ ሰብኣዊን ዲሞክራስን ዝምልከቱ ሕቶታት ህዝብን ሰራዊትን ጥራይ ዘይኮኑ ዓለም እውን ተግድደና ስለዘላ ፈቲና ጸሊእና ክንጥምቶ ይግባእ፡

3. ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ሱር ዝሰደደ ብልሽውናን ተሓታትነት ዘይብሉም ተግባራትን ጠጠው ይበሉ፡ ዝብሉ ዘየቋርጹ ጠለባት ብህዝብን ሰራዊትን ካብ ዝቐርቡ ነዊሕ እዋናት ኣቑጺሮም ግን ዝሰምዕ ኣእዛን ስለዝሰኣኑ፡ ተስፋ ዝቖረጸ ህዝብን ሰራዊትን  ሃገርን መንግስትን ራሕሪሑ ይስደድ ኣሎ፡፡ እቲ ክስደድ ዓቕሚ ዘይብሉ ኣብ ሃገር ዝተርፍ ዘሎ’ውን ውላዱ መሪቑ ንስደት የፋኑ ኣሎ፡፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ሓያል ተቓውሞ  ብመልክዕ ስደት ክግለጽ ጸኒሑ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ብውሽጥን ብግዳምን ዝተወደበ ተቓውሞ ኣብ ልዕሌና ዘየናሕሲ ስጉምቲ ክወስድ ብዛዕባ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ድሮ’ውን ኣዝዩ ኣሰካፊ ብዝኾነ መገዲ ይበጋገስ’ሎ፡፡

4. ህዝብን ሰራዊትን መወዳእታ ብዘይብሉ ውትህድርና መረረቶም ሰማይ ዓሪጉ “ኩናትን ወረ ኩናትን” ኣጽሊእዎም ኣይተስምዑና ብዝብል ግልጺ ቋንቋ ይነግሩና ኣሎ፡፡ ንውትድርና ኣምሪሩ ዝጸልእ፡ ኩናትን ወረ ኩናትን ክሰምዕ ዘይደሊ ህዝብን ሰራዊትን ብምዃኑ፡ ሕመረት ውግእ እንብለን ኣሃዱታት (Units) መስርዕን ጋንታታትን ባዶ ተሪፈን ሓይልን ቦጦሎንን ናብ መስርዕን ጋንታን ተቐይረን ኣለዋ፡፡ ከም’ዚ ኢልካ ኣንጻር ጸላኢ ተበግሶ ክትወስድስ ይትረፍ ንምክልኻል’ውን ኣብ ዘይከኣለሉ መድረኽ ኣለና፡፡ ኮታ ብኣንጻር ወተሃደራዊ መምዘኒታት ኩሉ ተኽእሎታትና ከምዝመኸነ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ባይታ ብተግባር ኣረጋጊጽናዮ፡፡ ኣብ ሕሉፍ ብዝተረኣዩ ናኣሽቱ ውግኣት “ተኸኽ ኢልና ግን ኣበይ ንበጽሕ!” ስዕረትናን ሕፍረትናን ተሸሚምና ኢና ወጺእና፡፡ ህዝቢ ብሞራልን ብንዋትን ደጀን እንተዘይኮይኑ፡ ሰራዊት ሞራልን ወነን እንተዘሰኒቑ ኣብ ዝብጻሕ የለን፡፡

5. ስለዚ ነዞም ክስገሩ ዘይብሎም ብደሆታት ምፍታሕን ዘይምፍታሕን ንህልውና ሃገር፡ ግንባርን መንግስትን  ወሰንቲ ጉዳያት ብዛዕባ ምዃኖም ኣብ ቅድሚን ድሕሪን ኢሳያስ ከይተረፈ ተደጋጋሚ ዘተ ብዛዕባ ምክያዶም እዞም ሓሳባት ምቕራቦምን ተሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ነዞም ኢሳያስ ምስ ሓመመን፡ ብወግዒ ኣብ ዝመርሖ መደረኻትን ዝተልዓሉን ነቲ ስርዓት ናይ ምጽጋን ዕላማ ዝነበሮም ርእቶታትን ሕቶታትን፡ ወይ ሰሚዑ ኣይፈትሖም፡ ወይ ከኣ ኣይመከቶም ኣጂልዎም ትም ኢሉ  ጸኒሑ፡፡ ቅሳነት ከሊኦምዎ ስለዝነበሩ ግን “ትክን ኢሳያስን መውጽኢ ኣይስእኑን” ብዝብል ፈሊጠ ኢሳያስ፡ መወጻጽኦ ታክቲካት ከሰላስል ጸኒሑ፡፡ ነዞም ውዲታቱ ንምትግባር ድማ ብሓደ ገጽ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሓበሩ ርእይቶታት ደጋጊሞም ንዘቕረቡ ሰባትን ኣተሓሳስባታቶምን ፋሕ ንምባል፡ ብካልኣይ ገጽ ከኣ ዝኣለሞ ውዲት ኣብ ምትግባር ዝምእዘዙን ዘተግብሩን ሓደሽቲ መሪሕነትን ዝመርሕዎም ትካላትን ንምፍጣር ተንቀሳቒሱ፡፡ በዚ ኣቢሉ ከኣ “ኣይሰላም ኣይኩናት” ኣብ ዝኾነ ከውሊ ተሓቢኡ ከም ኣመሉ፡ ከምቲ ካብ 70ታት ጀሚሩ ኣንጻር ውልቃዊ ኣካይዳታቱ ንዝለዓሉ ተጻብኦታት ኩሎም ንምምካን ክጥቀመሉ ብዝጸንሐ ሜላ ከተግብር ዝከኣሎ ዘበለ ፈተነታት ኣካይዱን ሃሰው ኣብ ምባልን ይርከብ፡፡

እንተኾነ እዚ ታክቲክ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ግዲ ኮይኑ ካብ ፈቲነ ሓሊፉ ዛጊት ኣይሰለጦን፡፡ እቶም ካብ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ተሞኩሮ ወሲዶም ውዳበኦም ኣጻፊፎም “መን ይብሉኻ ንስኻ? እከለ ናብዚ፡ እከሊ በዚ ኢልካ ሰባትን ትካላትን ተከላብት፡ ዝወርድ፡ ዝቕየርን ዝድይብን በዓል ስልጣን ከ በየናይ መምዘኒታት’ዩ?  መን ኢዩ ዝእመን መን ከ እዩ ዘይእመን? ክሳብ መዓስ ከ ብኸምዚ ክትቅጽል፡ ይኣክል ኢሎም ኣትሪሮም በዲሆምዎ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ንኢሳያስ ዓቢ ጽፊዒት ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ሃገርና ፈላማይ ከይኮነ ኣይክተርፍን ተባሂሉ ዝግመት ሚኒስተር ዝኣክል ዓቢ በዓል ስልጣን ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስርሑን ስልጣኑን ለቒቑ፡፡

እዚ ኩሉ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በሪኹ ድማ እንሆ ኣብ ሃገርና እቲ ምፍጣጥ ጎሊሑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሞንጎ ውሕዳት ጀነራላት ዝሓዘ ኢሳያስን ካልኦት ብሓሳብን ብነገራዊ ሓይልን ዝተወደቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ መድረኽ ንሕንሕ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡

ኣብዚ እዋን እቶም ጽባሕ ንዓኣቶም’ውን ከምዝስልበጦም ገና ዘይተረድኡ ሰብ ሓደሽቲ ሽመት በዓል ተኽለ ማንጁስን፡ ሓሊባይን እንተዘይኮይኖም ካልእ ኩሉ ቀሲኑን ንፕረሲዳንት ተማእዚዙን ኣብ ስራሕቱ ዝነጥፍ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት የለን፡፡ ገለ ገሊኦም እውን “ብዘዕባኻዮ ከልቢ ዶ ትንከስ” ክሳብ ዝብል ክልተ ሻዕ ክዛረብ ይገብሩዎ ኣለው፡፡ እንተ በዓል ተኽለ ማንጁስ ግን ከምኒ በዓል ብ/ጀ ወዲ ሊቀ ዝኣመሰሉ እንዳዋፈረ ኣብ ምዕራባዊ እዚ ንዝርከብ ምዱብ ሰራዊት ብዓቕሚ ሰቡ ብሞራሉ፡ መነባብርኡ፡ ኣተዓጣጥቕኡ ክቆጻጸር (Inspect) ክገብሩ ያኢ መሳኺን ኮለል ይብሉ ኣለው፡፡

ገብሪሂወት ዘሞ (ወዲ ሊቀ) ክኾልል ውዒሉ ሚሸት ኣብ እንዳረቂ ኣትዩ “ኣንታ’ዚ ሰብኣይ ዘይካርጀና’ዩ እንታይ ገይርናዮ? እዚ ሰራዊት ካብ ቀሪብካ ብሩሑቕ ክትሰምዖ ኳ ይሓይሽ፡ ሞራል የብሉ፡ ዓቕሚ ሰብ የብሉ፡ ዕጥቁ ዝኣረገ፡ መነባብርኡ ሕማቕ፡ ክቑዝም እንዳወዓለ ነየናይ ሓዲግና ነየናይ ከምንጽብጽብን ከምንቆጻጸርን ኣጸጋሚ’ዩ” ኢሉ ገና ንክ/ሰ 35 ኮሊሉ ከይወጽእ ኣብ ከተማ ተሰነይ ፈዲሕዎ ኣሎ፡፡

እንተ’ቲ ሓሊባይ ካብ ቀደሙ ምስ ኢሳያስ እንዳተሰሓሰሐ’ዩ ሓሊፍዋ፡፡ ኩሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ዝፈልጦ ታሪኽ’ዩ፡፡ እንሆ ሕጂ’ውን ብዘይ ስክፍታ ልዕሊ ዓቕሙ ስልጣን ይስከም ኣሎ፡፡ በዓል ግዜ ኮይኑ ዳርጋ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻልን ገለ ክፋላት ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራን ኣብ ትሕቲኡ ክመሓደሩ ተመዲቦሙሉ ኣለው፡፡ ድሮ ኳ ብኮ/ል ተስፋልደት ይምርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ወኒኑ “ስታፍ ጉዳያት ምክልኻል ቤት ጽሕፈት ፕረዚዳንት”  ብዝብል ተሰይሙ “ፎርም ስርዓት ሓበሬታ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ዝብል ኣስታት 23 ገጻት ዘለዎ ንሕድሕድ ኣባል ሰራዊት መምልኢ ቅጥዒ ኣውሪዱ ኩሉ ኣባል ሰራዊት  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሐ/ምድሪ፡ ኣየር፡ ባሕሪ) ብቀዳማይን ካልኣይን ገጽ ተኸፋፊሉ ኣብ ምስልሳል ይርከብ፡፡ እዚ እቲ ካብ ላዕሊ ክሳብ ብደረጃ ሓይሊ ተዘርጊሑ ዘሎ ቅርጺ (መሓውር) ሚ/ሪ ምክልኻል ብወግዒ ስለዘይተሓበሮ ከኣ ግር ኢልዎ ኣዘራራቢ ዛዕባ እዚ እዋን ኮይኑ ኣሎ፡፡

እቲ ካልእ ኣዛራራቢ ዛዕባ እዚ እዋን ፕረሲደንት ብብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል ክምራሕ ኣብ ዝጸንሐ “ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ” ዝወሰዶ እዋናዊ ስጉምታት ኢዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ 2010 ብላዕለዋይነት ወዲ ካሳ ይምራሕ ዝነበረ “ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ኣብ ክልተ ተመቒሉ ብብ/ጀ ስምኦንን ብ/ጀ ወዲ ካሳን ቀጥታ ናይ ክልቲኦም ርክብ ምስ ፕረሲዳንት ክኾውን ተወሲኑ ሰስርሖም ክዓሙ ጸኒሖም፡፡ እዚ ውሳነ እዚ ድሕሪ ማህረምቲ ስምኦን ገብረድንግል ምስ ናይ ብርጋዴር ጀነራልነት መዓርግ ዝተዓደሎ ኢዩ ነይሩ፡፡

ሕጂ ግን ኣይ ሰሙን ኣይሳምንቲ ከምዝበሃል፡ ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ትሕቲ ወዲ ካሳ ክጥርነፍ፡ ቤ/ጽሕፈቱን ኩሉ ስታፋቱን ናብ ቤት ገርግሽ ክዛውር ብፕረሲዳንት ተኣዚዙን ይትግበርን ስለዘሎ ኣብ ከተማና ኣዘራራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀንዩ፡፡

ስለ ምንታይ ግን? ንዝብል ከኣ ስምኦን ብቐደሙ ብስርሑን ሞይኡን ዝተኣማመን ለይትን ቀትርን ኣብ ልእኹ ዝነጥፍ ሰብ’ዩ፡፡ ብልሽው ተግባራት ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይሳዕረረ ብእዋኑ ፍታሕ ክናደየሉ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ኣቐዲሙ Alarm ገይሩ ኳ ተነበረ ሰማዒ ስኢኑ፡፡ “ፈንቃሊ እምኒ ናብ ነብሱ…” ከምዝበሃል ከኣ እቲ ጉዳይ ከይዱ ከይዱ ስምኦን ብህይወቱ መጺኦሞ ክቐትልዎ ፈቲኖም ግዳይ ወልቸር ገይሮምዎ ግን ህይወቱስ ተሪፋ፡፡ ድሕሪ’ዚ ፕረሲደንት ንዝገበረሉ ናይ መዓርግን ስልጣንን ዕደላ ብዓይኒ ሕሊና ስምኦን ቅቡል ከምዘይነበረ ብገንኡ ይርድኦ ምጽንሑ ፈለጥቱ ይፈልጥዎ ጸኒሖም’ዮም፡፡

እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ ካብ ዝሓለፈ 4- 5 ወርሒ ኣትሒዙ ብዘይዝኾነ ኣዋጅን ምእኩል መምርሒን ብጃምላ ምዕጣቕ ኣመልኪቱ ካብቶም ኣጥቢቖም ዝተቓወሙ ሓደ’ዩ፡፡ ነጥበ ተቓውሞኡ “እዚ ዕጥቂ እዚ ተመሊሱ ንዓና ንመንግስቲ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ክቐንዕ ዝኽእል ሓደገኛ ኢዩ፡ ኣቐዲሙ ከኣ ዝምልከተና ሓይልታት ጸጥታ እዛ ሃገር ክንፈልጦ ይግባእ ነይሩ” ዝብል ኣንዳዕዲዑ ኣቕሪቡ፡፡

መደምደምታ፡– ብምኽንያት ምትፍናን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዕማማት ሚ/ሪ ምክልኻል ደስኪሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብኢሳያስን ብተኽለን ዝምራሕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝተሰየመ ሰራዊት ኢሳያስ ንበይኑ፡ ናይ በዓል እከለ እንዳተብሃለ ዝጽዋዕ “ምዱብ ሰራዊት” ከኣ ንበይኑ ተጎዛዝዩ ኣሎ፡፡

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት ኣስማቶም ምርቋሕ ንዘየድሊ ማእከለዎት መኮነናት ምዱብ ሰራዊት ኣኪቡ “ፕረዚዳንት ስራሕኹም ሕማቕ ኣሎ ይብለኩም ኣሎ፡ ሽግርኩም እንታይ’ዩ? ክብል ምስ ሓተቶም፡ “ሕማቕ ዘለና ንሕና ዘይኮና ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ኣብ ባዕልኹም ኢዩ” ክብሉ መሊሶምሉ፡፡ ቀጺሉ  “ፕረዚዳንት ንጉዳይ ተመላለስቲ ዝበሃሉ ሰራዊት ኣይፈልጦን’የ ይብል ኣሎ ዝገርም’ዩ” ዝብል ዘረባ ደርብዩ መልሲ ከይተጸበየ ሓዲግዎም ከይዱ፡፡

ብካልእ ገጽ ገለ ክፋል ክ/ሰ 525 ካብ ትእዛዝ ፕረሲዳንት ወጻኢ ካብ ከባቢ ማይ ሰራው ንኣስመራ ተደቕዲቐን ኣለዋ፡፡ እቲ ምኽንያት ክስራሕ ጀሚሩ ዝነበረ ቤ/ጽ ተወርዋሪ እዚ ንምምላእ ይበሃል ግን ካብ ቀረባ ርሕቐት ቤተ መንግስቲ ክርሕቕ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሰኖ ተወርዋሪ እዚ ክንሱ ሕጂ ቤ/ጽ ምስርሑ እንታይ ኣድለየ? ዝብል ስግኣት ኣብ ተዓዘብቲ ከይፈጠረ ኣይተረፈን፡፡ ፈለማ ፕረሲዳንት ምስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ስለዝጻባእ ድማ ናበይ ኮን የምርሕ ተወሳኺ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ፡፡

ገለገለ ኣንጽር እቲ ተግባራት ኢሳያስን ተኽለ ማንጁስን ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባላት እቲ ጸረ ኢሳያስ ጸግዒ ዝሓዘ ምዱብ ሰራዊት ንጉሆ ተሲኦም ኣብ ገዝኦምን ቤት ፅሕፈቶምን ኣትዮም እንተ ተደዋዊሎም ወይ’ውን ብኣካል ተራኺቦም “እታ ተዋስኦ ከመይ ሓዲራ?” ብዝብል ኮድ ነንገዛእርሶም ይረዳድኡ ኣለው፡፡ ኩላትና ከምእንፈልጦ ኮማንዶ ‘’07’’ ወይ ድማ እዛ ሎሚ 525 ትበሃል ኣሃዱ ኣብ 20 ግንቦት 1993 ዝገበረቶ ኣድማ ተጋደልቲ ተባሂሉ ምስ ዝፍለጥ ሓያል ተዋስኦ ከምዝነበራ ታሪኽ ዘይርስዖ ሓቂ ኢዩ፡፡ ምስ’ዚ ተዛሚዱ እንታይ ኮን ይስዕብ ዝሰግእ ውሕድ ሰብን ታሪኽ ክድገም ዝጽበ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብን ድማ ኣሎ፡፡

ፕረሲዳንት ሎሚ ከም ትማሊ ድላዩ ክገብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡ እቶም ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾኑ ጉጅለ ድማ ንተሞኩሮ በዓል ወዲ ሰሎምን፡ ጀነራል ዕቑበ፡ ድሩዕ፡ ሸሪፎ፡…ወዘተ ብዝግባእ መዝሚዞም ከምዘይድገም ተወዲቦም ንተንኮላት ፕረሲደንት ከከም ኣመጻጽእኦም ክምክቱ፡ ነብሶም ኣሲሮም ኣብ ምድላው ይርከቡ፡፡

እንተ ጉጅለ ኢሳያስ ከም ልማዳ እከለ ተኣሲሩ ደስኪሉ ወይ’ውን ሰሊሙ ብዝብሉ ኣዳህለልቲ ወረታት ብምዝርጋሕ፡ ንናይ ደገ ደግፍታ ዝቐንዐ ጎስጓስ (ፕረሲደንት ድሕሪ ዓመት ስልጣኑ ንሓዱሽ ወለዶ ከረክብ’ዩ፡፡ ቁጠባዊ ወፍሪ ፈቒዱ፡ ቅዋም ክትግበር’ዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ኢጋድ ናይ ሰላም ዘተ ክካየድ’ዩ፡ ንሰራዊት ውህልል ሰልዲ ክዕደል’ዩ፡ ስንኩላትና መንግስቲ ይሓስበሎም ስለዘሎ ክወግሓሎም ኢዩ…) ብዝብሉ ኣቓልቦታት ህዝቢ ንምዝባዕ ዝካኣላ ኩሉ ብስሩዕን ዘይስሩዕን መገዲ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ፡፡ ክሰልጣ ድዩ ወይስ ከህጥማ እዚ’ውን ንግዜ ንሓድጎ፡፡

ስለዚ “ክልተ ሓራምዝ ክጻልኡ ሳዕሪ የጥፍኡ” ከምዝበሃል እዞም ክልተ ሚዛናዊ ንሕንሕ ዘለዎም ጃንዳታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ንህዝብን ሃገርን ከይለከመ ብኣግኡ ክንሓስበሉ ይግባእ፡፡ ኣብ መስርዕ ሰራዊት ዝርከብ ኣካል ህዝቢ ዝኾነ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኩሉ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክጥምቶ፡ ከይቀደምዎ ንምቕዳም ህዝቢ ብዝለዓለ ደረጃ ትጽቢት ይገብረሉ ኣሎ፡፡

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8085

Posted by on Dec 6 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net