አባላት ተቓወምቲ ኤርትራውያን አብ በይ-ኤርያ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ምስ ወኪል ናይ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ አባል-ኮንግረስ ባርባራ ሊ (Congresswoman Barbara Lee) ተራኪቦም

December 09, 2012

ኤርትራውያን ተቓወምቲ አብ በይ-ኤርያ፡ ኦክላንድ ካሊፎርንያ፡ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ፡ ወኪል አባል-ኮንግረስ ባርባራ ሊ(Congresswoman Barbara Lee) ሎረን ሪግስ ( Ms. Lauren Riggs) ብዕለት December 7, 2012 አብ ቤት ጻሕፈት ኮንግረስ-ውማን ባርባራ ሊ፡ አብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ርክብ ጌርና። አባል ኮንግረስ ባርባራ ሊ አብ ካሊፎርንያ ናይ 9ይ ዲስትሪክት ወኪል እያ። አብቲ አኼባ አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP): አባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ENCDC)፡ አባላት ሓድነት መንእሰያት ንለውጢ(EYSC): ከማኡ’ውን ግዱሳት ሃገራውያን ተኻፊሎም። ምኽንያት ርክብና ብናይ ሐባር ሃገራዊ ድምጺ፡ ነቲ ድምጹ ክየስምዕ ብጨቓኒ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና፡ ድምጺ ክንኮኖን ኩነታት ሕሰም መነባብሮ ኤርትራዊ አብ ሃገርናን ከምኡውን አብ ወጻኢ ንምሕባር እዩ ኔሩ።

ብናይ ዓለም-ለኻዊ ሰላምን ርግአትን (Congressional Aid handling matters of Global Peace & Security)ወኪል ሚስ ሎረን ሪግስ (Ms. Lauren Riggs) ምውቕ አቐባብላ ተጌሩልና። ድሕሪ ሐጺር መእተዊ ዘረባ ምግባርና፡ ሰፊሕ አርባዕተ ገጻት ብመርትዖ ተሰነየ ጽሑፍ፡ ንመሪር እዋናዊ መነባብሮ ኤርትራውያን አብ ሃገርን ወጻእን ዝገለጽ ጸብጻብ ቀሪቡ። እቶም ዝቐረቡልና አገደስቲ ሕቶታት አብ ምምላስ እውን፡ እቲ መግለጺ መሊሱ ሰፊሑ። ከምኡውን ገለ መፍትሒ ኢልና ዝሐሰብናዮም እማመታት ፡ናብ ኮንግረስ ውማን ባርባራ ሊ ምስ መሳርሕታ አባላት ባይቶ ክትዛተይሉን፡ አብ ሃገርና ለውጢ ናይ ዲሞክራስን ሰላምን ንክመጽእ ክድግፉና ጻዊዒት አቅሪብና። ብዝተገበረልና ደገፍን መብጽዓን ከምኡውን ንመጻኢ ብክህልዉና ዝኽእል ዝምድና ዘቲና፡ ብውጽኢቱ ከአ ዓጊብና።

ዲክታትርይዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንአብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን ንምቁጽጻር፡ አባላቱን ደገፍቱን ወዲቡ፡ ድምጽና ክይነስምዕ ንምቑጽጻር፡ ናይ ኮሚኒቲ ፕውሮግራም አምር ዘይውንኑ ሰባት፡ አብ ትሕቲ “ናይ ኤርትራውያን ኮሚኒቲ” ዝብል ናይ ሐሶት ስም ወዲቡ፡ አብ ብዙሐት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ፡ ቤት ጽሕፈታት ከፊቶም ይሰርሑ፡፡ ከም አብነት አብ ኦክላድ ካሊፎርንያ ብECCC (Eritrean Community and Cultural Center) ይፍለጥ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ፡ ንህዝቢ ዘገልግሉ ፕሮግራማት ይኹን አገልግሎታት የብሉን፡ ዓላምኡ እውን አይኮነን። ቐንዲ ስርሐቶም ንኤርትራውያን ምፍርራሕ፡ ሐሶት ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ምዝርጋሕ፡ ህዝቢ ከምዘይሳነ ምግባር፡ ፈስቲቭላት ብምውዳብ፡ ገንዘብ ህዝቢ ምብኻን፡ ከምኡውን ገንዘብ ብገለ ተደናገርቲ ግዳያቶም አቢሎም ብዘይሕጋዊ አገባብ ናብ ስረዓት ህግደፍ ገንዘብ የመሓላልፉ፡፡ ነዚ እውን መግትኢ ክግበሮ ጸዊዕና።

ከምዚ አብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብቐንዱ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ንምግላጽ፡ ከምኡውን ዲክታተርያዊ ስርዓት አብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን እውን ንምቁጽጻር ዘካይዶ ዘይሕጋዊ ስርሐት ንምቅላዕ፡ ምስ አብ ካሊፎርንያ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ዝርከቡ ወከልትና፡ ንጸገማት ኤርትራውያን ክርድእዎን ፡ አብ ፍታሕ ክድግፉናን ክንሰርሕ ጸኒሕና።

አቐድም አቢልና እውን፡ አብ April 2012, ተመሳሳሊ ርክብ ምስ ናይ ካሊፎርንይ ቤት ጽሕፈት-ፍትሒ፡ አተርኒ -ጀነራል ካመላ ሃሪስ፡ (California Attorney General Kamala D. Harris) ርክብ አካይድና። አብዚ ርክብዚ እውን፡ አገዳሲ ደገፍ ተጌሩልና እዩ፡ ብናታ ደገፍ እውን፡ ብቐጻሊ አብ July 2012 ምስ ናይ ከባቢና ቤት ጽሕፈት-ፍትሒ፡ ናይ አላሜዳ ካውንቲ፡ ዲስትሪክት-አቶርኒ፡ ናንሲ ኦማሊ፡(District Attorney Nancy E. O’malley) ርከብ አካይድና። እዘን ክልተ ዓበይቲ፡ ናይ ሕጊ ሰበ-ስልጣናት፡ ንጸብጻባትና ብአቓልቦ ተመልኪተንኦ፤ ከምኡውን ንቐጻሊ ስርሐትና ዘገልግሉ ደገፋት ረኺብና።

ከምዝዝክር፡ አብ ዝሓለፈ፡ October 2011, እውን ሐደ ዕውት ዝኾነ ርክብ ምስ ናይ ደሞክራት፡ አባል ባይቶ ካሊፎርንያ፡ ማይክል አለን (California Assembly Member, Michael Allen) አካይድና ኔርና፡፡ ንዘቕረብናዮ ጸብጻብ ናብ ኩሎም አባላት ባይቶ ካሊፎርንያ ምትሕልላፉ፡ ከምኡውን ንቐጻልነት ስራሕና ዘጋልግሉ ሐበሬታ ምሃቡ፡ ንስርሐትና ማዕጽኡ ክፉት ምግባሩን ዝብሉ ይርከብዎም።

ቀንዲ ካብቶም ዝዘተናሎም ነጥብታት፡

 ጉድይ ግህሰት ሰብአውን፡ ሐርነታዊን መሰላት አብ ኤርትራ

 ጨካን ኢ-ሰብአዊ አተሐሕዛ ንናይ ፖለቲካ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ናይ ሕልና፡ እሱራት አብ ሕቡእ ቤት ማእሰርትታት ስርዓት ህግደፍ

 ሕሰም-ጉዳይ ስደተኛታት አብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ጅቡቲን፡ እስራኤልን

 ስቃይ ስስደተኛታት አብ ሲናይ፡ መጭወይቲ፡ ንግዲ ሰባትን፡ ክፋላት-አካላትን

 ባርነት መንእሰይ አብ ኤርትራን ሳዕቤናቱን

 ገባቲ ፖሊሲ ህግደፍ ዘስዓቦ፡ ኢኮኖምያዊ ውድቀትን ድኽነትን

 ሐደገኛ ፓሊሲ ህግደፍ፡ አስገዳድ ብአልማማ ብረት-ምዕጣቅ ፡ ክሳብ ንደቂ ለዕሊ 60 ዓመት ዕድመ ዘለው

 አብ ጎረባብቲ ቀርኒ-አፍሪቃ-ሃገራት ህውከት ምፍጣር፡ ናይ ኤርትራ ካብ ዓለም ተነጽሎ

 ደገፍ ንምሉእ ትግባረ፡ ነቲ ብ UN ሐሊፉ ዘሎ ክልተ እገዳታት፡ 1907/1844 ከምኡውን 2023/1862

 ደገፍ ነቲ አብ መስርሕ ዘሎ፡ እገዳ ግህሰት-ሰብአዊ-መሰላት ዝምልከት

 ንዘይሕጋዊ አቓውማ ናይዘን፡ ብስም ናይ “ኤሪትራውያን ኮሚኒቲ” ኢለን ዝሰርሐ ትካላት ህግደፍ፡ አብ ልዕሊ ኤርትራውያት ዝፍጽምዎ በደላትን፡ ዘይሕጋዊ ተግባራቶምን

 ነዚ አብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ጉዳያት ብዝርዝር ገሊጽና፡ ከምኡውን ሐያሎ ቅቡላት መርትዖታት አቅሪብና::

አባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ENCDC
አባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)
አባላት ሓድነት መንእሰያት ንለውጢ(EYSC)
ግዱሳት ሃገራውያን
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና!!! ውድቀት ንጠላማት

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8103

Posted by on Dec 10 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net