ውዕሎ ሸፊልድ፡ ዓወት መንእሰያት (ስመርርር!) — ስዕረት ወዲ ገራህቱን ኮራኹር (ወይጦታት) ህግደፍን ዘግሃደት ፍጻሜ

እቲ ብተደጋጋሚ ተደራረብቲ ውርደት፤ ፍሽለትን ስዕረትን አብ ከተማታት ማንቸስተር፤ ሊድስ፤ በርሚንግሃምን ከጓንፎ ዝጸንሐ ዕሱብ ወኪል ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ህግደፍ፤ ከም መቐጸልታ ናይ ምድንጋር ዕማሙን ተልእኹኡን አዳህሊሉ አብ ከተማ ሸፊልድ ከካይዶ ዝሓሰበ አጀንዳ አልቦ አኼባ ምስ ገለ ዉሑዳት መጋበርያኡ ሓያል ተቓውሞ አጋጢምዎ፡ ፡ እቲ ዕሱብ፤ ወዲ ገራህቱ ዘይከም አመሉ ነቲ አኼባ ብምጥንቃቕ ብመራኸቢ ብዙሃን አቐዲሙ አይቃለሖን ካብ ከምዚ ዝአመሰለ ተቓውሞታት ብአግኡ ከየጓንፎ ብምሕሳብ፡ ፡ ሳላ ተቓወምቲ ፍቓድ ክዋሃበና ካብ ፖሊስ ክንቃወሞን፡ ከነቃልዖን አብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብ ዓባይ ብሪጣንያን አባላት ባይቶ (ፓርላማ) ዓዲ እንግሊዝ ‘ምበር ንሱስ ከይተፈልጠ ከም ሰራቒ አዳናጊሩ ንወይጦታቱ እዩ በጺሑ ክምለስ ሓሲቡ፡ ፡
አብቲ ትማሊ ሰንበት 09/12/2012 ብተቐማጦ ሸፊልድ ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ፡ አቐዲሞም ብዙሓት መንእሰያት ካብ ከተማታት ሎንደን፤ ማንቸስተር፤ ሊድስ፤ ዌክፊልድ፤ ኖቲንግሃምን ካልኦት ከተማታትን ዝተሓወስዎ አዝዩ አድማዕን ውጽኢታውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህግደፋውያን ራዕድን ሽቕሮራን ዝፈጠረሎም ‘ውን ኢዩ ነይሩ፡ ፡ ምዑታት መንእሰያት (ስመርርር!) እናበሉ ነቲ ቦታ አኼባ ሃጂሞም ብምውራር ” ንሕና ደቂ-ሃገር ዘይብሉ መን እዩ ብዛዕባ አጀንዳ ኤርትራ ዝዛረብ” ብምባል ነቲ ህንጻ ወይ አዳራሽ ናይ አኼባ ንሓያሎ ሰዓታት ተቛጻጺሮሞ፡ ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንዓ በጃኻ ክፉእ ከይተርእየና ኢሎም መኮንናት ፖሊስ እንግሊዝ አብ ልዕሊኡ ሓደጋ ከይወርድ ብምስጋእ ንዕሱብ ወዲ- ገራህቱ ብፍሉይ ሓለዋ ዓጂቦሞ ድሕሪ ምእታዎም ናብቲ ህንጻ፡ አብ ሓንቲ ፍልይቲ ክፍሊ ዓጽዮም ከይትወጽእ ካብዚ ኢሎሞ፡ ፡ ካብቲ ዘደንጹ እቶም ብበጃኹም ዝተአከቡ ወይጦታት ህግደፍ ብሕንከት ክመቱ ደልዮም፤ ዘመነ-ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ!ኮይንዎም ነገራቱ ‘ምበር ካብ መዓስ ደአ ሕግን ስነ-ስርዓትን ተረዲእዎም ኮይኑ፤ እንታይ ድአ ተረኺቡ ደቀይ? እታ ዝርድእዋ ቋንቋ ሰጉድ! ተቀሪባ ስለዝነበረት፤ ፈሪሖም አብ ገዛእ አዳራሾም ጸጸግዖም ሒዞም- ከም ቀደም ይመስለክን– ውሕጅ ከይወስድክን ምስላ ብዘዘኻኽር መንገዲ ተቐጺዖም ትም ኢሎም፡ ፡ ስለ’ዚ ደቂ-ኤረይ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንህግደፍ አላሽ አቢሎም– ሚዛን ሓይሊ መጥቃዕቲ ናብ ተቓወምቲ ተቓለስቲ ከም ዝተቐየረ ብግብሪ ተረጋጊጹ አሎ፡ ፡
ጽንጽዋይ ወዲ-ገራህቱ!
እቲ ካብ ሰዓት 12 አትሒዙ ንሰዓታት ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክልፍልፍ ክውዕል ዝሓሰበ ወዲ ገራህቱ ብሰሪ እቲ ዘጋጠሞ ተቓውሞ እቲ አኼባ ተደናጉዩ ዳርጋ ሰዓት 5 አቢሉ ኢዩ ተጀሚሩ፡ እዚ ‘ውን እንተኾነ ሳላ ምትእትታው ብዙሓት ሓይሊ ፖሊስ፤፤ በቲ ክክሰት ዝወዓለ ኩነታት ዝተዳህለን ዝተሳናበደን ዕሱብ ወዲ- ገራህቱ ከም አመሉ ግን ብድኹም ድምጺ “ሲአይኤ ወያነ፡” ጸጸኒሑ ከአ “ኤርትራ አቤት ትምዕብሎ ዘላ ድሕሪ ቀጠር እታ ዝዓበየ ቁጠባዊ ዕብየት አብ ዓለም ተመዝግብ ዘላ ሃገር ኢያ፡” ካብ ዝገርመኩም ኤርትራ ሓንቲ ካብተን እንኮ 6 ሃገራት ናይ ው.ሕ.ሃ ናይ ሚሊኒዩም ሸቶ ነጻ ካብ ድኽነት ዝብል ውጥን አብ 2015 ከተዐውት ኢያ ተባሂላ ዘላ ኢያ፡ ፡” ካልእ ዓለም ዝቐንአልና አብ መብዛሕትኡ መሬት ኤርትራ ብብዝሒ ብሉጽ ማዕድናት ተረኺቡ አሎ፤ ብፍላይ እኳ እምባደርሆ አብ ወርቂ ኢያ ኮፍ ኢላ ተደኩይና ዘላ፡ ፡ ስለዚ ከአ ኢዮም ወያነን ሲአይኤን ጥመር! ‘ዶ ስመር! ዝበሃሉ ጉጅለታት አቑዩሞም ክዋግኡና ዝሕልኑ ዘለዉ፡ ፡ አስዒቡ ዋላ ምስ አቦይ-እዝጊ ኢዩ ክማጎት ደልዩ መስለኒ ሎሚ ዓመት ሓያል ዝናብ ኢዩ ሃሪሙ ብምባል ዳርጋ እቲ ዝናብ ‘ውን ብሓይሊ ነቢ ውልቀ-መላኺ ኢዩ ሃሪሙ ክብል ምስ ሰማያዊ አምላኽ ከወዳድሮ ቅሩብ ተሪፍዎ፡ ፡
ቀጺሉ ቅጭ መጺእዎ ኢዩ ግዲ ምጥቓዕ ዝለመደ ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ዘይአመሎም ወይጦታቱ ጸጥ ኢሎም ስለዘየጣቕዕሉ፡ ሓሲኻ ዝብልዎ ዘለዉ መሲልዎ- ዝለመዶ ስኢኑ ነታ አብ ጥቕኡ ኮፍ ኢላ አብ መድረኽ ዝነበረት መንእሰይ አማሓላሊፍዋ፤፤ ንሳ ብወገና ከምዚ ደብዛዝ ጣቕዒት ዝወሓዶ አኼባ ርእየ አይፈልጥን ኢላ ድሕሪ ምውቃሳ፤ ሕጂ ሃየ አጣቕዑ ኢላቶም፡ መሳኪን ናይ ንእስነትካ አብ ቤት- ትምህርቲ ተማሃሮ ዝገብርዎ ዝነበሩ የዘኻኽረካ፤፤ አይጸንሐን ፖሊስ ግዲ ተቓውሞ ካብቶም አብ መእተዊ አፍ-ደገ ዝተረፍና በርቲዕዎም አብ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ቀልጢፍካ ወድእ ዝብል ጸቕጢ እንተበዚሕዎ ወይስ ኩነታት እቲ አኼባ ደቢርዎ ሃየ ናብ መድረኽ ሕቶን መልስን ንእቶ በለ ብሃታ-ሃታ፤፤
መድረኽ ሕቶን መልስን
ብጠቕላላ ካብ ፍርቂ ሰዓት ዘይበዝሕ፤ ካብ 5 ዝኸውን ሕቶታትን ርእይቶታትን ኢዩ ተፈቒዱ፤፤
1. አብ ከተማ ሸፊልድ 3 ጥራይ ኢዮም ተቓወምቲ፤ እቶም ካልኦት ገሊኦም ምስ ሓለፍቶም ወይ መራሕቲ ጋንታታቶም ኢዮም ተባኢሶም ‘ሞ ኩራ ስለ ዘለዎም ዘይተዛርቦም? ካብቶም ተቓወምቲ ሓደ አሎ አብ ከተማ ዌክፊልድ አሽሓት ዶላራት ሰሪቑ መጺኡ” ትብል ሓውሲ ሕቶን ርእይቶን ብበረኸት ተኸስተ ( መራሒ ታኽሲ) ቀሪባ፡ ፡ ዝተዋሃበ መልሲ ናይ አቃጫጭ ከአ ‘ሞ ምስ እዞም ምስ ወያነ ኮይኖም ዝዋጕኡናስ አይንዛረብን ድሕሪ ምባል ንሓደ ንዙረት ናብ ሸፊልድ ዝተማልኦ ዘይርጉእ መንእሰይ ህግደፍ ዝብል እስከ አብርሃሉ ኢልዎ፡ ፡ ሽዑ እቲ ቆልዓ ትቕብል አቢሉ መርአያ ዓቕሙን ብስለቱን ዋላ ነቶም ኮራኩር ህግደፍ ለኪሙ ብአልማማ እዞም ካብ ኤርትራ ሃዲምኩም ዝመጻኹም ናይ ኣእምሮ ነውጽን ምምዝባልን ስለ ዘለዎም ርጉአት አይኮኑን በዚ ምኽንያት ድማ ተቓወምቲ ይኾኑ” ብምባል መሊስሉ፤፤ ሕሱር ከም መጠን ነብሱ የሕስረካ……….
2. አስደማሚ ሕቶ ወ/ሮ ንግስቲ፡ አብ 1970ታት ብሃይማኖት ኦርቶዶክስ ገይሩ ሃይለስላሴ ጎበጣኡ አስፋሕፊሑ አብ ልዕሊ ኤርትራ ብሓገዝ ሲ.አይ.ኤ ድሕሪ ናጽነት ከአ ብጴንጠ ነይሩ አፍሺልናዮ፤፤ ሕጂ’ውን እንተኾነ ወያነን ሲ.አይ.ኤን ብመንገዲ ኦርቶዶክያዊት ቤተ ክርስትያን ገይሮም ምስ አብ አሜሪካ ዘለዉ ጳጳስ ገይሮም ይኸፋፍሉና አለዉ፡፤ እዚ ከይአክል ብአውራጃ ‘ውን ይኸፋፍሉና ስለ ዘለዉ ጣልቃ አቲኻ ሽግራትና እባ ፍትሓልና?? መቸም ወዲ ገራህቱ ባእሲን ዕግርግርን ሰሚዑ ይሕጎስ ‘ምበር እንታይ ዓጢጥዎ ደአ፤፤ ስለዚ ነዛ ሕቶ ከይመለሳ ዘሊልዋ ኢዩ ሓሊፉ፤፤ ካብ ክቱር ተርባጽ ሕቶ ው/ሮ ንግስቲ ሓደ ነገር ትግንዘብ፤ ንሱ ከአ ነቲ አብ ቤተ ክርስትያናት ንወይጦታት ህግደፍ አብ ሸፊልድ ዝተዋህቦም ናይ ምብታን ዕማም ከም ዝፈሸሎም ይበርሃልካ፤፤ ‘ምበር እዚ ኩሉ ዓበይቲ ቆልዑ ኮራኩር ህግደፍ እንኮላይ ካብ አመንቲ ካቶሊክ አኽቲትኩም’ሲ ይሰልጠኩም ደአ በልና ‘ምበር– ሕጂስ ዋላ አብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ተሳዒርኩም፤፤ በጃኹም ይግባይ በሉ!
3 ለበዋ ኣርካን (ተሳርያም) ፍስሃየ ወዲ-ሸያቦ፡ ሓደ አብ ስዑድያ ዝተወልደ መንእሰይ ንኤርትራ መጽሓፍቲ ክሰድድ ደልዩ አሎ እሞ ሃየ £900 ፓውንድ የድሊ አሎ እሞ አዋጽኡ ዝብል ኢዩ ነይሩ፤፤ አታ አርካነይ እቲ ምውጻእ ‘ሲ አይምተጸልአ ግን እዚ ወርቂ ብሻ ዝውንን ዝዓበየ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግብ ዘሎ፤ ንመላእ ህዝቢ ብነጻ ከም ግልያታት ዘስርሕ፤ ንዓኻ ‘ውን ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ልኢኹ ተመልሊስካ ከተገልግሎ ዝጽበ ሃብታም መንግስቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ስርዓት ህግደፍ ‘ሲ ካን £900 ስኢኑ፤፤ ነውሪ ኢዩ አብ ቅድሚ ህዝቢ ከምኡ ኢልካ ምዝራብ– ካብ ኩሉ እዞም ተቓወምቲ ሰሚዕናካ፤፤ ነዚ ዘይትኸውን ኢኻ ‘ምበአር ሃገራዊ ኢየ፤ ሃገራውያን ኢና ትብል፤፤
4 ሚልዮን ዝተባህለ መንእሰይ ዘቕረባ ወጣሪት ሕቶ፡ ” ክሳብ ሎሚ ሰሚዕናካ ብዙሕ ክትዛረብ ብዛዕባታሉታዊ ተራ ሲ.አይ.ኤ አብ ዋሕዚ መንእሰያትና ናብ ስደት፤ ንምዃኑ ነዞም መንእሰያት ንበይንና አኪብካ ብዛዕባ ምኽንያት ናብ ስደት ምውሓዝና ከተጽንዕ ክሳብ ሕጂ ተበግሶ ዘይምውሳድካ እንታይ ኢዩ” ኢሉ ምስ ሓተቶ ወዮ ዕሱብ ወዲ ገራህቱ በታ ዘይተጸበያ ሕቶ ተሓርቢቱ፤ ቁሊሕ ምሊሕ ብምባል ንቁሩብ ካልኢታት ተዓኒዱ ሱቕ ኢሉ፤ ሃየ ሰዓት አኺሉ ኢሉ ሓሊፍዋ
5 ካብ ሊድስ ዝመጸ- ቅድሚ ሕጂ ብደጋፊ ህግደፍ ዝፍለጥ ዝነበረ፤ ሕጂ ግን???? ከምዚ ክብል ደፊሩ ሓቲትዎ ” ስማዕ እስከ ንስኻ ከም አምባሳደር መጠን ስራሕካ ብግቡእ ዘይተመሓድር– ገዛኻ ከየጽረኻ እንታይ ይዓብስ ንኻልኦት ምውቃስ፤፤ ንሕና ብዙሕ ግዜ ክንረኽበካ ንፍትን የለኹን ተብል፤ መሳርሕትኻ እንተኾነ ስርዓት፤ ክብረት ናይ ሰብ የብሎምን፤ ክረዳድኡኻ አይክእሉ፤፤ ንሕና ብዛዕባ ናይ እዞም ናብ ሲናይ ዝሸጡ ሰባትን ዝተሓባበሩን ገንዘብ ዝቕበሉን አብ ውሽጢ ኤርትራን አብ ወጻእን (እንኮላይ ኤውሮጳን) ሓበሬታ ከነተሓላልፍን ክንተሓባበር ንደሊ– ንሱኹም ግን ግዲ አይትገብርሉን” ኢሉ ብነድሪ ተዛረቦ፤፤ ወዮ አምሰሉ ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ደሓን ክነግሮም ኢየ ንመሳርሕተይ፤ አብ መጻኢ እንተደሊኻ አብ ናይ ርእይቶ ሳጹን መልሲ-ዕንጋለኻ ናባይ ብፍላይ ኢልካ ግደፈለይ” ብምባል ናይ ሸፈጥ ቃላቱ ገይሩ ከጥብሮ እናፈተነ፡ አስዕብ አቢሉ ድማ ከማኻትኩም ዝአመሰሉ ኮርዮም ክገድፉና አይንደልን ኢና ኢሉ ብልመና ዘስምዕ መንገዲ ተማሕጸኖ፡ ፤ ብድሕሪ እዚ ናብቲ ናይ ወርትግ ሕማሙ ተመሊሱ “ርኢኻ ንሕና አብ ውሽጢ ኤርትራ ንራሻይዳ አሳጋገርቲ ሰባት ክሳብ ተጋደልቲ መስዋእታ እናኸፈልና ንቃለሶም አይኮነን ግን ነቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ንሕና ከም ድሕሪ ዓይንና ዘሎ ኩነታት ገይርና ኢና ንገልጾ፤፤ ንምዃኑ አብዚ ጉዳይ ራሻይዳ ይኹኑ በደዊን ብኻራ ገይሮም ቀዲዶም ኩሊት የውጽኡ ይመስለኩም– እዚ ‘ውን ሲ.አይ.ኤ ዘለውዎ ጉዳይ ኢዩ”
አብ መወዳእታ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝመጻእና መንእሰያት ተቓወምቲ ዝኾንና ሓጺር ናይ ሌላ ዕላል ብምክያድ በዚ ዝተጓናጸፍናዮ ዓወታት ከይተዛነነ፤ ብዝለዓለ ውዳበን ወንን ተወሃሂድና ንጥፈታት ተቓውሞ ከነሐይሎ ምዃንና አብ ምርድዳእ በጺሕና፡ ፡ ርኽክባትና ‘ውን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም አካላት ቀጻሊ ምዃኑ ተሰማሚዕና አለና፤፤ አብቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ፈተውቲ ኤርትራ ዝኾና እንግሊዛውያን ተረኺበን ነይረን፡ ፡
ዓወት ንደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ኤርትራ!
ውድቀት ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ህግደፍ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8112

Posted by on Dec 11 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net