ደምዳሚ ኣዋጅ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ 26 ሕዳር ክሳብ 04 ታሕሳስ 2012 ቅልጡፍ ኣህጉራውን ዞባውን ምቕይያራት ኣብ ዘንጸባርቐሉ፡ ንምስግጋር ደሞክራስያዊ ለውጥታት ዘተባብዕ፡ ምፍርራስ ጨቆንቲ ስርዓታትን ውዲታቶምን፡ ብኣንጻሩ ምህናጽ ፍትሕን ሕግን ማዕርነትን ዝነግሳ ሃገር ኣብ ዝገሃደሉ ዘሎ ህሞት’ዩ ተሰላሲሉ። እዚ ምዕባሌታት’ዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብውጽኢት’ቲ ንበይኑ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብሒቱ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊስታት፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ቁጠባውን ውጽዓታት ተመሳሳልነት ዘለዎ’ዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ብርቱዕ ማዕበል ስደት ደቂ-ሰባት ፈጢሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ፋሕ ክብሉ ብድሕሪ ምግዳዶም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ሂወቶም ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝንፈግሉ ውድዕነት በጺሑ ምህላዉ ድማ የረጋግጽ።

ኣብ ዞባዊ መዳይ ድማ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብስንኪ’ቲ ንህዝብና ዝበታትን ውሽጣዊ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተኸተሎ ፖሊስታት ጽልእን ቅርሕንትን እቲ ረኸብዎ ዝነበረ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ዝኸሰረሉ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ። እዚ ስርዓት’ዚ ከኣ ንሰላምን ጸጥታን ናይዚ ዞባ’ዚ ስግኣት ኮይኑ ብምርካቡን ምርግጋጹን ተደጋጋሚ ማዕቐብ ኣብ ዝተወሰነሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ኣብዚ ዞባ’ዚ ብሰውራታት ዓረብ ኣቢሉ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታትን ዝገድፎ ኣውንታዊ ጽልዋታቱን ነቲ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ቃልስና ዓቢ ምልክት ዝኾነ ብውጽኢት ናይቲ ብሕዳር 2011 ዝተሰላሰለ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ኣቢሉ ዝተጠነፈ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝውከል ደምበ ተቓውሞ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥር’ዩ።

 

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ንሕሉፍ ንጥፈታት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶን ዝተፈላለዩ ኣካላቱን ከምኡ’ውን ስርሓት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ብዕምቆት ገምጊሙ። ብሓፈሽኡ ከኣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋሳ ዝተሰላሰለ ዕውት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጸደቐ ሰነዳት ምርኩስ ብምግባር፡ ናብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ፍትሒ፡ ልዕልነት ሕጊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ብዙሕነት ብናጻነት ዝንጸባረቐላ ሃገር ንምስግጋር ዝካየደ ዘሎ ቃልሲ፡ ንስርሓቱ ዝእምትን ንውሽጣዊ ዝምድናታቱ ዝሰርዕን ረቋሒታት ኣካውና ሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ንሓባራዊ ድሌት ዘንጸባርቕ ኣካላቱን ንምምዕባል፡ ንመሰረታዊ መትከላት ደሞክራሲ ዘኽብር ትካል ንምስግጋሩ ብዕቱብ’ውን ተመያይጡ።

 

ኣብቲ ንኣኼባ ዝቐረበ ጸብጻባት ንሕሉፍ ተመክሮ ንጥፈታት ሃገራዊ ባይቶ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ዝተፈላለዩ ኣካላቱን ብድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥን ገምጋምን ምክያድ ድማ ኣጽዲቑ። ንሕሉፍ ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታውን ካብ ዝሓለፉ ጉድለታት ዓቢ ትምህርቲ ብምውሳድን ከኣ፡ ንስርሓቱ ዘማዕብል ሓፈሻዊ መደባት ሓንጺጹ። ከምኡ’ውን ኣብ ሕገ-ህንጻ ሃገራዊ ጉባኤ ተሞርኲሱ፡ ንዕለታዊ ስርሓት ሃገራዊ ባይቶ ዝገዝእ፡ ንዝምድናታት ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዝሰርዕ ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቑ።

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ንደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብዕቱብ ዘትዩ። ብስደተኛታት ኤርትራውያን ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስደትን ጎረባብቲ ሃገራትን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጸገማት ብምድህሳስ፡ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማቶም ናብ ጉዳዩ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ማሕበራት ብድሕሪ ምብጻሕ ሓላፍነቶም ዝስከምሉ ኩነታት ንምፍጣር ጻዕርታቱ ከዛይድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ኣኼባ ሓፈሻዊ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ሰደተኛታት ክሰላሰል ዘለዎ ተደላይነት ብምግንዛብ፡ ዝምልከቶም ኣህጉራውን ሃገራውን ኣካላት ዝሳተፍሉ ጉባኤ ክካየድ’ውን ጸዊዑ።

ከምኡ’ውን ኣኼባ ኣብዚ ኣገዳሲ ታሪኻዊ መድረኽ’ዚ ንውድዕነት መንእሰያት ኤርትራ ዓቢ ትኹርት ሂቡ ተመያይጥሉ። መንእስያት ብድሕሪ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስልሳሉ፡ ዘርእይዎ ዘለዉ ምዕባሌታትን ንጥፈታትን ብምትብባዕ፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ኣብ ገድላዊ ዕዮታትና ሓጋዚ ተራ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ኣኼባ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ መንእስያት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተጠኒፎም ኣብ ኤርትራ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከም ቀንዲ ሞቶርን ሰራውር ቃልስን ምዃኖም ብምግንዛብ፡ ንኩሉ-መዳያዊ ተበግሶታትን ንጥፈታትን መንእስያት ብምድጋፍ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጠቕላላ ጉባኤ ንምስልሳል ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ብምሉእ ሓይሉ ክተሓባበር ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ከምኡ’ውን ኣኼባ ወተሃደራዊ ስርሓት ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ክዓዪ ዘለዎ ተደላይነት ብዕምቆት ብድሕሪ ምምይያጥ፡ ደሞክራስያዊ ለውጥታት ንምርግጋጽ ምስ ትጽቢታት ህዝብናን ቃልስናን ዝሳነ ንቅድመ ምድላው ዝሕግዙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ። ውድቀት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍ መጻኢ መደባት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ክልተ ኣገዳሲ ክፋላት፡ ምምዕባል ዜናዊ ዕዮታትን ወጻኢ ዝምድናታቱን ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ተገንዚቡ።

 

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ከም ሓደ ኣካል ንሓድነትን ቀጻልነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ስግኣት ኮይኑ ዝነበረ፡ ንባሕቲ መስከረም 2012 ኣመልኪቱ፡ ነቲ ምልክት ምጅማር ሃገራዊ ተጋድሎ ዝኾነ ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ዘጸልም፡ ብትርጉሙ ከኣ ንፍትሓዊ ቃልሲ ሰውራና፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእትን ንደም ስውኣትን ዘቆናጽብ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወጸ ዘይሓላፍነታዊ ኣዋጅ ዓወቱ ኣረጋግጹ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ነቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ ክስሕብን ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ክሓትትን ንምዕጋብ ብዙሕ ጻዕርታት’ውን ኣካይዱ’ዩ። ኮይኑ ግን እቲ ምንቅስቓስ ብመርገጹ ብምድራቁን ብቀጻሊ ከኣ ነቲ ብሃገራዊ ባይቶ ዝቐረበ መማረጺ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ብምንጻጉን ኣኼባ ኣባልነት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ክሳብ’ቲ ኣብ መጻኢ ዝሰላሰል ጉባኤ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክድስክል ወሲኑ።

 

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ መተካእትኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ትጽቢት ህዝብና ዘንጸባርቕን ሓባራዊ ረብሓታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዘውሕስን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተወከለ ደምበ ተቓውሞ ዝገብርዎ ዘለዉ ሕውነታዊ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ምስጋናኡ ገሊጹ።

 

ከምኡ’ውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ኣብ ሃገራት ዞባና ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ለውጥታት ናእድኡ ብድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ጎኒ ኣሕዋት ኣህዛብ ደው ከም ዝብልን ደሞክራስያዊ ተመክሮታቶም ክብ ከብሉን ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ህዝብና ካብዚ ድርብ ታሪኻዊ ተመክሮታት ዞባናን ዓለምን ንሓርነት፡ ፍትሕን ደሞክራስን ንምርጋግጽ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ፍሪኡ ክሓፍስ፡ ከምቲ ኣህዛብ ዝተጎናጸፍዎ ክጓናጸፍ፡ ኣብ ጎኒ ህዝብና ደው ክብሉን ንቃልስታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ክደጋገፉን፡ ኩሉ-መዳያት ሓገዛት ከበርክትሉን ጸዊዑ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብጥብቂ ኮኒኑ፡፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ከኣ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት መንግስታት ንጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘጻሪ ፍሉይ ጸብጻቢ ክምዘዝ ምውሳኑ ድማ ዝለዓለ ናእድኡ ገሊጹ። ኩሎም ዝምልከቶም ዞባውን ዓለምለኻውን ሰብኣዊ ማሕበራት ከኣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝካይዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከቓልዑን ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ ማዕቐብ ክተርርን ኣበርክትኦም ክገብሩ መጸዋዕትኡ ኣቕሪቡ። ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ብዝበለጸ ክንጸል፡ ንክብሪ ኤርትራዊ ዜጋታት ንምግሃስ፡ ንጸጥታን ሰላምን ዞባ ይኹን ዓለም ንምዝራግ ዘለዎ ዓቕምታት ንምልማስ፡ ኩሉ ጻዕርታቶም ከበራትዑ’ውን መጸዋዕትኡ የቕርብ። ብተመሳሳሊ ከኣ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ሓይልታት፡ ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብና ክድግፉን ኣብ ምንጻል ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣበርክቶ ክገብሩን ተማሕጺኑ።

 

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝብና ብመንገዲ ዞባዊ ሽማግለታቱን ዝተፈላለዩ ኣካላቱን ኣብ ክሉ ክዓስሉን ንኩሉ መዳያት መስርሕ ዕዮታቱ ንዋታውን ፖሎቲካውን ደገፋት ብምብርካት፡ ኩሉ ዓቕምታት ህዝብና ንረብሓ ዕላማታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምውዓል፡ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምቕልጣፍ፡ ኣብ ኤርትራ መተካእትኡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ንጡፍ ተሳትፍኦም ከበርክቱ ጸዊዑ።

 

ኣኼባ እምነቱ ኣብ መሪሕነት ባይቶ ብምሕዳስ፡ ካልኣይ ጸሓፊ መሪሕነት ኤርትራዊ ባይቶ ብምምራጽን ቦታ ብምምላእ፡ ብተወሳኺ’ውን እምነቱ ኣብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣሓዲሱን ኣብ ገለ ኣብያተ ጽሕፈቱ ክፉት ቦታታት ክመልእ ሓላፍነት ብምሃብ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና

 

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

05 ታሕሳስ 2012 ኣዲስ ኣበባ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8139

Posted by on Dec 17 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net