ቅድሚት ኪድ …… ሪት ለስ….. ጠጠው በል !?

ብዑመር ጃብር ዑመር

 ምምጻእ ሓድሽ ዓመት ንሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ከም ዝፈጸመ ንምምዛን ጠጠው ዝብለሉ እዋን ኮይኑ … ዘሳለጦን ዘይኣሳለጦን  ይርኢ።ሓደ ነጋዳይ ድማ ሕሳባቱ ገማጥሉ መኽሰቡን ክሳራኡን ይመዝን።ብተመሳሳሊ ኣገባባት ዓበይቲ ትካላትን መንግስታትን ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳትን ከይተረፋ ንጉዕዞታተንን መርገጻተንን ይቆጻጸራን ይመዝናን ።

ክልተ ዓይነት ምምዛን ኣሎ፡-

ቀዳማይ – ብባዓል ቤታዊ ይኹን ወድዓዊ ምኽንያታት ጉዕዞኻ ምስ ዝጓናደብ ንምግምጋም ጠጠው ትብለሉ እዋን ኮይኑ፡ እዚ ንባዕሉ ኣብ ክልተ ይምቀል ።

  1. እቲ ሓደ ወገን  ከም ዝነደየ እኳ እንተ ኣወጀ ብፍሽለቱ ስሌ ዘይኣምን  ፡ እቲ ኣበጋግሳ  ጌጋ ስሌ ዝነበረ እዩ ብምባል ዕቡይነትን መመኽነይታን  ይሕዞ።ብሓጽሩ እቲ ውጥን ወጻኢታቱ ዝያዳ ካብ እቶቱ ኮይኑ ከምቲ ዝተገመተን ትጽቢት ዝተገብረሉን ኣይኮውንን ። ኣብነት ናይዚ ድማ ንምሳሌ ኣብ መርበብ ዓዋተ ሓደ ባእታ ” ኣበጋገሳ ገድሊ ኤርትራ ብመሰረቱ ዕብዳን  እዩ ነሩ እምበር  ንሕና ኤርትራዊያን ካብዚ ዘሎናዮ ኩነታት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ምሃለና ” እንዳበለ ዝጻሓፎ ጽሑፍ ሓደ ኣብነት እዩ …!? እዚ ቀቢጸ ተስፋዊ ኣበሃሃላኡ ወይ ጽሑፉ ብጉሁድ እትዮጵያዊያን ኮይና እንተንኾውን እሉ ደምድሙዎ እንተዝኾውን ናብ ሓቂ ዝቀረበ ምኾነ ….. ማለት ዋላ ከም እትዮጵያዊያን ዜጋታት ወጹዓት እውን ንኹን ሓንቲ ካብተን ኣውራጃታት ናይ እትዮጵያ ከምምዃና መጠን ፡ ዋላ ከም ሓሳብ ብመሰረት ቅዋም ናይ እትዮጵያ ከምቶም መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝተፈቅደለሎም ወገናት እትዮጵያ ምኾና ማለት እዩ!! እዚ ጉዳይ ድማ ሽግር ናይ ሃገርነት ወይ መንነት እዩ ዘመልክት …. እዚ ሰብ ንህይወቱ ካብ ምድላይ ናጽነትን ፡ክብረትን ፡ሓጎስን ፡ብሃገራውነትካ ምሕባናንን ዘርሓቀ ይመስል ….

ንምዃኑ ርእይቶኡ ናይ ምግላጽ መሰሉ ድዩ ዝጥቀም ዘሎ ? ኣይኮነን። ምኽንያቱ ርእይቶታትካ ብዛዕባ ጨንፈራዊ ወይ ሓድሽ ነገራት ወይ ድማ  ተርእዮታት  ምግላጽ ግድን እዩ …. ሃገራዊ  ቅዋማትን ወሳኒ ጉዳያትን ግን ብህዝባዊ ውከሳ ( ሪፈረንዶም ) እዩ ዝውሰን ። ብጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ዝተፈጸመ ሪፍርረንዶም ድማ ነዚ የመልክት ። ዮሴፍ ገብረህይወት ድምጹ ኣይሃበን ድዩ ? እንታይከ  እሉ ?….እወ እሉ ክነሱ ሎሚ ይጣዓስ እንተዳ |ኣሊዩ ይርስዕ ወይ ይጋጌ ኣሎ እየ ዝብሎ …. ኣይፋል እንተዳኣ እሉ ኮይኑ ድማ ዲሞክራስያዊ መሰሉ ኣዘውትሩ እዩ ….. እንተዳኣ ናብ ኣዲኡ እትዮጵያ ክምለስ ደልዩ ድማ …. ሓደ ሰልፊ ኣቁሙ ህዝቢ ኤርትራ ዳግመ ውከሳ ሪፈረንዶም ንክገብር ከእምኖ ኣለዎ።ወይ ድማ  እትዮጵያዊያን ዝያዳ ተወሳኺ ተቀማጦ ዘድልዮም እኳ እንተዘይኮኑ  ናይ እትዮጵያ መንነት ክሕዝ ኣለዎ ። እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ኣተሓሳሰባን ምድንጋራትን ወይ ኣረኣኣያን ድማ መንጸብረቅታ ናይ ዓቅሊ ጽበትን ቅብጸትን ስሌ ዝኾነ ንሓደ ሰብ ናብ ናይ ሓንጎል ምርባሽን ናይ ኣረኣኣያ ምድንጋራትን የእቶዎ ። ብናይ ዳርዊን ባህሪ ሓሳብ theory (ቲዮሪ )ዝኣምን እንተኾይኑ እውን፡ኣነ ናብ ህበይ እንተዝምለስ ምሓሸኒ ይብል ማለት እዩ  ። ወይ ድማ ብፍጹም እንተዘይህሉ ምሓሽኒ ኣብ ምባል ይበጽሕ ….. ብኣምላኽ ዝኣምን እንተኾይኑ ድማ ስሌምንታይ ኣምላኽ ፈጥሩኒ ኣብ ምባል ይኣቱ።እዚ ተርእዮዚ ብሓንጎል ምሽክዕላል ስሌ ዝኮነ ሓደ ሰብ ንድሕሪት ይምለስ እሞ ፡ ምምላሱ ኣብ ናይ ቀደም ቦታ ዘይኮነስ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ወይ ዘመን ይኾውን እሞ ፡ ንግዜ  ኣብቲ ንሱ ሕጂ ጠጠው ዝብለሉ ወይ ዝርከበሉ ቦታ ክመልሶ ይፊትን ማለት እዩ!? ኣተሓሳሰባኡ ኣንቆልቅሉ ድማ ኣረኣኣያዩ ኣብቲ ኣዚዩ ለጠቅ ዝበለ ደረጃ ሸሎው ይብል ።

  1. ካልእይ ወገን ድማ – ፈሽሉ ክነሱ ብምፍሻሉ ስሌ ዘይኣምን ይዕወት ኣለኹ እሉ ይፍክር!

ብሩህ ኣብነት ናይዚ፡  ስርዓት ኤርትራ ወይ እስያስ ብቀንዱ እዩ !! ነዚ ጉዳይ ንምርግጋጽ ኩሎም ሰባት ዝፈልጡዎ ነገር ስሌ ዝኮነ ክትዕ ኣይየድልየናን …. ድሕሪ ናጽነት ገዛኢ ዲክተይተር ንኤርትራ ናይ ኣፍሪካ ሲንጋፎራ ክገብራ እየ እሉ ነፍሕታት ኣካይዱ ….. ፈሽሉ ድማ ንኤርትራ ናይ ኣፍሪካ ባንጋላደሽ ገሩዋ…. ነገሩ ድማ ከምቲ ኳኽ ልዕልነት ዘሎዎ ኣካየዳ ( ጣዉስطاوس ) ( peacock) ክኸይድ ኣሎኒ ብማለት ፈተናታት ኣካይዱ  ፡ ምዃን ምስ  ኣበዮ ፡ ኣብቲ ናይ ቀደም ኣካየዳኡ ክምለስ ደልዩ ፡ ስሌ ዝረሰዖ  ድማ ነገሩ  ካብ ቦታ ናብ ቦታ ጥር ጥር ምባል ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ ከምዝባሃል ኮይኑ ! ምስ ጀቡቲ ዝፈላሊ የይብልናን ብምባል ኣሉ ክብል ጸንሑ ፡ ምልስ እሉ ናይ ቃጣር ሽምግልና ስሌ ዝሓተተ ቃጣር ሓይልታታ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኣቀምጣ !?  እትዮጵያ ካብቲ ሕዛቶ ዘላ  መሬት ኤርትራ ከይሳሓበት ዶብ ንምሕንጻጽ ምስኣ ኮፍ ኣይንብልን ክብል ጸንሑ …. ምስ ሓድሽ ጠቅላይ ሚኒስተር ናይ እትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ኮፍ ንምባል ቅሩብ ምዃኑ ኣፍልጡ ካብ ቃጣር እንደገና ሞንጎንኘት ሓቲቱ !? ኣብ ሶማል ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዓለም ለኸን – እትዮጵያን ውዲት እዩ ፡ ኣብ ሶማል ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ የሎን ክብል ጸንሑ …. ካብ ቱርኪያ ሞንጎንኘት ሓቲቱ !? ነዚ ናይ ኤርትራ ተዋቃዒ ኩነታት  ፡ እቲ ወናም ኤርትራዊ ደራፋይ ኣማንኤል ዘሚንኪኤል ኣብታ ወርቂ ቢሻ ትብል ደርፉ ብልክዕ ገልጹዎ እዩ ። በቲ ጥዑም ቃሉን ቛንቛን ክትሰምዖ ዝሓሸ ስሌ ዝኾነ ድማ ካብታ ትሕዝቶ ናይታ ደርፊ ዝስዕብ  ጥራሕ ይጠቅስ ፡-

–      ወርቂ ክንሽለም እንዳ ተጸበና ብሬት ተዓድልና

–       መገድታት ጸሪግና ሓጽብታት ናይ ማይ እውን ሰሪሕና ይብሉና…..ሰብ ድማ ኣብ ኣስመራ ንጣብ ማይ ክረክብ ኣብ መስርዕ ጠጠው ክብል ይውዕል ኣሎ  …….  ወዘተ. ይብል።

እቲ እንኮ እዚ ስርዓት ዝተዓወተሉ ነገር እንተሎ ድማ ገና ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮፍ እሉ ምህላዉ እዩ !

           እቲ ካልኣይ ዓይነት – ተቆጻጽሩ ዘዒሪ ኮይኑ ቀናን ነገር ምስ ዝራኣዮ ብዘይ ዕቡይነት ብቀጥታ ንምዕራዩ ይጓየ….ኣወንታዊ ነገር ምስ ዝድህስስ ድማ ንምኽዕባቱን ንምስፋሑን ጻዕሪታት የካይድ…. ካብ ሓይልታት ተቃውሞ እንደልዮን እንሓቶን ነገር ድማ እዚ እዩ…. ንኣሉታታት ሰጊሮም ካብ ታሪኽን ህሉው ተሞክሮታትን ትምህርቲ ክቅስሙ ንደሊ…ናብዚ ገጹ ዝደፍእ ተስፋታትን ምልክታታትን ድማ ኣሎ ፡-

  1. ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይምዕብልን የሰፋሕፍሕን ኣሎ ። ንምሳሌ  ኣብዚ መወዳእታ እዋን ኣብ ጄነብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊታትን …ኣብ መላእ ኢሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራሊያን ዝግበር ዘሎ ንጥፈታትን፡

  2. መቃልሕ ዜና ኣብ መርበባዊ ትካላት ይኹን ኣብ ናይ ምምይያጥ ( ባልቶካት መስመራት ) እናደንፈዐን እንዳበረሀን እንዳተዋሃሃደን ይኸይድ ምህላዉ ፡

  3.  ኣብዚ መወዳእታ እዋን ኣብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ዝተረኽበ ንጹር  ምምማይ ንጎዞ መጻኢ መድረኽ ዝእምት ምዃኑ…..

  4. ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝረኤ ዘሎ ናይ ሓድነትን ምውህሃድን ተበግሶታት ንህዝባዊ ምንቅስቃስን ናይ ውደባ ስራሓትን ዝያዳ ዘደልድልን ዘሰፊሕን ምልክታታት እዩ ….

  5. መርገጻት ተቃውሞ ንምዝርጋሕ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓለም …ትወተር  ንምብጻሕን ዝዕላማኡ ሓድሽ ምዕቡል ኣገባባት ምምሃዝ !!

ኣብዚ መዳይ ግደ ወናማት ኤርትራዊያንን ፡ ጻሓፍትን ፡ ገጠምትን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፉ ኤርትራዊያን ምጥቃስ ግድን ይኾውን ምኽንያቱ ድማ እዞም ኣካላት ሃገራዊ ንቅሓት ክብ ንምባልን መርገጻት ንምንጻርን ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ ተዘክሮ ንምብርባርን ዝጻወቱዎ ግደ ዓብይ እዩ ።ይኹን እምበር እዚ ኩሉ ኣኻሊ ኣይኮነን…..ምኽንያቱ ድማ እቲ ስርዓት ኣብ ዓጸሮ ሞት ስለ ዘሎ እዚ ታሪኻዊ ዕድል ብንቅሓትን ብእስትራቲጂካዊ ኣጠማመታን ክረኤ ኣለዎ ።

መጻኢ ዕድል  – ብርግጽ ስርዓት ኤርትራ ውሽጣዊ ሽግራቱን  ካብ ወጻኢ ዓለም ምንጻሉን ደምርካ ፡ ህላወኡ ዝህድድ ጠንቅታት የጓንፎ ኣሎ  –  ይኹን እምበር እዚ ናይ መወዳእታን ፍጹም ኩነታትን ኣይኮነን – ንባብ ኣልማንዳብ ገጽና  ግልጽ ምስ እንብል ፡ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መጻኢ ፡ ናይ ዞናዊን ዓለም ለኻዊን ቁርቁስ ሜዳ ክኾውን ምዃኑ ይራኣየና ። እቲ ናይ ኣመሪካ በይናዊ ዕብለላ እናተረፈ ይኸይድ ኣሎ  …. እተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተኣኻኽበን ዘሎዋ ናይ ውግእ መርከባት  – ናይ ኣመሪካ – ሩስያ – ቻይና – እስራኤል – ኢራን – ናይ ሓድነት ኢሮፓን ክኾና ከሎዋ ኩለን ንህላወኤን ዘቅርባኦ ምስምስ ፡ ናይ ባሕሪ ቅርሰና ምክልኻል ዝብል እዩ !?

ንፍኑው ስርዓት ኤርትራ እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ሽግራት ስሌ ዘመስጦ ከም ዕድል ወስዱ ዝከላኸለሉ ሃገር ንምርካብ ይጥቀመሉ ! ይኹን እምበር ኣንውሑ ስሌ ዘይጥምት ዝምድናታቱ ምስተን ነንሕድሕደን ዝፈራረሃ ሃገራት ክገብር ንርኦ – ማለት በቲ ሓደ ወገን ንእስራኤል ኣብ ደሰታት ኤርትራ ክትህሉ ከፍቅድ ከሎ ኣብ ኢራን ድማ ኢምባሲ ይኸፊት !? እዚ ድማ ብእንቋቆሖን እምንን ምጽዋት ማለት እዩ  !

ናይ ኢራን ፕሪስደንት ድማ ( ምስ ኤርትራ ዘሎና ዝምድና ዶብን ቀጥዕን የይብሉን ይብል ) !! እስራኤል ከኣ ንተቃወምቲ ኤርትራዊያን ካብ ሃገራ ተባርር !

እንተ ናይ እትዮጵያ ቅድመ ኩነት ብዘግድስ  – ብሩህን ብጠለባቶም ዝተቀየደን  ኮይኑ፡ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዝምድና ኣብ ክንዲ ሓደ ዲክተይተር ዊን ከም ዝበሎ ዘገላብጦ ነገር ዝኾውን  ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ዝብል እዩ ። ኣብዚ ዞና ዘሎ ቃልሲ ምስ ዝምዕብል ድማ ኤርትራ ከም ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር በጃ ናይዚ ቃልሲ ከይኮነት ኣይትተሪፊን እያ ።

ተቃውሞ ኤርትራ ብዘገድስ ፡ ንደቂ ደቂኻ ዝዝንቶ ታሪኽን ነበረ ነበረን ጥራሕ ኮይና ከይትተሪፍ ንነፍሳ ካብቲ ተሸኽላትሉ ዘላ ናይ ምብትታንን ሕድሕድ ምቅንጻልን ዓዘቅቲ ኣላቂቃ ፡ ክተሰምር ዳኣምበር ክትበታትን የይብላን – ድምጺ ናይቶም ኣብ ሃገርና ግዳይ ወጽዓን ጭቆናን ኮይኖም ዝሳቀዩ ዘሎዉ ደቂ ሃገር ኮይና ፡ ገለጻ ናይቲ  ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ዝነጽግ ዘሎ ደላይ ናጽነትን ክብሪን ዝኾነ ህዝብና ክትኾውን ተደላይ እዩ – ብሃገራዊ መቆሚታትን ልዑላዊነት ሃገሪን ነጻ ኤርትራዊ ውሳኔን ድማ ክትቅየድ ኣለዋ። እዚ ምስ ዝኾውን ዝኾነ ኤርትራዊ 2% ዘይኮነስ 100% ኤርትራዊ እየ ክብል ይኽእል ።

ኣምላኽ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ።

ዕለት 14/12/2012 ኣብ ፋራጃት ብዓረብኛ ዝወጸ

              ብ ዓ. ሓ. ዝተቶርጎመ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8142

Posted by on Dec 18 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net