ሓበሬታ ካብ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 15

24 ታሕሳስ 2012

ሰላም ወጋሕታውያን ‘ዚ ሓበሬታ ከም ግብረ መልሲ ንጻውዒትኹም ክውሰደልና ነዘኻኽር።

ከም ዝፍለጥ ንመላእ ሓይልታት ምክልኻል ብሬድዮና ወጋሕታ ጻውዒት ካብ ዝመሓላለፍ ጀሚሩ ሰራዊት ምስ ሙሉእ ዕጥቁ  ብጉጅለ ናተወዳደባ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ብጻዕቒ ምፍራሱ ንኢሳይያስን ደገፍቱን ኣሻቓሊ ዛዕባ ከይንዎም’ዩ። ‘ዚ መዕገቲ ተሳኢንዎ ዘሎ ኩብለላን ስግረዶብን ኣሃዱታት ባዶ ስለዘትረፈን ያኢ መተሃዳድኢ ተኾነ ተባሂሉ ካብ ናይ ኢሳይያስ ኣፍልጦ ወጻኢ ዘይስሩዕ ናይ ገለ ኣሃዱታት ዓመታዊ ኣኼባታት ይግበር ኣሎ። ካብተን ዓመታዊ ገምጋም ክገብራ ዝፈተና ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊትና 15 ሓንቲ’ያ። ክፍለ ሰራዊትና ብኮነሬል ሃፍቱ ገብረእንድርያስ (ዕውር) ትምራሕ ክነሳ ነዚ ኣኼባ በብብርጌዱ ናዘረ ዘካየዶ ግን ሓለቓ ስታፍ ክፍለ ሰራዊትና ሌ/ኮ መሓሪ ግርማጽዮን (ወዲ ግርማጽዮን) እዩ ነይሩ። ኣብቲ ብዕለት 14/12/2012 ዝተኻየደ ኣኼባ ወዲ ግርማጽዮን።

ዕላማ ኣኼባ ኢሉ ዝነገረና

1. ማሕበራዊ ናብራ ሰራዊት

2. ድፋዕ ምጽጋንን ምስራሕን

3. ጉዳይ ስግረዶብን ምኹብላልን ዝብላ ነይረን።

ወዲ ግርማጽዮን ጸቒጡ ዝተዛረበላ’ዛ ሳልሰይቲ ኣጀንዳ’ያ ነይራ።

ስግረዶብ ዝጸንሐ ዋላ ተኾነ ሓዱሽ ተርእዮ ናይዚ ዓመት’ዚ ግን ናብ ቤተሰብ ኢልካ  ከይድካ ብኡ ስግረዶብ ምኻድ ዘይኮነካ ካብ መስርዕ ኣሃዱኻ በግ ኢልካ ምጥፋእ ዘገርም ተርእዮ ኾይኑ ኣሎ “ክብል ፍሉይነት ስግረዶብ ‘ዚዓመት ገሊጽዎ’ዩ። ብመልክዕ ጸብጻብ ኣሰንዩ ክገልጾ ከሎ ከኣ “ ኣብ ክፍለ ሰራዊትና ኣብዚ ቐረባ እዋን ጥራሕ ጠቕላላ 27 ሰባት ንስግረዶብ ተበጊሶም ‘ቶም 17 ክሰግሩ ከለዉ’ቶም 10 ጥራሕ ተታሒዞም ኣለዉ” ።

ካብ ኩሉ ዘሕዘነና ግን ይብል ሓለቓ ስታፍና ዘረብኡ ብምቕጻል ንሕክምናን ዕረፍትን ተባሂሎም 70 ሰባት ሰዲድና 10 ጥራይ ክምለሱ ከለዉ ‘ቶም 60 ብኡ ጠፊኦም’ዮም። ንኣካዳሚያዊ ትምህርቲ 91 ሰባት ተሰዲዶም 44 ጥራይ ተመሊሶም እቶም ዝተረፉ ብኡ ጠፊኦም’ዮም  ‘ዚ’ዩ ደንጽዩና ዘሎ።  ስምዑ’ስከ ‘ዛ ሃገር ንመን ገዲፍኩምዋ ትኸዱ ኣለኹም ንሕናዶ ደኣ ኣብዛ ሃገር ንበይንና ታይ ኣለና ‘ዩ? ክብል ብኣንጸርጽሮት ገሊጽዎ’ዩ።

ብሰራዊት ዝቐረበ ሓውሲ ተቓውሞ ርኢቶታት

–   ዕረፍቲ ኣይትህቡናን

–   ብሞሳታት ማሳ ጌርኩምና

–   ንስኹም ኣይትኣምኑና ንሕና ኣይንኣምነኩም። ‘ቲ ጸገም ናትኩም’ዩ።

–   ደቅና ብክቱር ጸገም መሸፈኒ ዕርቓኖም ስኢኖም ኣለዉ ወዘተ… ዝብል በዳህቲ ሓሳባት ቐሪቦም።

–   ዝተወሃቦ ምላሽ

መራሒ ኣኼባ ኮለል ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ጥሉል ሓበሬታ የለን። ነቲ ሕቶ ገዲፉ ምጉብዕባዕ እዩ ቐጺሉ “ ክሳብ ሎማዓንቲ ኣብዛ ዓመት ‘ዚኣ ካብ ወያነ ሓደ ወተሃደር ኣይመጸናን ንስኹም ግን በብመዓልቱ ናብ ወያነ ትኸዱ ኣለኹም ‘ዚ ንዓና ዘሕፍር’ዩ ክብል ምስሃደደና ብዙሕ ምዕዝምዛም ስለዝበዝሐ እወ ይርድኣና’ዩ ፡ማሕበራዊ ኩነታት ዝምልከት ዘቕረብኩምዎ ንሕና’ውን ይርድኣና’ዩ ግን ተጸመሙ ኣማራጺ የለን ታይ’ሞ ክንገብር፡ ክብል ኣይብሱል ኣይጥረ፡ መደዓዓሲ ዘረባ ተዛሪቡ ሓሊፍዎ። ዘረብኡ በዚ ኣብ ክንዲ ምዝዛም ኣቱም ገለ ሰባት ኣብዚኣ ዝኾነን ዘይኮነን ሕቶታት ተልዕሉ ግን ኮነ ኢልካ ምልዕዓል’ዩ ዝመስል ንኣብነት ንስኻ ኣታ ኣብቲ ዘለኻ መራሒ መስርዕ ክንስኻ ሕቶኻ ንበይነይ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ኣብዚኣ ዝተዛረብካላ ምኽንያት ምልዕዓል እያ ተጠንቐቕ ክብል ሓይሊመልጢ ዘረባ ስለዝተዛረበ ብምዕዝምዛም ኣኼባ ብብቱን ክፋኖ ጌርዎ ኣሎ። ድሕሪ ኣኼባ ኩሉ ሰብ ኣታ በቃ ኣኺልዎም’ዩ ‘ዞም ደገፍቲ ኢሳይያስ ሎሚሲ፡ ተወዲብካ ምኻድ ዘጥፍኡ ይመስሉ፡ ገለኤን ኣሃዱታት ይእከባ ‘ቶም ገለ ከኣ ብዘይላዕለዋይ ኣካል ኣፍልጦ ኣኼባ ከይግበር ዝብል መምርሒ የውርዱ። ኣብዚ ኹሉ ኣኼባታት ትሕቲ ሓለፍቲ ክፍላተ ሰራዊት ዘለዉ ኣዘዝቲ ዋላ ሓንቲ ብሒም ዘይምባሎም ኣፈላላይ ከምዘለዎም የረድእ ክብል ሰብ ነናይ ባዕሉ ገምጋማት ክወስድ ተዓዚብና ኣለና። ብምዃኑ ከኣ ዛትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓመት ጸሓይ ኢሳይያስ ናዓረበት ባና ህዘብናን ሰራዊትናን ከኣ ናተኾለዐ ዝመጸላ ሓዳስ ዓመት ክትኸውን ኩሉ ይትስፎ ኣሎ። ብዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንብል

ካብ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 15 ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ባዳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8182

Posted by on Dec 26 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net