“ይቕሬታ!”

ካብ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ባለነኪ

28 ታሕሳስ 2012  (ፍሉይ ሓበሬታ!)

እዛ “ይቕሬታ” ዘርእስታ ብኣግኡ ክትዝርጋሕ ዝሰዳ ዘለኹ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፡፡ “ይቕሬታ” ብካልኦት ኣህዛብ ልምድቲ ግን ከኣ ረዛን ቃል’ያ፡፡ ብወገን መንግስቲ’ዚ ሃገር  ብፍላይ ከለኣ’ሞ ብፕረዚዳንት ቅድምን ድሕርን ናጽነት ብጌጋ’ውን እዛ ቃል ክትመልቆ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን፡፡ ሎሚ ሚሸት ግን ብጌጋ ዘይኮነ ብግህዶ ሕመረት መደርኡ ኮይና ክትስማዕ ልዑል ትጽቢት ተነቢርሉ’ሎ፡፡

እንተ ኣነ ነቶም ተጸበይቲ ሓሳባትኩም የስምረልኩም፡ እንተኾይኑ፡ ዘዝቐደመ ኣይኽፋእ’ምበር ብ”ይቕሬታ!” ምስ ፕረዚዳንት ክላቐቕ ዝሓስብ ዜጋ እንተሎስ ግጉይ’ዩ በሃሊ’የ፡፡

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ሎሚ ዕለት 28 ታሕሳስ 2012 ካብ ሰዓት 8፡00 ሚሸት ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2013 ኣብ ድሮኡ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ቃለ መሕተት ከካይድ ምኻኑ ኣቐዲሙ ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ፡፡

ነባሪ ህዝቢ አስመራ፡ ሰራዊት፡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮታት መንግስትን ግንባርን፡ ኮታ ኩሉ ዝላዓለ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓዱሽ ቃል ፕረዚዳንት ከምዘሎ ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ’ዛ ከተማ ይላባዕ’ሎ፡፡

ህዝቢ ብዝለዓለ ዝጽበዮ ዘሎ ሓዱሽ ቃል ፕረዚዳንት፡ ንሱን ብጾቱን ዘሕለፍዎ መሪር ቃልሲ ንናጽነት ኣዝዮም ከቢድ ዓቕልን ተጸዋርነትን ዝሓቱ ከበድቲ ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጻብኦታት በዲሆም ነጻን ለኣላዊትን ሃገር ኣብ ምርግጋጽ መተካእታ ኣልቦ ወይ ከኣ ኣዝዩ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ንባዕሉ ከም ተጋ/ኢሳያስ መጠን ምእንተ’ዛ ሃገር ክብል ከበድቲ ብዶሆታት ሰጊሩ ፈታዊን ጸላኢን ዝፈልጦ ዕዙዝ ናይ መሪሕነት ተራ ብምብርካቱ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጸብለል ዝብል ሕዙእ ቦታ ክወሃቦ ብምሕጽንታ መደርኡ ክፍልሞ’ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው፡፡

ድሕሪ ናጽነት ማለት ቅድሚ 21 ዓመት ጀሚሩ ኤርትራ መዳርግቲ ሲንጋፖር ንምግባር ምሕላም ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገነት ንምፍጣር ዓበይቲ ባሕግታት ኣንቂሉ ከምዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ምውሓስ ንኤርትራ ኣኺሉ ንጸጥታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ዘውሕስ ሰራዊት ንምህናጽ ክበሃል ኣዝዩ ገዚፍ ወተሃደራዊ ትካል ንምፍጣር ተንቀሳቒሱ፡ ነዚ ገዚፍ ሓይሊ ጸጥታ ዝጸውር ቁጠባዊን ፊናንሳዊን ዓቕምታት ንምውህላል ከኣ ጻዕርታት ምግባሩ፡ እንተኾነ እዚ ብናይ ግዳም ሓይልታት፡ ሓሳዳትን ዮወሃትን ጎረባብቲ ብኣሉታ ተራእዩ ከበድቲ ሕልኽላኻት ኣጓኒፎም፡፡ ብዙሕ ከይሰጎመ ከኣ ንጽቡቕ ዝሓሰብናዮ ብኽፉእ ዓይኒ ተጠሚቱ፡፡ እዚ ኣጠማምታ ካብ ግዳም ሓሊፉ ንውሽጢ ሊሒኹ ኣብ ተኣፋፊ ደርጅኡ ድማ በጺሑ ብምባል ክገልጽ ትጽቢት ይግበር፡፡

ምናልባት ብገርሂ ልብና ንጽቡቕ ድሌት ሓሲብና ተበጊስና ነይርና ክንብል ንኽእል፡፡ እንተኾነ ግና “ሓደ ሰብ ርእስኻ የላን እንተይልካ ትም በል፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ርእስኻ የላን እንተይሎምኻ ግን ሃሰስ በላ” ከምዝበሃል ብውሽጥን ብደገን ዋሕዚ ወቐሳን ተግሳጽን ካብ በዝሐ፡ ንዓኻ ጽቡቕ ዝመስለካ፡ ንብዙሓት ሕማቕ ኮይኑ ካብ ተረኽበ ይቕሬታ ሓቲትካ ቦታኻ ነቶም ጽቡቕ ክገብሩ ዝደልዩ ሰብ ተስፋ ሰባት በሉ ፈትንዎ፡ ኢልካ ምሕዳግ፡ ኣታሃድማ ዕቡያት ዘይኮነ ናይ ለባማት’ዩ፡፡

ኣውራ ከኣ ቅድም ቐዳድም ንኽብረትን ምውሓስ ለኣለዊነት ሃገርን ተባሂሉ ኣብ’ዛ ሃገር ካብ ባዕለይ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ትሕተይ ዝርከቡ ሓለፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ሃገራዊነትን ተንበርካኽነትን ዘርኣዩ ዜጋታት ዝተወስደ ሓድሓደ ንቡር ማእሰርትን ካልእ ስጉምታትን ኣሎ፡፡ እዚ ቅጽዓታት’ዚ ምእንተ ኢሳያስ ወይ ከኣ ካልእ በዓል ስልጣን ተባሂሉ ዝተገብረ  ዘይኮነ ምእንተ’ታ ሃገር’ዩ፡፡ ምናልባሽ ኣብ ኣፈጻጽማታቱ ጉድለታት ኣይነበሮን ክበሃል ዝከኣል ግን ኣይኮነን፡፡ ብኣውርኡ በዚ ተግባር ባህ ዘይብሎም ብዙሓት ዜጋታት’ዛ ሃገር ክህሉው ስለ ዝኽእሉ ኣብ ኣፈጻጽማታቱ ንዝትረኣዩ ጉድለታት ይቕሬታ እሓትት፡፡

ካብ’ዚ ሓሊፉ ተሪፉ ምስ ውልቃዊ ጉዳያት ዝዛመድ ዘሕትት ኣበራት ኣለዎ ኢሉ ልዕሊ ይቕሬታ ንዝሓስብ ሰብ እንተሎ ግን ኣነ ንገዛእ ነብሰይ ካብ ተሓታትነት ዝኽወለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይክህልወንን’ዩ ንኹሉ እንተታት ድልው ኣለኹ፡፡

ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ክፍታሕ’ዩ፡ ርእስና ክንክእል ኢና፡ ተመጽወቲ ኣይንኸውንን፡ ንንእሽቶ ግዜ ንጸመም፡ እንዳበልና ብዝተፈላለየ ሃለኽለኻት ክንቅጽሎን ተስፋታት ክነንብረሉን ዝጸናሕና ቁጠባዊ ልምዓታትን ትሕተ ቅርጻዊ ስራሕቲ’ዛ ሃገር፡ ከይዱ ከይዱ ልዕሊ 20 ዓመት ኣቑጺሩ ክንሱ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዝድህሰስ ዝጭበጥ ውጽኢት ኣብ ክንዲ ዘምጽእ ሽግራት እንዳሳዕረረ ብምኻድ ህዝቢ ቀረብ ባኒ፡ ልቺ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ዕለታዊ መግቡ ዘብስለሉ ጋዝ እኳ ክረክብ ኣይከኣለን፡፡ ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ንሕሱም ዓጸቦ፡ ስደትን ምንክርታትን ዝተዳረገ ዜጋ በቢግዚኡ ይዛይድ ኣሎ፡፡

እቲ እንምከሓሉን እንንየተሉን ዝነብርና ሓይልታት ምክልኻል’ዛ ሃገር’ውን እንተኾነ ብናይ ባዕልና ምሕደራዊ ጸገማት፡ ናይ ቀረብ ሕጽረታት (ወተሃደራዊ ንዋትን ኣስበዛን ሰራዊት) ባዕልና ኣዳኺምናዮ ሞራሉ ወዲቑ፡ ተስፋታቱ ማህሚኑ ተደፋሪ ገይርናዮ፡ ሓፊርና ኣሕፊርናዮ ጸኒሕና፡፡

ስለዚ ንዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ዝገበርኩዎ ጻዕሪን ጽቡቕ ምንዮትን ኣብ ክንዲ ዘተኣማምን ዘላቒ ዕብየት፡ ሱር ዝሰደደ ድኽንት እንዳኾነ እንዳቀጸለ ካብ ከደ፡ ህዝቢ’ዛ ሃገር ክርህዎ ካብ ዘይከኣለ፡ መደራጉሕ ክሳብ ዝጸቕጠካ ምጽባይ ተራ ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነት ህዝቢ ምዝንጋዕ’ውን ስለዝኾነ፡ ኣንቱም ህዝቢ! ኣይከኣልኩምዎን’ሞ ንዝሓለፈ ዘይደግም ሰብ ክርከበኒ ክተፍቅዱለይ ብትሕትና እሓትት ምባል ብልህነት’ዩ፡፡ ክብል ነቲ ክብሎ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ቃላት’ውን ከይተረፈ እንዳስተንተነ እቲ ትጽቢት ህዝቢ ናብ ዝለዓለ ብራኸኡ በጺሑ ኣሎ፡፡

ኣብ መደምደምታ ሓሳብ ፕረዚዳንት ኣነ ንገዛእ ነብሰይ ንቃልስን ጉዳይ’ዛ ሃገርን ቀንዲ ዋኒነይ ገይረ ክሳብ ሎሚ ተጋዲለ፡ ሕጂ እቲ ዕድመ’ውን ኣይቀለለን: ምስኡ ከኣ ጥዕና ኣይጸገብኩን ኣለኹ፡ ድቃስ ምብዛሕ ኣሎ፡ ወንጃዕጃዕ ምባል ኣሎ፡ ኮታ ብዙሕ ጸገማት ኩሉ ኣተሰኣነን’ሞ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሎሚ ጀሚርካ ነዛ ብሓጎጽጎጽ ናብዚ ዘብጻሕናያ ሃገር ብኣኻእሎ ዝኣልን ዝመርሕን ሰብ ክትህባ ለበዋ ኣቕርበልካ፡፡

ሰናይ ናይ ሰላምን ራህዋን ሓዱሽ ዓመት ክኾነልና እምነ! ዓወት ንሓፋሽ!! ኢሉ ነቲ ቦቕባቕ መሓሪ ህዝቢ ኤርትራ ክሓትት’ዩ፡፡ እቶም ሓለፍቲ’ውን በዚ ምድላው ከይገበሩ ዝጸንሑ ኣይመስለናን፡ ዝብል ሓሜት ተባሪዑ ኣሎ፡፡

ብዝኾነ ከም ቶም ጸዓዱ ዝብሉዎ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዱሽ ዓመት ኣመኽንዩ ንንሕድሕዱ ዝተሓታተሉ ህያብ ትሕዝቶ ስለዘይጸንሖ ክንደየናይ፡፡ “ይቕሬታ!” ብትብል ናይ ፕረዚዳንት ህያብ  “ሳርፕራይዝ” ክኾውን ግን ዓቢ ተስፋ ብዙሓት ኮይኑ’ሎ፡፡

እንተ ገለ ገለ ግን ኢሳያስ ባዕሉ ብገዛእ ነብሱ ስልጣነይ ተረከቡኒ ክብል’ዩ ኢልካ ምጽባይ  ኣካል’ቲ ገለ ቻይናውያን ዓለም ኣብ 22 ታሕሳስ 2012 ክትጠፍእ’ያ ኢሎም ከውርዩ ዝቐነዩ’ሞ ዛጊት ’ዛ ንዕለት 28 በጺሓ ዘላ ዓለም ከምዝኾውን ኣይንጠራጠርን ዝብሉ ወገናት ከኣ ኣለው፡፡

እስከ ፈጣሪ ጸጽቡቑ የስምዐና።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8197

Posted by on Dec 29 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net