ምልክዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ስርሑ ኣየጓደለን ! ሙሉእ ብምሉእ!

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

20 ሰን 2010

እዚ ሙሉእ ብምሉእ ዝብል ኣርእስቲ ምስልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ብሓጎስ ተድላ፡ ብሰላም ስኒት፡ ፍቕርን ልውሃትን፡ ዕብየትን ራህዋን ብምልኣት ሃገራዊ ሓድነት ዝገልጽ ዘይኮነስ፡ ብሙሉእ ጥፋእ፡ ንዴት፡ ሓዘን፡ ምፍልላይ፡ ክሳራ፡ ጸልማት፡ ስደት ሞት፡ ሓዘን ስቓይ፡ ዘይፍትሓዊ ማሕበራዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ድርሰት’ዩ። ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ካብ ዝተለሞ መደብ ሓደ ብሓደ እንዳኣተግበረ ካብ ምፋጽም ዓዲ ኣይወዓለን። እንሆ ከኣ ዝቐረቦን ዝረሓቆን ከም ከም ሕንዚ ዝናኸስ ዕዀት፡ ጸላኢ እምበር ፈታዊ ዘይብሉ ስርዓት መደባቱ ንምፋጽም ይጓየይ ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ስርሑ ኣየጉደልን፡ ወዮ’ኳ ደኣ ናይ ምልካዊ ስርሓት ሓንቲ’ኳ ከየጉደለ’ዩ ፈጺሙን ዝፍጽም ዘሎን እዩ። ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ጨካንን፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ፡ የማን ጸጋም፡ ቅድሚት ድሕሪት ቍልሕሊሕ እንዳበለ፡ ከም ፍልሖ ዓንዲ ዘብርስ፡ ነቲ ምልካዊ ተግባራቱ ኩሉ ብሙሉእ’ዩ ፈጺምዎ። ኣብ ዝዀነት ይኹን’ኳ ዘጓደሎ የብሉን። ኩሉ ግፍዒ ፈጺሙ፡ ነቲ ዝፍጽሞ ግፍዒ ከኣ መስርዕን ተርታን ገይሩ ንኩሉ ሓደ ብሓደ እንዳዀስተረ ኣጽርዩን ኣጽንትዎን’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ’ቶም ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣዝዮም ጨካናት መለክቲ ሓደን፡ ብግሁድ ግፍዕን ጭቆናን ኣብ ህዝቡ ዝፍጽም መንግስታት ካብ ዝሓለፉ ሓደ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ግዳምውን ዘቤታውን ተቃውሞ፡ ነቐፈታ ኣይግድሶን። ዘገድሶ ስልጣኑ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ 20 ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ምጽናት መስርሕ ንምጥቓስ ሀ ኢሉ ዝጀመረ ምልካዊ ስርዓት ገገለ ንምጥቃስ እንሆ።

ሀ/ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ መሬት ኤርትራ ብሙሉእ ናይ መንግስቲ ኢሉ ኣዊጁ

ለ/ ስልጣን ምምሕዳር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኢሉ ኣዊጁ

ሐ/ ንብረትን ህዝብን ዝበሃል የለን፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብኽሳራ ስለ ዝሓለፍና ንብረት የለን። መንግስቲ ባዶ’ዩ፡ ብማለት ኩሉ ንብረትን ሃበትን ህዝብን ብሙሉኡ ኣብ ኢድ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተምሓላለፈ።

መ/ ብሕታዊ ዋንነት ዝብሃል ንስም እምበር ብግብሪ ዘየለን፡ መንስግታዊ ትካላት ልዕሊ ኩሉ ብሕታዊ ትካላት ብሙሉኡ፡ ናይ ንግዲ፡ ህንጻ፡ መጓዕዚ፡ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣተወ።

እዚ ካብ’ቲ ሓደ ሓደ ክጥቀስ ዝኽእል፡ ንሃገርን ህዝብን ሓሊኹ ዝሓዘ፡ መንግርን ክፍኣት ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ. ብፋልይ መደብ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈውርቂ’ዩ። እዚ ዓይኒ መደባት ዕብየትን ስልጣነን ሃገርን ህዝብ፡ ብህ.ግ.ዲ.ፍ ተገቢቱ ምስ’ዚ ዝስዕብ ተረኽቦታት ሃገር ኣብ ምንታይ ከም ትወድቕ ክትስሕቶን፡ ክትገግዮን ዘይትኽእል ሚዛን ገምጋም መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

24 ግንቦት 1991 ሙሉእ ሓፋ ውድባት ፈሪሱ

ድሕሪ ነጻነት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየደ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣኼባ፡ ሓፋሽ ውድባት ብዕሊ ከም ዝፈረሰ ዘርድእሉ መዓልቲ፡ ዝኣወጀ፡ ምምስራት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝጀመረሉ ከኣ ነቶም መሰል ዘይርድኦም ኣባላቶም ዘበሰርሉ መዓልቲ ነበረ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ጋዜጣ ብርሃን ናይ ማሕበር በርናንዶስ ዝወጸት ሕታ ብሙሉእ ከቅርበልኩም እንዳተማባጻዕኹ፡ ስዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ዝፈጸሞ ኣገዳሲ ተርኽቦታት እገልጽ።

4 – 11 ሓምለ 1994 መንእሰይ ብሙሉኡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተጋደለ ብርኪ እፎይ ከየበለ፡ ክትኵስ ዝጸንሐ ሻምብቆ ብረት ካቭ ርስኑ ከይዘሓለ፡ ነባር ተጋዳላይ፡ ምስ መንእሰያት ኣሕዋቱ ከየመክርን ከይዝትን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናይ 10ታት ናይ 20ታት ዓመታት ናፍቖት ከየውጽእ፡ ሙሉእ መንእሰይ ኤርትራ ንታዕሊም ንሳዋ ወረደ።

19 ግንቦት 1995 ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ

ካብ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሚያዝያ 1994 ንባይቶ ዝቐረበ ታሪኻዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ 19 ግንቦት 1995 ብሙሉእ ጸዲቑ፡ ምምሕዳር ኤርትራ ብሙሉእ ፈሪሱ።

12 ታሕሳስ 1996 ኤርትራ ኣብ ኵናት

ብሰንኪ ደሴታት ሓኒሽ፡ ቀጺሉ 1997ን ክሳብ እቲ ወሳኒ ኵናት ዝተኻየደሉ ብ6 ግንቦት 1998 ዝጀመረ ዶባዊ ኵናት ኩሉ ሃገራዊ ክኸትት ዝኣወጀ ምልኻዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ እንሆ ንልዕሊ 30 40 ዓመት ክወጽእ ዘይክእል ናይ ሂወትን ወለዶን፡ ናይ ንብረትን ጉርብትና ክዕረ ዘይክእል ጉድኣት ፈጺሙ ይረከብ።

29 ጥሪ 2001 ኣባላት ሽማግለ ንድፊ ምርጫን፡ ንድፊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን

ኣባላት ሽማግለ ንድፊ ንምርጫን፡ ንድፊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ንድፊ ብሙሉኦም ካብ መዝነቶም ወሪዶም። 30 ጥሪ ኣባላት’ዚ ሽማግለ ብሙሉኦም ምስ ዝዀነ ይኹን መራኺብ ብዙሓት ኤርትራ ከይራኸቡን ቃል ከይህቡን ብፕረሲደንት ተኸልኪሎም።

27 ግንቦት 2001 ሚኒተራትን ላዕለዎ ሓለፍትን

እቲ  ብ27 ግንቦት 2001 ብኣባልት ሃገራዊ ባይቶን ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቕረበ ቅሉዕ መልእክቲ ጉጅለ 15 ንምልካዊ ስርዓት ጕዱ ዘቃልዕ ብምንባሩ፡ ኣብ መንጎ ምልካዊ ስርዓትን ደለይቲ ለውጥን ግርጭት ተፈጢሩ።

15 ሓምለ 2001 ዓበይቲ ዓድን ሽማግለ ዕርቕን

እቲ ኣብ መንጎ ኣባልት ባይቶን መላኺ ፕረስደንት ዝነበረ ግርጭት ክዓርቑ ዝተበገሱ 15 ሽማግለታት ዓዲ መን ሊእኽኩም ተባሂሎም ብሙሉኦም ተኣሲሮም።

18-19 መስክረም 2001 ጉጀል 15

ብሰንኪ እቲ ዕላዊ ኣኼባ ዝጸወዐ ጉጅለ 15 ምኽንያት፡ ካብ 18 ክሳብ 19 መክስረም ዝነበረ ግዜ 11 ኣባላት ኩሎም ተኣሲሮም።

7 ነሓሰ 2001 ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ

ብምኽንያት ክረምታዊ ስርሓት ምስ መንግስትን ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዘየተሰማምዑን ዘይዓገቡን ተምሃሮ ኣድማ ገይሮም። ብዕለት 7 ነሓሰ መንግስቲ ንተመሃሮ ንምርዓድ መነንት ወረቐት ብምሕታት፡ ብሎኮታት ብምዕጻው፡ ኣብ ሜዳ ንግስተ ሳባ ኣኪቡ ንኩሎም ንዊዓ ወሰዶም። ከም ሳዕቤን ጅምላዊ ማእሰርቲ ብዕለት 14 ነሓሰ ይርጋ ዮሴፍ ኣብ ዊዓ ሞይቱ። ከምኡው’ን 19 ነሓሰ ብነቕጺ የማነ ተኪኤ ብ 19 ነሓሰ ኣብ ሆስፕታል ዓሪፉ።

10 ነሓሰ 2001 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

10 ነሓሰ ጠዓመ በየነ ኣቦ መነብር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ። ነዚ ቀንዲ ምኽንያ ዝዀነ ከኣ ኣብ’ቲ ኣድማ ተመሃሮ 23 ሓምለ 2001 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢድ ከም ዘይእቱ ንፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ብምግላጽ ነበረ።

19 መስከረም 2001 ብሕታውያን ጋዜጣታት

ካብ 29 ጥሪ ክሳብ 19 መስከረም ኣብ መንጎ ኣባላት ባይቶን ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝካየድ ዝነበረ ሕጋዊ፡ ሃገራዊ፡ ሓላፍነታዊ ምስሕሓባት፡ ብሕታውያን ጋዜጣ ንህዝቢ ንምሕባር ኣብ ዝካየደኦ ታሪኻዊ ስርሓት፡ ብዕለት 19 መስከረም 2001 ካብ ኣገልግሎት ጠውጠው ክብላ ምልካዊ ስርዓት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት፡ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብኣዋጅ ገሊጹ። ኩለን ጋዜጣታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣጊደን። ብድሕሪ’ዚ ከኣ ጋዜጠኝታት ተሃዲኖም ንማእሰርቲ ክውሕዙ ተራእዩ።

ሎሚ ባይቶ ኤርትራ ዝበሃል የልቦን፡ ባይቶ ኤርትራ ብሙሉእ ካብ ስራሕ ተጠው ኢሉ፡ ከም መተካእታ ብናይ ዞባታት ኣመሓደርቲ፡ ብናይ ወታሃደር ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ገገለ ሚኒስተራት ሓዋዊስኻ ዝካየድ ኣኼባ’ዩ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ። ባይቶ ኤርትራ ብሙሉእ ካብ ዝፈርስ፡ ካብ 29 ጥሪ 2001 እዩ። ካብኡ ንድሕሪት ባይቶ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ የልቦን። ፈሪሱ’ዩ።

ባይቶ ኤርትራ ማእከላዊ መእከቢ ቦትኡ ፈሪሱ፡ ከም ዓዋሉ ኣብ ደስ ዝበሎምን ዝጠዓሞም፡ ሎሚ ሎሚ ከኣ ካብ 10 ንላዕሊ ናይ ተፍቲሽ ቦታ ሓሊፍካ ዝእቶ ባይቶ፡ ኣብ እታ ብምልኪ ትማራሳሕ ዘላ ታሪኻዊ ወደብ ባጽዕ ብሕቡእ ዝካየድ ናይ ይምሰል ድሑር፡ ምልካዊ፡ ፈራሕ መንግስታዊ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ስለ’ዚ እቶም ንፍትሒ ንቃልስ ዝጽበየና ናይ ቃልሲ ምርጫ ንጹር እዩ፡ ብመንጽር ናይ ዘይፍታሓዊ፡ ናይ ኣዕናዊ፡ ናይ ዘራጊ፡ ናይ መላኺ፡ ናይ ጻሕታሪ ኵናት፡ ተግባራት’ዩ። ልቢ ምግባር፡ ሕድገት ምግባር፡ ዕርቒ ምድላይ፡ ብሓይሊ ፍይሕን ሕግን መፍትሒ ምርካብ፡ ሓይሊ ሰላም ስኒት ክትሃንጽ ድምላይ ይበልጽ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=822

Posted by on Jun 22 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net