ቃል ዋና ጸሓፊ ኤግደለ ብጻይ ሰዓድ ከማል ኣብ ስነ ሰርዓት ምምራቕ ሰራዊት ኤግደለ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣመራርሓ ግንባርና ኤግደለ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ምዑታት ተጋደልቲ ኤግደለ

ብቐዳምነት፡ ንኩሉ ጸገማትን ናይ ክሊማ ዘይምቹእነትን ተጻዊርኩም፡ ግንባራዊ ናይ ታዕሊም መደብ ኣብ ምዕዋት ብትግሃትን ተጻዋርነትን ኣብ ምፍጻም ንዝበጻሕኩም ብጾት ተጋደልቲ ግንባርና፡ ብስም ኣመራርሓ ግንባር ኤግደለ ዝዓዘዘ ምስጋና ከቕርበልኩም እፈቱ፡፡ ብምቕጻል እውን፡ ኣብዚ ናይ ታዕሊም መደብ እዚ፡ ብወተሃደራዊ ትምህርትን ፖለቲካዊ ምንቕቓሕን፡ ተመኩሮ ዝዓደለኩም ፍልጠት ንብጾትኩም ከተካፍሉን፡ ዝሓሸ ንቕሓት ክትፈጥሩን ንዝተጋደልኩም፡ ናይ ፖለቲካን ወተሃደራዊ ስልትን መማህራን ግንባርና፡ ደጊመ ብስም መሪሕነት ግንባር ከመስግነኩም እፈቱ፡፡

 

ብርግጽ፡ እዚ ንሓደ ወርሕን ፈረቓን መመላእታ ዝቐጸለ ናይ ታዕሊም መደብ እዚ፡ ብዙሕ ድኽመታትን ሕጽረታትን ዝተሰነየ ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር፡ ምስቲ ኩሉ ሕጽረታትን ድኽመታትን፡ ከም ጅማሮ መጠን፡ እሞ ድማ፡ ግንባርና ጌና ብቑጠባ ይኹን ብንዋትን ዕጥቅን ጌና ኣብ ዘይጎልበተሉ፡ ኣብ ጥራሕ ኢድና ዝኣተናዮ፡ ኣድላዪ ናይ ቅድመ ምድላው ምቅርራባት ከምቲ ዝድለ ዘይተኻየደሉ መደብ ታዕሊም ከም ምኳኑ መጠን፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ብኣወንታ ክግለጽ ዝግበኦ እዩ፡፡ ንቕድሚት ካብዚ ተመኩሮ እዚ ተማሂርና፡ ዝሓሸ ቅድመ-ምድላው ብምግባር፡ እኹል ማተርያልን ስንቅን ዕጥቅን ኣዳሊና፡ ካብዚ ዝበለጸ ናይ ስልጠናን ምልመላን መደብ ንክንሕንጽጽ ድማ ዓቢ መበገሲ ክኾነና እዩ፡፡ ብደረጃ ተሳትፎ እውን፡ ምስ ኩሉ እቲ ዝገጥም ጥዕናዊ ጸገማትን ውድባዊ ዕማማትን ብኩራት ኣነበረን እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብሓፈሽኡ ግን ብፍላይ ኣብ ተራ ተጋደልቲ ምሉእ ተሳትፎ ኔሩ ኢልና ክንድምድም ንኽእል፡፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ካብ ዝቐረቡ ናይ ትምህርቲ መደባት፡ ሰራዊት ኤግደለ፡ ዝሓሸ ንቕሓትን ኣፍልጦን ከምዝጨበጠ፡ ካብቲ ኣብ ፈተና ዝተመዝገበ ውጽኢት ንምርዳእ ይከኣል፡፡ በዚ በለ በቲ፡ ግንባርና ሕጂ እውን እቲ ናይ ምንቕቓሕ መደባቱ ብምቕጻል ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ናይ ካድራትን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ኮርስ ናይ ምክያድ መደብ ኣለዎ እዩ፡፡ እዚ ናይ ካድራትን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ኮርስ እዚ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ናይ ታዕሊም መደብ ዝኣክል ትምህርቲ ቀሲምና ስለዘለና፡ ካብዚ ብዝሓሸ ኣገባብን ቅድመ-ምድላዋትን ከነሰላስሎ ክንጽዕር ኢና፡፡

 

ዝኸበርኩም ብጾት፡ ዘለናዮ መድረኽ፡ ብምኽንያት ድኽመት ደምበ-ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ተቓውሞቲ ሓይልታት ኤርትራ ድማ ብቑዕ መድረኻዊ ምላሽ ክርከብ ብዘይ ምክኣሉ ድማ ብፍላይ፤ መላእ ደላዪ ለውጢ “ኮይና ተሪፋ ካብዞም መንእሰያት እያ” ብዝብል፡ ትጽቢቱ ኣባና ኣብ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤግደለ ኣብ ዝገበረሉ ወድዓዊ ኩነታት ንርከብ ምህላውና ዘይትስሕትዎ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ድርብ ሓላፍነት ክንሽከም ናይ ግድን ኮይኑና ኣሎ፡፡ ብርግጽ፡ ንትርግታ ህዝብና ከም እንሰምዕን፡ ንትጽቢታቱ ከም እንውክልን ብተግባር ከነረጋግጽ ኣለና፡፡ እዚ ብሓደ መዳይ ኣወንታዊ እዩ፡፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ምሉእ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓና ወዲቑ፡ ዕጽፊ ናይዚ ክሳብ ሕጂ ከነሰላስሎ ዝጸናሕና ግንባራዊ መደባት ከነሰላስል ንጭቡጥ ዓቕምና ዝፈታተን ምኳኑ ኣይተርፍን፡፡ እዚ ክንገብር እንተ ዘይክኢልና ድማ፡ ብርግጽ ኣብ ታሪኽ ተሓተትቲ ክንከውን ኢና፡፡ ስለዚ ዓወትና ንምቅልጣፍን፡ ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ነብስና ንምድሓንን፡ ብመሉእ ተወፋይነትን ሕልናዊ ዕግበትን፡ ውሽጣዊ ሓድነት ግንባርና ኣደልዲልና፡ ግንባራዊ መደባትና ቀዳምነት ብምሃብ፡ ብንቕሓት ክንረባረብ ብስም መሪሕነት ግንባር ለበዋይ ከመሓላልፍ እፈቱ፡፡

 

ንብምሉእኩም ተመረቕቲ ኣባላት ሰራዊት ኤግደለን መማህራንን ጠርነፍትን ኣመራርሓን ግንባርናን ብሓፈሻ፡ ናይ ታዕሊም መደብና ብከምዚ ዝኣመሰለ ውዕዉዕ ስነ-ስርዓትን ፍሕሹው ወጅሃትን ተኣኻኺብና ክንጽንብል ምብቃዕና እንቋዕ ደስ በለኩም እናበልኩ ድማ፡ ንቐጻሊ ዝሓሸ ናይ ቃልስን ዓወትን ግዜ ክኾነልና ዘለኒ ምንዮት ይገልጽ፡፡ ንእገረ መንገደይ እውን፡ እዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ 2013፡ ዓወትና ዝቀላጠፈሉ፡ ተሰፋ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ዝኾነሉ፡ ፍሽለትን ውድቀትን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጋሃደሉ፡ ሓራ መሬት ኤርትራ እነረግጸሉን፡ ምስ ለዋህ ህዝብና እንተሓቋቆፈሉን፡ ብሩኽ ዓመት ክኾነልና እንዳተመነኹ፡ ደጊመ እንቋዕ ደስ ብለኩም ብምባል፡ መልእኽተይ ይዓጹ፡፡

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና!

5 ጥሪ 2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8228

Posted by on Jan 6 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net