ኣዋጅ ምምስራት ኤርትራዊ ሲቪኻዊ ማሕበር

ህዝቢ ኤርትራ አብ ዝሓለፈ እዋን ምፍንጫል ጉጅለታት ካብ ውድባት ምምስራት ሓዲሽ ውድባት ዝሕብሩ ሓያል አዋጃት ስሚዑን አንቢቡን እዩ።

እዚ አምር‘ዚ ኽአ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንደንበ ተቓውሞ  ድማ ብፍላይ አብ ኤርትራ ንዲኽታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ይኹን ብሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ከም ደቂ ሃገር ብሓባር ናይ ምንባር ተኽእሎ ክህልወና ዝኽእል መንፍስ ጥርጣረ ከሕድረሉ ጀሚሩ።

ነፍሲ ምትእምማን ህዝቢ ኤርትራን ተቃውሞ ሓይልታቱን አብ ቦትኡ ንምምላስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ንህዝብናን ንኹሎም አብ ዝተፈላለየ ቦታ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ዝቃለሱ ንደሞኽራስያዊ ለውጢ  አብ ሜዳ  ኤርትራ ዝጸንሐ ናይ ምንጽጻግ ተመኹሮን ተግባራት ገደብ ንምግባር እጃምና ንምብርኻት ከምውጺት ናይ ዘተ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ መርበብ ሃገራዊ ዘተን ፡ ኤርትራዊ ፎርም ንለውጢ ብምሕባር  ኤርትራዊ ፎርም ንዘተ ምእንቲ ለውጢ  ከም ዝመስረትና  ንሕብር ወይ ነበስር።  

እዚ ነጻ ስቪካዊ ማሕበር ኮይኑ ንፍትሕን ማዕርነትን ሓርነትን አብ ሕጊ ዝተመስረተት ደሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ይቓለስ።

 

ነዚዕላማታትንምህናጽ 

 

1. አብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ አብ መንጎ ተቓውሞ  ሓይልታት ከአ ብፍላይ ሃገራዊ ስምምዕ 

   ምብጻሕን ናይ ሓባር አራዳድ አ ክህሉ ዘተ ከም መትኸል ምዕዛዝ።

2. ገበናት ስርዓት ህግደፍ  ንምግላጽ ኩሉ መሳርሕታት መድያ ምጥቃም።

3. ኤርትራዊ ዜጋ ቕኑዕ ሓበሬታ ክህልዎን ንቕሓቱ ክብ ንምባልን ነጻ ውሳኔኡ ናይ ምውሳድ ብቕዓት ክህልዎ

   አብ ኩሉ ክፍልታት ህዝቢ፡ ህዝባዊ ጎስጓስ ምኽያድን ምምዕባልን።

 

እዚ ተበግሶን ስጉምትን ኣብ እዋን ንምንታይ ተደልዩ?

 

እዚ ስጉምቲ‘ዚ ይድምር እምብር ወይ ይውስኽ እምበር አየጉድልን። እዚ ተበግሶ‘ዚ ነቲ ህልው ኩነታት ተቓውሞና ይኹን መድያና  ፋሕ ኢሉ ዘሎ ዓቅምን ሓይልን ናይ ምጥርናፍ ስጉምቲ እዩ። እዚ ተበግሶ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓድሽ  ኣሰራርሓ ምፍጣር ሜድያውን ህዝባውን ዝሕግዝ እዩ። ካብ‘ዚ ብምብጋስ ነዚ ዕላማ አሚኑ ኽሰርሕ ድልው ዝዀነ ኤርትራዊ ዋንነቱ እዩ።

ንሕና ምእንቲ መሪሕነታዊ ቦታ ንምብጻሕ አይንወዳደርን ፡ አይንቖራቖስን። እንተዀነ ግን ናይ ሓባር መትከላዊ መርገጻት ንምብጻሕ ንዛተ።

ሓቂ ንበይንና ክምዘይንውንን ንአምን። እንተኾነ ግን ምስ ካልኦት ኣሕዋትና ኮንና ካብ‘ዚ አቲናዮ ዘሎና ጸልማት ዓዘቕትን ምውጻእ ከምንኽእል ንርዳእ።

ንሕና ናይ ኩሎም ተጋደልቲ ቓልስታትን ርእይቶታትን ነኽብር። ዝፈላልየና ጉዳያት ዘይኮነስ ናይ ብሓባር ከራኽቡናን  ከሰማምዑናን ዝሕግዝ ነጥብታት ብቐጻሊ ነናዲ። ካልኦት ርእይተኦም ይኹን መርገጻቶም ናይ ምግላጽ መሰል ከምዘለዎም እንዳ አመንና አብ ናይ ሓባር መርገጻት ንምብጻሕ ዘተ መሰረታዊ መሳሪሕና እዩ።

ምስ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ 2011 ዝተሰማማዕናሎም እዉጅ መርገጻትን ሃገራዊ ቕዋማትን ዝጻረሩን ወይ ውን ናይ ጥርጣረ ምልኽት ዘርእዩ መርገጻትን ርእይቶታትን ግን ክንከላኸል ግዱዳት አይኾንናን።

ንናይ ንግስነት ሃይለ ስላሴ(ኢትዮጵያ)  ሓይሊ ዘንቀጥቐጠ፡ ንብረታዊ ቓልሲ ህዝብና መሪሑ ዝጀመረ ስዉእ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ፡ ስዒቡ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ መስዋእቲ ተከፊሉ ሃገርና ዘዓወቱ ጀጋኑን፡ ንክብርታቶም  ዝሓደጉልና ናይ ቓልሲ ባህልታትና ክብርታትና ተመርኩስና ቃልስና ክሳብ ፍጹም ዓወት ዝረጋገጽ ክንቕጽል ኢና።

ብኹሉ ሸነኻቱን  ትሕዝትኡን ሃገራዊ ትልምን (ፕሮጀኽት) ክኸውንን ንኹሎም ኤርትራውያን  ብኹሎም ኤርትራውያን ዝቆመት  ደሞኽራስያዊት ሃገር ኤርትራ ንምርግጋጽ ናይ ሎሚ ሓድሽ ወለዶ ቃልሱ ክቕጽል እዩ።

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ንክቡር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ልብና ዓወት እንዳ ተመነና ሰላምታና ይብጽሓዮ።

 

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና

ዓወት ንህዝብና

ኤርትራዊ ፎርም ምእንቲ ለውጢ

. 05/01/2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8279

Posted by on Jan 10 2013 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net