ካብ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ባለነኪ

ዜሮ ሰዓት
ፕረዚዳንት ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ይቕሬታ ክሓትት ዝተጸበዩ ሓደ ሓደ የዋሃት ነይሮም። ብርግጽ ሓደን ኣዝዩ ኣገዳሲን ይቕሬታ ከሕትት ዝግበኦ ጉዳይ አሚኑ’ኳ እንተኾነ እቲ ንህዝቢ ኣሕሲሩ ዝነብር ትዕቢተኛ ነታ ንሕልፈቱ ዘይፈትዋ ይቕሬታ ትብል ቃል ግን ኣየውጸኣን፡፡
ሃገር ኣብ 21 ዓመት ካብ ትሕቲ ባዶ ናብ ባዶ ከምዝበረኸት ብኣንደበት ኢሳያይስ ክግለጽ ምስማዕ ንገዛእ ርእሱ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፥ ቦቕቢቑልና ወይ ከኣ ብዋጋ ሃገርን ህዝብን ዘጋጠመ ዕንወት ኣሕዚንዎ ዘይኮነስ በቲ ሓደ ገጹ ብቓልሲ ህዝቢ ተገዲዱ ከም ልማዱ ንጋህዲ ሸፋፊንካ ምሕላፍ ከምዘየዛልቕ ስለዝተረደአ፥ በቲ ካልእ ገጹ ከኣ ካብ ሸፋፊንካ ቆናጪልካ ብምእማን ተሓታትነቱ ንኻልኦት ብምድርባይ ነብስኻ ምድሓን ይከኣል ይኾውን እዩ ዝብል መሰሪ ውዲት ስለ ዝሓሰበ’ዩ፡፡ ድሕሪ እቲ ቃለመጠየቕ ብዙሓት ዜጋታት ኣበር ከይሃለዎ ዶ ይተርፍ ኢልኩምዎ ኢኹም? ዝብል ሕቶ ኣበጋጊሱ ኣሎ፡፡
ሓደ ሓደ ኣህጉራዊያን ትካላት፥ኤርትራ ብቑጠባ ትዓቢ ኣላ፥ ኢለን ምዝራበን ህዝብን ሃገርን ዘዳህልል ሓሶት ካብ ምዃን ሓሊፉ፥ ኤርትራ ብትሕቲ ቅርጺ ይኹን ካልኦት ቑጠባዊ ምዕባለታት ዜሮ ምዃና፥ ብማል፡ብሰብኣዊ ዓቕማ ዝተደልየ ከምዘይተረኽበ፡ ምትእትታው ቴክኖሎጂ ዋላ ዉሕድ እንተሎ ብዘይብቑዕ ሰብኣዊ ዓቕሚ ፋይዳ ከምዘይህልዎ፡ ብሕማቕ ምሕድራዊ ኩነታት፡ ብምኽንያት ብልሽውና፡ኣብ ልዕልን ትሕትን ምድሪ ዝርከቡ ባህርያዊ ጸጋታት እዛ ሃገር ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይወዓሉ ኣረጋጊጹ፡፡
75 ሚኢታዊት ሰብኣዊ ዓቕሚ ሃገር ካብ ኣፍራይነት ወጻኢ ከምዘሎ ፡ኮለጃትን ባንካታትን አለዋ ኢልካ ምዝራብ ከምዘይከአል ተኣሚኑ፡፡ እንታይ ሒዝካ ዳኣ ኢኻ ኣብ ስልጣን ተኾይጥካ? ኢሉ ዝሓትት ጋዜጠኛ ተሳኢኑ ’ምበር ክለዓል ዘለዎ ቀንዲ ሕቶ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ቃለ-መጠየቑ ኣብ ህዝቢ ዝተበጋገሰ ጻዕቂ ሕቶ’ውን እዚ’ዩ፡፡ እዚኹሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ማልን ነጻ ጉልበትን ዜጋታት ዝፈሰሶ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ንኸንቱ ተሪፉ ማለት ድዩ? ስለምንታይ? ስለምንታይ ደኣ ሕጂ ክኣምን ተገዲዱ? ክንደ’ዚ ዝኣክል ንቓልዕ ምውጻእ ከ እንታይ’ዩ ዕላምኡ? ኮታ፡ማእለያ ዘይብሎም ስለምንታይ….ስለምንታይ….ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ኮይኖም ኣለው፡፡
ነዞም ሕቶታት ዝምልስ፥ ኣብ ድሕሪ መደረ ፕረዚዳንት ዘሎ ኣበረኛ ውዲት ከቕርብ። ወለድና “ንለባም ኣምተሉ…ንገለን’ታይ….ግበረሉ” ከም ዝብልዎ ምስ ጉዳይ መሬትን ብሓፈሻ ብልሽውና ኣተሓሐዙ “ምልጋጽ፥ኣሽካዕላል፥ ኣላገጭ” ብዝብሉ ቃላት ጉዳይ ምስዕራር ብልሽውና ክኣምን ተሰሚዑ። ቅድሚ ሕጂ ኤርትራ በዚ ጉዳይ ካብ ካልኦት ዝሓሸት’ያ። ብመንጽር ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ግዕዘይ ማእለያ ዘይብሉ ብልሽውና ብምውድዳር ኣብ ኤርትራ ኣሎ ንምባል ኣይከኣልን ዶ ኢልኻ ትገልጽ ኣይነበርካ፥ እንታይ እዋና ደኣ ጋዕዝያ?ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕ ከ እንታይ ትዓዬ ነይርካ? ንምዃኑ ኩቡር ፕረዚዳንት ንስኻ ከ ካብዚ ግዕዘይ ትብሎ ጉዳይ ናይ ብሓቂ ንጹህ ዲኻ፥ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ? ክምለሱ ዝግበኦም ኣገደስቲ ሕቶታት ነይሮም ግን ገጽ ንገጽ ኣብ ቅድሚ መስኮት ቴሌቪዥን መን ይሓቶ። እንተ ካብ ቲቪ ወጻኢ ግን መላሲ ደኣ ኣይረኸቡን’ምበር ብህዝብስ ኣበየ ውዕለኡ ይሕተቱ ኣለው። በቶም ዕለታዊ ምዕዝምዛም ህዝቢ (Public Opinion) ክእክቡ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ልኡኻቱ ኣቢሉ’ውን ድሮ ኣኪብዎም ኣሎ።
ብዝኾነ ነዞም መሰረታውያን ሕቶታት ንጎኒ ሓዲጉ ኣኽናፍ ዝሰኩዑ መላእኽቲ ክመስል ያኢ ንሱ ብጹእ ኮይኑ ንኹሉ እንዳተዓዘበ ጸኒሑ መዓልቱ ስለዝበጽሐ ድሕሪ ሕጂ ንሕስያ ከም ዘይገብረሎም ተዛሪቡ። እቲ ጉዳይ እምበኣር ክሕብረኩም ብልሽውና ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዓጢጥዎ ዘይኮነ ንባዕሉ ዝወቐስዎን ንኣካይዳታቱ ዝነጸጉን ላዕለዎት ሓለፍቲ ክሃርሞም ተዳሊዩ ኣሎ፡፡ ክቕደሞም ድዩ ክቕድምዎ? ወይ ከኣ ክንድኡ መዓንጣ ከጥሪ ድዩ? ብዘየግድስ እቲ ጉዳመኛ ሽርሑ ግን እዚ እዩ። በቲ በለ በቲ ግን ነታ ናይ ዜሮ ሰዓት ንግደፎ። ዛጊት ናበየናይ ገጹ ከምዘምርሕ ከኣ ኣእንፊቱ ኣሎ። ትም ትም ኮይና ኣላ፡፡
ኢሳያስ ባዕሉ ንዝፈጠሮም ጸገማት ክንዲ’ዚ ደረጃ ወሪዱ ክኣምን ኣብ ታሪኹ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣጋጣሚ እዩ። ምናልባት 20 ግንቦት 1993 ብኣድማ ምዑታት ተጋደልቲ ተገዲዱ፥ ብክሳዱ ተሓኒቑ፥ ናብ ሜዳ ችቸሮ ቀሪቡ ኣብ ዝባን ፒክኣብ ዝዓይነታ መኪና ደይቡ፥ነቲ ብኣካል ኣብ ቅድሚ ተጋደልቲ ቀሪቡ ክዛረቦ ዘይደፈሮ ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ምጽናሕ ኣዋጁ ወይ ውሳኒኡ ብቪዲዮ ቀሪጹ ምስ ዘርግሖ ዘደንግጽ ተቓውሞ ኣስዒብሉ ከይፈተወ ክግልብጦ ዝተገደደሉ ካብ ናይ ቅድሚ 20 ዓመት ታሪኽ ወጻኢ ብጋህዲ ከምዚ ኣብ መድረኽ ውድቀቱ ኣሚኑ ኣይፍልጥን፡፡ ካልእ ይትረፍ ነቲ ብናይ ዓለምን ወተሃደራውያን ጥበበኛታት ከይተረፈ “ኣይድፈርን ኢሎምና” ተባሂሉ ይዝረበሉ ዝነበረ ድፋዕቲ ባድመ ኣብ ናይ መዓልታት ግዜ ብሰራዊት ወያነ ምስተጠሓሰ እውን “ዘይፈለጥናየን ክልተ ታንኪ ጢሒሰናና ስለ ዝሓለፋ” ዶ ካልእ ዶ ብዝብል ቀምሽ ኣደይ ኣሕንኩሊኒ መልሲ ምስተውሃበ ኣስዒቡ “በቢደረጅኡ ተሓተቲ ሰባት ኣለውዎ” ብምባል እውን ናብ ካልኦት ሰባት ከላግብ ከምኣመሉ ከጉባዕብዕ ተሰሚዑ።
እዚ ናይ ሎሚ ንኹሉ ጸገማት ምእማን እውን እንተኾነ እቲ ኣብ ቅድሚ በዓል ቤት ህዝቢ ኮለል ኢሉ ዝረአን ንዓለም ከዊልካ ዘይኽወልን ተርእዮ ደኣ’ምበርብግልጺ ዝገለጾ ጠንቂ ጸገማት ኣይነበረን። ኣይኮነን 21 ዓመት ዘቑጸረ ጸገማት ኣብ ካልኢት ትኣክል ዝተፈጸመት ጸገም ከማን ናይ ገዛእ ባዕላ ጠንቂ(Cause) ኣለዋ። ባዕሉ ኢሳያስ’ውን ይፈልጣ’ዩ፡፡ ስለዝፈልጥ ከኣ እዩ ጠንቂ እዚ ጸገም ፖሊሲን ስትራትጅን ኣይኮነን ብምባል ዝገለጸ። “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ” ይብሉኻ ከምዚ’ዩ። ቅርዑይ ፖሊሲን ስትራተጅን እንተ ነይሩ ደኣ እንታይ እዩ እቲ ጠንቂ? ኩላትና ልቢ ኢልና እንተቕሊብናሉ ፡እቲ ጠንቂ ዝበሎ ደፊሩ ክዛረቦ ደኣ መዓንጣ ሲኢኑ እምበር ምስ ስግኣቱስ ኣቐልቂልዎ እዩ፡፡ ንዝተፈላለየ ቑጠባዊ ልምዓት መሪሖም ከፈጽሙ ሓለፍነት ዘሸከምኩዎም ሓለፍቲ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም “ከላግጹ” ባዶ ኣትሪፎምኒ ዘስምዕ ሓሳባት ኣስሚዑ’ዩ፡፡ ነዞም ዓንቀፍቲ ኣሊኻ ፥ጸጸግዖም ኣትሒዝካ ከምዝዕረ ከኣ ገሊጹ እዩ።
ኢሳያይስ ክምዝምዛ ዝጸንሐ ሕጂ ስለዝበለየት ኮንደኾን ትምለስ ኢሉ ዝምነያ “ሰብኣይ በይኑ እንድዩ ንሱ እንተዘይሃሊዩ እኮ ካልእ ተስፋ ነንብረሉ የብልናን” ትብል ዝና እያ። ግን ከምቲ ዝፈሰሰ ማይ ዘይሕፈስ እዛ ንነዊሕ ዓመታት ዘዳህለለትና ባዶ ዝና ናይ ምምላስ ዕድላ’ውን ኦሮማይ ኣብቂዑ’ዩ።
ኩላትና ከምእንፈልጦ እቲ ህግደፍ ካብ 2002 ጀሚሩ ይጀሃረሉ ዝነበረ “ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ” ኣብ እንግዳዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝነበረ፥ ብፍላይ ብላዕለዋይነት ዝኣልዮ ሜ/ጀ ወዲ ሃብተስሉስ ምንባሩ ይፍለጥ። በዚ ጉዳይ እዝን ካልእን ድማ ፕረዚዳንት ምስ ወዲሃብተስሉስ ኣብ ምስሕሓብ ከምዝጸንሑ ርጉጽ ሓበሬታ እዩ። ብዓይኒ ፕረዚዳንት ንውድቀት “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ተሓታቲ ተኽላይ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦቶም ላዕልዎት ሓለፍቲ ሰራዊት’ውን ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ ውሽጢ ውሽጢ ወረታት የናፍስ ኣሎ።
ከምዚዝኣመሰለ ንገዛእ ነብስኻ ሓራ ኣውጺእኻ ንካልኦት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሕዱር ሕማም እቲ መንዳላይ ተመን ኢሳያስ ምዃኑ ወላዕላዕ ዝበለ ሓቂ እዩ። ባህርን ታሪኽን ኢሳያይስ ብዝምልከት መረዳእታ ንምቕራብ ከኣ ኣርሕቕና ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኹ ክንድህስስ ኣይንግደድን። ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጉጅለ 15‘’ብትሕተ- ሃገራዊ ተንበርካኽነት ንምስ ጸላኢ ተሻሪኾም ኣስዒሮምና ’ምበር ኣነስ ኣይተሰዓርኩን ብድሕሪኦም ተኣምር ከሪኦኩም’የ ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ አንቂለ ኣብ ሓጺር ግዜ ዓዲ ክልወጣ’የ’’ ዝብል ፈኸራ ጃህራ ከም ዝነበረ ብናይ ቅድሚ 10 ዓመት ፍጻመ ጥራይ እኹል ኣብነት ምግላጽ ዝከኣል ይመስለኒ።
እቲ ቀንዲ ናይ ባዕሉ ጸገማት ንካልኦት ኣሳቢቡ ሰባት ኣጥፊእኻን ረጊጽካን ናይ ምሕላፍ ታሪኽን ባህሪን ዘሎዎ ፕረዚደንት ሕጂ’ውን ሰባት ከጥፍእ ኣብ ምድላው’ዩ ዝርከብ። ክጠፍኡ ዝተብየነሎም ሰባት በዓልመን ብዛዕባ ምኻኖም ሕጂ እውን ኣስማቶም ክረቑሖም ኣይደልን እየ፥ ባዕላቶም ከኣ ድሮ በጺሖምዎ ስለ ዘለው ካብ ቀዳሞት ብጾቶም ክመሃሩ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። እዚኦም ኣብ ዓንኬል ታርጌት ኣትዮም ዘለው ላዕለዎት ሓለፍትን ሰዓብቶም ዝበልዎም ብርክት ዝበሉ ካድራት’ቲ ስርዓትን እዮም።
ተዓሚራ ናይ ዘላ ብረት ቃታ ተሳሒባ ክትኮስ ድያ? ዋላ ክትዕክስ? ግን ንግዜ ንግደፎ።
ምስ’ዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ቀረባ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ሰራዊት ንምድህላል ተሓሲቡ ዝተገብረ ዝበርዓነ መደብ ነይሩ። ኣበየ ግንባሩ ንዝርከብ ሰራዊት ዝውክሉ ኣባላት ከካብ ክፍለተ ሰራዊቶም ተዋጽኦም ኣብ ማእከላት’ቲ ግንባር ተኣኪቦም ብዝብላዕን ብዝስተን፥ ጓይላን ዳንኬራን ያኢ ክድህለሉን ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ንምስባኽን ተፈቲኑ ነይሩ። ገለ ካብ ዓዲጣልያን ብዝመጻ ኣዴታት እውን ትዕዝብተን ክገልጻ ዝተኣልመ ነይሩ።
ዕላማታቱ፥
 ሰራዊት የለን ብስግረ ዶብን ኩብለላን፥ መስርዕ ጋንታ፥ ኣብ ገለ ገለ ክፍላተ ሰራዊት’ውን ሓይሊ ፈሪሳ ከምቲ ባዶ ዕቤየት ኤርትራ ባዶ ተሪፉ ዝብል ህልው ኩነት ሓይልታት ምክልኻልና፥ ሓሶት እዩ ኣሎና ኢና ንምባል ደይ መደይ ተባሂሉ ዝተገብረን ብፍላይ ኣብደገ ንዝርከቡ ኤረቲቪ ጥራይ ዝመወከሲቶም ደገፍቲ ህግዲፍ፥ ቁጠባዊ ወፍሪ ክገብሩ፥ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከበርክቱ፥ ተስፋ ዝግበረሎም ንከም በዓል ‘ንሱ ንሕና፥ ንሕና ንሱ’ ንምእማን፤
 “መላገጽቲ” ኢሉ ፕረዚደንት ንዝፈረጆም ሰባት ኣብታ ናይ ዜሮ ሰዓት ተጻብኦ ከየጋጥሞ ንምልስላስ፤
 ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት ፕረዚዳንት ኣብዘካየዶ ቃልምሕተትኣብ“2012 ንሰራዊት ደሞዝ ንምዕደል ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ ኣይተኸአለን ንቀጻሊ’ውን ተብተብ ኢልካ ዝግበር ከምዘይኮነ”ኣስምዑ።በዚ ምኽንያት እቲ ምፍራስ ሰራዊት ብኢሱ ንከይቕጽል ንምዝሕሓል ዝዓለመ ተሃድሶ እዩ ነይሩ፡፡
እዚ ማለት ኣብ ቀረባ ንሰራዊት በቢዝቐርበካ ባንካታት ክለኣኸልካ’ዩ ናተብሃለ ቅጥዒ ወይ ፎርምታት ክመልእ፥ ታሴራ ዘይነበሮ ከካብ ዓዱ ታሴራ ከውጽእ ናተገበረ ንዝጸንሐ ሰራዊት “ኣነ አይፈልጦን’የ ዘይ’ቶም መላገጽቲ ሓለፍትኻ ’ዮም ከምኡ ዝበሉኻ ኣነ ከምኡ ኣይበልኩን” ከምዝብል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ “ተመላለስቲ ዝበሃሉ ሰራዊት ኣይፈልጥን” ከምዝበለን ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ከምዝቖጠዐን ተገሊጹ ነይሩ።
እቲ ንስድራ ቤት ሰራዊት መደጎሚ ዝበሃል ዓደሰ፥ ሽኰር፥ዘይቲ፥ ሓሩጭ ግን ይቕጽል ከም ዝጸንሐን ከም ዝቕጽልን ኣመልኪቱ ዝገለጾ ነጥቢ ውጽእ ሓሶት’ዩ። ድጎማ ንስደራቤት ሰራዊት ኣብ 3ተወርሒ ሓደ ግዜ ከምዝዕደል ካብዝግለጽ 2ተዓመት ኣቑጺሩ ክንሱ ዛጊት 2 ሻዕ ጥራይ’ዩ ተዓዲሉ ንሱ’ውን ምስ መዓት ሓላፍ ዘላፍ ናይ ዕደላ ጸገማቱ።
እቲ ዕደላ ይቕጽል ከምዘየሎ ንኢሳያስ ጠፊኢዎ ኣይኮነን። ጽባሕ ንጉሆ ንዝሓትት ሰራዊት ‘ተዘይዓዲሎምኻ ሓለፍትኻ እዮም ተሓተቲ ኣነ አይፈልጥን “ዝብል ሰራም ጉርሒ ዘለዎ’ዩ። ኣነ ክዕደል ዳኣ ወሰንኩ ’ምበር ከምዝተቋረጸ ኣይፈልጥኩን ከምዝብል ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እንተ ሰራዊትና ግን ይትረፍ ብስዋን ዳንኬራን፥ንሕድሕዱ 50 ሽሕ ናቕፋ ተዝዕደሎ’ውን ከምዘይድህለል ክፈልጥ ኣይከኣለን ኣሎ።
ሎሚ ተራጽላኣት ጥራይ ዘይኮነ ጽላኣቱ ናብ ብግብሪ ንምልዋጥ ስኑ ነኺሱ ኣብ ልዕሊ’ዚ ሃገርና ን21 ዓመት ባዶ ዘትረፈ መጣጢ ደም ቁርዲድ ኢሳያስ ኣፈሙዙ ከዝውረሉ ንግዜ ጥራይ እዩ ዝጽበ ዘሎ።
ብመሰረት ቃለ መጠይቕ ፕረዚዳንት ዝተቖጠዐ ሰራዊት ቁጠዐኡ ንምዝሕሓል ዝተገብረ ፈተነታት ኩሉ ኣይሰለጠን ጥራይ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ኣዘዝቲ ብርጌዳትን ካብኡ ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎም ኣዘዝቲን ከይተረፉ ‘ካብ ርእስና ኣውሪድና ተሓተቲ ኣይኮናን። ኣብ ቀረባ ምስ ሰራዊት ስለእንነብር ናይ ኩሉ ጸገማቱ ግዳይ ኮይና ምንባር መሪሩና ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ተሓተቲ ኣይክንከውንን ኢና’ዝብሉ ተቓውሞታቶም ኣበየ ግንባሩ ብተናጸል ዘይኮነ ብእኩብ ብደረጃ ግንባር ምቕራብ ጀሚሮምኣለው። ብደረጃ ኣዘዝቲ ግንባራት ከይተረፉ ኣብ ቅድሚ ዝእዝዝዎም ላዕለዎትን ማእከለዎትን መኮነናቶም ‘ንሕና እውን ተሓተቲ ኣይኮናን ጸገማት ሰራዊት ብኣግኡ ናብ መንግስቲ ኣቕሪብና ምላሽ ሲኢና’ ክብሉ ተሰሚዖም።
በዚ ተስፋ ዝቖረጹ ማእከለዎት ኣዘዝቲ ዕረፍቲ ኣሳቢቦም ነናብ ከባቢኦም ከይዶም ኮፍ ክብሉ ከለው ኣዝዮም ብዙሓት ተራ ወታሃደራት ድማ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ብዝኾነ መገዲ ዶባት ጥሒሶም ንስደት የምርሑ ከምዘለው ዕለታዊ ጸብጻባት ሰራዊት ዘረጋግጾ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8312

Posted by on Jan 18 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net