. . . ብወገነይ ወለደይ. . .ንዝቀተለ ተጋዳላይ ምስ ሓለፈ ይቅረ ደአምበር ስዉአ ንክብሎ የጽግመኒ፡፡

ይኣምን!
ንሃገሩ/ንሃገራ ንህዝቡ/ንህዝባ ንናጽነቱ/ንናጽነታ ንክጋደል/ንኽትጋደል ናብ ሰውራ ኤሪትራ ዝተጸንበረ/ዝተጸንበረት: ብዘየገድስ ሕሉፍ ውልቃዊ ታሪኹ/ታሪኻ ፡ ብዘየገድስ ንኽንደይ እዋን ተጋዲሉ/ተጋዲላ፤ ተጋዳሊ/ተጋዳሊት ይበሃል/ትብሃል እቲ ፉሉይ ማዕረጋዊ መጸውዒኡ/ መጸውዒአ፡፡ ስለዝኾነ ድማ አብ ዝኾነ እዋን አብ ዝኾነ ቦታ ፉሉይ ክብረት ይግብኦ/ይግብኣ፡፡
እቲ ዘይተርፍ ሞት ምስ መጸ ድማ ጀግና፡ ስዉእ/ስውእቲ፡ ንህዝቡ/ንህዝባ ንሃገሩ/ንሃገራ በጃ ሓሊፉ/ሓሊፋ እንዳተባህለ ንውሉድ ወለዶ ብጽቡቕ ክዝከር/ክትዝከር ይነብር/ትነብር፡፡
እቲ ባህርያዊ እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ኾይኑ: ብአንጻሩ ድማ ደምን ስጋን ዝለበስና ሰባት ስለዝኾና: ነዚ አብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ እንዳ አመንኩሉ ክንሰይ: ንወለደይ ንሓወይ ንሓፍተይ ንዘሳቀየ, ንዝዓመጸ, ንዝቐተለ ሰብ፤ ተጋዳላይ/ ተጋዳሊት አንዳበልኩ ከኽብሮ/ ከኽብራ ዘይሕሰብ እዩ፡፡
ናታትኩም አይፈልጥን፡፡ ብወገነይ ወለደይ. . .ንዝቀተለ ተጋዳላይ ምስ ሓለፈ ስዉአ ንክብሎ የጽግመኒ፡፡
መሲልካ ናበይ ንምብጻሕ እንድዩ፡ ብወገነይ ናብ ጉዳይ እድሪስ ዓዋተ ርእይቶ ንምሃብ እዩ፡፡
ታሪኽ ሂወት ስዉእ ኢድሪስ ዓዋተ ቅድሚ 1961 ከመይ ከምዝመስል ዕሙቕ አፍልጦ የብለየን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ሰባት ብዘዕለልዎ ጥራሕ ታሪኽ ዓዋተ ከምዚ እዩ ኔሩ ኢለ ክጽሕፍ ወይ ክዛረብ ብወገነይ አይደፍርን፡፡
እንተ ድሕሪ 1961 ግና ተጋዳላይ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ በጃ ከምዝሓለፈ እየ ዝፈልጥ፡፡ ገለ ውገናትና ንዓዋተ ቅድሚ 1961 ይኹን ድሕሪ 1961 በዲሉና እንዳበሉ ዝኸስዎ ወይ ዝጸርፍዎ እንተለዉ ወይ እንተጋጠሙ: እቲ ዝብልዎ ካብ ምስማዕ ሓሊፈ እንተተኻኢሉ ይቅረ ዝብልሉ መንገዲ ደአ ሃስውሰው ይብል እምበር ተጋጊኹም ኢለ ክወቅሶም ይኹን ክኹንኖም አይግባእን፡፡ ምኽንያቱ ኢድሪስ ዓዋተ እውን ሰብ ስለዝነበረ ከም ፈጣሪ ፍጹም ክኸውን ስለዘይጽበ፡፡
እቶም ተበዲልና ዝብሉ ዜጋታት ተበዲልና ክብሉ ሕጋዊ መሰሎም ሙኻኑ አሚና ከምቲ ንበዝሕ ንዓዋተ ስዉእ ንብሎ እቶም ተበዲልና ዝብሉ ዜጋታት ከማና ስዉእ ክብልዎ ክንጽበ አይግብአናን፡፡
አብ መደምደምታ ኽቡራት አንበብቲ ካብዚ ናተይ ርእይቶ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ክህልወኩም ባህርያዊ ስለዝኾነ ቅድሚ አብ ልዕሊ ጽሒፈይ ርእቶ ምሃብኩም ልዕሊ ኹሉ ናታትኩም ርእይቶ እውን ንክሰማዕ አገዳሲ ስለዝኾነ ቅድሚ ወቀሳ ይኹን ተቃውሞ ውልቃዊ ርእይቶኹም ከተቀድሙ እንዳ ሓተትኩ ጽሑፈይ ይድምድም፡ ፡

ኣዮ……..

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8326

Posted by on Jan 21 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net