ጋዜጣ ብርሃን እሞ ሓቅ’ዶ ክንዛረብ

ብኣቋጻጽራ ግእዝ ለካቲት 1984 ኣስመራ

እዚ ጽሑፍ ብዘይካ መእተውን ኣብ መደምደምታ ዘሎ ጽሑፍ ብሙሉእ ቅዳሕ ጋዜጣ ብርሃን ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ኣንቶንዮ ተስፋይ

21 ሰነ 2010

መእተዊ

ጋዜጣ ብርሃን ብሓሊዮ ሚስዮናዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ቅዱስ በርናዶስ ዝሕተም ወርሓዊ ጋዜጣ’ዩ። ጋዜጣ ብርሃን ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ዝሕተም፡ ማሕበራውን መንፈሳውን ኣስተምህሮ ዝዝርግሕ፡ ረብሓ ዘይብሉ ጋዜጣ’ዩ። ረብሓ ክብል እንከለኹ ብቐጥታ ምስ ቁጠባን ካልእ ነገራዊ ትሕዝቶ ዘይኮነ ማለት’ዩ፡ ሓደ ጥዑይ ፍትሓዊ ሕብረተ ሰብ ንህናጽ ካብ ዝብል ንህዝቦም ኣብ ምህናጽ ዘለዎም ሓላፍነት ዘበገሶ ኣተሓሳብ ልቦናዊ ጽሑፍ እምበር። ጋዜጣ ብርሃን ብ1947 ዝተምስረተ እዩ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ንማሕበራዊ ፍትሕን፡ መሰል ደቅሰብን ብትብዓት ብመጎት ንህዝቡ ክከላኸል ዝጸንሐ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ 63 ዓመታት ካብ ግዜ መግዛእቲ ዓባይ ብርጣኒያ ዝጀመረ፡ ፈደረሽ፡ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ደርግ ሎሚ ከኣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ግጉይ ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝወርድ ዓመጽን ግፍዕን ብምጽራር ነዚ ቀጺሉ ዝቐርብ ዓይነት ጹሑፋት ብቀጻሊ ዘዘውትር ናባይን ሓይላይን ሕብረተ ሰብ ዝኾነ ጋዜጣ’ዩ።

ዕለት 24 ግንቦት 1991 ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ጽሕፉ ጋዜጣ ብርሃን፡ ኣብ’ቲ መሳጢ ትሕዝቶ ዘለዎ እሞ ሓቕ ዶ ክንዛረብ ዝብል ፍሉይ ዓምዲ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም’ዚ ቀጺሉ ኣብ ታሕቲ ዝስዕብ ቁም ነገር ሓሳብ ዘስፈረ’ዩ። ሙሉእ ጽሑፍ ካብ ጋዜጣ ብርሃን ዝተወስደ’ዩ።

እሞ ሓቅ ዶ ክንዛረብ

ብኣቋጻጽራ ግእዝ ለካቲት 1984 ኣስመራ

ብኮሚስት ደርግ ተገዚእና ዝነበርና በቲ ኣገዛዝኣኦም ሰኪሕና ኢና። በዙ መኽንያትዙይ ንናታቶም ኣተሓሕዛ ዚመስል፡ ንሕዝቢ ደራፍን ተኣዛዝን ጥራሕ ገቢሩ መንነቱ ዜጥፋኣሉ፡ ነዙይን ዝኸምኡን ክንርኢ፡ ክንሰምዕ እንከሎና ስቓይ ቀደም ይለዓለና።

ሕዝቢ ዝኣክል ተኣኪቡ ከም ኣባጊዕ ተዀብኵቡ ነቱ ቀደም ዚብሃል ዝነበረ ብትግርኛ ተርጕምካ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ብቤት ዕዮ ……ወ.ዘ.ተ. ተሰሊፍካ ዑደት ኣኼባታት፡ ንቕሓት ሰላምዊ ሰልፊ ኣይጽላእን ዶ ? ኣየሕፍርን ዶ ? ኣየፍኵስን ዶ?

ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና ናይ ናጽነት ዕድል ምልባስ ስIናዮ ከይንኸውን ወይ ከዓ “ዘይትፈልጦስ ኣይደልን’ዩ” ከም ዝበሃል ካልእ ዘይረኣና ዘይለመድና ስለዝዀነ ደኣ ከይኸውን !

ብርዲኢት ዘቆምናዮ ሓሳብ፡ ንሕዝባን ጠቓሚ’ዩ ኢልና ክንገልጾ እንተደልና፡ ፍልጠትን ክእለትን ኣሊዩና፡ ክንጠቕም ኢልና ንሕዝብና ከነበርክቶ እንተደለና፡ ነቱ ዚሰምዕና ሰብ ብሕውነት ብትሕትና ከንቕርበሉ ( ከነበርክተሉ) እምበር ብናይ ርእይቶና መዶሻ ክንጭፍጭፎ፡ ናይ ርድኢትና ምስማር ብግዲ ክንሰምረሉ ግቡእ ኣይኮነን።

ንሕዝቢ ከም ከብቲ ዕዳጋ ከይዳጎንካዮ፡ ከም ኣቕሃ ሓራጅ ከይገላበጥካዮ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ክብሩ ብዝሕለወሉ፡ ናቱን ናይ ውሽጢ ስድራ ቤቱን ኩነታት ምሉእ ወናኒ ኮይኑ፡ ብዘይድፈረ መጋረJኣ ዚስረተሉ ናጽነቱ ከይጠሓስካ ነቱ ዕዙዝ ናይ ኣቦታትና ባይቶ ዚመስል ኣአሓዳድራ፡ እሞ ሽሕ’ኳ ምስ ሓድስ ጊዚያዊ ጥዑይ ርእይቶታት እንተሰኻኾአ፡ ብሓቂ ምሉእ ነጻነት ዘለዎ፡ ብላዕሊ መጺእካ ንህዝቢ ብትእዛዝን ኣዋጅን እትድብድበሉ ዘይኮነ “ተዛረቡ ዓበይቲ.. ተመረቑልና ናእስቱ….” እናተበሃሃልካ፡ ብህድኣት፡ ሕሳብ ሓድሕድ ኣወሃሂድካ፡ ብዘይ ናይ ላዕሊ ተጽዕኖ፡ ዚፍታሕ ፈቲሕካ ዚእሰር ኣሲርካ ” ርሓሰና” ኢልካ ብሙሉእ መንነትካ ኮሪዕኻ ምስ ጊዜያዊ ጉዳያት ኣሰማሚዕኻ ምክያድ ኣይምተኻእለን ዶ ? ኣይምተግብአን ዶ? ኣይማኣከልን ዶ ?

ዝጠዓመ ምግቢ፡ ዝበለጸ ምግቢ ጽቡቕ ክነሱ፡ ኩላሳዕ ቀጺልካ እሞ ብብዝሒ እንተተመጊብካዮ፡ ዋላ’ኳ ብብዙሕ ጻኦርን ሃረርታንዝረኽበካዮ እንተዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ይጽልኣካ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ እቱ ናይ መጀመሪያ እዋን ነጻነት ዜለዓዕለና፡ ዜደናፍቐና ክሳብ ንብዓአት ዘብጽሓና ዝነበረ እሞ ንሓቂ ዘንጸባርቕ ዘረባን ኣዘራርባን፡ ሕጂ መጠን ብዝየብሉ ብዝሒ ምስተደጋገመ፡ ዚዛረቡ ዚጽህፉ ዘበሉ ኵሎም፡ ኪደግምዎ ኪደጋግምዎ እንክትሰምዕ ይጽላኣካ። ” ኣንታ ናታቶም ኣዘራርባ ዶ የብሎም ኢዮም ” የብለካ። ከም’ዚ ዚበለ ኣገባብ ብዘያፍካ ምዝራብ፡ ብዘዪድካ ምጽሓፍ ብዘያእምሮኻ ምሕሳብ ማለት እዩ። ከምኡ ምስ ኮነ ነቲ ክብሃል ዚድለን፡ ነቲ በሃሊኡን የፍኵሶም። ኵሉ ሕመቕ ኩሉ ክፍኣት ኩሉ መከራ ” ብዝሓለፈ ስርዓት” ኩሉ ጽቡቕ ኩሉ ጥዑም ” ሳላ ጀጋኑ ” ሓቂ እዩ። (ገለ ምግናን’ኳ ዘይሰኣኖ እንተዀነ) ብቀንዱ ከምኡ’ዩ። ግን ክሳብ ዚኣከልና ሰሚዕናዮም ንፈልጦን ስለዝኾና፡ እሞ ቀደም ኣውን ዘሰኰረና ኣገባብ ስለ ዝኾነ ” እወ ንሱስ… እሞ ሕጅኸ ….” እናበልካ ናብ ካልእ ግልጽ የብለካ። መግዛእታዊ ስርዓት ኮሚኒስቲ ደርግ ሞይቱ’ዩ። ዘይትንስእ ይግበሮ፡ ስውኣት ስንኵላት ደቅናን ኣሓትናን ከዓ፡ እቶም ዝሞቱ ሞይቶም፡ መንግስተ ሰማይ ይሃቦም፡ ጸሎትናንምስጋናዊ ዝኽርናን ኣይፈለዮም። እሞ ብቐንጠመንጢ ንመጠዓዓሚ ዘረባ፡ ንመቃመሚ ቃለ መጠይቕ ዚለዓሉ ኣይኮኑ። እቶም ብሕይወቶም ዘለዉ ጎደሎ ኣካል ዝኾኑ ተጋደልቲ፡ ርኡያት ስዋኣት ኢዮም። እቶም ካልኦት ከኣ ሎሚ’ኳ ጥዑታ እንተተባህሉ፡ ንሞት ተወፍዮም ዝነበሩ መዓልቶም ዘይበጽሐ ኮይኑ ዝተረፉ ኢዮም። ሕጂ’ውን ትውፍዮቶም ንቡር’ዩ። ካብ ግዛኣት ሞት የድሕኖም።

ብዝኾነ ኮይኑ ብዝሓለፈ ታሪኽ ኣይንበርን’ዩ። ዘለኻዮ ሕይወት ንዚሓተካ ግድል ብምፍላጥ ብምፍታሕን ኢኻ እትዕወት። ሎሚ ዘድልየና ከኣ ኩሉ እቱ ዝሓለፈ መስዋእትነት ናብ ቍም ነገሩ ንኪበጽሕ ዜንቃሳቕስ ኵነታት’ዩ፡ ዜዛርብ ዜዘኻኽር፡ ዜድርፍ ዘይኮነስ ዜስርሕ’ሞ ብዝቐልተፈ እሞ ኩሉ ካብ መንግስቲ ብምጽባይ ዘይኮነስ ነፍስ ወከፍ ብነጻነት፡ ጕልበት ዘለዎ ብጕልበቱ፡ ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘቡ፡ ዚወሳወስ ኵነታት ኪፍጠር፡ መነግስቲ ከዓ ኬፍቕድ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ዓቕሙ ኪሕግዝን ኬደዳፍርን።

ስራሕ

ሃገርና ኣብ ድኽነት ይርከብ ከምዘሎ፡ ብርቱዕን ህጹጽን ጉዳይ ንሱ ከም ዝኾነ ዘይፈልጥ የብልናን። ከምኡ ስለ ዚኾነ ሕዝብና በዝብዘለዎ ገንዘብ ጕልበት እናወፈየ ኣብ ዓዓዱ ኣብ ወወገኑ በብዓይነቱ ምምሕያሽ ኪፈጥር ዓቕሙን ህያቡን የበርክት ኣሎ። ግና ገንዘብ ጥረ ገንዘብ ዜእትወሉ ስራሕ እንተዘይተፈጥረሉ፡ ርካቡን ሓይሉን ክነጽፍ ናይ ግድን’ዩ።ክሳብ ህጂው’ን እቲ ዜውፍዮ ዘሎ እንድዒ ካበይ ከም ዘምጽኦ። ንጊዜኡ እቲ መግቢ ዕለቱ፡ ሳላ እኽሊ ረዲኤት ረኺብዎ ኣሎ። ( ዝሃበ እዝጊ ይሃቦ) ግና ሰብ ( ብሕልፊ በዚ ጊዜ’ዙይ) ብመግቢ ዕለት ጥራሕ ኣይናበርን’ዩ። ትዃቦ ከዓ ( ኣብ ርእሲ ዘየዅርዕ ምዃኑ) ኩሉ ሳዕ ኣይርከብን’ዩ። እንተተረኽበ’ውን ዘይናትካ’ዩ። እሞ ብዘይናትካ ንኵሉ ሳዕ ኣይንበርን’ዩ። እሞ እንታይ ይኹን ምላሹ ከምዙይ እዩ። ኵሉ ሰብ ናብ እኹል ዕድመ ምስ በጽሐ ብነፍሲ ወከፍ ባዕሉ ዝውንኖ ናቱ ጥረ ገንዘብ ኪህልዎ የድሊ። ኵሉ ማሕበራዊ ( ሶሺያል) ዕላማን ትካልን ባኡ ኪትኵር ኣለዎ። ናብኡ ንምብጻሕ ብዚ ሎሚስራሕ እዩ ዜድሊ፡ ገንዘብ ናይ ስራሕ ፍረ እዩ። ስራሕ ክፍጠር ኣለዎ።

መንስግቲ እንተተኻኣሎ፡ ስራሕ ኪፈጥር፡ ካብኡ ዝብተረፈ ነቶም ኬንቀሳቕሱ ዝክእሉ፡ ነጻነት ጥራሕ ዘይኮነስ ደገፍ ኪህብ፡ ኬደፋፍር፡ ነቶም ወሃብቲ ስራሕ ጸገሞም ኬቃልለሎም፡ ሰብ ገንዘብ ገንዘቦም ከም ዝወሳወስ፡ ነኣኣቶም ኣርቢሑ፡ ንሰራሕተይናታቶ ከምዜርብሕ ኪገብር፡ ናይ ግድን ኣድላዩ ኢዩ።

ኣብ ኣገርና ስራሕ ( ደሞዝ እትቅበለሉ ስራሕ) ሞይቱ ተቐቢሩ’ዩ መንም ሰብ ከም ዚፈልጦ ከዓ፡ ኣብዙ ሃገርና ብሕልፊ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ዚበዝሕ እቱ ንብረቱ ትሕት ዝበለ ሕዝቢ ዚጥቐመሉ ስራሕ ምስ ሲመንቶ ዝተእሳሰረ ኢዩ። ሲመንቶ ይሰኣን ኣሎ፡ እንተተረኽበ ኸዓ ዋጋኡ ዘይቕረብ ኮይኑ፡ ከምኡ ስም ኮነ ክንደይ ብህራፋን ኪሰርሑን ኬስርሑን ዝነቐሉ፡ ብናይ ሴመንቶ መኽንያት ገንዘቦም ጨቢጦም ኪጽበዩ ይግደዱ። ሲመንቶ ዘይምርካቡን ምኽባሩን፡ እታ ፋብሪካኡ ብምሉእ ናይ ቀደም ክእለታ ዘይትሰርሕ ስለዝኾነት ይብሃል። ካብ ናይ ቀደማ ፍርቂ ኣቢላ እያ እትህብ ዘላ ይበሃል። መኽንያቱ ከዓ ስለ ዝኣረገት ብዙሕ ምትዕርራይ ዜድልያ ስለዚኾነ’ሞ ገንዘብ ስለ ዝተሳእነ ኢዩ ይበሃል። ግን ስለምንታይ ካብቱ በብዓይነቱ ገንዘብ ዚሃትት ትካላት ቀዳምነት ዘይውሃባ ምበልና። ንኣብነት ( ሓደ ትካል ክንጠቕስ) ንቴሌቪዥን ገንዘብ ይዋጻእ ኣሎ። ንሱ ኪጸንሕ እቱ ገንዘብ ንፋብሪካ ስመንቶ ከምኡ ዝበለስራሕ ዚህብን፡ ንኻልእ ስርሓት ዜንቀሳቕስ ትካላት ብዝቐልተፈ መፍረዪ ክኸውን ኣይመተገብኤን ዶ? ኣይምሓሸን ዶ ? እቶም ስራሕ ሲኢኖም ኣብ ሃገረሰብ ኣብ ገዝኦም ተኾርምዮም ዚጽበዩ ዘለዉ፡ ክዳን ዝባኖም ሲኢንፕም ዘለዉ ኣይምሓለፈሎምንዶ ? እቶም ሰብ ሓላፍነት ጠፊእዎምዶ ? ጸገሞም እንታይ ትፈልጥዎ ትብሉ ትኾኑ ? ሓቕኻትኩም ከዓ ትኾኑ፡ ንኣናውን እቱ ናይ ነቀፋ ዘረባ ዘየሰክፈና ኣይኮነን። እንታይድኣ ወድሰብ ሰብ ኢዩ። ሰብ ንሰብ ከዓ ፈርጊ ዝተጐምጐመን ጨርቁ ዝጠወየን ምስ ዚኾነ ይሓብሩዶ ? ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዚውስኹኻ ዚበሃል ኣሎ፡ ደሃር ከኣ ኣብ ላዕሊ ላዕሊ ዘሎ፡ ኣዋጥዩ ዘዝንግዖ’ምበር፡ ነቒፉ ዘለብሞ ኣይርከብ’ዮም መንይፈልጥ……….።

ተፈጸመ

ሎሚ እዚ ጽሑፍ ካብ ዝጸሓፍ 19 ዓመት ገቢሩ ኣሎ፡ ህዝብና ሰማዒ ምኽሪ፡ ምኽሪ ዓበይትን ለባማትን፡ ምኽሪ ዝወዓሉ ዝሰምዕ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ብርሃንን ካልእ ጽሑፍን  ኣብነታት ብዙሕ ከም ዝነበረ ዘይንዝጋዕ’ዩ። ሰንኪ ዘይምስማዕ ግን እንሆ ክሳብ ሎሚ ህዝብና ብፍላይ ብፍላይ እቲ ብጽጋብ ትተርኒዑ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደጋፊ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም በዓል ቆለ ነቲ ኩሉ ንቡር ታሪኹ ረሲዑ ክስዕስዕን ከጕርዕን ይርከብ። ክሳብ ሕጂ ብተምክሮን ገምጋምን ህዝብና ካብ’ቲ ብግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓለፎ ምምሕዳር መግለጺ ዘይርከበሉን ዘይብሉን ሃለዋት እንዳነበረ፡ እቶም ብዘይካ ንዓይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ኣብ ሞትን ስቓይን ህዝብና ክስዕስዑን ይረከቡ። ስውኣት ተረሲኦም፡ ስንኵላት ኣብ ማይ ሓባር ተደርብዮም፡ ሎምስ’ኳ ሓንቲ ደሃይ’ኳ ዘይብሎም ተሪፉ፡ ነባራት ተጋደልቲ ኣብ ማእሰርትን፡ ስደትን ሓደ ብሓደ ይጠፍኡ ኣለዉ።

ህዝብና ካብ’ቲ ጋዜጣ ብርሃን ዝጸሓፈትሉ ዕለት ኣትሒዙ፡ ሓንቲ’ኳ መስተርሆት ከይረኽበ፡ ብጥሙዩ፡ ብዕርቝ ይኸይድን ይነብርን ኣሎ። ሎሚ ሎምስ ካብ’ቲ ዝነበሮ’ውን ገዲድዎ ኣዝዩ ኣብ ትሑት ኣብ ዘስክፍ ኩነታት ናብራ ይርከብ ምህላው ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=836

Posted by on Jun 22 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net