ጉድ ጕዶ ሃገራዊ ዋዕላ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

22 ሰነ 2010

ጉድ ጕዶ ዝብል ቃል ብሓጺሩ፡ እቲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ እንጥቀመሉ ኣገዳሲ፡ ሓይሊ ምንጪ ነዳዲ፡ ኣብ ዘቤት ንጥቀመሉ’ዩ። እዚ ቃል ኣጥቢካ እንተነበብካዮ ብዒባ ዝተጠፍተፈ ጉድጕዶ ኣብ ኳና ወይ ኣብ ምስድሪ ተጎድጕዱ ምስ ነቐጸ ቀቀሊጥካ፡ መፍልሒ ማይ፡ መብሰሊ ጸብሒ፡ ከም መሰንከቲ ነዳዲ ከኣ ኣብ እቶን ፡ ሞቝሎ ከኣ ትጥቀመሉ።

ጉድጕዶ ናይ ብዙሕ ነገራት ዝተሓዋወሰ’ዩ። ግን መልክዕን ቅርጽን የብሉን። ኣብ ዝዀነ ቦታ ከኣ ተለጢፉ ክሳብ ዝነቕጽ ይጸንሕ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ይነድድ።

ጉድ ጕዶ ነተን ፊደላት እንተፈላለኻየን ከኣ እቲ ጉድስ፡ ጕዶ ኮይኑ ወይ እቲ ጕድ ጕድ ዶ ፈጢሩ ዝብል ትርጉም ዘስምዕ’ዩ። ዘገርም ኣሉታዊ ነገር እንተሰማዕካ፡ ወይ ዘሓሰብካዮ ዕዳ ወይ ነገር እንተወረደካ ጕዶ ተረኺቡ ትብል’ሞ፡ ናይ ጕድ ጕዶ ተረኺቡ ብማለት ነፍስኻ ትሓተሉ እዩ።

ብዝዀነ መስርሕ ሓገራዊ ዋዕላ ክሳብ ብስርዓትን፡ ብግዝኣተ ሕግን ኣገባብ ዘይተፈጸመ፡ ንሳተፎ ኣይንሳተፎ ከም’ቲ ወትሩ ነቲ ዘይቕኑዕ ኣካይዳን ኣተገባብራን፡ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታዊ ስርሓት ክነቕፍ ግድነት’ዩ። ግን ነቒፋ ዘይኮአንስ መተካእ፡ መእረምታ ምቕራብ’ውን ኣሎ። ገገለ እቲ ነቐፈታ ባዕሉ መእረምታ ኮይኑ ዝቐርብ ጽሑፍ’ዩ፡ ገገለ ከኣ ብቀንዱ እቲ ንምእረምታ ዝወጽእ ጽሑፍ ባዕሉ ኣራምን ነቓፊ’ዩ።

እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ነቲ መኣዝኑ ዘጥፍአ ኣካይዳ፡ ከም ጉድጕዶ ጠፍጢፍካ ትገድፎ ከምኡ ዝዓይነቱ ኮይኑና ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዕለት 13 ሰነ 2010 ብዛዕባ ኣብ ስቶክሆልም ዝተካየደ ኣኼባ ሽማግለ ዋዕላ ስትክሆልም ጽሒፈ ነይረ። እቲ ኣኼባ ሽማግለ ዋዕላ ዝገበሮ ዘይፍትሓዊ ናይ ተብተብ ኣኼባ፡ ዘየተዳለወሉ ዘይጸንዐ ኣኼባ ብምንባሩ ነቒፈ። ከም መቀጸልታ ከኣ እንሆ ሽማግለ ዋዕላ ኣብ ስቶክሆልም በቲ ዝጀመሮ ፈራስ መሰረት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ’ቲ ናይ 22 ግንቦት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሽማግለ ዋዕላን፡ ንዋዕላ ዝውክሉ ብኽመይ ክዳለዉሉ ከም ዝተቐረቡን፡ እቲ መስርሕ ከኣ ቅኑዕ ከም ዘይነበረ’ኻ ክትዕዘብን ክትመዝንን ትኽእል። ብዛዓብ ሽማገል ምድላዋትን ንዝምልከት ጸኒሐ ሃሳባተይ ከስፍር’ኳ እንተዀንኩ፡ ድሕሪ 22 ግንቦት 2010 ንጥፈታት ስቶክሆልም ከመይ ከም ዝቐጸለ ብዘሎኒ ሓበሬታ እንሆ።

ሽማግለ ዋዕላ ኣብ ስቶክሆልም መጺኡ ዝገበሮ ኣኼባ ብሕጽር ዝበለ ብኩሉ መዳያት ኣንቢብኩም ኣለኹም። ሓደ እቲ ኣኼባ ዘቕረቦ ጸብጻብን፡ ኣነ ብወገነይ ዘቕረብክዎ ጸብጻብን ንዝምልከት’ዩ። እቲ ብወገን ሽማገል ዋዕላ ዝቐረበ ጸብጻብ ብሙሉእ ቅኑዕ ኣይነበረን በሃላይ’የ። እቲ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ ዝተባህለ፡ ሓደ ሙሉእ ስምምዕን ምርድዳእን ዘይነበሮ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ ምባሎም ሓደ ጌጋዩ። ብሓቂ ከኣ ኣቲ ጌጋ ጌጋ እንዳወሰኸ ምዃዱ ጉድ ጕዶ ወሊዱ የብለካ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ብዛዕባ ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ዝተዘርበ ብኩሉ መዳያቱ ዘይሓላፍነታውን፡ ሓላፍነት ክወስደ ዘይደሊ፡ ከም ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝኣትዎ ዘሎ መድረኽ ዕብየቱ ብዘየገድስ ከኣ ምስ ኩሉ ጉድ ጕዶኡ ንኺድ ዝበለ ምዃኑ ገሊጸ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ገገለ ሰባት ንኣኼባ ክሰምዑ ዝመጹ ስምን እንዳረቛሕካ ንኣባላነት ሽማግለ ሕጹያት ኩኑ እንዳበሉ ሕቶ ዘቕረብሎም ዝነበርሉ ሃንደበታዊ ከም ዝነበረ ንምግላጽ ፈቲነ።

እቲ ኮይኑ እቲ ኣብ’ቲ ኣኼባ’ውን ነፍሱ ዝሓጸየ ኣይተሳእነን እሞ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ነፍሰን ሓጽየን ተቀባልነት ረኺበን። ደቂ ኣስንትዮ ኣብ ቃልሲ ተሳትፎአን ዘረጋግጻሉ መድረኽ ስለ ዝዀነ ብሓቂ ኣውንታዊ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ፡ ሰብ ነፍስ ክሓጺ’ውን መሰሉ ስለ ዝዀነ። እቲ ዘዛርብ ዘሎ ግን ብመሰረቱ  መንገዱ ዝሰሓተ ብምዃኑ’ዩ።

እቶም ካልኦት በቲ ገዛ ተሓጽዮም ዝቀረቡ’ዮም ደቂ ኣንስትዮ’ውን ይርከበኦም። ብድምር 11 ኣባላት ዘለዋ ሽማግለ ተመሪጻ። እታ ሽማግለ ኣብ 4 መደብ ስርሓት ተኻፋፊላ ቆመት። ንሳተን ድማ 1- ሽማግለ ውደባ። 2- ዜናን ርክባትን። 3- ምርምርን ስነዳን። 4- ሽማግለ ፋይናንስ የጠቓልል። ሽማግለ ዋዕላ ጨንፈር ስቶክሆልም ክልተ ግዜ ኣኼባ ኣካይዳ። ኣብ’ቲ ዝተካየደ ኣኼባታት ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምውጻእ ገንዘብ ብዛዕባ ፋይናንስ ጉዳይ ቀዳምነት ኣትኵሮ ሂቡ ዝተዘርበሉ’ዩ።

ገለ ካብ ሽማግለታት ኣኼባ ካብ ገንዘብ ምውጻእ ዝያዳ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣገባብ ተሳታፍነት፡ ዕላምኡ፡ መደብ ስራሕ ሽማግለታት፡ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ወከልቱ ባዕሉ ክመርጽ መሰሉ ስለዝኾነ፡ እዛ ሽማግለ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ዓዲማ  ደሞክራሲያዊ ምርጫ ዘይትገብር እንተኾይና ቕኑዕ ኣይኮነን ዝብል ተቓውሞ ብገለ ሰባት ቀሪቡ። ሃገራዊ ዋዕላ ብተብተብ ክግበር ዝድለ ዘሎ፡ ዘይደሞክራሲያዊ ኣገባብ፡ ግሉጽነት ዝጎደሎ፡ ሓድነት ህዝቢ ከረጋግጽ ይትረፍ፡ መባእታዊ ሓድነት ውድባት ዘይውክል ውዲት ዘለዎ ናይ ኪዳን ፖለቲካዊ ጸወታ ኢዩ።

ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ገገለ ሽማግለ ነቲ ኣዘውቲሩ ብዛዕባ ገንዘብ ዝዝረብ ኣጀንዳ ይጽናሕ’ሞ፡ ብቀዳምነት ክንዛረበሎም ዘሎን ጉዳያት፡ ኣገባብ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ ንባዕልና ዓጊብና ህዝቢ ክንዕግብን፡ ህዝቢ ናይ ጉዳዩ ዋና ክኸውን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክምረጽን ወግዓዊ ናትና ናይ ውክልና ዋዕላ ክንገብር ይግባእ፡ ካብ’ዚ ወጻኢ ግን እቲ ኩሉ ዝተኻየደ ኣኼባን ላዕልን ታሕትን ንይምሰል ናይ ዋዕላ ሽፋን’ምበር ሓቐኛ ተበግሶ ከም ዘይብሉ ዝገለጹ ነይሮም።

ኣብ ካልኣይ ዙሪያ ኣኼባ፡ ሓደ ካብ ኣባላት ሽማግለ ብግምት ቁጽሮም ክሳብ 15 ዝበጽሕ ዝርዝር  ዝሓዘ ናይ ሕጹያት ኣስማት ዝብሎም ወከልቲ ሃገራዊ ዋዕላ ጨንፈር ስቶክሆልም ቀረበ። እቲ ዝርዝር ኣስማት ነቶም ዘቕረብዎ ሰባት እንተዘይኮይኑ ነቲ ሽማግለ ሃንደበት’ዩ ነይሩ። እቲ ሽማግለ ብዛዕባ ውክልና ሃገራዊ ዋዕላ ኣልዒሉ ዝዘተየ’ኳ እንተነበረ ብኸምኡ ኣገባብን መልክዕን ዘይተጸበዮ ዱብ ኢሉ ዝመጽእ ዝርዝር ኣስማት ኣሰምቢድዎ’ዩ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ርሱን ክትዕ ተኻይዱ፡ እቲ ክትዕ ከኣ ኣብ ምንጎ’ቲ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብልን፡ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ዝብል ክልተ መጎተ’ዩ። ኣብ ምወዳእታ ግን እቲ ዝርዝር ኣስማት ሒዙ ዝመጸ ሸነኽ ከም ዘይኸውን ፈሊጡ፡ ነቲ ጉዳይ ብደረጃ ኣኼባ ሕጹያት ክመርጽ ከም ዝተገደደ ኮይኑ ኣሎ።

መደምደምታ

ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ጌጋታት ተፈጺሙ ተባሂሉ’ዩ። ደሓን እቲ ጌጋ ክዕረ ይኽእል’ዩ ስለ’ዚ እዚ ዋዕላ ይኺድ ዝበሉ ከኣ ነይሮም። ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ ኣብ ጀርመን ይኹን  ሽወደን ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ጌጋጋት እንዳተፈጸሙ ይኸዱ ኣለዉ።

ከም ርእይቶይ ምስ’ቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ጌጋታት፡ ሽማግለ ድሕሪ ምቋሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ዝራኸብሉ ጸብጻባቱ ከቅርብን፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ከኣ ሕቶ ክምለስን፡ ሓሳብ ክቅበልን ተገይሩ፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንህዝቢ ክግለጽ ዕድል ክረከብ ኣለዎ። እዚ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ኣኼባታት ከም ኣብ ዕትሮ ዝኣተወ ሽምዓ ዝፈልጦ ዘይብሉ ብሽም ሃግራዊ ዋዕላ ዝካየድ ውራይ’ዩ።

ካልእ ሃገራዊ ዋዕላ ወከልቱ ክመርጽ ግድነት’ዩ። እንተዀነ እቲ ሽማግለ ዋዕላ ሓሳብ ደኣ እዩ ከቅርብ ዝኽእል’ምበር ዝርዝር ኣስማት ኣምጺኡ ነዞም ሰባት እንተዘይመረጽኩም እንዳበልካ ዝብግበር ስርሓት ኣይፍጸምን።

ከም ርእይቶይ፡ ኣቲ ሽማግለ ኣብ ዝተኣከበሉ ሓሳብ የቕርብ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ስርርዕን ምስውዳብን ዘሎ ሽማግለ፡ ነቲ ኣኼባ ሓሳባቱ የቕርብ፡ ዝውሰኽ ይውሰኽ ዝጎድል ይጎድል፡ በቲ መንገዲ እቲ ዝርዝር ኣስማት ምስ ተጻፈፈ፡ ሓደ ሽማገል ወጺኡ ነቶም ሰባት ሓቲቱ ፍቃደኛታት ምዃኖም ከረጋግጽን ክሓትትን ይግባእ። ቅድሚ ኩሉ ጥርናፈ ናይ’ቲ ሽማገል ባዕሉ ብኽመዚ ኣገባብን ስርዓት ክወጽእ ነይርዎ። እንተዀነ እቲ ሽማግለ ድሕሪ ናይ 22 ግንቦት ኣኼባ ናብ ህዝቢ ኣይተመለሰን፡ ናብ ህዝቢ ጎስጓሳትን ዕላማ ሃገራዊ ዋዕላ ኣይገለጸን፡ መጻኢ ኣገባብ ቃልሲ ኣተሓሕዛ ደመበ ተዋቃሞ ኣይገለጸን። እንታይ ደኣ በቃ ንይምሰል ኣብ ስቶክሆልም ኣኼባ ሽማግለ ዋዕላ ተኻይዱ ተመሪቑ ኣሎ ድሕሪ ሕጂ ንኺድ ጥራሕ፡ ከመይ ኣብ ዋዕላ ንበጽሕ’ዩ እቲ ጉዳይ። ናይ 22 ግንቦት ኣኼባ’ውን ህዝቢ ይሳተፍ ኣይሳተፍ ሃንደብታዊ ኣኼባ ምንባሩ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተታሕዘ ምንባሩ’ዩ። እወ ቃልሲ ከም Mዃኑ መጠን ብዙሕ ዕንቕፋታት ዘጓንፍ ‘ዩ። እንተዀነ ከም ዕብየት ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብናይ ቃልሲ ምስምስ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ክሳብ ሎሚ እቲ ናይ ድህሳሰን ምርምርን ዝተኻየደ ስርሓት፡ ጸብጻባት ወገን ሽወደን ዝተራእየ የልቦን። ናብ ህዝቢ ዝቀረበ ሓሳብ ብጽሑፍ የልቦን። ሽማግለ ተመሪጹ ንሓድሕዱ ግን ይዛረብ ኣሎ። እቲ ጽባሕ ናብኡ ዝኸይድ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ከኣ ንሱ ባዕሉ’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=838

Posted by on Jun 23 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net