መግለጺ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንለውጢ ምንቅስቓስ 21 ጥሪ

ኤርትራ ሃገርና ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት፡ ህዝባ ፍጹም እዚ ተጠቒሙ እዩ ክበሀል አይከአልን እዩ፡ ፍትሐዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ታተ እንዳበለ ካብ አርበዓታት ዝጀመረ ኮይኑ ድሕሪ ነዊሕ ብረታዊ ተጋድሎ ድማ ዓብይን ዘይርሳዕ ታሪኻዊ መስዋእቲ ከፊሉ ሀገራዊ ነጻነቱ ካብ ዝጎናጸፍ ድሮ ርብዒ ዘመን ኮይኑ አሎ፡ ዋጋ ናይቲ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእቲ ድማ አይተኸፍለን። ብአንጻሩኳ ደአ ሰብአዊ መሰላቱ ምግፋፍ፡ ቤት ማእሰትታት ምስፍሕፋሕ፡ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽ መሰል ምኽልካል፡ መሰል ስነጽሑፍን መሰል ነጻ ግላዊ ጋዜጣታት ምዕጻው፡ ሰብ ተኸሲሱ ወይ ተአሲሩ አብ ፍርድቤት ቀሪቡ ገበኑ ተረጋጊጹ ፍትሐዊ ውሳኔ ክረክብ ዘይምኽአል ወዘተ እዩ ገኒኑ፡ ሕድሽ ኤርትራዊ ትውልዲ እቲ ሐቀኛ ታሪኹ አለልዩ አብ ክንዲ ንትምህርትን ሰብአውን ሀገራውን ዕብየት ዝግስግስ፡ ብጀካ ዓቕሚ አዳም ከይበጽሔ ውትህድርናን ትምህርቲ አልቦን ብሙዃን፡ አገልጋሊ ናይ ውሑዳት መኮነናት አብ ልዕሊኡ ኮይኖም ብትዕቢትን ትምክሕትን ዝተላዕጠጠ ግፍዓዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ዘለው ሕልና ዘይብሎም ደቂ ሀገሩ፡ ጥጡሕ ናይ ሂወት መቐረት አይጠዓመን፡ ካብኡ ዝኸፍኤ ድማ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሀገራት ናይ ውግእን ኢድ ናይ ምትእትታውን ጠባያት ከም ቀዳማይ ዕላምኡ ዝሰርዖ ጉጅለ እሰያስ፡ ብመራሕ ረብሻ አብ ቀርኒ አፍሪቃ ዝልለ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ብዲፕሎማስያዊ ሸነኻት ሀገርና ኤርትራ ብሰንኪ`ቲ ዝተፈንፈነን ዝተጸልኤን ጉጅለ ህግደፍ አብ ልዕሊኡ ዓለምለኻዊ እገዳታት ክፍጸም ንቡር ምዃኑ ንርኢ አለና፡
ከምውጽኢት ናይዚ ኹሉ እኩብ ድሙር ብኩል ዝኾነ ተግባራት ጸረ ህዝቢ ስርዓት ኤርትራ ድማ ሀገርና ካብ ጎረባብታ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ምሉእ ዓለም ንበይና ተነጺላ ብጽምዋን ብቑጠባዊ ዝቕበባን ዓመጽን እትልለ ሀገር ካብትኸውን ነዊሕ ዓመታት ሐሊፉ እዩ፡ ኩሉ ናይ ሰብአውን ማሕበራውን ግህሰታት በብሐደ ምግላጹኳ ተንቲንካ ዝውዳእ እንተዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ብሙልኡ ብረት ክዓጥቕን ዝተወልደ መንእሰይ ንግዳም ጥራሕ ክስደድን ክትርኢ እንከለኻ አዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነት ከምዘሎ እቲ ወድዓዊ ኩነት ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ይዛረብ አሎ።

ነዚ መሰረት ብምግባር እምበአር ንሕና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነዚ ናይ ሕጂ አብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢ ሃንቀውታን ድልውነትን ዝጽበዮ ዘሎን ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉን ዝተጸበዮን ጉዳይ ስለዝኾነ፡ አብ ህልው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ጉዳይ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ምልጋስ ከምምዃኑ መጠን፡ ዝኾነ ዓይነት ነዚ ስርዓትዚ ንምእላይ ዝግበር ምንቅስቓስ ከም ሐደ ዓቢ አዎንታዊ ስጉምቲ ንቕድሚት ክርአይ ይግበኦ ኢልና ንአምን፡ ካብዚ ተበጊስና ድማ አብ ጎኒቶም ንዲክታተያዊ ስርዓት አውዲቕካ ፍትሒ ንምምጻእ እትቃለሱ ዘለኹም አባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ደው ከም እንብል ነፍልጥ።
ካብኡ ሐሊፉ ጉዳይ ሀገርካን ህዝብኻን ንሰብአዊ መሰላትካ ብኢድካ`ምበር ዝህበካ ፍጡር ስለዘየለ እቲ ተባዕን ጭቁንን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻል ሀገርና ኤርትራን ሕጂ ዘላዕልዎ ዘለው ምጉህሀር ገንፊሉ`ምበር ሕጂ ዝጀመረ ነገር አይኮነን፡ እዚ ሕጂ አብ ውሽጢ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስን ምስቲ ንዕኡ ንምስናይ ጎኒጎኑ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ተቓወምቲ ሐይሊ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ኤምባስታት ኮነ አብ ካልእ፡ አብ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ዜና ማዕከናት ብብግዝይኡ ይቃላሕ ስለዘሎ ንጉጅለ ህግደፍ ዓቢ ራዕዲ ናይ ሻቕሎት ወጥርን ቅልውላውን አእትይሉስ ከመይ ገይሩ ከምዝሽፍኖ ጠፊእዎ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ`ሎ፡፡

ዝኸበርካ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል ሃገረ ኤርትራ፡ ሎሚ ድሕሪዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቅያት፡ ህዝብና ለውጢ ንምምጻእ አብቲ ዝለዓለ ብሐደ ናይ ሐባር ቅልጽም ከቲቱ ስልጣን ናይ ህዝቢ ንኽኸውን ድምጺ ህዝቢ ዝስመዓሉ ዘሎ መድረኽ ስለዘለና፡ ነቲ ዝቃለስ ዘሎ እንዳተባባዕና ነቲ ጌና ዘይተሰለፈ ዘሎ ድማ ክለዓል ከምዘለዎ መጸዋዕታና ነቕርብ፡ ነቲ ሐዊ ረጊጹ ዝቃለስ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ድማ አጆኻ አብ ጎንኻ አለና ንብሎ።

ዓወት ንፍትሐዊ ሰውራ፡
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት እሰያስ፡
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8401

Posted by on Feb 4 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net