ስዩም ዘይብሉ ትስፍዋት ወረስቲ ዓራት

ወለድና ነገራት ምስ ኣብቅዑ ብድሕሪኡ ንዝግበሩ ፈተነታት ዕሽነት ምዃኑ ንምግላጽ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ይብሉ። ሎሚ ድማ ዕሽነት ኣምለኽቲ ኢሳይያስ ንምግላጽ ህዝብና ድሕሪ ገበጣ በይኖም ዝጻወቱ ትስፍዋት ወረስቲ ዓራት ኢሳይያስ ክብል ይገልጾም ኣሎ።

እቶም ስዩም ዘይብሉ ዓያሹ ብዝብል ዝገልጾም ዘሎ ብቑጽሪ ሕፍኒ ክነሶሞ ያሒተ እንተላም ዝሕስዉ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኣጠቓዕቲ ነቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፈለመ ግብራዊ ኣራሚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምጽላምን ብምጥቃንን ወረስቲ ዓራት ንምዃን ዝገብርዎ ዘለዉ ብዕራይ ወለደ ሓሶታት ብምዕዛብ’ዩ።

እቲ ወራሲ ዓራት ገይሩ ክናዘዘሎም ዝጽበይዎ ዘለዉ ኢሳይያስ ከይተረፈ ዝኣመነሉ ጠለብ ምልኣተ ህዝብን ሰራዊትን ሒዙ ዝተበገሰ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ፡ ሓንሳብ ብሃይማኖት ካሊእ ግዜ ከባብያ’ውን ናይ ገለ ብሄራትን በዚ ኣይሰልጥን ክብሎም ከሎ ከኣ ናይ ግዳም ተልእኾ ጌሮም ንምጽላም ዘለዎም ናይ ሓሶት መናፍሕ ኩሉ ከዝንቡ ግዜ ስኢኖም ይርከቡ ኣለዉ።

ንምዃኑ ኣየነይቲ ጠለብ’ያ እታ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ከባቢ ወይ ናይ ግዳም ትብልዋ ዘለኹም ኣቱም ትስፍዋት ወረስቲ ኑዛዜ ኢሳይያስ?

እስከ እተን ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም መሪሕነት ኣራሚ ምንቅስቓስ ምስ ገበነኛ ኢሳይያስ ተላዚቦም ዳርጋ ብጀካ‘ታ ሓንቲ ኣብ ኣርባዕቲአን ተስማሚዑለን ዝርከባ 5 ነጥብታት ናልዐልና ንትስፍዋት ወረስቲ ዓራት ኢሳይያስ ንሕተቶም።

1. ንሰራዊት ክእተወሉ ዝጸንሐ መብጽዓታት ተግባራዊ ይኹን ዝብል ጠለብ

–   መሃያ ሰራዊት ብዘይቅድመ ኩነት ክመሓየሽ

–   ስሩዕ ናይ መዓርግ ግዜን ተዋረድን ክውሰንን ንነዊሕ ግዜ ስለዝጸንሐ ሕጂ ወሰኽ መዓርግ ክወሃብን

–   ኣብ ባንክታት ተቐሚጡልካ ዝተብሃለ ገንዘብ ሰራዊት ክወሃብን ባዕሉ እንተስ ክጥቀመሉ ወይ ኣብዘድልዮ ባንክታት ከቅመጥ ክውሰን

–   ኣገልግሎቱ ዝወደኣ ክጣየስን ሞስኡ ክረክብ ክግበርን ዝብል ነጥቢ ‘ቲ ቀዳማይ ጠለብ’ዩ። እዚ ናይ ምልኣተ ሰራዊትና ጠለብ ነየናይ ሃይማኖት ወይ ከባቢ ዝውክል ኢኹም ትብሉና ዘለኹም?

2. ብዘይ ሕጊ ዝተኣሰሩ፡ ኩሎም ዓይነት እሱራት ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ዝብል ካልኣይ ጠለብ

–   ሃገርና ናብቲ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ኩለመዳያዊ ጸገም ከይትጥሕል ኣካያይዳና ነተዓራሪ ቅዋም ይተግበር ወዘተ ብምባሎም ምኽንያት ገበን ተቆጺርዎም ብግፍዒ ዝተኣሰሩ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ መራሕቲ ሰውራ ብጉጅለ-13 ዝፍለጡ ምሁራት ከምኡ’ውን ብጉጅለ-11 ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ

–   ብእምነቶም ምኽንያት ዝተኣሰሩ ክፍትሑ

–   ብስግረዶብ ብኽፍሊት ግብርን ሃገራዊ ጉቡእ ኣይፈጸምኩምን ወዘተ ናተብሃሉ ዝተጸዓኖም ቅጽዓት ክኸፍሉ ብዘይ ምኽኣሎም ዝተኣሰሩ

–   ወተሃደራዊ ቅጽዓት ተመሳሚሱ ብሓደራ ዝተኣሰሩ ኣባላት ሰራዊትን ኣገልግሎትን

–   ካብ ኣገልግሎት ሃዲምኩም ወይ ሳዋ ኣይወረድኩምን ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ተምሃሮን መንእሰያትን ብዘይዋላ ሓደ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ዝጠልብ ካልኣይ ሕቶ ኣራሚ ምንቅስቓስ ነየናይ ሃይማኖት ብሄርን ከባብን ጥራሕ ዝምልከት ኢኹም ትብሉና ዘለኹም? ኣቱም ዘጣቕዕ ኢድ እምበር ዝሓስብ ርእሲ ዘይዓደለኩም ወረስቲ ዓራት ኢሳይያስ

3. ካብ ስሩዕ ኣዋጅን ኣሰራርሓን ወጻኢ ብውልቀ ሰባት ዝተወሰነ ኣልማማ ምዕጣቕ ሽማግለታት ወለዲ ጠጠው ይበል፡ ዝተበተነ ብረት ይተኣከብ ናብ መኽዘናት መንግስቲ ይእቶ። ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ሰራዊት ፈጢርካ ማለት’ውን ብተኽላይ ማንጁስ ዝምራሕ ሰራዊትን ብጀነራል ወዲ ኤፍሬም ዝምራሕ ሰራዊትን ዝበሃል ኣሰራርሓ ኣዕናዊ’ዩ። ኤርትራ ሓንቲ ሃገር ስለዝኾነት ‘ቲ ስሩዕ ብወዲ ኤፍሬም ዝምራሕ ሰራዊት ናሃለወ ካሊእ ዓይነት ብኻሊእ እዚ ዝምራሕ ሰራዊት ምፍጣር ሃገር ናብ ክልተ ኸፋፊሉ ዘዋድእ’ዩ ዝብል ጠለብ ‘ቲ ሳልሳይ ናይ ልዝብ ነጥቢ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ‘ዚ ኸ ነየናይ እምነትን ከባብን ዝውክል ኢኹም ክትብሉና?

4. ብ1997 ዝተረቐቐ ቅዋም ተግባራዊ ንምግባር፡ ዘተግብር ጉባኤኛ ይመስረት ናብ ህዝቢ ኣውሪዱ የመያይጥ ድሕሪኡ ግዜ ከይተወሰደ ኣብ ግብሪ ይውዓል በቲ ‘ቲ ቅዋም ዝሕግጎ መሰረት ድማ ቅዋማዊ መንግስቲ ይመስረት ሃገርና ኤርትራ’ውን ቅዋም ብዘለዎ መንግስቲ ትመራሕ ኣብ ዓለም ጉቡእ ክብራ ዝወነነት ሃገር ንግበራ ዝብል፡ መሰረታዊ ጠለብ ድማ ‘ቲ ራብዓይ ነጥቢ ናይ ልዝብ  ተጌሩ፤ ይካየድ ኣሎ። እዚ ጠለብ እዚ’ከ ንሞሱሊም ዜጋታትና ወይ ንሓደ ኸባቢ ዝውክል’ዩ ዲኹም ትብሉና ዘለኹም? ወይስ ኣሜሪካ ዝጠንቆለቶ ንግዳም ሃገራት ዝረብሕ ጠለብ’ዩ ኢኹም ትብሉ ዘለኹም?

5. ምእንቲ ‘ዞም ቀዲሞም ዝተገለጹ ኣርባዕተ ሕቶታት ክምለሱን ክትግብሩን ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅድመ ኩነት ስልጣንካ ክተርክብ ኣለኻ ዝብል መላዘቢ ሓሳብ ‘ቲ ሓምሻይ ነጥቢ ኾይኑ ኣሎ። ኢሳይያስ ውረድ ዝብል ጠለብ ናይ ኣየናይ ሃይማኖት’ዩ ኢኹም ትብሉና ዘለኹም ትስፍዋት ወረስቲ ዓራት?

ንምዃኑ’ከ መን’ዩ ነቲ ብጅግንነት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንዝጀመረ ሓይሊ ጅግና ኣይጅግናን ከዳዕ ሃገራዊ ክብል ዝኽእል? ነቶም ትማሊ ብፍሉይ ጅግንነት ዝፍለጡን ‘ዞም ወረስቲ ዓራት ኢሳይያስ ይትረፍ መዲሮም ጽላሎቶም ክሪኡ ከለዉ ከይተረፈ ዘጣቕዕሎም ጀጋኑ፡ ጠላማትን ፈራሓትን ጌሮም ክዛረቡሲ ካን ሕንከት ኣጥፊኦም’ዮም ዘየብል ኣይኮነን።

‘ዞም ናይ ደርጊ ቀበሌ ኣገልገልቲ ምልኪሲ ንጀጋኑ ትሕቲ ሃገር ወይ ብካሊእ ሃገር ዝተዓሰቡ ዘይኤርትራውያን ክብሉ ጋዶ’ዶ ኣይኮነን?

ወዮደኣ ፈሊጡ ዝደቐሰ ነቕኒቕካዮ ነይትንስእ ኾይኑ እምበር ኢሳይያስ ካብቶም ዝቐረቡሉ ነጥብታት ብጀካ ‘ታ ሓምሸይቲ  ብዘይቅድመ ኩነት ውረድ ትብል ነጥቢ፡ ነተን ኣርባዕተ ኩለን ኢሳይያስ ከይተረፈ ተስማሚዑለን ከምዘሎን ‘ታ ሓምሸይቲ ‘ውን ቀልጠፍካ ሕሰበላ ተባሂሉ ሕራይ ጊዜ ይወሃበኒ ህጹጽ ጉባኤ ግንባር ይጸዋዕ ወዘተ ናበለ ኣብ ወጥሪ ኾይኑ ክቕበላ ይደናደን ከም ዘሎ‘ዩ ‘ቲ ዘሎ ሓበሬታ፡፡ እዚ ከኣ ‘ቶም ትስፋዋት ወረስቲ ዓራት ኢሳይያስ’ውን ኣጸጽዮም ይፈልጥዎ’ዮም። ታይደኣ ይብሉና‘ለዉ ተበልና ኢሳይያስ ኣብ ኑዛዚኡ ገለ ተረፍ-መረፍ ተመጠወሎም ወይ ከኣ ወራሲ’ቲ ዓራት ጌይሩ ተተናዘዘሎም ንምቅብጣር’ዮም በዓልባንዳ ወዲባንዳ፡ ኣለም ጎይትኦም ምስመሽረፈቱን ግርማ ኣስመሮምን ዘረባ ሃተዉ ዝዛረቡ ዘለዉ። ተሓፈረሲ ኣይመልሰኒ ኢሎም ከኣ ሓንሳብ ፈጺሙ ዝተገበረ ነገር የለን ነገራት ከም ቀደሙ ኣብ ዝነበሮ ነይሩ ሕጂ’ውን ኣሎ ይብሉ ‘ቲ ሓቂ ገንፊሉ ምኽዋል ክኣብዮም ከሎ ከኣ እወ ተጌሩ እስላማዊ ምንቅስቓስ’ዩ ነይሩ ናይ ኣሜሪካ ውጡን’ዩ ነይሩ ግን ንቆጻጸሮ ኣለና ኢና ወዘተ ናበሉ ነን ሕድሕዱ ዝተሃራረም ዘረባ ጸይቂ’ዮም ዝዛረቡ፡፡ እስከ ሕጂ ኣሜሪካ ካብ መዓስ’ያ ምስ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኮነ ምስ ጥሩፍትን ኣኽረርትን ምምሕዛው ጀሚራ፡ ብሓባር ክልተ ዘይቃደዉ ተጻረርቲ ዘረባ ትህውትቱ እንተተባሂሎም ዝዛረብ ኣፍ እምበር ዝሓስብ ኣእምሮን ዝሰምዕ እዝንን ስለዘይፈጠረሎም ሕጂ’ውን ካብ ምህውታት ሓሊፎም ካሊእ ዝህብዎ መልሲ የለን።

–   ንምዃኑ’ከ ነጻ እምነትካ ናይ ምኽባር ጠለብ ኣይተልዓለን እምበር፡  ተተላዕለኸ ታይ’ዩ ሓጥያቱ፡ ኣየናይ ሃይማኖት’ዶ ጽቡቕ ረኺቡ’ዩ? ሙሱሊም ኣሕዋትና ኣብ ኤርትራ ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ድዮም ዘለዉ? ገዳማትናን  ኣብያተ ክርስትያናትን፡ መዓስከራትን መኽዘን ኤምዳዳትን ኣይኮናን’ድየን ኢሳይያስ ዘይኣመነሉ ሃይማኖት ዝተከተለ ፍጡር ኩሉ ናተሃደነ ክጸንት ዝተገበረ ዜጋ የለን ድዮ? ንምንታይ ዴሞክራስያዊ ጠለባት ተቕርቡ? ንምንታይ እምቢ ንሕሱም ባርነታዊ መግዛእቲ ኢሳይያስ ኢልኹም ትዕምጹ ተባሂሎም ህዝብታት ሳሆ ብነፈርቲን ከበድቲ ኣጽዋራትን ኣይተጨፍጨፉን ድዮም? ህዝቢ ኩናማ ህዝቢ ዓፋር ህዝቢ መታሕት ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣይተጨፍጨፈን ድዩ? ስንኩላንን ጠለብ ዘቕረቡ ተጋደልትን ከይተረፉ ኣብ ዞባ ማእከል ብመትረይስ ኣይተጨፍጨፉን ድዮም? ኣብ ሃገርና ዳግመ ጭፍጨፋ ሽዕብ ዘይበጽሖ ከባቢ ኣበይ ኣሎ? ነዚ ግፍዓዊ ተግባር ተቓዊሙ ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ውዳበ ኾነ ምትእኽኻብ ተቓውምኡ ተዘስምዕን ጠለባቱ ተዘቕርብን’ከ ኣብ ምንታይ‘ዩ ፍትሓውነት ዝጎደሎ፡፡ እዚ ሓቂ ‘ዚ በቲ ዝሃውተትዎን ዝመጽዎ‘ውን ስዑር ምዃኑ ንምብራህ ደኣ ክቐርብ ተመሪጹ እምበር ‘ቲ ሕጂ ፈሊሙ ዘሎ ምንቅስቓስ ‘ዞም ዝግለጹ ዝነበሩ ግፍዕታት ‘ውን ኣብ ትሕቲ ጠለባቱ ከም ዘለዉ ብምእማን መሰረታዊ ሕቶታቱ ምጥን ኣቢሉ ንምቕራብ ካብኩሉ ዓይነት ጽፍሒ ሓላፍነት፡ ከባቢን፡ ሃይማኖትን ጾታን ዘማልአ ኮይኑ መሰረቱ ኣስፊሑ’ዩ ተጓሃሂሩ ዝቕጽል ዘሎ።

ንሕጂ ድኣ ስም ምግላጽ ኣየድልን እምበር ኣብቲ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት ተወሲድና’ውን ‘ቶም እምነት ክርስትና ዘለዎም ከምዝበዝሑ’ዩ ዝፍለጥ፡፡ እዋኑ ኣኺሉ ኩነታቱ ፈቒዱ ‘ቶም ታሪካውያን ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ጀጋኑ ስሞም ክርቋሕ ከሎ ‘ዞም ናይ ወራሲ ዓራት ሕልሚ ዘለዎም ሓሰውቲ ኣበይ ኮን ይኣትው ይኾኑ? ሓሳዊ ኣፉ ቶማም ስኑ ጓህማም ዝበሉ ወለድና ከምዚ ምስረኸቡ’ዮም።

 

 

 

እስከ

–   ተቓሊስካኒ ኣውዲቐካ

–   ኩሉ ዝምስክሮ ሓመድ ኣልሒሰካ

–   ስዩም ዘይትብል ዓሻ – ስዩም ዘይትብል

–   ስዩም ዘይትብል ዓሻ – ታይ ገዲሱካ

ዝብል ናይ ኣቦና ተወልደ ረዳ ደርፊ ናዘኻኸርና ጽሑፍና ንዛዝም፡፡

–   ህዝባዊ ምንቅስቓስና ብሓሶትን ጸሊመን ኣይቕልበስን

–   ኢሳይያስ ውረድ ከይትዋረድ ግዜ የለን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8414

Posted by on Feb 6 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net