ዜናዊ ጸብጻብ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ምደፍኤ፡፡

1 ለካቲት ጀሚሩ ንክልተ መዓልትን ፍረቓን ዝወሰደ ሰፍሕን መሃርን ውድባዊ ስሚናር፡ ኣቢሉ ካብ ሰሜን ኣመሪካን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተወከሉ ኣባላትን ተጋደልትን ኣመራርሓን ምደፍኤ፡ ተጋደልትን ኣመራርሓን ብደግሓኤ/ኤግደለን ዑዱማት ኣጋይሽን አብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ “ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ ብ 3 ለካቲት 2013 ድሕሪ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱ፡፡

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ ወንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ ብጻይ ጥዑም እዝጊ ሃይሉ፡ “ብቐዳምነት፡ እንቋዕ ናብዚ ታሪኻዊ ዕለት ውድባዊ ሰሚናርን ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤናን ክንተኣኻኸብ ኣብቃዓና እንዳበልኩ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓጎሰይ ክገልጸልኩም እፈቱ፡፡” ድሕሪ ምባል ህልው ኩነታት ምደፍኤን ምድላው ውድባዊ ስሚናርን ጉባኤን ምደፍኤ ኣመልኪቱ ሰፍሕ መብረሂ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡ፡፡ “ውድብና ምንቅስቓስን ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ) ሎሚ ኣብ መድረኽ ውድባዊ ሰሚናርን ውድባዊ ጉባኤን ክኣቱ እንከሎ፡ ብለማጽ መንገዲ እናተጓዕዘ ወይ ውን ተቆዶ ቆዶ እነተዘይቆዶ ከኣ ሕንጣጦ ብዝብል ላህመታዊ ገምጋም ዘይኮነስ፡ ሕሉፍ ጸገማቱ ኣለልዩን ኣሪሙን፡ ነብሱ ሰሪዑን ወዲቡን፡ ኣሎ ዝበሃል ናይ ቃልሲ ጸጋታት ኣብ መዓላ ቃልሲ ከውዕልን፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ብሓቂ ጽላል ሓፋሽ ክኸውን ምእንቲ መስመራቱን መትከላቱን ኣነጺሩ ብሓድሽ መንፈስን ሓድሽ ናይ ቃልሲ ወንን ንቕድሚት ክስጉም ሓሊኑ እዩ፡፡ ካብዚ ቅኑዕ ሕልና እዚ ተበጊሱ ድማ፡ ነዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዚ “ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ” ዝብል ስያመ ኣልቢሱ፡ እነሆ ኣብ ናይ መቐይሮ መድረኽ በጺሑ ይርከብ፡፡

ምስ ኩሉ ዘለና በዓልቤታዊ ሕጽረታትን ቁጠባውን ካልእን ሽግራትን፡ ከምኡ እውን ሕጽረት ግዜ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ውድባዊ ሰሚናርናን ዳግማይ ትንሳኤናን፡ ክንድቲ ዝድለ ቅድመ ምድላዋት ተገይሩሉ እዩ ኳ እንተዘይተባህለ፡ ምስ ኩሉ እቲ ዝተጠቕሰ ሕጽረታት ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዚ ዘብጽሑና ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ልዑል ምስጋና ይግበኦም እዩ፡፡ ከምኡ እውን ምስ ኩሉ ሕጽረታቱን ግዳማዊ ተጻብኦታትን ስኑ ነኺሱ ነዚ ውድብ እዚ ዘሳለየን፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዚ ዘብጸሐን ማእከላይ ሽማግለ ውድብና ክምስገን ይግበኦ፡፡ መሓዛና ውድብ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ውድብና ደው ብምልባል ክገብሮ ዝጸንሐ ሞራላዊ ደገፍ፡ ከምኡ እውን ውድባዊ ሰሚናርናን ዳግማይ ትንሳኤ ውድብናን ኣብ ምዕዋት ዝገበረልና ዓቕሙ ዘፍቀዶ ገንዘባዊ ደገፍ እውን ብስም ውድብናን ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብናን ከነመስግኖ ንፈቱ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ቃልስና ደው ብምባል ዓቕሙ ዘፍቀዶ ናይ ቃልሲ ደገፍ ዘካይድ ዘሎ

ብጻይና ልኡል ጋይም ዋላ ኳ ሃገራዊ ግቡኡ እንተኾነ ከየመስገንናዮ ክንሓልፍ ግን ኣይንመርጽን፡፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ወፉያት ኣባላት ምደፍኤ፡ ኣባላት ሰራዊትን ደገፍትን ውድብና እውን ስለ ጽንዓቶምን ተወፋይነቶምን ከነመስግኖም ግቡእ እዩ፡፡ እዚ ሰሚናርን ውድባዊ ጉባኤን ከነካይድ ዓቢ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍ ዝገበረልና ቤ/ጽ ሰንዓ-ፎርም፡ ከምኡ እውን ኣዳራሽ ብምሃብን ሞራላዊ ምትብባዕ ብምግባርን ንዝተሓጋገዘና ምምሕዳ ዞባ ምብራቕ ትግራይን ካልኦት መንግስታዊ ኣካላት ኢትዮጵያን፡ ብሓፈሻ ከኣ ንመላእ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ፡፡” ብምባል ቃል ውድብ ንከስምዕ ኣቦ ወንበር ውድብ ምደፍኤ ንብጻይ ትውፍቕ ንርሑሴን ናብ መድረኽ ዓዲሙ፡፡ ብጻይ ትውፊቕ ብወገኑ፡ ናብዚ ወሳኒ መድረኽ ንምብጻሕ ዝሓለፈ ጽንኩር ኩነታት ብሓያል ተጸዋርነትን ዘይሕለል ቃልሰን ዝሰገሩ ተጋደልትን ደገፍትን ምደፍኤ መስጋንኡ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ህጹጽ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ፡ ኣብ ታርኽ ምደፍኤ ፍሉይ ምዕራፍ ዘለዎ ኣብ ምቕልጣፍ ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊጹ፡፡

ድሕሪዚ መግለጺ ደገፍ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ብደግሓሳኤ ዘቕረበ ዋና ጸሓፊ ኤግደለን ኣቦ ወንበር ብደግሓሳኤ ብጻይ ሰዓድ ካማል ሰዓድ፡ መድረኻዊ ዕማማት ግንባርና ኤግደለ ድሕሪ ምንጻር፡ ብደግሓሳኤ ካብ ንጹር መትከላቱን ፖለቲካዊ መስመራቱን ብምብጋስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽንኩር መድረኻት ኣብ ጎኒ መሓዛ ውድብ ምደፍኤ ዳው ከምዝበለን ብሒጂ እውን ብጽንዓት ደው ከምዝብል ኣረጋጊጹ፡፡ ቀጺሉ “ግንባርና ኤግደለ ካብ ብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ተስፋ ተጌሩሉ ዘሎን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት ትጽቢት ብዙሓት ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መድረኻዊ ሓላፍነትና ክንዋጻእ እዚ ውድባዊ ጉባኤኹም ወሳኒ ከም ምዃኑ መጠን ኩሉ መዳያዊ ዓወትኩም ንጽበ፡፡”

ብምባል ውድባዊ መልእኽቲ ኣስሚዑ፡፡ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ኣካል ስምረት ኤርትራውያን መንእስያት ንድሕነት ሃገር፡ ተስፉ ኣጽብሃ ህልው ኩነታት ሃገርን ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ድሕሪ ምግላጽ፡ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ፡ ነዚ መደረኽ ዝበቕዕ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ሰደግኤ፡ ኤርትራዊ ስምረት ንለውጢ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ደምሓኩኤ ናይ ወውድቦም መግለጺ ደገፍ ኣመሓላሊፎም፡፡ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪል መንግስቲ መንስቲ ኢ/ያ ምስ ኣስመዐ፡ ኣብ ውድባዊ ስሚናርን መስርሕ ምስልሳል ጉባኤ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ ብጻይ ልኡል ጋይም ንጉባእተኛታት እንቋዕ ሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ውድባዊ ስሚናር ዝረኣዮ ትዕዝብትን ኣዚዩ ሃናጺን መሃርን ዝኾነ ምኽርን ኣካፊሉ፡፡

ድሕሪዚ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተዳለወ ናይ ድራር መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ኤግደለ ንሃገራዊ ወኒ ዘለዕዓሉ ዝተፈላለዩ ስነጥበባዊ ፍሪያት ኣቕሪባ፡፡

ብ 4 ለካቲት 2013 ቅድሚ ቀትሪ ጉባእተኛታት ኣብቲ ስሩዕ ናይ ጉባኤ ኣጀንዳታት ሰፍሕ ምይይጥ ኣካዪዶም፡፡ ጉባኤ ኣብ ውድባዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ሕገ ህንጻን ዝተወሰነ ምምሕያሽ ብምግባር ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ፡፡ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ
ውሳኔታት ብምሕላፍ፡ 13 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን 3 ኣባላት ኮምሽን ቁጽጽርን ብደሞክስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡፡ ዝነኣድ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ዝተፈጥረሉን ኣገደስቲ ፖለቲካዊ መትከላት ዝጸደቐሉን ፖለቲካዊ ውሳኒታት ዝተመሓላለፈሉን ናይ ቃልሲ ወንን ዝተበራበረሉን ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ ብ 5 ለካቲት 2013 ድሕሪ ቀትሪ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ ኣብቲ ናይ ምዕጻውስነ ሰርዓት ኣብ ምሉእ መሰርሕ ጉባኤ ዝተሳተፈ መሓዛ ውድብ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ብደግሓሳኤ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ሰደግኤን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ናይ ውድባቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8429

Posted by on Feb 8 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net