ፖለቲካዊ ውሳኔታት ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)


‹‹ ካልኣይ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ፡ ንዳግማይ ትንሳኤ!›› ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭሮሖ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ካብ ዕለት 03-05 ለካቲት 2013 ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ እቲ ኣብ ድሮ ጉባኤና ብዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልንት ፈረቓን ውድባዊ ሰሚናር ዝተሰነየ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና ዓሚቕ ገምጋም ብምግባር፡ ንጹር ዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮን ሕጊ-ህንጻን ብምጽዳቕ፡ መጻኢ ራእይ ውድብና ዝእምቱ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍን ንዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤን፡ ኣውሒሱ ወጽኡ፡፡

ካብቶም ዘመሓላለፎም ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ውሳኔታት እቶም ቀንዲ ንምጥቃስ፡-

1) ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ብዝምልከት፡-

ገደብ-ኣልቦ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቅን ገባቲ ስርዓቱን፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተነጺፎሞ ንክወድቁ ዝጨከኑ እንኮ ደመኛ ጸላኢ ህዝብታትና ምዃኖም ብምግምጋም ብሓደ ወገን፡ ህዝብን ሃገርን ኤረትራ ካብ መንግስቲ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ዝኸፍእ ጸላኢ ከም ዘይብሎም ካኣ ብቲ ካልእ ወገን ብምስትውዓል፤

ካልኣይ ጉባኤ ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ፡ ኩሉ ዓቕምታት ህዝብናን ደመበ-ተቓውሞ ሃገርናን ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ካብ ብርሰት ንምድሓን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንክቐንዕ ውድብና ምደፍኤ ድማ፡ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ንከበርክት ወሲኑ፡፡

2) ንብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝብታትና ብዝምልከት፡-

ብሄራዊ ህዝብታትና ንህላወኦም፣ መንነቶምን ቀጻልነቶምን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ብኣረመንያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝበጽሖም ዘሎ ከቢድ ብሄራውን ፖለቲካውን ጭቆና ብሓደ ወገን፡ ዘካይድዎ ዘለው ውዱብ ብሄራዊ ቃልሲ ድማ በቲ ካልእ ወገን ብምግምጋም፤

ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ጸረ-ህዝብን ገባትን ባህርያቱ ብምብጋስ፡ ንማዕርነትን ናጽነትን ሃይማኖታዊ እምነታት ህዝብታትና ብምኹላፍ ንዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ብምስትውዓል፤

ካልኣይ ጉባኤ ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ፡-

ሀ) ብሄራዊ ህዝብታት ኤርትራ፡ መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ዝውስኑሉ፤ ካባቢኦም ባዕሎም ዘመሓድሩሉን፤ ቋንቋኦም፡ ባህሎምን ታሪኾምን ዘደንፍዑሉን ዘይተጓደለ ስብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቶም ዘረጋግጽ ፈደራላዊ ስርዓተ-ምሕደራ ከረጋግጸሎምን፤ በዚ ኣቢሉ ብዝፍጠር፡ ኣብ ምክብባርን ምትእምማንን ብሄራዊ ህዝብታትና ዝሰረተ ስሙር ኤርትራዊ ሃገርነትን ቀጻልነትን ዘውሕስ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ኣጃሙ ንከበርክት ጉባኤና ወሲኑ፡፡

ለ) እቲ ዝምስረት ቅዋማዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ፡ ንናጽነትን ማዕርነትን ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ህዝብታትና ዘኽብር፤ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢዱ ዘየእትወሉ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት ድማ ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኢዶም ዘየእትውሉ ዕልማናዊ (secular) ስርዓት ንክኸውን፡ ውድብና ምደፍኤ እጃሙ ንከበርክት ወሲኑ፡፡

3) ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ(ኤግደለ) ብዝምልከት፡-

ብምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)ን ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ)ን ዝቖመ ደሞክራስያዊ ግንባርና (ኤግደለ) ከሳላስሎ ንዝጸንሐ ኣብነታዊ ስሙር ንጥፈታት ብምግምጋምን ብምምጓስን፡

ካልኣይ ጉባኤ ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ ንዝጸንሕዎ ሕጽረታት ብምውጋድን ውሽጣዊ ጽርየቱ ብምሕላውን፡ ኤግደለ ካብቲ ዝጸንሖ ብዝበለጸ ጎልቢቱን ተጠናኺሩን ንክቕጽል ካብ ውድብና ምደፍኤ ዝግበር ትጽቢት ብሙሉእ ዓቕሙ ንክነጥፍ ወሲኑ፡፡

4) ሕቶ ሓድነት ሓይልታት ሰውራን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)ን ብዝምልከት፡-

ሕቶ ሓድነት ደመበ-ተቓውሞ ሃገርና፡ ንሰውራና ከሳቕይዎ ካብ ዝጸንሑን ዘለውን ናይ ዘይምክብባርን፡ ዘይምትእምማንን መንፈሳት ብግቡእ ብምምርማር፤

ዓቕምታት ደመበ-ተቓውሞ ሃገርና ተወሃሂዱን ቀዳምነታቱ ኣለልዩን ስሙር ቃልሲ ከካይድ ብሰንኪ ዘይምጽንሑ፡ ንጸላኢና ስርዓት ህግደፍ እንተዘይኮይኑ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከምዘየርብሐ ብምስትውዓል፤

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዋላ’ኳ ክብገስ እንከሎ ኣትሒዙ ኣቃሊልካ ዘይረኣዩ ድኽመታት እንተነበርዎ፡ ድምር ዓቕሚ ደምበ-ተቓውሞ ሃገርና ኣብ ሓደ ጽላል ኣኪቡ ንክቃለስ ዝገበሮ ንቕሎን ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶኡ ዘጋጠሞ ቅልውላውን ብምግምጋም፡-

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ፡-

ሀ) ተመሳሳሊ ኣረኣእያን መደብ-ዕዮን ዘለዎም ሓይልታት፡ ተበታቲኑ ንዘሎ ዓቕምታቶም ዝጠምሩሉ ተበግሶታት ብምውሳድ ምድረኽ ንዝጠልቦም ዕማም ክበቕዑ ብሓደ ወገን፡ ነቲ ብብዝሒ ውድባትን ቁርቁሳቶምን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ዘልዕሎም ናይ ‹ስመሩ› ጻውዒት ክምልሱ ካኣ በቲ ካልእ ወገን ጻውዒቱ ብምቕራብ፡ ምደፍኤ ካብኡ ዝጥለብ እጃም ከበርክት ወሲኑ፡፡

ለ) ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፤ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤረትራ (ደምሓኩኤ) ንዝተላዕለ ካልኣዊ ፍልልያት ኣብ ምምሕዳር ዝወሰዶ ናይ ምድስካል ስጉምቲ ዘይፍትሓውን ዘይደሞክራስያውን ምንባሩ፤ እቲ ውሳነ፡ ንሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዘይድረት ደሞክራስያዊ መሰል ዝጻረር ምዃኑን ጉባኤና ብትኹረት መዚኑ፡፡ ብስንኪ እዚ ንዘጋጠሞ ቅልውላው ንምፍታሕን ንትጽቢት ህዝብታትና ዝበቅዕ ጽላል ኮይኑ ንክቕጽልን ድማ፡ ግቡእ ነቐፌታዊ ገምጋም ክገብርን፡ ካብኡ ዘርከብ ዘየዳግም ትምህርቲ ንክሓፍሰሉን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ውድብና ምደፍኤ ካብኡ ክግበር ዝግባእ ኣበርክቶ ንክህብ ወሲኑ፡፡

ሐ) ምደፍኤ ኣጋጢሙዎ ንዝነበረ ዘይርጉእ ውሽጣዊ ኩነታት፡ ብካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ አቢሉ ፈቲሕዎ ምህላው ብምሕባር፡ ውድባዊ ውክልናኡ ኣብ ባይቶ፡ ብዝምልከት፡ ባይቶ ብሓላፍነት ንክርእዮ ጸዊዑ፡፡ ንዘቕርቦም ናይ ክልተ ኣባላቱ መተካእታ ብዝምልከት ምስ ዝምለከቶ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ተቐራሪቡ ንክዘራረብ ከኣ ወሲኑ፡፡

5) ዉጹዓት ወተሃደራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን መንግስቲ ህግደፍ ዘካየድዎ ተቓውሞ ብዝምልከት፡-

ወተሃደራዊ ትካል መንግስቲ ህግደፍ ፡ ነቲ ዝርካቡ መንኮርኮር ናይ ለውጢ ዝኾነ መንእሰይ ኤረትራ ( ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት) ብጅሆ ዘሪዑን ብዘመናዊ ናይ ባርነት ኣርዑት ቋሪኑን ዘሎ ትካል ምዃኑ ብምስትውዓል፡-

ጭቁናት ወተሃደራት መንግስቲ ህግደፍ’ውን ከም ኩሎም ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ፡ ብሕሱም ፖለቲካዊ ዓፈናን ቁጠባዊ ምዝመዛን ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝሳቐዩ ዘለው ምዃኖም ብምግምጋም፤

ውጹዓት ወተሃደራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን መንግስቲ ህግደፍ፡ ብ 21 ጥሪ 2013 ንዘካየድዎ ናይ ‹‹ይኣክል ጭቆናን ዓፈናን!›› ተቓውሞን በቲ ሰርዓት ዘጋጠሞም ጭፍጨፋን ብኣድህቦ ብምግምጋም፤

ካልኣይ ጉባኤ ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ፡-

ሀ) እቲ ውጹዓት ወተሃደራት ዘካየድዎ ተቓውሞ፡ ኣካል ናይቲ ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ብሓፈሻ ውድብና ንዘካይዶ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ካኣ ብፍላይ ምዃኑ ብምርኣይ፤ ነቲ ዝኸፈልዎ ሓርበኛዊ መስዋእቲ፡ ከም መስዋእቱ ሪእዩ ረዚን ክብሪ ከም ዝህቦ፤ ነቲ ግዝኣተ-ሕጊ ንከንግስን ፖለቲካዊ እሱራት ንክፍትሑን ዝጠለቦም ጭሮሖታት ከም ናይ ውድብና ጭሮሖታት ክብ ኣቢልና እንሰቕሎም ሰንደቕ ቃልስና ገይርና ክም እንሪኦም፤ ነቲ ዝፈለምኩምዎ ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ዘንቀጥቀጠ ሓርበኛዊ ቃልሲ፡ ኣብ ዑና ስርዓቱ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ብምምስራት መኸተምታ ንክገብረሉ ብጉባኤ ቃል ኣትዩ፡፡

ለ) ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፍወርቂ፡ ሎሚ ውን ከም ወትሩ፡ ንዘጋጠምዎ ህዝባውን ደሞክስያውን ተቓውሞታት፡ ዘይመስል ጸሎሎ ቀቢኡን ኣጸሊሙን፡ ማዕበላዊ ናይ ህዝብታትና ደገፍ ንዝተጎናጸፈ ናይ ስራዊት ተቓውሞ፡ ናይ ግብረ- ሸበራውያን ዕግርግር፡ ከምስሎ ንዘካይዶ አሎ ፋሽስታዊ ፕሮፖጋንዳ ኣምሪሩ ብምኹናን፡ ጉባኤ ህዝባዊ ዕላማኦም ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ብሕራነ ክቃለስ ወሲኑ፡፡

ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ጉባኤና ብከምቲ ዝተቓነዐ ብሱል መንገዲ ንክዛዘም ኣብ ምግባር፡ ፈተውቲ ውድባት ግሃድኤ፣ ሰደግኤ፣ ደምሓኩኤ፣ ኤስደለን ስምረት መንእሰያትን ብሓፈሻ፤ ብሄራዊ ደሞከራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ(ብደግሓሳኤ) ድማ ብፍላይ፡ ንዝገበሩልና ደገፍ ዓቢ ክብሪ ይህብ፡፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ሳንዓ-ፎረምን ንዝገበሩልና ሞራላውን ንዋታውን ሓገዝ ድማ፡ ክብ ዝበለ ሞጎስና ነመሓላልፍ፡፡

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብምቕናዕ፡ ህዝብን

ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን ንቃለስ!!

ካልኣይ ህጹጽ ጉባኤ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)

05 ለካቲት 2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8431

Posted by on Feb 8 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net