ስቓይ ብዓድን በረኻን

ማይ ቤቱ ተሓሚሱ ብእምነት፡ ብሕግን ብተግባርን ናተይ ኢሉ ትጽቢት ዝገብረሉ መንግስቲ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ኣብ ሃገሩ ይኹን ኣብ ስደት ወትሩ ነብሰ ምትእምማን ከም ዘጥፍእ እሙን’ዩ። ኣብ ቅድሚ’ቶም ኣብ ሃገሮም ሰላም ኣውሒሶም፡ ልዕና ሕጊ ኣንጊሶም፡ ተሓታትነት ብዘለዎ መንግስቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመሓደሩ ህዝብታት ማዕረ ተሰሪዑ ርእሱ ኣቕኒዑ ክኸይድ ከም ዘይኽእል፡ ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ኣቐዲሞም ዘቐመጥዎ፡ ሕጂ ድማ ብተግባር ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ’ዩ። ናተይ ኣብ ዝብላ መሬት ተኣማሚኑ ዘይረግጽ፡ ዘይመርጽ ዘይምረጽ፡ ኮታ ናይ ሂወት ውሕስነት ዝተነፍጎ ህዝቢ ዋናታት ኣብ ዘለውዎ፡ መሬት ሕግን ባህልን ምሉእ ክብረት ክረክብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ፡ ዘጋጥሞ ዘሎ ውርደት ጭቡጥ ኣብነት’ዩ።

ብዓለም ደረጃ ንጉሳውያን፡ መለኽትን ፋሽሽታውያንን ስርዓታት፡ ደረጃ ብደረጃ ተባሕጒጎም ኣብ ዝጽረግሉ ዘለው መዋእል፣ ደምክራስን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕድራን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ቋንቋን መምርሕን ውጹዕ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ፣ ፍትሓውነት ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃገራዊ ሃብትን ዝተስተኻኸለ ሚዛን ናብ ዝሕዘሉ ኣንፈት ኣብ ዘምረሓሉ፣ ድሕረትን ድኽነት ቀዳሞት ጸላእቲ ህዝብታት ኣብ ምምዕባል ናይ ዝርከባ ሃገራት ምዃኑ ኣብ ዝተነጸረሉ መድረኽ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ድሕረት እንዳሓምበሰ፡ ብናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ ምትእምማን ኣልቦ ሃዋህው ፈጢሩ፡ ግዜ ዝሰገሮ ባርነት ኣንጊሱ መን ከማይ ዝብል መንግስታዊ ጭፍራ ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ፡ ዘይተወደበ ህዝቢ ክወስዶ ዘለዎ ቀዳማይ ኣማራጺ፡ ካብ’ዚ ሲኦል ምሕደራ ምምላጥ ምዃኑ ኣየከራኽርን። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወይ እቲ ላዕለዋይ ደኛ ናይ ህዝብታት ዓለም ዝኾነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ብባህሪያዊ ሓደጋታት ኮነ ሰብ ዝሰርሖ ጸገማት፡ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ኣብ ዝፈናቐለሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣርሒቑ ኣብ ዝስደደሉ ወቕቲ፡ ኣበየናይ ሃገርን ቦታን ብዘየገድስ፡ ከም ሰብኣዊ ፍጡር መጠን፡ ካብ ዝኾነ ጸጥታዊ ስግኣት ድሒኑ፡ ብሂወት ንምንባር ዘኽእሎ መሰረታዊ ቀረባት ረኺቡ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ክኽመጥ ከም ዝግባእ፡ ኣብ’ቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ዓንቀጹ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ብሰንኪ ፋሽሽታዊ ተግባራት መንግስቲ ህግደፍ ብእግረይ ኣውጽእኒ ዝብተን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከም ኣካል ኣምሳል ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ኣባል ውድቡ ሕቡራት ሃገራት መጠን፡ በቲ ንመሰል ስደተኛታት ከውሕስ ዝወጸ ሕጊ መሰረት ናይ ስደተኛ መሰልን ውሑስ ሂወትን ክረክብ ነይርዎ። እንተኾነ ሓላፍነት ዝስመዖ ተሓታትነት ዘለዎ ናተይ ዝብሎ ሕጋዊ መንግስቲ ዘይብሉ ህዝቢ ወይ ህዝብታት፡ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቕ ሕግን ትካልን ብምህላው፡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃኑን ንበይኑ፡ መድሕን ክኾኖ ከምዘይእኽል ዘረጋግጹ ሓቅታት ብተግባር ንዕዘብ ኣለና።

እቲ ዝኸፍአ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሳቐይሉ ዘለው መስመር፡ ካብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ክሳብ ዶባት ግብጽን እስራኤል ዘሎ መስመር’ዩ። ኣብ’ዚ መስመርዚ ተዘርጊሖም ዘለው ነጋዶ፡ ካብን ናብን ኣቑሑት ዘሰጋግሩ ኣይኮኑን። ኣብ ሕርሻን ዕደናን ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባትን ትካላትን’ውን ኣይኮኑን። ዝተራቐቐ ዘመናዊ መራኸቢታት፣ ከም ዑፍ ዝበራ መካይንን ዝተዓጥቁ ሸፋቱ፣ ውሽጣዊ ናውቲ ኣካላት ውድ ሰብ ብዝረቐቐ ጥበብ መዚሒቖም ናብ ዕዳጋ ዘውርዱ ክኢላታት ሕክምና፣ ነቲ መደባት ዝቕልሱ፡ ጸጥታዊ ደጀን ዝኾኑ መንግስታትን መንግስታዊ ኣካላትን ብዝተወደበ ኣገባብ ዘካይድዎ ዘለዎ ንግዲ ወዲ-ሰብ ’ዩ። እዞም ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብዝተወደበ ኣገባብ ስጋ ሰብ ዝምገቡ ዘለው ኣካላትን ትካላትን ተራ ሸፋቱ ወይ ተራ ነጋዶ ኣይኮኑን። በተሓሳስባን ብተግባርን ናብ ምሉእ ደላዪ ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ራዕዲ ጽልዋታት ዘመሓላልፉ ዘለው፡ በዚ ዘስካሕክሕ ገበናዊ ተግባራት ገዚፍ ርእሰ-ማል ዘዋሕለሉ ኣካላትን ትካላትን’ዮም።

እዚ ንዓለምና ሓደጋ ዝኾነ ኣሰካፊ ተግባራት፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ መስመር ዝርከቡ መንግስታት ኮነ፡ ብሰላምን ድሕነት ስደተኛታት ይግደስየ ዝብል ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣብ ምኽባር ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝነጥፋ ትካላትን ግቡእ ጠመተ ሂቦም ንምውጋዱ ብስጥመት ስለዘይተዋፈርሉ፡ ሜላታቱ እንዳቐየያየረን እንዳበኣሰን ይኸይድ ኣሎ። ቅድም ክብል ብምትሕብባር ጀነራላትን ትካላት ጸጥታን ህግደፍ ካብ መሬት ኤርትራ ጀሚሩ ክሳብ በረኻ ሲና ተዘርጊሑ ዝካየድ ጭውያን ብባንክታት ኤርትራ ዝመሓላለፈ ሓዋላን ኣቢሉ’ዩ ዝነጣጠፍ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ጭውያ ካብ መንገዲ ጥራሕ ዘይኮነ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍልጦ ረኺበን ኣብ ዝተጣየሳ መዓስከር ስደተኛታት፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛ ወረቐት ዘለዎም ስደተኛታት ካብ መንበሪ ገዝኦም ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝውሰድሉ ዘለው ደረጃ’ዩ ተበጺሑ ዘሎ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ትርከብ ብብዝሒ ኤርትራውያን ብዝተወሰነ ቁጽሪ ድማ ኢትዮጵያውያን ተዓቒቦምሉ ዘለው መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ካብ ኩለን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ካብ ዝተጣያሳ መዓስከር ስደተኛታት፡ ናይ ሂወት ውሕስነት ክረኽቡ ዝግበኦም ስደተኛታት ክብርን ሓለዋን ስኢኖም ብነጋዶ ሰብ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብሉ ዘለው ቦታ’ዩ። ብቐንዱ ናይ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሊቢያ፣ ግብጺ ዝኾኑ፣ ደቂ ራሻይዳ ዝዋስእሉ፡ ምትሕብባር ኣካላት ህግደፍ ዘይተፈልዮ፡ ብለይቲ ዘይኮነ ብቐትሪ፡ ብማስኬራ ዘይኮነ ብቕሉዕ፡ ብበትሪ ዘይኮነ ብመሳርያ፣ ካብ መሸጣ ኣካላት ወዲ-ሰብ ብዝተረኽበ ኣታዊ፡ ብዝኸበረ ዋጋ ዝተሸመታ ዘመናውያን መካይን ኣብ ኣፍደገ እቲ መዓስከር ደው ኣቢልካ ዝፍጸም ዘሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ገበናዊ ተግባር፡ ብቐዳምነት መንግስቲ ሲዳንን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክሕተተሉ ክሓፍርሉን ክምክትዎን ይግባእ። እቶም ልዕሊ 30 ዓመትት ዝኣክል ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነበሩ ዘለዎ መሳኪን ስደተኛታት፡ ንመንግስቲ ሱዳንን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣሚኖም’ዮም። መንግስቲ ሱዳንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ንድሕነት ሂወት ስደተኛታት ከውሕሱ ሓላፍነት ወሲዶም’ዮም። ስለዚ ኩሉ ደላዪ ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ሱዳንን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከኣ ብፍላይ፡ ብቐጥታ ድሕነት ናይ’ቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ብምርግጋጽ፡ እዚ መርበብ’ዚ ብዓለም ደረጃ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ መሊእካ ንምብርዓን ብተግባር ክረባረቡ ይግባእ።

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 15-02-2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8473

Posted by on Feb 18 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net