ጸቢብ ፖለቲካዊ ሕሳባት ንምዕቃብን ንምዕዋትን ወትሩ ሃይማኖታዊ ከውሊ፡

ብፖለቲካዊ ንቕሓት  ከም’ቲ ዝድለ ቕድሚት  ዘይሰጎመ ሕብረተሰብ መጻወቲ ሜዳ ዘይደሞክራስያውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ጉጅለታትን ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ።  ደሞክራስያዊ ባህሪ ዘይብሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ጉጅለታትን ኣብ ውሽጦም ኮነ ምስ ግዳም ኣብ ዝፍጠሩ  መሰረታውያን ይኹኑ ዘይመሰረታውያን ፍልልያት፡ ቀዳምነት ካብ ጭብጢ ተበጊሶም  ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ መደምደምታ ክረክብ ኣይሰርሑን።  ኣብ  ፍትሓዊ  ርእይቶኦም ተኣማሚኖም ኣብ ቅሉዕ  መድረኽ ብሓይሊ ሓሳብ ክስዕርዎ ወይ ከመሓድርዎ  ኣይዋስኡን።  ርእይቶኦም ንኣብዘሓ ህዝቢ ስለዘይውክል፡ ኣብ ቅሉዕ መድረኽ ወጺኡ ተማጒቱ ስለዘይረትዕ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ህዝቢ ንህዝቢ ዘናቑት ድሑር ፖለቲካዊ ዝንባለታት ምንዛሕን ምርባሕን ተጸሚዶም ክዋስኡ ይረአዩ።

 

ኣበየናይ ኩርናዕን ደረጃ ምዕባለን ኣሎ ብዘየገድስ  ህዝቢ ወይ  ህዝብታት ሓንቲ ሃገር፡ ዝተፈላለየ ዝመግለጺኡ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ማለት፡ ከም ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ከባቢ፣ ደረጃ መነባብሮ  ክህልዎ ግድን’ዩ።  እዚ ከም’ዚ ዓይነት ፍልልይ ግን ኣመጻጽኣ መበቆልን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታን  ናይ ነብስ ወከፍ ማሕበራዊ ክፍልታት ዝግለጸሉ ረቛሒታት ደኣምበር፡  ኣብ መንጎ’ቶም  ነናቶም ፍሉይ መለለይታት ዘለዎም ህዝብታት መሰረታዊ ናይ ረብሓ ፍልልይ ምህላው ኣየመልክትን።  ኣብ ናይ ሓባር ሃገር ሕብረ-ብሄራውነት መልክዕ ተላቢሱ ዝኸይድ ጸጋ ደኣምበር፡ ዘየተኣማምን ዘናቑት ትሕዝቶ የብሉን። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ክርስትናን ምስልምናን ሃይማኖት ኣሎ፡፡ ኣብ ኣመንቲ ወይ ሰዓብቲ ናይ ክልቲኡ እምነታት ግን፡ እምንቶም ወይ ሃይማኖቶም መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ልዕለ ትሕትነት ቅድም ኣይነበረን ኣብ’ዚ መድረኽዚ’ውን የለን።  ንቕድሚት’ውን ኣይህሉን። ምኽንያቱ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ንበይኑ፡ ዜጋታት ማዕርነታዊ ተሳትፎ ከረጋግጽሉ ዘለዎም ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓውድታት ድማ በይኑ ስለ ዝኾነ።

 

ፖለቲካ ኤርትራ ብሰንኪ ኣንጊሁ ሒዝዎ ዝተበገሰ ዘይብሩህ ኣንፈት፡ ብፍላይ  ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍን መሰል ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ዘለዎም ብጭረሖ  መሬታዊ ሓድነት ዝነብሑ ዘይደሞክራስያውን ውድባትን ጉጅለታትን  ነቲ ከም ባህሪያዊ ክውሰድ ዝከኣል  ናይ ጠቕሚ ጎነጽ ዘይረኣየሉ፡ ሃይማኖት ከም  መፈላለዪ ነጥቢ ወሲዶም ክሰርሕሉ ምጽናሖምን ምህላዎምን ብሩህ’ዩ። ናትና ኢሎም ኣብ ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ተኣማሚኖም ህዝቢ ብፖለቲካዊ ንቕሓት ስሒሎም  ደገፍ ክረኽቡ ኣብ ክንዲ ዝቃለሱ፡ ዝነደየ ኣተሓሳስባኦም ህዝቢ ንህዝቢ ብምንቛት፡ ጸጊዕ ናይ ሓደ ሃይማኖት ኮይኖም፡ ነቲ ካልእ ብምጽላምን ብምኽሳስን ልዕልነቶም ከረጋገጹ ህርድግ ካብ ምባል ኣይቋረጹን።

 

ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለው ዓባይቲ እምነታት  ነቲ ሓደ ብዝተፈላለያ ጠቃኒ ኣስማት ኣጸሊሙ፡ ናብ’ቲ ካልእ ፈታዊ ተመሲሉ ብምጽጋዕ፡ ከም ውድብ ከም ዝጎበዘ፡ ገቢሉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ከም ዝበጽሐን ብዙሓት  ዝምክርሉ፡ እታ ከም መስትያት ድሑር ፈላላዪ ዘይደሞክራስያዊ ባህሪ ናይ’ቲ ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካል ዝኾነት ሰነድ ንሕናን ዕላማናን ድማ  ተረጋግጾ ሓቂ’ዩ።

 

ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ብፖለቲካዊ ባህሪኡ ኣብ ሓድነት ናይ ህዝብታትን ሓይሊ ሓሳብን ዘይኣምን፡ ብሓሶትን ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳን ዝተነድቀ፡ ብቀይዲ ኣልቦ ወሳኒ ጉጅለ ዝዝወር ብምዃኑ፡ እቲ ኣብ መጀመርያ 70ታት ብንሕናን ዕላማናን ዘግሃዶን ብተግባር ንነዊሕ ዝሰርሓሉን ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ እኩይ ፈላላዪ ሸርሕታቱ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ዝኣረሞ ኣይኮነን። ኣብ መጀመርያ 90ታት ብጉልባብ ምንቅስቓስ ጀሃድ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ምስልምና  ዝገበሮ ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝኾነ ፈላላዪ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት ኣብ ልዕሊ ኣመንቱ ዝወሰዶ ጃምላዊ  ኢ-ሕጋዊ ጭውያን ቅንጸላን ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ፡፡ እነሆ ድማ ሎሚ ምስ  ተርእዮ ምንቅስቓስ 21 ጥሪ 2013 ብዝተዛመደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሃይማኖትን ሰዓብቱን ኣብ ጽዑቕ ወፍሪ ጸለመን ሃደንን ተዋፊሩ ይርከብ።  ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕዎ ወተሃደራዊ መኮነናቱ ክንሶም፡ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ብምትእስሳር  ብወግዒ  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ዝርከብ  ኢምባሲኡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ምንቅስቓስ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ትሕቲ ሃገርነት’ዩ  ዝብል ኣብ ህዝቢ ልሙድ ናይ ምድንጋር ወፍሪ ከካይደሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

 

ህዝባዊ ግባር/ህግደፍ  ከም ፖለቲካዊ ውድብ ምስ ዝተወልደሉ ብተግባር እንዳሰርሓሉ ምስ ዝመጸን ኣታኣሳሲርካ ክምዘን እንከሎ፡ መንግስቲ ህግደፍ ብባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ ስለ ዝኾነ ክሳብ  ብህዝባዊ ቃልሲ ነበረ ዝኸውን  ካብ ከም’ዚ ዓይነት ተግባራት ከም ዘይቑጠብ ርዱእ ብምግባር ክስገር ይከኣል’ዩ።  እዚ ከም’ዚ ዓይነት ወስታት ኣብ’ቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ድሕነት ህዝብን ሃገርን  ብብዙሕነት ንኣምንን ንምዕዋቱ ንቃለስን ዝብሉ  ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ገለ ውድባት ክድገም እንክትሰምዖ ግን  ይኸብድ። ዝያዳ የሰክፍን የሻቕልን። ልዕሊ ዝኾነ ግዜ  እዚ ድሑር ኣተሓሳስባ’ዚ ብበሊሕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሱር ከይሰደደ እንከሎ ንምግርሑ ሓያል ጻዕሪ የድልዮ ከም ዘሎ ትግንዘብ። ስለዚ ከኣ  እዞም  ንሃይማኖት ከም ጽቡቕ ከውሊ ወሲዶም   ንጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ፖለቲካዊ ሕሳባቶም ንምዕዋትን ንምዕቃብን ቀዳምነት ሂቦም ብስውሩን ብግሁድ ዘይተደላዪ ወፍታት ዘካይዱ ዘለው ወገናት ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ፡ ጸላኢ ንምውጋድ፡ ነቲ ካልእ ድማ ንምግራሕ ሓባራዊ ንቕሓትን ቀላሲ ቃልሲ የድሊ ኣሎ።  ምኽንያቱ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሕሳባት ንምዕቃብን ንምዕዋትን ሃይማኖት ከውሊ ገይርካ ዝካየድ ፖለቲካ ኣይንዓወትን ንውድቀት ስለዝኾነ።

 

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 2013-02-11

ሓተታ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8475

Posted by on Feb 18 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net