ዘዋሪት እግሪ ሓደ ንሓኸለ፡ ሓደን ንሓኽሊ !

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

25 ሰነ 2010

ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ክኻየድ’ዩ። እቲ መሰል ዘይግድሶ፡ ስምምዓት ዘይግድሶ፡ ሓባርዊ ቅዋም ዘይግድሶ፡ ሕቶ ካልኦት ይትረፍ ምስኡ ገፈፍ ዝበሉ ተቃለስትን ውድባትን ዘይግድሶ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ እንዳበለ ዘውጠጢ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ፡ መንገዱ ጸጹዩ ይርከብ።

ካብ’ተን ጸጊበን ዝዕንድራ፡ ክዕንድራ ርኤን ዝዕንድራ ይገዳ ከም ዝበሃል፡ ብተዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ዋዕላ ዝቐረበ ፍትሓዊ፡ ሕጋዊ፡ ቅዋማዊ ከይገደሶ ፡ ንፍትሓዊ ሕቶታት  ህዝቢ ኤርትራ ብዓቕሊ ጽበትን፡ ጽልእን ቅርሕንቲ’ውን ዘይተፈለዮ ዝረኣዮ ወገናት፡ ነቲ ዓብይ ጌጋ እንዳረኣየ ክሓልፍ ስለ ዘይከኣለ፡ ዓበይቲ ምስምሳት እንዳቕረበ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ሓደሽቲ’ና፡ እዚ ጉዳይ መጀመርታና’ዩ፡ ህዝብና ኣብ ሕማቕ ኩነታት’ዩ ዘሎ እንዳበለ ምስ’ቲ ዝጽበዮ ፍታሕ፡ ዕቱብ ግዝኣተ ሕጊ ከየስትብሃለ፡ ደምበ ተቃውሞ በይናዊ ዋንነት ፍታሕ ፍቃድ ከም ዘለዎ ጌሩ ዘቕረበ እዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ ከም’ቲ ብተደጋጋሚ ዝተባህለ፡ ሓደ ተኣምራታዊ ፍታሕ ከምጽእ ከም ዘይክእል ፍሉጥ ካብ ኮነ፡ ነቲ ብዘግምታዊ ይኹን፡ ነቲ ንህጹጽ ነምዝግቦ ታሪካዊ ሸቶ፡ መተካእታ ዘይብሉ መስርሕ ኣይኮነን። ከም’ዚ ሎሚ ፊን ፊን ዝብል ዘሎ ቲፎዞ ሃገራዊ ዋዕላ ግን ከም’ዚ ጽባሕ ንግሆ 30 ሓምለ ከም ኣብ ኤርትራ እትዉ ኢሉ፡ ሕግን ስርዓትን፡ መስርሕ ዲሞክራሲ ዝተክል’ዩ ዝመስል ዘሎ። እዚ ናይ እንካን ሃባን፡ ዘተን ምርድዳእን ኣብ ውሽጢ ኪዳን ካብ ዘይሰርሐን ክሰርሕ ካብ ዘይከኣለን፡ ንኽሰርሕ ዕድል ካብ ዘይተዋህቦ ከም ኢሉ ሎሚ፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝነበረ ፖለቲካውን ሲቪላዊ ማሕበራትን ሓይልታት ኣብ’ዚ ድሕሪ 30 ሓምለ ክሰምርን ክሓብርን ይኽእል ዝብል ሞጎተ ሚስጢር’ዩ።

ዘዋሪት እግሪ ሓኽለ ወይ ሓኽሊ ተባሂሉ ከም ዝተመሰለ፡ ኣነ ብወገነይ ንምእንቲ ረብሓን ህዝብን ሃገርን፡ ንድሕነትን ህዝብን ሃገርን ንሃገራዊ ዋዕላ፡ ከም ድሌተይን ትጽቢተይን ሓኸለ እምነ፡ እዚ ክብል እንከለኹ ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎፍ ኩነታት ኣብዚ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ምስ ዘፍቕድ ጥራሕ’ዩ ነቲ ባህገይን ድሌተይን ክሰምረይን ክዀነለይ ዝኽእል። ስቕ ኢሉ’ውን ኽሓልምን ክትስፎን ከኣ ኣይኽእልን። ሓደ ዝጽዕርን ዝሰርሕን ኣገባብ ጉዕዞ ሂወቱ ዝሰርዐ ሰብ፡ ሃብትን ጸጋን ክምነ ግድነት’ዩ። ነቲ ዝተመነዮ ኣብ ጻዕሩን ስርሑን ኣገባቡን ዝምርኮስ’ዩ። ሓደ ዘይሰርሐ ዘይጸዓረ ግን ሃብትን ጸጋን ክምነ ከም ተኣምራት ክወርዶ እንተዘይኮኑስ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ።

ሎሚ ከኣ ከምኡ ከም’ቲ ሓቐኛ ድሌትናን ባህግናን፡ ነቲ ክንበጽሖ ንደሊ፡ ጸጋ ሰላም፡ ጸጋ ራሕዋ፡ ጸጋ ሓድነትን ህዝቢ ካብ’ቲ ክኸይድ ዝጸንሐ መስርሕ ኣገባብ ሃገራዊ ዋዕላ’ዩ። ኣብ’ዚ መጎት ዘይሰማማዕ ሰብ ኣሎ ኣይብልን። እቶም ነዚ ሓቂ ረጊጾም ዝኸዱን ክኸዱ ዝደልዩ ከኣ ክስከምዎ ዘይክእሉን ከቢድ ሓላፍነት ንነፍሶም ኣሰኪሞ ኣብ ናይ ምጥርጣርን ዝዓይነቱ መስርሕ ቃልሲ ዘድሃበ ዝተጸመዱ ምዃኖም፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈን ክሳብ ሕጂ ዝጻሓፍ ዘሎ ትንተናታቶም ዘንጸባርቕ’ዩ።

ኣነ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘሎኒ ጽኑዕ ናይ ለውጢ ድሌትን ሓይልን እምበር፡ ካብ’ዚ ኣብ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ፡ ውዕል፡ ሕጊ፡ ስምምዕ፡ ሕቶታት፡ ለበዋታት ዝጠሓሰ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዘይኮነ ደማሚረ ከረጋግጾ እፈቱ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተጋብኤ ተሰማሚዑ ንዝወጽእ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብስም ሃገርን፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራን ዝጽዋዕ ብዘሰማምዕን ድምጹ ብዝስምዓሉ ናይ ዘይህልዋት ውጹዓትን ተቃለስትን ቦታ ዝገደፈ ዋዕላ ብዘይምዃኑ’ዩ። እዚ ሎሚ ኣይተረጋገጸን፡ ጽባሕ’ውን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ብውሻል ተሓጊዙ፡ ኣብ ቅድሚ ሃገራ ዋዕላ ብዘቕረቦ ምስምስ ንድሕሪ ሃገራዊ ዋዕላ ዝርከብ ጸቕጥን ጌጋታትን ንዝጥቀመሉ እምበር ብኻልእ ክጽገን ዘይኽእል ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ መቐጸልታ ናይ እቲ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ተጋድሎታት ኣካል ብምዃኑ፡ ንምኽንያት ወይ ንመሸፈኒ ጌጋታት እንተዘይኮይኑ፡ ሓደሽቲ’ና ክንበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክቐርብ ዘለዎ ጸብጻባት ናይ’ቲ ዝሓለፈ ተመክሮ ንምጽጋኑ ስለ ዝዀነ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ፖለቲካዊ ትሕዝትኡ፡ ተዋሳእቲ ባእታታ፡ ኩነታት ሓድሽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ’ዚ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ኣብ ክንዲ በቲ ምዕቡል ዘተን ምርድዳእን፡ በቲ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣገባብ ዘይብሉ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ውድድር ዝተዓብለለ፡ ብንጹር ንምዝራብ ከኣ ዘይጸዓርካሉ ንምሕፋስ ምህቓን’ዩ።

ኣብ ሓደ ጽሑፍ ኣካል ናይ’ዚ ዋዕላ ዝዀኑ ውድብ፡ ኣብ ስሪዕ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ዋዕላ ዘሕለፎ ውሳኔን መስርሑን ዲሞክራሲ ኣርእስቲ ሂቡ ኣብ ዝጸሓፎ ሓደ ሓተታ፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዘሎና ተረድኦ ፍልልይ ሰማይን ምድርን ከም ምዃኑ ቅድም ኣቢለ ዝፈልጥ’ኳ እንተነበርኩ ብዛያዳ ከኣ ነቲ ጉዳይ ጽሮትን ዓቕልን፡ ከም’ቲ “ሓሶት እንተደጋገመ ሓቒ ይመስል”  ዝበሃል ምስላ ከምኡ ኮይኑ ሸለል’ለ ሓሊፈዮ። ብዛዓብ’ዚ ጉዳይ ንዝምልከት ትንተና ስቕ ምባል ይሓይሽ ካብ ዝብል ንሎሚ ክሓልፎ መሪጸ ኣለኹ፡ ምስ ብዙሕ እቕሬታ። ካልእ ተረድኦ ዲሞክራሲ ከኣ ኣሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሎሚ ኪዳን ሒዝዎ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ልፍንቲ መሪሕን መትካእታ ዘይብሉ ምምሕዳር ምዃኑ ዝኣምኑን እዩ። እዚ እምነታት ሒዞም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ጽባሕ ንግሆ፡ በኢ ሓቐኛ ህዝባዊ ምርጫ፡ በቲ ኣብዝሓ ዘይቕየዱ ምዃኖም ርዱእ’ዩ። ብሓፈሸኡ እቲ ኣብ ኪዳን ክኸይድ ዝጸንሐ ባህሊ ዲሞክራሲ’ውን ኣብኡ ዝተመርኮስ ተርድኦ’ዩ። ብኮታ ዝምራሕ ቃልሲ’ዩ። ኤርትራ ከኣ ከብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ውድብ ብዝተወከሉ ብኮታ ዝምራሕ ሃገር ክምስርቱ’ዩ።

እቲ ዝተላዕለ ስምምዓት፡ ሕጋዊ ካይዳ፡ ንድፊ ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ ኣብ ከም’ዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ዘድምቅን ዘነጽርን ሕቶታት ምርኩስ ዝገበረ’ዩ ግን በቲ ኣድላዊ ዋዕላ ዝዀነ ሽማግለ ንግዜኡ ሰማዒ ኣይረኽበን። ጽባሕ ካብ’ቶም ኣውራ ከሰትን ሓመይትን ሃገራዊ ዋዕላ ዝዀኑ ከኣ ንሳቶም ምዃኑም ጽባሕ ዘገም ኢልና ንርእዮ’ዩ።

ስቪል ማሕበራት ኣብየ ጎደናታት ምዕራብ ሃገራት ብሰንኪ ብኵራት ፍትሕን፡ ሕጋዊ ኣካይዳን ለለየ ይብሉ ከም ዘይነበሩ ሎሚ ኣብ ቅድመ ግንባር ሃገራዊ ዋዕላ ጠጠው ኢሎም፡ ነቲ ዘተ፡ ምርድዳእ፡ ስምምዓት ዝጠሓሰ ሃገራዊ ዋዕላ ሴፍን ዋላትን ሒዞም ይድብልሉ ኣለዉ። እዚ ቅድድም ከኣ ወይ ንሓኸለ ወይ ንሓኽሊ’ዩ።

ፍትሒ ይንገስ

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=848

Posted by on Jun 27 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net