መጥፊኢኻ ይብርሃካ። 5ይ ክፋል

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት ምልክት ናይ ተስፋ መቝረጺ ክኸውን የብሉን። ምስ ምህናጽን ምዕባይን ናይ ዱልዱል ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር፡ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ምንቅስቓስ…ወዘተ ዝመዓራረ ጉዳይ ኢዩ።እቲ ሕቶ ክሳብ ክንደይ  ኣንጻር ትምክሕታዊ ይኹን ጸቢብ  ዝምባሌታትና፡ብምቅላስ፡ሰፊሕ ዲሞክራሲያዊ ኣረኣእያን ውደባን ነጥሪ ኢዩ። እቲ ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ነድሕን ዝብል ቅኑዕን እዋናውን ናይ ቃልሲ ጭርሖ፡ንገዛእ ርእሲ፡ ነዚ ኣገባብ ኣቀላልሳ ምእዙዝ ምስ ዘይከውን፡ካብ ሓደ ቦታ ፍንትት ከይበልካ፡ ናይ ስጕሚ ኣመልክት ውጽኢት ፍረ ጥራይ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዓመጽ ዲዩ ከልግስ ወይ ብሰላማዊ መንገዲ፡ ንዝዀነ ተቓዋማይ ኣካል ወይ ወልቀሰብ ሓቢሩ ቃልስታቱ ከይውድብ ዘጸግም ኣይመስለንን።ብዝዀነ መንገዲ ከልግስ እንተተደልየ’ውን፡ ሓያልን ኣድማዕን ውደባ ከምዘድሊ ክንዝንግዕ የብልናን። ንገዛእ ርእሱ እቲ ሰላማዊ ዝብል ኣገባብ ቃልሲ፡ ንነብሱ ብዝለዓለ ናይ ዓመጽ ዓቕሚ እንተዘይወዲቡ፡ ናይ ለመናን ጸሎትን መልክዕ ጥራይ ሒዙ እቲ ስርዓት ባዕሉ መሽሚሹ ክወድቕ ምጽባይ፡ ወይ ከኣ ኣብ ዝዀነ ግዳማዊ ናይ ሓይሊ ረቋሒ ናይ ለውጢ ተስፋኻ ምንባር፡ናይ ፍታሕ ወይ ራህዋ ኣድማስ(ሆራይዘን) ዘይብሉ ናይቲ ንበኽየሉ ዘለና ህዝብና ናይ ዓጽረሞት መስርሕ ኢዩ ዘስምዕ።ብፍላይ ብሰላማዊ መንገዲ ለውጢ ብኸመይ ይመጽእ፡ዝተነጸረን ዝተኣወጀን ናይ ለውጢ ስእሊ (ሮድ ማፕ) ከተቕርብ እንተዘይክኢልካ።ንህሉው ኣገባብ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ዝቃወም ኣካል፡ዝሓሸ መተካእታ ከቅርብ ምስ ዝኽእል ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዕግበት ኣለኒ። ብዝተረፈ ፍጹም ዝበሃል ነገር ስለዘየለ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ኣትዩ ኣፍራዪ ግደ ክጻወት ጥራሕ ኢዩ ከዐውተና ዝኽእል። እቲ ስርዓት ህግዲፍ፡ ብዓመጽ ከልግስ ኣለዎ ዝብል ሸነኽ ንገዛእ ርእሱ፡እቲ ዝሃንጾ ወተሃደራዊ ዓቕሚ፡ንፖለቲካዊ ዕላምኡን መደብ ዕዮኡን፡ ኣብ ተግባር ንምትርጓም ጥራይ ኢዩ ክግልገለሉ ዝህልዎ። ትርጉም ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ከተዐውቶ ዘይከኣልካ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምትግባር ዘገልግል ናይ ዓመጽ መሳርሒ ኢዩ።ብኻልእ ኣዘራርባ ፡ እቲ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ዝምባሌን ኣረኣእያን ኢዩ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝፈጥሮ።ወተሃደራዊ ሓይልታት ፋሕ ኢሉ ወይ ተጠርኒፉ ብዘየገድስ፡ እቲ ፍታሕ ዘድልዮ ሽግር ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳይ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።ንሓድነትን ጥርናፈን ናይ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝመርሕን ዝከላኸልን ዱልዱል ፖለቲካዊ ውደባ እንተድኣ ዘየሎ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ ውድብ ወይ መንግስቲ ዘሎ ሰራዊት’ውን ፈርከሽከሽ ከምዝብል ክንዝንግዕ የብልናን።ሰራዊት ኣብ ሓደ ክኸውን ዝጽላእ ኣይኰነን፡እንተዀነ ግን ክትግበር ዝኽእልን ዘይክእልን ሓሳብን ዕላማን ኣጽኒዕናን ፈሊናን ክንፈልጦን ክንመምዮን ምስዘይንኽእል ካብ ጠቕሙ ጕድኣቱ ክበዝሕ ከምዝኽእል ምርዳእ ኣብ ቃልሲ ወሳኒ ኢዩ።ሰራዊት ኣብ ሓደ ይኹን ክበሃል ከሎ፡ ሽሕ’ኳ ብዙሕ ተቓዋማይ፡ኣብ ሓደ ዘይምምጽኡ፡ ጠንቂ ናይ ሕድሕድ ምብልላዕ ከይከውን ካብ ዝብል ግሩህ ፍርሂ ወይ ሓልዮት ዝነቅል እንተዀነ፡እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓልዮት ናይ ተቓውሞ መሲሉ ዝመጽእ ናይ ጸላኣን ወድዓውያን ተሓባበርቶም ተንኰላት እንኰላይ ክኸውን ከምዝኽእል ክንዝንግዕ የብልናን።ፖለቲካዊ ሽግራትና መዕለቢ ኣንተጌርናሉ ፡ ብኡ መጠን ወተሃደራዊ ጸገማትና ፍቱሕ ኢዩ።  ነቲ ቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ከዐውት ዝቃለስ ፖለቲካዊ ኣካል ከኣ፡ብሓያል ናይ ቃልሲ ውደባን ፕሮፓጋንዳን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን…ወዘተ ፡ ቶጕ ከይተባህለ’ውን ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።ብቐሊሉ ከድምዕ ዝኽእል ናይ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ውደባ ስለዘለካ፡ግድነት ኰይኑካ ብዘይትወስዶ መንገድን ካልእ ጐንጺ ዘየድልዮ ሜላዊ ፍታሕ እንዳሃለወ፡ኣድላዪ ዘይኰነ ሓይሊ ምጥቃም፡ ኣብ ሓሻሽነት ናይ ሰብኣዊ ጉልበት ዝምርኰስ፡ንዝናን ካልእ ምስ ህዝባዊ ዘይኰነ ረብሓታት ዝተኣሳሰር፡ ግጉይ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ናይ ስትራተጅን ስልትን ኣገባብ ቃልስን ምዃኑ ምርድኡ ኣገዳሲ ይመስለኒ።መን’ዩ ንመን ክቐትል ዝብል መጐተ ኣሎ። እዚ፡ ሓደ ተቓዋማይ ኣካል ንህዝቡ ዝሓሊ እቲ ካልእ ከእ ብህዝቡ ዘይግደስ ጌሩ ዘርኢ፡ ንመሰረታዊ ለውጢ ሃለዋት ህዝብና ዘይጥምት፡ ብጽገናዊ ለውጢ ክቕሸሽ ድሉው ዝዀነ ናይ ኣተሓሳስባ ዕግበት ኢዩ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ክውደብን ክምዕብልን ንቓልስና ውሳኒ ዝዀነ  ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ከየድምዕ ዘሰናኽል ኣበሃህላ ኢዩ። ነቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ካልኢት ብሰንኪ እዚ ስርዓት ዝበርስን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ብዓመጽ ለውጢ ብምምጻእ ከተገላግሎ፡ ብመንጽር ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ መኽሰቡን ክሳርኡን ናይ ምምዛን ጉዳይ ኢዩ። ብውሽጢ ለውጢ ክመጽእ እንትስፎ ተቓወምቲ እንተድኣ ኣሊና’ውን፡ ብደገ ዝካየድ ዝዀነ ዓይነት ሓያል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውደባታት ሓጋዝን ትስፋን ናይቲ ውሽጣዊ ምንቕናቕ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ዘሸግር ኣይመስለንን። ብደገ ምስቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ናይ ርእይቶና ምግላጽ መሰልን ናይ ውደባ መሳርሒታትን ፈልከት ክንብል ዘይከኣልና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓይሊ፡ ምስቲ ዘለዎ ጸቢብን ሓደገኛን ኵነታት ለውጢ ክምጽእ እቲ እንኮ መማረጺ ጌርካ ምውሳድን ብኡ መጠን ምውሳእን፡ ጸባ ደሊኻ ናብ ጡብ ብዕራይ ሃሰስ ምባል ከስምዕ ናብ ዝኽእለሉ ኵነታት ምስጣሕ  ኢዩ። ሓይሊ ስለዘለካ ቕተል ዝብል ሕልና መንጸብረቕታ ናይ ግጉይ ፖለቲካ ኢዩ።ብኣንጻሩ ከኣ ሓይሊ ከይወደብካ ንሓያል ጉዱ ብምቅላዕን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባርን ጥራይ ክወርድ ተስፋ ምግባር፡ስቓይ ህዝቢ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ፡ ክዕቀን ዝኽእል ጕዕዞን ውጽኢት ዘለዎ ኣይመስለንን። ግፍዒ ናይዚ ስርዓት ምቅላዕን ሰላማዊ ሰልፍን ዝዀነ ዓይነት ተጽዕኖ ብኻልኦት ኣካላት ኣብ ልዕሊኡን…ወዘተ ምክያድ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ እይሰሓትኩዎን ። እንተዀነ ግን እዚ ጥራይ ከም ናይ መቃለሲና ኣገባብ ጌርና ክንወስዶ የብልናን ንምባል ዝኣክል ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ኣብ  ደገ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕምን ዕማምን ዕሽሽ ኢልና ፡ ናብ ውሽጢ ጥራሕ ከነቋምትን ካብኡ ለውጢ ክመጽእ ጠጠው ኢልና ክንጽበን፡ ክሳርኡ ሰፍ ዘይብል ምዃኑ ንምሕባር ዝኣክል ኢዩ።

………….ይቕጽል

ተኽለብርሃን በየነ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8487

Posted by on Feb 20 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net