ውዕሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊን ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናርን ኣብ ከተማ ስያትል

ኣብ ጊዜ ሰላማዊ ሰልፊ ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል ቤተ-መንግስቲ ኮይኖም መደረታትን ጭርሖታትን እንዳኣስምዑ እንከለዉ ዘርእዩ ካብ ዝነበሩ ገለ ገለ ስእልታት

ብጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽን ተኣፋፊን ምዕብልናታት፡ ሰባት በብውልቆም ይኹኑ በብእኩባት ምዝርራብ ይካየድ ምንባሩን ምህላዉን ዝዝከር ኢዩ። ንሕና ኢርትራውያን ተቐማጦ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣሜሪካ ከባቢኡን (ሲያትል፡ ፖርትላንድን ቫንኮቨር ካናዳን ዘጠቓለለ)  ድማ ነዚ ከም ቀንዲ ምኽንያት ብምግባር፡

1)     ነቲ ኣብ በረኻታት ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ንምቅላሕን ምዅናን፡

2)    ነቲ ነዞም ግህሰታት እዚኣቶም ንክወርድ ዝገበረ ዲክታቶር፡ ንምእራም ተባሂሉ ብሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ዝተወስደ ጅግንነታዊ ተበግሶ ብስርሒት ፎርቶ  21 ጥሪ 2013 ዝፍለጥ ንምድጋፍን ዝዓለመ ኮይኑ፡

ንዓርቢ 8 የካቲት (February 8), 2013 ሰፊሕ ዝኾነ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ምስ ጉዳይ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎ ፕሮፈሰርን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናርን ክካየድ ተሰማሚዕና። ሰፊሕ ሰላማዊ ዝገብሮ መዔቀኒኡ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና ማለት ካብ ፖለትካውያን፡ ካብ ሲቪካውያን ኣካላትን ካብ ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ዘጠቓለለ ናይ ሓድነት ውዕሎ ክኸውን’ዩ ተመዲቡ። ነቲ ሰሚናር ምስ ዳን ኮነል ኣገዳስነቱ ብዝምልከት ልዑል ዕዘት ዝሃቦ ኣካላውን ሰነዳውን ተሞክሮ ዘጠቓለለ ምንባሩ ኢዩ። ነዞም ድርብ ሃገራውን ህዝባዊን መደባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ንኽፍጸም ናይ ሓባር መደብ እተካይድ ሽማግለ ካብ ህዝቢ ተመዘዘት።

 

ኣብ ጊዜ ሰላማዊ ሰልፊ ሰልፈኛታት ኣብ ጽርግያታት ናብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል ቤተ-መንግስቲ እንዳኣምርሑ እንከለዉ ዘርእዩ ካብ ዝነበሩ ገለ ገለ ስእልታት

እታ ዝተመዘዘት ሽማግለ ድማ ካብ ህዝቢ ብዝተዋህባ ሓላፍነትን ዝሰነቐቶ ለበዋታትን ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ሰሙን ጊዜ ጽዑቕ ንጥፈታት ብምክያድ ተሓጋገዝቲ እንዳወሰኸት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝለዓለ ምስንድኣት ኣካየደት። ነቲ መደብ ከኣ ብቅደም ተኸትል ኣብ ክልተ ከፋላት ሰርዓቶ። እቲ ቀዳማይ ክፋል ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ሰነይተርስ ዘተኮረ ኣብ ህንጻ ፈደራል በቴ-መንግስቲ ናይ ሲያትል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓደ መዓልቲ ኮይኑ ግን ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰዓታትን ቦታን ክፍጸሙ ተመዲቡ’ዩ ተሰሪሕሉ።

 

ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መስመር ካብ ሰንቱሪ ሊንግ ዝበሃል ናይ ሲሃውክስ መጻወቲ ኵዕሶ መተኣኻኸቢ ቦታ ተበግሱ ናብ ህንጻ ፈደራል ቤተ-መንግስቲ ንሓደ ኪሎመተር ዝኸውን ኢዩ ተመዲቡ። ንመጎዓዓዝያ ብዝምልከት ሽግር ከይህልወና ብማለት ሓደ ዕዉት መንእሰይ ብገዛእ ድሌቱ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ጥራሕ ዘኮነስ ካብቲ ብዙሓት ኢርትራውያን ዝርከበሉ እንዳቡን ሚኒባስ ገገይሩ ከመላልስ ብዝኣተዎ ወለንታዊ ተበግሶ ብግብሪ ከሰንዮ ተራእየ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ናይ መጀመርታ ዕዮ ኮይኑ ብድሕሪ ሕጂ ድማ ክምዕብል ምዃኑ ተማሂርናሉ ኣለና። ብዙሓት ሰባት ቀዳመይቲ ሕቶ ዝሓቱኻ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክንደይ ነይሮም ይብሉኻ። ዕላማና ግን መልእኽትና ናብ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ንምብጻሕ ደኣምበር ብዙሓት እንተኾይና ክንሕጎስ፡ ውሑዳት እንተኾይና ድማ ክንጕሂ ኣይኮነን፡ ብሕጂ እውን ዝምዕብል ምዃኑ ንከታተል ኣለና።

 

ኣብ ጊዜ ሰላማዊ ሰልፊ ሰልፈኛታት ኣብ ጽርግያታት ናብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል ቤተ-መንግስቲ እንዳኣምርሑ እንከለዉ ዘርእዩ ካብ ዝነበሩ ገለ ገለ ስእልታት

ሰላማዊ ሰልፊ ምስቲ ዝተገብረሉ ምድላዋት ህዝቢ ብዓሰርተታት ዘይኮነስ ብዓርተ ኣማኢታት ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ክወጽእ ኢዩ ዝብል ኣዝዩ ልዑል ተስፋ ናይ ተሳተፍቲ ክህሉ ኢዩ ዝብል ሒዝና ሒዝና’ኳ ንበገስ እምበር፡ ብዘይ ቀለዓለም ግን ከምቲ ዝተጸበናዮ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ተቐማጦ ናይ ከባቢና፡ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምዃኑ ተወሲኽዎ፡ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ እኳ ኣይውጽኡ እምበር፡ እቶም ዝወጹ ግን ብብዝሒ ሕኑናት መንእሰያት ምንባሮም ኣዝዩ ዘሐብን ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ካብ ከባቢና ማለት ካብ ኦረጎን ስተይት ከተማ ፖርቱላንድን ካብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ካናዳን ከተማ ቫንኮቨር ከይተረፉ እዮም መንእሰያት ተሓዊሰሞ። ገለ ካብቶም ብትግርኛን፡ ብዓረብን፡ ብእንግሊዝን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጭደሩ ዝነበሩ ጭርሖታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡

 

 

1)     ጅግና ናይ ፎርቶ

ብደሓን እቶ፡

2)    ምክልኻል ሰራዊትና

ምሳኹም ኣለና፡

3)    ንሕና ምስ ህዝብና

ህዝብና ምሳና፡

4)    ህዝቢ ንበገስ

ሓቢርና ንቃለስ፡

5)    ንግሆ ፎርቶ

ምሸት ኮምፕሽታቶ

ከውታ ኣርያፖርቶ

ወጋሕታ ባጽዕ ትእቶ

ንኢሰያስ ብሂወት ክንጎቶ፡

6)    ቲቶ . . .ቲቶ

ኢሰያስ ነፋሒቶ

መሬት ጠሊማቶ፡ (ብደርፊ ከምታ፡ ኣሆየ ወኻርያ በሊዓቶ ጃንሆይ)

7)    ቀላጽምና ይሕበር

ህግደፍ ክቕበር፡

8)    ኵሎም ውጹዓት ይንብሑ

9)      ደለይቲ ፍትሒ

የብልናን ፍርሒ፡

10)     እወ ንደሞክራሲ

እምቢ ንምልኪ፡

11)      ارحل, ارحل, ارحل

12)     الحقوق ستعود والصمود بالوحدة

ኣብ ጊዜ ሰላማዊ ሰልፊ ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል ቤተ-መንግስቲ ኮይኖም መደረታትን ጭርሖታትን እንዳኣስምዑ እንከለዉ ዘርእዩ ካብ ዝነበሩ ገለ ገለ ስእልታት

13)     Free Eritrean Victims in Sinai

14)     Free Eritrean Victims in Egypt

15)     Free Eritrean Prisoners of conscience

16)     Stop injustice in Eritrea

17)     Stop Force Labor

18)     Stop Human Trafficking in Egypt

19)     Support the People’s Struggle in Eritrea for Democracy & Justice

20)    Democracy Yes!

Dictatorship No!

21)     Down! Down! Dictator!

22)    We support our Eritrean Defenses Forces for Democratic Change!

 

ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ፡

 

ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል መንግስቲ ብጭርሖታት ምጭዳር ጥራሕ ከይተወሰኑ፡ ካብ መበግሲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀሚሮም ክሳዕ ዝጭረስ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ በራሪ ወረቓቕቲ ንሓለፍቲ መንገድን ንተዓዘብቲ ሰላማዊ ሰልፊን ዓዲሎምን ዘርጊሖም። ኣብቲ ጕዕዞ ብዙሓት ኣሜሪካውያን ዝተፈላልዩ ሰነዳት ማለት ደረቕን ተንቀሳቐስቲ ስእልላትን የልዕሉ ነይሮም። ኣብቲ ኣዝዩ ሓጺር ጊዜ ብዝወጸ ውጥን መሰረት ብርክት ዝበሉ ናይ መድያ ማዕከናት ተሓቢሮም ዝነበሩ እኳ እንተኾኑ ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ከምቲ ዝድለ ኣብቲ ሰልፊ ብኣካል ኣይሳተፉ እምበር ከም በዓል ኣካየድቲ ገረገር ዶት ኮም ግን ብኣካል ተረኺቦም ስእላዊ ሰነዳት ኣልዒሎም ኢዮም። ከምኡ’ውን ድምጺ ኣሜሪካ (VOA) ብስልኪ ናብ ኣዳለውቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብምድዋል ቃለ-ምልልስ ተኻይዱ ኢዩ።

 

ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል መንግስቲ ዝተፈላልዩ ተሳተፍቲ መብዛሕትኦም መንእሰያት ብልዑል ነድሪ ሓሓጺር መደረታት ከቕርቡ እንከለዉ ብደቂ-ኣንስትዮና ዝቐረቡ መግልጺታት ድማ ኣዝዮም ኣለዓዓልቲ ነይሮም። ብርክት ዝበሉ ግጥምታት ምንባሮም እውን ተወሳኺ ድምቀት ሂብዎ።

ኣብ ጊዜ ሰላማዊ ሰልፊ ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል ቤተ-መንግስቲ ኮይኖም መደረታትን ጭርሖታትን እንዳኣስምዑ እንከለዉ ዘርእዩ ካብ ዝነበሩ ገለ ገለ ስእልታት

ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፈደራል መንግስቲ ተሳተፍቲ መደረታትን ጭርሖታትን ግጥምታትን  እንዳኣቕረቡ እንከለዉ ብኣካላት ናይታ ኣዳላዊት ሽማግለ ናብ ክልተ ሰነይተርስ ናይ ዋሽንግቶን ስተይት ቤት-ጽሕፈት ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መዘክር ኣቕሪቦም። ቀጺሎም እውን ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ ከተማ ሲያትል ከንቲባ ብምኻድ መዘክር ኣቕሪቦም። ንዕዘት ናይቲ መዘክር ብምግንዛብ ድማ ከንቲባ ናይ ከተማ ሲያትል ንናይ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ሓላፊ ብቐጥታ ኣጽዊዑ ምስና ኮፍ ኢሉ ንጉዳይና ክሰምዓና ከምዘሎዎ ገበረ’ሞ ንፍርቂ ሰዓት ብመሰረት መዘክርና ተዘራረብና። ብፍላይ ኣብ ዘመናዊ ክትራንን ዓፈናን ዓመጻን ደቅ-ሰባት (Modern Slavery) ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ቀሪቦም። መልስታት ከኣ ተዋሂብዎ። ኣብ ኣሜሪካ ንዘመናዊ ክትራን ዓፈናን ዓመጻን ደቅ-ሰባት ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ሰፋሕቲ ኣኼባታት ክካየዱ ምዃኖም ኣብ ርእሲ ምሕባሩ፡ ናብዞም ኣኼባታት እዛኣቶም ብተገዳስነት ክሕበር ምዃኑ ነታ ዝተላእከት ሽማግለ ምሕባሩ ተረጋጊጹ። ከምዚ ኢሉ እቲ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ተኣኻኺቡ ዝተጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ብሰላም ክዛዘም እንከሎ፡ ሰልፈኛታት ናብቲ ናይ ምሸት መደብ ንምስታፍ ናብ ቦታ ሰሚናር ተጓዕዙ። ኣብዚ ጕዕዞ’ዚ’ውን ነቶም ኣብ ሰልፊ ዝወዓሉ እተመላልስ ሚኒባስ ስራሓ ቀጸለት።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8492

Posted by on Feb 20 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net