ፕሮፈሶር ዳን ኮነል ኣብ ስያትል ዋሽንግቶን ውዕውዕ ታሪኻዊን ትምህርታዊን ሰሚናር ኣካይዱ።

ንስለ ደገፍ ህዝብና ምስ ሰራዊትና፡ ኣብ ሰልፊን ኣኼባን ዝተረኸብና፡ ብሓድነትና ይረጋገጽ ኣሎ ዓወትና!

ኣብ ጊዜ ኣኼባ ምስ ፕሮፈሰርን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል ካብ ዝነበሩ ብከፊሉ ስእልታት

ቀጺሉ ድማ ንፕሮፈሰርን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል ብጉዳይ ኤርትራ ዝፈልጦ ዘበለ ክሕብረና ካብ ቦስቶን ናብ ስያትል ንዕለት 2/8/13 ክመጽእ ብዝተገበረሉ ዕድመ መሰረት ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ምውድኡ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ሰሚናር ክጅመር ኢዩ መደብ ተሰሪዕሉ ነይሩ። እቶም ኵሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወዓሉ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካልኦት እውን ተወሲኾሞም ነቲ ና ሰሚናር ቦታ ኣብ ሰዓቶም ሕጅ’ውን ብመንእሰያት መሊኡ ነበረ።

 

ንስለ ደገፍ ህዝብና ምስ ሰራዊትና፡ ኣብ ሰልፊን ኣኼባን ዝተረኸብና፡ ብሓድነትና ይረጋገጽ ኣሎ ዓወትና!

ፕሮፈሶር ዳን ኮነል ናብ ስያትል ዋሽንግቶን ንክመጽእ ብዝተዋደደ መደብ፡ ምስቲ በዚ ዕለት እዚ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣመሪካ ተቐማጦ ኤርትራውያን ሰላማዊ ሰልፊ፣ ንምውህሃዱ ተባሂሉ ኢዩ ብሓደ መዓልቲ ክኽውን ዝተደልየ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ከምቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተራእየን ዝርኤ ዘሎን፣ ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዘሎዉ ንግዳያት ሲናይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምጥባቕን ጥርዓን ንዓለም ንምቕራብን ብዝያዳ ድማ፣ ነቲ ብጀጋኑ ኣሃዱታት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሰራዊት ኤሪትራ ኣብ ፎርቶ ናይ ኣስመራ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ስርሒት ንምምጓስን ደገፍ ንምግላጽን ዝተገብረዩ ክቡር መደብ ኢዩ ተገይሩ።

 

ፕሮፈሶር ጆርናሊስት ኣቶ ኮነል፣ ንስያትል ኣብ ዝብገሰሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ቦስቶን ማሰቹስተስ ብርቱዕ ምልውዋጥ ናይ ኣየር ኩነታትን ብርቱዕ በረድን ከቢድ ህበቡላን ስለ ዘጋጠመ ንኽተርፍ ዘገድድ ኵነታትኳ እንተነበረ ምስቲ ህዝቡ፣ ህዝቢ ኤርትራን መንእሰያቱን ገጢሙዎም ዘሎ ጸገም ግን ግድኡ ንምጽዋት ክዕንቅፎ ዝኽእል ከምዘይነበረ ንውሕስነት ድሕነቱ ከየቐደመ ኣብቲ መብጽዓኡ ክርከብ ስለዝመረጸ ክመጽእ ከምዝኽኣለ ነተን ቁሩባት ደቓይቕ ዝደንጐየንኳ ይቕረታ ብምሕታትዩ ኣስተምህሮኡ ዝጀመረ።

 

ፕሮፈሶር ዳን ኮነል ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ ዝምድናን ዝሓደሮ ፍቕሪን ካብቲ ብሰብዓታት ኣብ ጊዜ ናይ ናጽነት ቃልሲ ዝጀመረ ርክቡ ምዃኑ በዚ ምኽንያትዚ ድማ ንሕና ምስኡ ንሱ ምሳና ብሓደ ክንነብር ከምዝተፈረድና ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ድሕረ-ባይትኡን ተመክሮኡን ድሕሪ ምግላጽ፣ ቀሪብዎ ምስኡ ሒዝዎ ዝመጸ ካብ ሰብዓታት ስጋብ ጊዜ ናጽነት ዘጠቓለለ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንሂወትን ስራሕን ህዝባዊ ግንባር ዝቐረጸን ዝሰነደን ብፓወር ፖይንት (power point) ዝተሰነየ ኣስተምህሮኡ ጀመረ።

 

መግልጺኡ ክጅምር ከሎ ኣቶ ኮነል ብኸምዚ ጀሚሩ፣

ብ1976 ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ዓስኪሮምሉ ዘነበሩ ብዙሕ ቦታት ዝዞርኩሉን ምስ ብዙሓት ተጋደልቲ ዝተራኸብኩሉን ምዃኑ ይዝከረኒ ዝበለ ኣቶ ኮነል፣ ኩለን ሓይልታት ኣብ ኣኼባታት ይጸንሕኦ ከምዝነበራን ነታ ኢሳያስ ዝጸሓፋ መጽሓፍ የጽንዓን ይምሃራን ከምዝነበራን ይዝከረኒ ኢሉ፣ ናይቲ ጊዜቲ ፍሉይ መለለዪ ተዘክሮኡ ድማ  ኣብ ሳሕል ይኹን ኣብ ባርካ ወይ ኣብ ከበሳ ረኺቡ ዘዛረቦም ዝዓበዩን ዝነኣሱን መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር መልስታቶም ሓደ ምንባሩ፣ እቲ ውድብ ክሳዕ ክንደይ ብውሑዳት ዝዝወር ከምዝኾነ ሓባሪ ምንባሩ፣ ነዚ ተወሊዱ ዘሎ ዲክታቶርነት’ውን ዝሕብር ምንባሩ ገሊጹ። ካብዚ ቀጺሉ ነቲ ውድብ ኣብ ምሕጋዝ ስጋብ ጊዜ ናጻነት ብዙሕ ናይ ጋዘጠኛነት ስራሕ ከምዝሰርሐ ገሊጹ፣

 

ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ግዜ ሪፈረንዱም ከም ተዓዛባይ (monitoring) ከምዝተኻፈለ በብጊዜኡውን ብዝተፍላለየ ደረጃታት ግደኡ ንምጽዋትን ንህዝቢ ኤርትራ ይጠቕሙ ይኾኑ’ዮም ዝበሎም ሓገዛትን መደባትን ሓሳባትን ሒዙ ኣብ ኤርትራ ምምልላስ ይቕጽል ከምዝነበረ ገሊጹ። ኣቶ ኮነል ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ እንዳ ኮርያ ገዛ ተኻርዩ ኣብ ከክልተ ወርሒ ይመላለስ ከምዝነበረ’ውን ኣብሪሁ።

 

ነቲ ብሰፊሕ ዝንበብ ዝነበረን ዘሎን ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዘቃልሕ መጻሕፍቱ ከም አገይንስት ኦል ኦድስ (Against All Odds) ካልኦት መጽናዕትታት ዘጠቓለሉ ጽሕፋት’ውን ስጋብ 2001 ኣብ ኤርትራ እናተመላለሰ ብፍላይ ኣብቲ ጊዜቲ ብተሓባባርነት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት ይጽሕፎን ይስንዶን ይሓትሞን ከምዝነበረ ዘርዚሩ ሓቢሩ።

ፕሮፈሶር ኮነል ኣብ ኣስመራ ምስ ህዝቢን መራሕቲን ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብን ዘተን ጊዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኢሰያስ ብፖለቲካዊ መዳይ ኣብ ኤርትራ ናይ ደሞክራሲ ዕድላት ናይ ምኽፋት መደብ የርኢ ከምዘይነበረ፣ ኢሰያስ ንምልእቲ ኤርትራ ከም ሳሕል ክቆጻጸራን ከመሓድራን ከምዃኑ ዝደሊ ዝነበረ፣ ትዕዝብቱን ስክፍታኡን ይዛረበሉ ከምዝነበረ፣

ብፍላይ ክኣ እቲ ብድሕሪ ካልኣይ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ 2001 እቶም ብጂ15 ዝፍለጡ ብዓል ድሩዕ (ወልደ ትንሳኤ) ኣብ ዝተዛረቡሉ እዋን፣ ድሩዕ ንዓይውን እዚ ዝኸይድ ዘሎ ትፈልጦ ኢኻሞ ክትዛረብ ይግብኣካዩ ኢሉ ተዛሪቡኒ፣ በዚ ምኽንያትዚ ምስ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ዝነበረ ከሰተ ኮምኡ ምስ ብዓል ጰጥሮስ ሰሎሙንን ካልኦት መራሕቲን ድሕሪ ምዝራብ፣ ምስ እተን ሽዑ ዝጅምራ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዘጣታት ኢንተርቪዉ ብምክያድ ክዛረብ ጀሚረ፣ ገበን እንተሎዎም ኣብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ርእይቶይ ድማ ብግልጺ ኣስሚዐ፣ በዚ ምኽንያት ብሓጎስ ክሻ ተጸዊዐ ተገኒሐ፣ ነዛ ሃገር ትጎድኣ ኣሎኻ ተባሂለ  ። ብምቕጻል ምስ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ መርበባት መራኸቢ ብዙሓት ከም ኣስመሪኖ ዝበላን ካልኦት ትካላትን ተዛሪበን ጽሒፈን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ናይዝጊ ክፍሉ ከምታ ንምጀመርያ ጊዜ ብ1975 ኣብ ፖርት ሱዳን ተቐቢሉ ዘእተወኒ ምስ ህዝባዊ ግንባርውን ዘራኸበንን ዘላለየኒን ኣብዚ ጊዜዚ’ውን ናይ መጨርሽታ ካብ ኤሪትራ ቪዛይ ሰሪዙ ዝሰጎጎጕኒ ንሱ ነሩ፣ ብማለት ብኸመይ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ከምዝተጻልኤ፣ ገሊጹ።

 

ኣብ ጊዜ ኣኼባ ምስ ፕሮፈሰርን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል ካብ ዝነበሩ ብከፊሉ ስእልታት

ዋላኳ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይቋርጽ እምበር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ዝምድና ቀጻሊን ህያውን ምዃኑ ዝገልጸ ፕሮፈሶር ዳን ኮነል፡ ሓልዮቱን ጽቡቕ ድለቱን ከም ዘይኣቋረጸ ኣብ ኩሉ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፋላይ ከምዘሎን ኣስሚሩሉ፣ ሎሚውን ከም ቀድሙ ንኤርትራውያን ንምሕጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቊቦምሎም ዝርከቡ መደበራት ብምኻድ ምስቶም ስደተኛታት ብምርኻብን ምስኦም ብምዝራብን ንጸገማቶም ብምስናድን ብምቅላሕን ሓገዛት ንምርካብ ይጽዕር ምህላዉ ገሊጹ።

 

ኣቶ ኮነል ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዓዲ ሓሪሽ፡ ሽመልባ፣ ማይ ዓይኒ ዝብሃላ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሎውወን መደበራት ከይዱ ዝቐረጾ ስእሊታት ናይ ሰደተኛታት ንእሽቶ ኤርትራ ከምዝመስረቱ ቤተ ክርስትያናቶም መስጊዳቶም ቤት መግቢታቶም ባራቶም ከምዝሰርሑን ዘርኢ ስእልታት ኣርእዩ፣ ካብ 5-13 ዝዕድሜኦም ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ዝተሰዱ ዘኽታማት ኣዋልድን ኣወዳትን ነንበይኖም ኣብ ፍሉይ ዝኾነ መንበሪታት ከም ዝቕመጡ ገሊጹ፣ ንኣትሓሕዛኦም ዝምልከት ድማ ብስእልታት ኣሰንዩ ኣቕሪቡ።

 

ካብዙ ቀጺሉ ብዙሓት ፈለጥቱ ኤርትራውያን ንእስራኤል ክኸይድሞ ንኤርትራውያንን ካልኦት ኣፍሪቓውያንን ስደተኛታት ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሓድሽ ጸገም ክዕዘብን ከጽንዕን ስለ ዝሓተቱኒ ኣብ እስራኤል ከይደ ንብዙሓት ስደተኛታት ኣዘራሪበ ኢሉ።

ኣቶ ኮነል ቁጽሪ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ልዕሊ 60,000 (ሱሳ ሽሕ) ስደተኛታት ከምዘሎዉ፡ ልዕሊ 32,000 (ሳላሳን ክልተን ሽሕ) ካብኣቶም ክኣ ልዕሊ ፍርቂ ኤርትራውያን  ምዃኖም ይገልጽ። ኣቐዲሙ ብሊብያ ገርካ ንዓዲ ጥልያን ዝውሕዝ ዝነበረ ዋሕዚ ኤርትራውያን ቓዛፊን ባሊስኮኒን ስለ ዝዓጸዉዎ፣ እቲ ፈለግ መንገዱ ናብ እስራኤል ገጹ ቐይሩ፣ በዚ ምኽንያት ድማ እስራኤል ሓዳስ ዕላማን መዓርፎን ስደተኛታት ኮይና ትርከብ ምህላዋ ገሊጹ። እስራኤል እታ ሓንቲ ኣብ ዓለም ስደተኛታት ዘይትቕበል ዝንበይና ዝኾነት ፍልይቲ ሃገር ኢያ። ኣብኣ ንዝኣትዉ ስድተኛታት ድማ ዘይሕጋውያን ሰሎኽቲ (infiltrators) ትብሎም፣ ገለ ካብ ዜጋታታ’ውን  ኣኽረርቲ የማናውያን ስለዝኾኑ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ጽልኢ ኣሎዎም፣ ካብኡ ሓሊፎምውን ኣዝዮም ዘርአኛታት (racist) እዮም፣ እዞም ዘርአኛታት እስራኤላውያን ገዛውቲ ስደተኛታት ብምንዳድን ካልእ መጥቃዕቲታት ብምክያድን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት የስዕቡ ከምዘሎው፣ ከም ኣብነትውን ሓደ መንእሰይ ስደተኛ ኩሉ ስብነቱ ከምዝሓረረ ብስእሊ ኣቕሪቡዎ፡ ንኣኼበኛታት ኣብ ዓሚቝ ምስትንታን ኣጥሊቕዎ።

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ እቲ ኣብ ሲናይን ግብጺን ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ መጭወይትን ናይ ኣካሎም ኣውጺእካ ምሻጥ ዘስካሕክሕ ምዃኑን ኩልና ድማ ክንሰርሓሉ ከምዘሎናን ዝገልጸ ኮነል፣ ኣብዚውን፣ ስእሊ ናይ ሓደ ካብቶም ግዳያት ናይቶም ኣብ ሲናይ ብማህረምቲን ማእሰርቲን ብሓዊ ምሕራርን ክልቲኡ ኣእዳው ዝተቖርጸ ስደተኛውን ኣቕሪቡ። ከምዚ ኢሉ ንሰለስተ ርብዒ ሰዓት ስእላዊ ሰነዳቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብዚ ቀጺሉ ዝነውሐ ጊዜ ናብ ሕቶን መልሲን ኣትዩ ከብርሆ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣፍለጠ።

 

ካብቶም ብርክት ዝበሉ እዋናውያንን ኣገደስትን ዝቐረቡ ሕቶታት ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል፡

  1. ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ መንግስቲ ኤርትራ መሰል ወዲ-ሰብ ኣየኽብርንዩ ተባሂሉ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ክሲ ሓቅን ሓሶትን ንኸተረጋግጽ፣  መጽናዕቲ ኣኪባ ጸብጻብ ክተቕርብ ተመዚዛ ዘላ ፍልይቲ ናይ ዩኤን ወኪል  (Human Right especial Rapporteur) ወይዘሪት ቢድዋንቲ ኪቱራዝ (Ms. Beedwantee Keetharuth) ካብ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ከምዝሓተተትን  ሰሚዕካ ትኸውን፣ ምስ ተሞክሮኻ ኣዛሚድካ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ዲክታቶር ንዝኾነ ምስኡ ዘይሰማማዕ ጋዘጠኛ ይኹን ዲፕሎማት ከም ሓሳዊን ናይ ሲኣይ ኤይ ልኡኽን ኢዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ጠቕሚ ዘይርከቦ ተግባር ምዃኑ እናፈለጡ ነዚ መደብ ምግባሮም  እንታይ ጠቕሚ ከምጽእ ትጽቢት ስለዝተገብረ ይመስለካ?

 

2) ሕቶ

ብዛዕባዚ ብ21 ጥሪ ብኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኤሪትራ ዝተወስደ ስጉምቲ ወይ ስርሒት ርእይቶኻ ከመዩ?

 

1)    ሕቶ

ብዛዕባ ተቓውሞ ኤርትራ ዘሎካ ገምጋም ከመይ ይመስል?

 

2)   ሕቶ

ዩኤን (UN) ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል? መደበር ሸገራብ ከድካዶ ትፈልጥ?

 

3)   ሕቶ

ኣብ መጽሓፍካ ኢሳያስ ኣብ ባዕሉ ዝውድቦም ቃለቤታት ካልኦት ውሽጣዊ ቃለቤታት ወይ፣ ስርዒታት (internal rings፣ rings were made and rings destroyed) እናገበረ ነቲ ሓደ ብኻልእ እና ተክአ ይኸይድ ከምዝነበረ ገሊጽካዮ ኣሎኻ፣ እዚ ናይ ፎርቶ’ውን ከምኡ ካብ ምዃን ዘድሕኖ እንታይ ኣሎ ትብል? ማለት ሕጂውን ንብዓል ዓብደላ ጃብር ጒሒፉ ንብዓል ወዲ ኢፍረም ምሳይ ኩኑ ኣነ ድማ ነዚኦም ጉሒፈዮም’የሞ እመኑኒ ዝብል ዘሎዶ ኣይመስለካን?

 

 

4)   ሕቶ

ግደ መንእሰይ ኤርትራ እንታይ ክመስል ይግባእ ይመስለካ?  መንእሰያት ኤርትራ ለውጢ ከነረጋግጽከ እንታይ ክንገብር የድልየና ትብል?

 

5)   ሕቶ

ብዛዕባ ናይ ኢሳያስ ኣብ ቃኘው ስተሽን ምምልላስን ካብ መጀመሪያኡ ናይ ሲኣይ ኤይ (CIA) ልኡኽ ኢዩ ዝብሃል ብዛዕባዚ እንታይ ትፈልጥ ወይ እንታይ ትብል?

 

8) ሕቶ

ስለምንታይ ንሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ጀብሃ መሪጽካ? ስለምንታይ ኣብቲ ቦታ ጀብሃ ከድካኸ ዘይተላለኻያን ዘይተፋልጥካያ?

 

9) ሕቶ

ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ተቓውሞ ዘሎዋ ኣትሓዛን ሓፈሻዊ መርገጻን ከመይ ይመስል ትብል?

 

10) ሕቶ

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ይገብር ንስኻ፣ ፕሮፈሶር ዳን ኮነል (Professor of Jornalism and African studies) ኣብ ሲሞን ኮሎጅ  ከተማ ቦስንቶ፣ ኣምባሳዶር ሀርሞን ኮሀንን (Director of Africa Program of National Committee of African Studies) ማተዮ ፈቺኒ ( Italian Freelance Journalist) ሮበርት ኖላን (Editor Producer At Foreign Policy Association DC USA) ከምኡውን ጀሰን ኣንደርሰን (Teacher Trainer Consaltant who worked in Ertrea)  ምስ ኣሕመድ ሺሓብ ኤልዲን ኣብ HUFFPOST LIVE ዝብሃል ቪድዮ ሚድያ ዝገበርኩሞ፣ ኮንፈረንስ፣ ብዛዕባ ስርሒት ፎርቶ ዘሎኩም ገምጋምን ሓፈሻዊ ትዕዝብትኹምን ኣልዒልኩም ክትዛረቡ ከሎኹም ኣምባሳዶር ኮሀን ኣመሪካ ንኤርትራ ከም ዝጠለመታ፣ ነቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ደው ዘበለ ውዕል ካብ ዘውሓሳ ቀንዲ ሃገራት እንከላ፡ ኢትዮጵያ ስለዘይተሰማምዓትሉ ናይ ሱቕ መርገጽ ከምዝሓዘትን ስጋብ ሕጂውን ከምኡ ኢላ ከምዘላን፣ እዚ ንሰላም ናይቲ ዞና ከምዘይሕግዝ፣ ፕረሲደንት ኦባማውን ኣብ ቀዳማይ ተርምኳ ገለ ከይገበረ እንተሓለፈ ኣብዚ ካልኣይ ተርም ግን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምዝራብ ክፍትን ከምዘሎዎ እዚ ናይ ዶብ ጉዳይ ፍታሕ ንኽረኽቡሉ ክጽዕር ከምዝግባእ ገሊጹ፣ ሮበርት ኖላንውን ኣመሪካ በቲ ኣብ ግብረ ሽበራ ምክልኻል ምስ ኢትዮጵያ ዘሎዋ ውዕልን ካብ ቀደምውን ከም ቀዳመይቲ ምሓዛ ስለ ዝተሓርየት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ክትዘርየላ ባህርያዊ ከምዝነበረን ከምዘይቅየርን ገሊጹ፣ ኣገዳሲ ዝኾነ ዘተ ኣካዪድኩም ነርኩም ብዛዕባኡዶ ገለ ምገለጽካልና?

 

11) ሕቶ

ኣብ እስራኤል ብዙሓት ስደተኛታት ኣሎዉ ከመይ ገርካ ካብኡ ክወጹ ክሕገዙ ይክኣል (how can they be sponsored)?

 

ንኵሎም ዝቐረብሉ ሕቶታት ዘዕግቡ መልስታት ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ናይ ሓልዮት ምዕዶታቱ ኣሰንዩ ኢዩ ሓሳባቱ ገሊጹ። ጽማቝ መልሳቱቱ ክርኤ እንከሎ፡ ንዓኹም ንኤርትራውያን ተቓሊስካ ምዕዋት ሓድሽ ኣይኮነን፡ ስለዚ ንጉዳይኩም ቅድሜኹም ዝስራዕ የለን ዋላ ሕቡራት መንግስታት ይኹኑ፡ ካልኦት መንግስታት፡ ቅድሜኹምን ልዕሌኹምን ዝግደሰሉ ሓይሊ ክህሉ ስለዘይክእል፡ ዓቕምታትኩም ኣወሃሂድኩም በቲ ዘሰማምዓኩም ጥራሕ ብግብሪ ምቅላስ ኢዩ ዘወጻጽእ ክብል ኢዩ ኣስሚርሉ።

ሰሚናር ድሕሪ ምዝዛሙ ምስ መንእሰያት ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ ኣብ ቀያሕቲ ዕንባባ እንከለዉ ዝርኣይዎ ምዃኖም እንዳዘከሩ፡ ገለ ካብኣቶም እውን ንኵለን መጽሓፍቱ ዘንበቡ ኮይኖም ንዳን ኮነል ብኣካል ብምርኣዮምን ሰላምታ ክለዋወጡን ዝተሰመዖም ልዑል ሓጎስ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ መሃሪ ምዃኑ ብኣድንቖት ኢዮም ገሊጾሞ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መሃርቲ ሰባት ብምምጻእ፡ እዋናውያን ጠለብ ህዝብና ዝኾኑ ኣጀንዳታት እንዳሰራዕኩም ክምህሩ ምግባር ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዮም።

ክብሪን ዝኽሪን ንኵሎም ስውኣትና

 

ኣወሃሃዲት ሽማግለ

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ሰሜናዊ ምዕራብ ኣሜሪካ

(ስያትልን፡ ፖርትላንድን፡ ባንኮቨር ካናዳን፡ ከባቢኡን)

 

8 የካቲት, 2013 (2/8/2013)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8498

Posted by on Feb 20 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net