ጸብጻብ ኣኼባ ክ/ሰ 38

ካብ ምብራቓዊ እዝ

ስዒቡ ዝቐርብ ጸብጻብ ኣሃዱ ክ/ሰራዊት 38 ንናይ 2012 ዓመታዊ ገምጋም ኣሃዱ ክ/ሰራዊት 38ን ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ምንቅስቓስ ፎርቶን ኣመልኪቱ ካብ ላዕሊ ተላኢኹ ንመላእ ኣባል ሰራዊት እዛ ኣሃዱ ዝተነበ ደብዳቤን ዝፈጠሮ ስሚዒትን ዘጠቓልል’ዩ፡፡

ንኣድላይነቱ ብዝምልከት፡ ብመንግስቲ ይካየድ ንዘሎ ጎስጓስ እንታይ ከምዝመስል፡ ከምቲ ብወገን በዓል ኢሳያይስ ተቖናጺቡን ብውሽጢ ውሽጢ ካልእ መልክዕ ከልብስዎን ዝፍትኑ ዘይኮነ ጠለብ ኩሉ ሰራዊትን ህዝብን ምዃኑ፡ ናይ ኣስላማይ ክስታናይ ዘይኮነ ናይ መላእ ኤርትራውያን ምንባሩ ዘረጋግጽን፡ ውዕሎ ኣኼባታት ቅድምን ድሕርን 21 ጥሪ 2013 ከምዝነበሮ ይፍንዎ ኣለኹ፡፡      

 I. ናይ 2012 ዓመታዊ ጸብጻብ ኣሃዱ ክ/ሰ 38 

ቅድሚ 21 ጥሪ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 11/2012 ክ/ሰራዊት 38 ብደረጃ ክ/ሰራዊት 71 ኪ/ሜትር ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ተኣኪባ ጸብጻብ ዓመታዊ ገምጋም ቀሪቡላ፡፡ ኣዳለውትን ኣቕረብትን እቲ ጽሟቕ ጸብጻብ ኣዘዚ እታ ክ/ሰራዊት ኮሎኔል ጸሃየ ወልዱ (ወዲ ወልዱ) ክኸውን ከሎ ተዓዛቢ ኮይኑ ዝተሳተፈ ናይ ክብሪ ጋሻ ድማ ኣዛዚ ግንባር ሜ/ጀ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ነይሩ። ኣገባብ ኣቀራርባ እቲ ጽሟቕ ገምጋም ብፕሮጀክተር ዝተሰነየ ነይሩ፡፡

ትሕዝቶ ጽሟቕ ዓመታዊ ገምጋም፡-

1. ዓመታዊ ማእቶታዊ ንጥፈታት ክ/ሰራዊት 38፡-  ምጽጋንን ምስራሕን ድፋዕቲ፣ ብዘዕግብ ውጺኢት ከምተዛዘመ። ሕድሕድ ቦጦሎኒ 400 ሜትሮ ንዝኣክል ስራሕቲ ድፋዕ ክትዓምም ተዓዲልዋ ኩለን ቦጦሎኒታት ከኣ ብዘዕግብ ደረጃ ከምዝፈጸማ ተገሊጹ።

2. ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡- ከም መደብ ዝተኣመመ እኳ ተነበረ ንውጽኢቱ ዝምልከት ግን ኣዕጋቢ ከምዘይኮነ፡፡ ሰራዊት ብቑዕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ቀሲሙ’ዩ ተባሂሉ ንምውሳድ ከምዘይከኣል ተደምዲሙ።

3. ሓለዋ ድፋዕ፡- ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝኸፈአ ኣብ ሐለዋ  ሸለልትነት ተራእዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣስታት 111 ዝኾኑ ከዳዓት ኣባላት ድፋዕና ጢሒሶም ናብ ጸላኢ ኣትዮም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኩብሉላት ኣጋጢሞም፡፡

4. ማሕበራዊ ኩነታት ሰራዊት፡- ብደረጃ እዚ ክ/ሰራዊት ጥራይ ንልዕሊ 300 ኣባላት ሰራዊት ማሕበራዊ ፍታሕ ተዋህቡ፡፡ እቲ ዘሕዝንን ዘሕርቕን ነገር ግን ካብ ዕረፍቲ ዝምለስ ሰብ ኣዝዩ ውሕድ ምዃኑ’ዩ። ካብዞም 300 ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኣባላት  ኣይተመለሱናን። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣዝዩ ብዙሕ ጥርዓንን ምረትን ኣብ ሰራዊት ይረአ’ሎ። ግን እዚ እናረኣና ከመይ ንሰደኩም? ሕጂ’ውን ከም ቀደምና ምጽማም ጥራይ”ዩ ዘድሊ፡፡ ፍታሕ ተዋህብኩም ክትምለሱ ካብ ዘይከኣልኩም ደጋጊምኩም ንናይ ቀረባ ሓለፈትኹም ኣይተሸግሩ።

5. ኩነታት ጥዕና ሰራዊት፡- ጥንዕንኡ ሕሉው ዝኾነ ሰራዊት’ዩ ዘለና ዝሓመመ ኣባል ሰራዊት ንሆስፒታል ድሕቱም እንዳሰደድና ክሕከም ገይርና ኢና። ኣብዚ ዓመት ዝተጋነነ ሕማም ኣብ ሰራዊትና ኣይተረኣየን። ብምባል ተደምዲሙ፡፡ ሰራዊት ሰማዒ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

ከም ወትሩ ኩነታት ጸላኢ ዝብል ኣይተገለጸን፡፡

ድሕሪ’ዚ ሕቶ ዘቕረበ ሓደ ኣባል ጥራይ ነይሩ፡-

ሕቶኡ ድማ፡ ሓደ፡ “ኩነታት ጸላኢ ኣይገለጽኩምን? ካልኣይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ባንኪ ገንዘብ ኣለኩም ናበልኩም ቅጥዒ ክንመልእ ገይርኩምና፡ ክሳብ ሕጂ ዝመጻና ነገር የለን፡ እዚ ኩነታት ኣበይ በጽሐ፡ እንታይ’ከ ተሰፋ ኣሎዎ? ይገለጸልና’’ ዝብሉ ኣቕረበ፡፡  

ንሕቶ ዝመለሰ ተዓዛቢ ሜ/ጀነራል ውጩ እዩ ነይሩ መልሱ ከኣ ከምዝስዕብ ነበረ ድሕሪ ሕጂ ኩነታት ጸላኢ ኣይንዛረብን፡፡ ዘዝተዛረብናኩም ኩነታት ጸላኢ ሒዝኩምዎ ናብ ጸላኢ እንዳኸድኩም ሚስጥርና ተቃልዑ ስለ ዘለኹም፡ ሕጂ ይኹን ድሕሪ ሕጂ ኩነታት ጸላእትና ኣይንገልጸልኩም

“ጉዳይ ናይ ባንኪ መዓልቱ መንግስቲ’ዩ ዝፈልጦ፡፡ ኣነ ኣይፈልጦን፡፡ ግን ንሓለፍትኹም ሰኣልቲ ኣዳልው ኢልናዮም ኣለና፡፡ ክትሰኣሉ ኢኹም ንነብስ ወከፍ ኣባል ናይ ባንኪ ቡክ ክዕድል’ዩ”

“ብሩኽ መዓልቲ!!” ብምባል ውጩ ነቲ ኣኼባ ዛዚምዎ፡፡

 

  1. ንስርሒት ፎርቶ ዝምልከት ኣኼባ ክ/ሰ 38

1. ብዕለት 25.ጥሪ 2013 ካብ ማእከልነት ሓይሊ ንላዕሊ ብደረጃ ብርጌድ ኣኼባ ተኻይዱ። አካቢ ሌ/ኮ ተከሰተ ተስፋንኪኤል (ድንሽ) ነይሩ፡፡

ትሕዝቶ ኣኼባ “ካብ ማእከልነት ሓይሊ ንላዕሊ ኣንብቡሎም ተባሂሉ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ጽሑፍ” ብምባል ነቲ ጽሑፍ ምንባብ ቀጺሉ። ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ብደረጃ ክ/ሰራዊት’ውን ስለተነበበ ንዘይምድግጋሙ ቀጺለ ክገልጾ’የ።

2. ንተመሳሳሊ ኣኼባ ብደረጃ ክ/ሰራዊት 38 ዕለት 09/02/2013 ኩሉ ተራ ወተሃደር ዝርከቦ ኣብ 71 ኪ/ሜትር ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ተገይሩ።

–   ኣከብቲ፡- ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 38 ኮ/ል ጸሃየ ወልዱ (ወዲ ወልዱን) ሓለቃ ስታፍ ክ/ሰራዊት 38 ሌ/ኮ ፍስሃየ ብርሃነ (ወዲ ብርሃነን) እዮም ነይሮም።

–   ዕላማ ኣኼባ፡- ስርሒት ፎርቶ ብዝምልከት ካብ ላዕሊ ዝወረደ ጽሑፍ ከምዘለዎ ንሰራዊት ምንባብ ኮይኑ ቅድሚ ምንባብ’ቲ ጽሑፍ ግን ከም መእተዊ ኮ/ል ወዲ ወልዱ “ታሪኸ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ” ብዝብል ምስ ህልው ኩነታት ኣዛሚዱ ክትንትን ሃቂኑ፡፡ ካብ ዘረብኡ “ትሰምዕዎ ዝቐነኹም፡ ገለ ገለ ሰባት ካልእ ኣማራጺ ወሲዶም ነይሮም፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ክፍደ ኣይግባእን፡፡ ናብ ውግእ ሕድሕድ ክንሽመም ዝተደለየ ነገር’ዩ ነይሩ” ክብል ከኣ ኣብ መእተዊ መዲሩ፡፡ ኣስዒቡ ካብ ላዕሊ ናብ ዝተላእኸ ጽሑፍ ምንባብ ቀጺሉ።

ትሕዝቶ እታ ካብ ላዕሊ ከምዝተልኣኸት ዝተገልጸት ኣብ ኩለን ብርጌዳት እውን ካብ ማእከልነት ሓይሊ ንላዕሊ ዝተነበት ጽሑፍቲ ከምዘለታ ክገልጻ፡-

“ዕለት 21 ኣብ ፎርቶ እንዳ ዜና ካብ 4 ዘይበዝሑ ላዕሎዎት ኮኔለላት ዘሎውዎ ገለ ፈተነ ዕግርግር ተገይሩ ነይሩ። ገለ ካብቶም ኣበጋገስቲ’ውን

1. ኮ/ል ሳልሕ ዑስማን ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 17

2. ሌ/ኮ እድሪስ ዓሊ (ወዲ ዓሊ) ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰራዊት 42

3. ከምኡ’ውን 100 ዝኾኑ ኣባላት ሒዞም ኣብ ኣስመራ ገለ ነገር ተፈጢሩ‘ሎ ብዝብል መታለሊ ቃል ተጠቒሞም ብቀጥታ ንሚ/ሪ ዜና ተቆጻጺሮም ነይሮም።

ብድሕሪኡ ኣበጋገስቲ ናብ ቀጽሪ ሚ/ሪ ዜና ብምእታው ንዳሪክተር ኤሪ ቲቪ ኣስመላሽ ኣብርሃ ብግዴታ ጽሑፎም ከንብብ ገይሮምዎ። እታ ጽሕፍቲ ምስተነበበት ላዕለዋይ ሓላፊ ሜካ 74 ኮ/ል ጸሃየ መኮነን (ወዲ ሞኬ) እንታይ ትገብሩ ኣለኹም? ክብሎም ናብቲ ቦታ ምስ ከደ ሓደ ካብቶም ወደብቲ ኣካላት ብሽጉጥ ተኪሱ ወጊእዎ።

ብድሕሪኡ እቲ ጉዳይ ንመንግስቲ ምስተነገረ እዚ ጉዳይ’ዚ ብዓቕሊ ክተሓዝ ከምዘለዎን ዝኾነ ግብረ መልሲ ንኸይግበርን ተኣዚዙ። እቶም ሰባት ተወሰና ሰዓት ምስ ጸንሑ እቶም ወደብቲ ኣብ ደገ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ልኡኻት መንግስቲ ምስኦም ክላዛቡ ተገይሩ።እቶም ሰራዊት መብዛሕትኦም ከኣ ኣባላት 74 እዮም ነይሮም። ጌጋ ምዃኑ ተነጊርዎም፡፡ እቲ ብዛዕባ ንኣመጻጽእኦም ዝምልከት ሓቢሮም፡ ንሕና ከምዚ ኣይመሰለናን ኢሎም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም። ኣብቲ ቦታ በይኖም ዝተረፉ ኣባላት ክሳብ ዝመሲ ጸኒሖም ኣብ መወዳእታ ምስ ጸልመተ ብመኪና ወደ ዓሊ ተሰዊሮም።

እዞም ሰባት ዘባጋገስዎ ጉዳይ ናይ ውልቆም ጠለብ’ምበር ናይ ህዝቢ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ጠቕላላ ሓቀኛ ውዕሎ 21 ጥሪ ከምዚ ከምዝነበረ ሕድሕድ ኣባል ምክልኻል ኤርትራ ክፈልጦ ኣሎዎ” ኢላ ድሕሪ ምውዳእ ንሕቶን ሪእይቶን ዕድል ኣይተውሃበን።

ማሕልፎ ኣብ’ቲ ኣብ ብርጌዳት ከም በዓል ድንሽ ዝኣከብዎ ኣኼባ ግን ዝሓተቱ ሰባት ነይሮም፡፡ ገለ ካብ ሕቶታቶም “ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ካልኦት ላዕሎዎት ኣካላት መንግስቲ ኢድ ኣሎዎ ዝብል ንስምዕ ኣለና ክሳብ ክንደይ ሓቂ’ዩ? ስለምንታይ ኸ ዘይግለጸልና?” “እቲ ሓበሬታ ስለምንታይ’ዩ ደንጊዩ ጉዳይ ሃገር’ዶ ኣይኮነን?”  ዝብሉ ይርከብዎም፡፡ ዝተውሃበ መልሲ መራሕቲ ኣኼባ ነታ ቀዳማይቲ ሕቶ ዕሽሽ ኢሉም ብምሕላፍ ስለምንታይ ደንጊዩ ንትብል ሕቶ ግና “እዚ ደብዳቤ ትማሊ መጺኡና ትማሊ ንዝመጸና ከኣ ሎሚ ክነንብቦ ኣግባብ’ዩ” ንትብል ጥራይ መሊሶም ሓሊፎም።

ምዕዝምዛም ተኣከብቲ ድሕሪ ኣኼባ፡- ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዘራራቢት ዝነበረት ዛዕባ “ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ዝወደቡ ወደብቲ  ናይ ውልቆም ጠለብ’ ምበር ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣይልዓሉን” ትብል ቃል “ንዕቀት እዚ መንግስቲ ኣብ ልዕሊና ዶብ ይሰግር ኣሎ!” ዝብል ካብ ኣኼባ ወጺኦም መምስ መቕረቦም ዝሓምይዎ ዝነበሩ ዛዕባ ነይሩ። ቀጺሎም “እዞም ወደብቲ ዝባሃሉ ዘሎው ጀጋኑ ኮሎኔላት ናይ ሰራዊትን ህዝብን ጸገማት ተረዲኦም ንምፍትሑ ዘበጋገስዎ ጉዳይ ምዃኑ ከኣ ተሰማሚዖም” መብዛሕትኦም መራሕቲ በራጊድ፡ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ፡ ካብኡ ንታሕቲ ዘለው ኩሎም ወተሃደራትን “እቲ ንግዚኡ ከፊላዊ ሽቶኡ ዘይሃረመ ስርሒት ፎርቶ ቅር እኳ እንተበሎም ንኣበጋገስቱ፡ ነቲ ዘይደፈር ዝመስል ስኒ ዘይብሉ ኣረጊት ከልቢ፡ ባዶ ገረወኛ መንግስቲ በዲሆም፤ ሕቶ ኤርትራውያን ናብ ዓለም ብምቕልሖም  ብሙሉኡ ልቦም ከምዝድግፍዎ መምስ መቕርቦም ዝዛራረብሉን ዝሕበንሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ክገልጹ ተሰሚዖም’ዮም።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8504

Posted by on Feb 22 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net