ደምዳሚ መግለጺ

 

ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ሽዱሽተ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 17-20/02/2013 ኣካይዱ።

ባይቶ ስምረት ኣብ ኣኼባኡ ናይ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጥፈታቱ ገምጊሙ ካብ ኩሉ ክፍልታት ዝቐረበ ጸብጻብ ብምስማዕ ስፍሕ ብዝበለ ኣገባብ ዘትይሉ።  ብክፍልታት ዝቐረበ ጸብጻብ ምስ ገምገመ ናብ ናይ ዞባታት ወከልቲ ብምሕላፍ ካብ ወከልቲ ዞባታት ዝቐረበ ጸብጻብ ሰሚዑ። ንኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታት ብምግምጋም ርእይቶን ለበዋታትን ብምሕላፍ ኣኼባኡ ዛዚሙ። ካብቶም ኣተኲሩ ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት፦

ሀ) ውደባ
ለ) ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሱዳን
ሐ) ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት  ኣብ ኣውሮጳ
መ) ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ እስራኤል
ሰ) ህሉው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ኩነታት ስርዓት ህግደፍን
ረ) ማሕበርና ካብዚ ኸ ናበይ ‘ዮም።

ኣብዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ኣተኲሩ ሰፊሕን ዓሚቚን ምይይጣት ብምክያድ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣመሓላሊፉ።

1)ውደባ፡

ውደባ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝድንፍዓሉን ምቹእ ሃዋሁ ብምፍጣር ነቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ መንእሰያት ተርኦም ዘዕዝዝሉን ብግብሪ ዝሰርሕሉን መደብ ዕዮ ብምውጻእ ንተግባርነቱን ንምሕያሉን ምቅላስ። ብዘይካ’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መንእሰያት ሓድነቶም ኣብ ትሕቲ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ክዓስሉ ተላብዩ። መንእሰይ ዋና በዓል ጉዳይ ከምዝዀነ መጠን ንጉዳዩ ኣተኩሮ ክገብረሉ ተማሕጺኑ። “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ኢዩ’ሞ ነገሩ መንእሰይ ሃየ ተዓጠቕ።

2) ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሱዳን

ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሱዳን ብደቂቑ ድሕሪ ምግምጋሙ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንጉዳዮም እትርኢ ንኡስ ኮሚቴ ብምምዛዝ፡ ባይቶ ስምረት ምስቶም ወከልቲ ክመያየጥ መዲቡ ኣሎ። ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግቡእ ፍታሕ ንምምጻእ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ምዃኑ ይሕብር።

3) ጉዳይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኣውሮጳ

ህልው ከነታት ብምግምጋምን ብምፍታሽን በቲ ዘጋጠመ ኩነታት እተጽንዕ ካብ ፈጻሚትን ባይቶን ዝተዋጽኤ ሽማግለ መዚዙ። ጸብጻባ ከኣ ናብ ባይቶ ከተቅርብ።

4) ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ እስራኤል

ከም ዝዝከር ዋዕላ ደብረዘይቲ ክዛዘም ከሎ 21 መናብር ዘለዎ ባይቶ ብምቛም’ዩ ወጺኡ። ካብተን 21 መናብር ሓንቲ ንዞባ እስራኤል ተሓዚኣ ምንባራ’ውን ዝዝከር’ዩ። ባይቶ ስምረት ኣብ ትሕቲ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ተጠርኒፈን ዝጸንሓ ጨናፍር ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ጨናፍር ብምምይያጥን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ብምክያድን ነቲ ሓደ ኣባል ባይቶ ዝኸውን እጀትኦም ክገብሩ ወሲኑ ኣሎ።

 

 

5) ኣዳላዊት ሽማግለ

ባይቶ ስምረት ኣብ ጉባኤ ደብረዘይቲ ዝነበረ ጉድለታት ብምስትብሃል ነቲ ጉድለታት ንኸይድገም ኣቓልቦ ብምግባር ንጉባኤ ተዳሉ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኮሚቴ መዚዙ ስርሓ ክትጅምር ወሲኑ።

6) ህሉው ኩነታት ሃገር

ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ህሉው ኩነታት ሃገርናን ስርዓት ህግደፍን ኣጠቓሊሉ ብምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ገምጋም ሂቡ።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ካብ ትቑረን እንሆ 22 ዓመት ትዛዝም ኣላ። ኣብዘን ዝሓለፋ መረርቲ ናይ ስቓይ ዓመታት ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ጸኒሑ ኣብቲ ናይ መጠረሽታ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ስርዓት ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ ከምዝርከብ እዚ ዘሎ ሃዋሁ የነጽር። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቃልስና ብዝሓየለን ዝተወደበን ኣገባብ ክብርትዕ ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ነቲ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምምጓስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብዘይኣፈላላይ ዘርእዮ ዘሎ ቁጥዐ ብምምጓስ ኣብ ጎኒ ኩሎም ደለይቲ ሓርነት ደው ከምዝበለ ዳግም የረጋግጽ።

ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር
20/02/2013
ሓርነትና ናይ ግድን’ዩ!
ክፍሊ ዜናን ባህልን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8507

Posted by on Feb 23 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net