ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ሃገረ ጂቡቲ ጨንፈር መስሪቱ

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ሃገረ ጂቡቲ ጨንፈር መስሪቱ ኣብ ሃገረ ጂቡቲ እንርከብ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ቅድም ኣትሒዝና ኣብ ጉዳይ ሀገርና ኣተኲና ርክባት ከነካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዕለት 24/2/2013 ኣብ ዝገብርናዮ ኣኼባ ፡ ንኣብ ሃገረ ጂቡቲ ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ዝውክል ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣቚምና ንርከብ። ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን በጺሕዎ ዘሎ ወሳኒ መድረኽ ንዓና ንመንእሰያት ኤርትራ ፈታኒ መድረኽ ከም ምዃኑ መጠን ፡ ሃገርና ኤርትራ “ ሎሚ ዘይከተተ ብዯዉ ከምዝሞተ” እናበለት ኣምሪራ ትጽዋዓና ኣብ ዝሀለወትሉ እዋን ጸማም እዝኒ ዝህብ መንእሰይ ኮታ ክህልው ኣይግባእን ። ኣማዕዲኻ ተዓዛቢ ምዃን ግዚኡ ኣብቂዐ እዩ። ንሕና ሎሚ ብስርዓት ህግዯፍ ክንህዯን ዘይኮንናስ ንስርዓት ህግዯፍ ክንሃድኖ ኢና ተበጊስና ዘለና ። ግዜ ፍርሒ ግዜ ሹቕረራ ኣብቂዐ እዩ ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሩ ብኽብረት ዝነብር ፡ ውርዯት በዚሕዎ ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነት ምስ በጽሔ ካብ’ዚ ዝኸፍእ የለን ብምባል ዝፈትዎም ስድራቤቱን ምጭውቲ ሃገሩን ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ናብ ፈቐዶ ኣቕጣጫታት ፋሕ ብምባል ፡ ገሊኡ ንግዚኡ መዏንገሊን መጽለሊን ክረክብ እንከሎ ገሊኡ ድማ ርእይዎ ዘይፈልጥ መሪር ናብራ ስዯት የሕልፍን ይሳቐይን ሂወቱ ይስእንን ኣሎ ። ግን ኣብ’ዚ ክበርህ ዘለዎ ነጥቢ ፡ ኩላትና እቶም ኣብ ስዯት እንርከብ መንእሰያት ሃገርና ራሕሪሕና ኣብ ዓዲ ጓና ግዝያዊ እፎይታ ብምርካብና ውልቃዊ ፍታሕ ጌርና ማለት’ዩ ዯኣምበር፡ ናይ ብሓቂ ናይ ሓባር ናይ ሓዋሩ ነባሪ ፍታሕ’ሲ ፍጹም ኣይገበርናን ። ወዮ ዯኣ ከይለበምካ ናይ ልቢ ነገር ኣይፍለጥን’ዩ ዯኣምበር ፡ እቲ ከነናድዮ ዝነበረና ፍታሕ’ሲ ፡ ፍታሕ ነይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዯኣምበር ናይ ውልቅና ፍታሕ ጥራይ ኣይኮነን ክኸውን ዝነበሮ ። ንሕና ኣብ ስዯት እንርከብ መንእሰያት ኤርትራ ንስድራቤትናን ሓፋሽ ህዝብናን ኣብ ናይ ዓለምና ገሃነም ክሳቐዩ ገዲፍና ንውልቅና ኣብ ዓለማዊ ገነት ክንነብር ነብስና ኣይገብረልናን እዩ ። እንተስ ሓቢርና ክንጠፍእ እንተስ ሓቢርና ክንለምዕ ህዝብና ዝረኸበ ይርከበና ክንብልን ፡ ኣብ ዝባን ወለድናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝወርድ ዘሎ ናይ መዓት ማግረፍቲ ኣብ ዝባንና ይወርድ ከም ዘሎ ጌርና ክንወስዶን ስለዝግባእ ፡ ንዚ ተመን ውሻጠ ኮይኑ ንኹላትና በብሓዯ ከጥፋኣና ሃቒኑ ዝሰርሕ ኣሎ ሰይጣናዊ ኣረሜናዊ ስርዓት ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፍኡ ኩላትና ሓቢርናን ሓድነትና ኣዯልዲልናን ኢዯይ ኢድካ ክንበሃሃል ይግባእ። ኣብ’ዚ ዘሎናዮ እዋን ’ ሰይጣናዊ ስርዓት ህግዯፍ ክወጾ ኣብ ዘይክእል ሓያል ህዝባዊ መፈንጠርያ እትዩ ብፍርሒ ተዋሒጡ ካብ’ዚ ወሪድዎ ዘሎ መዓት መውጽኢ እንተኾኖ ብምባል ሓዯ ሓዯ ፍንፉን ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ጥበባት ክበላሓት ይርከብ ። እንተኾነ ግን እቲ ሕጂ ዘበግሶ ዘሎ ውዲቱ ኣብ’ቲ ቀዯም እዋን ሰብ ከይለበመ እንከሎ ገይሩዎ እንተዝነብር ክሰርሓሉ ይክእል ነይሩ እኳ እንተኾነ ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን ግን ፍጹም ክሰርሓሉ ከምዘይክእል ክፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ይኣክል ብምባልን ፡ሓድነቱ ኣብ ባህሪያዊ ፍልልያቱ ምዃኑ ብምርዳእን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሃገራዊ ሓድነቱ ኣዯልዲሉ ስለዝርከብ። መቸም 21 ጥሪ ኣብ ሃገርና ዓቢ ናይ ለውጢ መድረክ ካብ እትኸፍት ንዯሓር ፡ እቲ ኣብ ሓውሲ ተስፋ ምቑራጽ በጺሑ ከስቆንቁን ዝጸንሔ ህዝብና ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ሓርነት ተስፋ ብምርኣዩ ዓቢ ፍናን እዩ ተሰሚዕዎ ዘሎ ። ንሕና መንእሰያት ዯቁ ውን ኣብ ጎኒ ሓይሊታት ምክልኻልና ብምዃን ነቲ ጀጋኑ በዓል ወዲ ዓሊ ዝጸሓፍዎ ናይ ሓርነት ታሪኻዊ ኣርእስቲ ፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ጽሑፉ ባዕልና ክንምልኦ ምዃንና ቃል ንኣቱ። ሓርነት ናይ ግድን’ዩ ስምረት መእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ጨንፈር ሃገረ ጂቡቲ 25/2/2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8565

Posted by on Feb 27 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net