ለበዋ ንመንእሰያት ኤሪትራ – 3ይ ክፋል መጨረሻን

ከመይ ትቕንዩ ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ኣብ ዝሓለፈ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ባህልናን ሃይማኖትናን ተደፊሩ ዝብል ተዛሪበ ኔረ። ሕጂ’ውን ቃልስና ህዝባዊ ዝበሃል እኮ ናብ ጥንታዊ ባህልና ንመለስ ናብቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤሪትራ ዝኣምነሉ ናይ ኣቦታትና ዝሓደጉልና ካብ ምህራም ከበሮን ሳዕሲዒትን ከም ዓጽሚ ዝሰረቐ ከልቢ ተሓጉብካ ምስዕሳዕ ጀሚርና ባህልና ኣይኮነን። ጥንታዊ ባህልና ቀጥ ኢልካ ሰቲ ክትመስል ፍትል ክትብል ከለኻ እዩ። ሕጂ ደኣ ሻዕቢያዊ ባህሊ እንዳ ኣተኣታተዉ እምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ቀጥ ኣቢሉ ባህሉ ሓቑፉ ጸኒዑ ሒዙዋ እዩ ክምስገን ይግባእ። ባህልና እንበኣር ልክዕ ከም ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ለባም ህዝቢ ባህሉ ኣሕሊፉ ኣይህብን። ባህልኻ መግለጺ መነትካ እዩ። ሰብ ብጥቓኻ ክሓልፍ ከሎ ሰላም ከይበልካዮ ረጊጽካዮ ኣይሕለፍን ከመይ ትውዕሉ ምስ በልካዮ እግዚኣብሔር ይመስገን ይብል ስለዚ ምእንቲ ኣምላኽ ክሕጎስ ሰላምታ ተለዋወጡ። እዚ ነዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለኹም ምናልባት ብጌጋ ከይትርድእዎ ኤሪትራዊ ንኤሪትራዊ ክትራኸቡ ከለኹም ማለተይ እዩ። ዲምክራሲ’ውን ባህልና እዩ። ኣቦታትና ባይቶ ተኣኪቦም ኣሬባ (ኣኼበኛ) ተዛረብ ደሓር ኣይነበርናን ከይትብሉ ይብሉ ኔሮም። ከምዚ ሎሚ መንግስቲ ኢሉዎ ኢሎም ንዝኾነ ኣዋጅ ርእይቶ ከይሃብሉ ኣይቅበሉን ኔሮም። መርዓ ዳስ ሰሪሕካ ወራድ መርዓ ሆ እንዳባሉ ናብ ዳስ ምስ ኣተዉ ዋሕስ ትኸል ክበሃል ጓሎምን ወዶምን ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤቶም ብምስክርነት ክልተ ስድራ ሓዳር ክገብሩ ከለዉ ሓደ ካብቲ ምዕቡል ኣገባብ ጥንታዊ ባህልና እዩ። እንተ ዘይኮይኑ እዚ ፈትየካ ፈትየኪ ምስክር ዘይብሉ ምስ ጠነሰት ራሕሪሑዋ ክኸይድ ግጉይ እዩ ብፍላይ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሕ ስለ ትብደል ንበይና ሓጎጽጎጽ እንዳበለት ዘዕበዮቶ ቆልዓ ደሓር ምስ ዓበዩ ወዲ ኣለኒ ጓል ኣላትኒ ከይትብልወን ናብ ጥንታዊ ባህልና ተመለሱ እየ ዝብል ዘለኹ። ኣብ መጨረሻ ከም ሓለይቲ መሲሎም ምስቶም ቀንዲ ተሓባበርትኹን ብልቦም ኣብ ጎድንኹም ደው ኢሎም ንለውጢ ዝቃለሱን ክምዕድኹምን ተመኩሮ ከቕስሙኹምን ዝደልዩ ወልቀ-ሰባት ተሓቢኦም ዘይናቶም ሕብሪ እንዳ ለኸዩ ብዘይ ወዓልዎ እንዳ ወንጀሉ ክፈላልኹም ክፍትኑ እዮም እሞ ተጠንቀቑ። ሎሚ እታ ሓንቲ ንተቃወማይ ስርዓት ኢሳያስ መርገጺ እግሪ ዘላቶ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ’ሞ ከየታልልኹም ተጠንቀቑ፡ ነቲ ድኽመት ናትና ማለት ናይ ተቓወምቲ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይተጸግዕዎ በልዎም። ሎሚ እዚ ኩሉ ሰብ ክዋጋእን ክሕረድን ጥሪቱ ክበርስን ኣብ ፈቐዶ ኤውሮጳን ኣመሪካን ተሓቢኦም ጸኒሖም ሎሚ ተጣበቕቲ ንሰብኣዊ መሰል’ዶ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ኢና ክብሉ ጸኒሖም፡ ሕጂ ስልጣን ደልዮም ዝለበሙ ሓለይቲ ክመስሉ ብሽግር ህዝብና ዝዛረቡ ቡዙሓት እዮም እሞ ኣስተውዕሉሎም። መስተውዓልቲ ኩኑ ንዝኾነ ነገር ህድእ ኢልኩም ምዘንዎ። ኣብ ኣኼባ ብዙሕ ዝዛረብ ሰብ ፈላጥ እዩ ማለት ኣይኮነን። ዘረብኡ ቁምነገር ኣለዎ’ዶ? እዩ እቲ ኣገዳሲ፡ ልፍልፍ ውዒሉ ዘረብኡ ቁምነገር ዘይርከብበሉ ወይ ዘይብሉ እንተ ኮይኑ ግዜኹም ምስኡ ብከንቱ ኣይትቕተሉ። ገለ ዓበይቲ’ውን ዝፈልጠና የለን ኢሎም ገበታ ገበታ ዝሕስዉ ኣለዉ። ብፍላይ እዞም ትማሊ ትማሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነታ ሃገር ከም ድላዩ ክገላብጣን ከም ድላዩ ንገባርን ገዳይም ተጋደልትን መራሕቲ ሃይማኖትን ለባማት ሽማግለታትን ብዘይ ፍትሒ ክኣስርን ክርሽንን ከሎ ጽቡቕ ኣለኻ ወዲ ኣፈወርቂ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ንዓኻትኩም’ውን ተመሃሮ ዩኒቭርሲቲ ከለኹም ይኹን ኣገልግሎት ከለኹም ብሓሶት ዘእስርኹምን ክትእሰሩ ከለኹም ተዓዘብቲ ዝነበሩ ብተፈጥሮ ድፍረትን ኣዛዊርካ ናይ ምሕሳብ ዘይተዓደሉ ሎሚ ሃገር ምስ ጸነተት ለባማት ክመስሉ ኢትዮጵያ መቃለሲ ቦታና ኣይኮነን እንተ በልኹም ኣበይ ድኣ ኬድና ክንቃለስ? በልዎም። ምኽንያቱ ንሳቶም ርእይቶ ከም ርእይቶ ዘይኾኑ ሒዞሞስ ነቲ ዝነበሮም ገበናት መሸፈኒ ዘቕርብዎ ዕንቅፋታት እዩ። ምኽንያቱ ገለ ንእሽቶ ቦታ ንኽወሃቡ ክብሉ ብሓሶት ሰባት ዘእሰሩን ገለ ከኣ ገበናት እንተፈጸመ ከይተዛረቡ ተዓዘብቲ ኮይኖም ዝጸንሑን እዮም። ይትረፍ’ዶ ብሓሶት ሰብ ኣእሲርካ ቦታ ናይ ስራሕ ተዋሂቡካ ምስ ሓደ ፋሽሽቲ ወይ ቀንጻሊ ወይ ሽፍታ እንዳ ሰራሕካ ነቲ ዝገብሮ ዘይምቁዋም ንባዕሉ ገበን ኮይኑ የሕትተካ እዩ። ነቲ ተግባር እንተ ዘይትድግፎ ምስኡ ሓቢርካ ኣይምሰራሕካን ግን ገለ ጉድለት ወይ ተልኡኾ ስለ ዘለዎም ከም ዝሃደሙ ተመሲሎም ሓድነት ህዝቢ ክብትኑ ናይ ኣውራጃ ሃይማኖት ሕማም ከለዓዕሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ንኣብነት ምጥርናፍ ናይ ስድርን እንዳ መስፍን ሓጎስን ተዓዘቡ፡ እዚ ምጥርናፍ ናይ መንእሰያት ምስ ጀመረ እዚ ኣውራጃዊ እዩ ድቂ ኣከለጉዛይ በዚሖም ክብሉ ወንጂሎሞስ ናይ በይኖም ናይ ደቂ ሓማሴን ምጥርናፍ ጀሚሮም ጽቡቕ ጥራይ ኣድማዒ ይኹን። ኣብ ዝኾነ ዝግበር ኣኼባ ኣዕገርጊሮም ነታ ኣኼባ ረጊጾማ ወይ በቲኖማ ይወጹ። ገንዘብ ካበይ ይመጾም ሕተቱ መዓልቲ መዓልቲ ብነፋሪት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክዋናጨፉ ይረኣዩ ስለዚ ከምቲ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ዝበሎ ዓፍራ ከይትረግጹ መሲሉኩም እምኒ ተጠንቀቑ። እንዳበልኩ ለበዋይ ይዓጹ።

ካብ መኮነን ዓንደሚካኤል

ቶሮንቶ ካናዳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8589

Posted by on Jun 17 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net