ንሕና’ውን እንብሎ ኣሎና ቀዳማይ ክፋል

ኩቡር ኣንባባይ፡ ኣብ ትሕቲ “ንሕና’ውን እንብሎ ኣሎና” ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ንግ.ሃ.ድ.ኤ. ናብ ቅልውላው ዘእተወ ኩነታት ብወድዓዊ ትንተና ከነቕርብ ክንፍትን ኢና። ከም’ቲ ብዙሓት ሃገራውያን፡ ብፍላይ ድማ ክቡር ሓውና ኢሳያስ ኣስፋሃ ዝተላበወ ኣብ ግምት ብምውሳድን፡ መትከላት ውድብና ድማ ብዓቢዩ ስለ ዘየፍቅዶን፡ ኣብ ውልቃዊ ምዝንጣልን ጸለመን ኣይክንኣቱን ኢና። ነቲ ኣብ ልዕሊ ውድብና ዝኸይድ ዘሎ ወፍሪ ጸለመ ግን ሓቅታትን ጭብጥን እናቕረብና ክንምክቶ ኢና። ምኽንያቱ እዚ ወፍሪ’ዚ ናብ ውድብና ዘቕነዐ’ኳ እንተመሰለ ነቶም ኩሎም እንሕበነሎም ሃገራዊ ክብርታትና ዝሃርምን ንሓድነት ህዝብና ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዝፈታተን ምኳኑን ይትረፍዶ ንሕና ብዙሓት ሃገራውያን ዘስተባሀልሉ ጉዳይ ኢዩ። ኣባልትና’ውን ነዚ ጉዳይ ካብ ነዊሕ ኣስታሂሎሙሉስ ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ብክብ ዝበለ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ክምክትዎ ጸኒሖም ኢዮም።

 

ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ድሮ 2 ጉባኤኡ ጀሚሩ ናይ ተርባጽ ጉጅለ ትምክሕታውን ኣግላልን ኣተሓሳባ ዝፈጠሮ ዓሚቝ ውሽጣዊ ቅልውላው ክሕቍን ከምዝጸነሐ ኣብ ሰጥሒ ዝወጸ ሓቂ’ዩ። ብድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ እዚ ኣግላሊ ጉጅለ’ዚ መብዛሕትኡ ብውልቀ ሰባት ዝተዘርገሑ ሓያሎይ ናይ ምድንጋር መግለጺታት ከነንብብ ቀኒና ኣሎና። ኣብ ክሊ መርግጺታት ስለ እንወስዶ ከኣ ከም ነውሪ ኣይረአናዮን።

ብወገንና ኣብ ጽኑዕ መትከል ቃልሲ ረጊጽና ብዘየወላውል መንገዲ ከነረጋግጾ እንደልዮ ነገር፡ ንዝዓገብካሉ መርገጺ ምውሳድን ምእዋጅን፡ ንዝደለኻዮ ሸነኽ’ውን ምድጋፍን፡ ዘይጋሃስ ፖለቲካዊ መሰል ምኳኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ።  ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ መርገጺታት ምውሳድ ንሕድሕድ ምክብባርን ገድላዊ ዝምድናታትን ሃገራዊ ሽርክነትን ኣየበላሽዎን’ዩ ዝብል ጽኑዕ መትከል ኣሎና። ወፍሪ ጸለመታትን ናይ ምንጽጻግ ፕሮፓጋንዳዊ ሕድሕድ መጥቃዕትን ግን፡ ንገድላዊ ዝምድናታት ጥራይ ዘይኮነስ ንሃገራዊ ሽርክነት’ውን ከም ዝሃርምን  ንኣዕኑድ ሃገራዊ ሓድነት ከምዘቝንቑንን ንኣምን።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ዝጻወርን ንካልእ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘኸብርን፡ ብዲሞክራስያውን ሕጋውን መንገዲ ምስ ፍልልያት ብሰላም ክነብር ድልየትን ቅሩብነትን ዘሎዎ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ዝኾነ ወገን ካልኣዊ ፍልልያትና ናይ ቃልሲ ዝምድናታትናን ሃገራዊ ረብሓታትና ብዘየበላሹ ጥንቃቐ ብሓብር ከነመሓድሮ ድልየትና ኢዩ።  እዚ ኣግላሊ ጉጅለ’ዚ ግን፡ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ንዝተሃንጸ ብጻያዊ ዝምድናን ምክብባርን፡ ንተደላይነት ሃገራዊ ስኒትን ብቕሉዕ ከሃርም ከም ዝጸነሐ ገለ ሓቅታት ምቕራብ ኣድለይነት ኣለዎ፡-

ኣብልዕሊኣካውናሕብረተሰብናሃገራዊስኒትንተሞኩሮቃልስን ተጻብኦዘነጻጸረ፦

ኣብዞም ዝሓለፉ ቅንያት፡ ኣንጻርግንባርሃገራዊድሕነትኤርትራ ክውሕዙ ዝተራእዩ ኣዋጃት ኣብ ምድንጋርን ጸለመታትን ብትሕዝቶ ሓደ ዓይነት’ኳ እንተኾኑ፡ ብዕለት 20 ግንቦት 2014 ብሽም ጨንፈር ሰንድያጎ ዝወጸ መግለጺ፡ ንግባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብትሕተ ሃገራውነት ስለ ዝገልጾ፡ ናይ’ዚ ጉጅለ’ዚ ቀንዲ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ’ዩ። እዚ ጉጅለ’ዚ፡ ትሕተ ሃገርነት ኣንታይ ማለት’ዩ? ታሪኻዊ ኣመጻጸኣኡኸ ከመይ’ዩ? ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ኤርትራ ኣየኖት’ዮም ትሕተ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት? ኣብ ህልዊ መድረኽ ተቓውሞ ብከመይከ ይንጸባርቕ? ዝብሉ ሕቶታት ብክለሰ ሓሳባዊ ትንታነ ክቐርብ ኣሎዎ። እዚ ጉጅለ’ዚ ንኣበሃህላ ትሕተ ሃገራውነት ንምስራጽ ብግብሪ ኣብ ውሽጣዊ ጽሑፋቱን ካብ ዝተጠቀመሎም ውሽጣዊ ፕሮፓጋንዳዊ ወፈራኡን ቁንጥር ኣቢልና ንምጣቃስ፡ ቀቅድሚ 2 ጉባኤ “…ዓብላልነት ሳሆ ካብ ሳሆ ከኣ ብኣሳውርታ ዝተሰረተ ጸብቢነት ዝመለለይኡ ሕላገት……” ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብጻዕቂ ክዝርግሕ ጸኒሑ’ዩ። መስመር ናይትና’ዩ። ናይ ሳሆ ብሓፈሻ፡ ናይ ዓሳውርታ ድማ ብፍላይ፡ መለለይን ሕላገትን ጸብቢነት’ዩ ይብል። ብድሕሪ 2 ጉባኤ ድማ ’’ ራእሲታትን መሳፍንትን ጀብሃ ጎሒፍናዮም ’’ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብጻዕቂ ክነዝሕ ጸኒሑን ኣሎን። ዑቅብዝጊ ዱቡስ ኣብ ጽሑፋቱ ድማ፡ ኣብ ጸቢብ ዓሌታዊ፡ ወገናዊ፡ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባታት ቀዳምነት ዝሃበ ምንቅስቓሳት በለቕ ክብል ይርአ እዩ ’’ ይብል። መስመር ናትና’ዩ። ከምኡ’ውን ፍሳሃየ ሃይሉ ኣብ 2 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከይ ሓነኸ ዓው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣኼብኛታት ዝበሎ፡ ክልል ትግራይ ናይ ትግርኛ ክልል ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝምደቡ ካድራት ቋንቋ ትግርኛ ዝኽእሉ ዘይትግርኛ ዘይኮኑስ መቦቆሎም ትግርኛ ዝዀነ ክኾኑ ኣሎዎም በለ። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ጉጅለ’ዚ ኣንፈት ኣውራ መጥቃዕቱ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ዓሌታትን ሃይማኖትን ከምኡ’ውን ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ከኣ ብሓፈሻ ዘቕነዐ’ዩ። እዚ ካኣ ጸሓይ ቀትሪ ዝወቐዖ ሓቂ’ዩ። ስለዚ ብተግባር ኣብ ሕብረተ ሰብና ሃይማኖታውን ዓለታውን ጽልኢ ከጓሃህርን፡ ኣብ በበይኑ ታሪካዊ መድረኻት ብዝተፈላለዪ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበጸሐ ቁስልታት ክሓክኽን ክጎድእን ብግህዶ ይርአ ኣሎ።

እዚ ቁሉዕ ተጻብኦ’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ኩውንነት ኤርትራ ንስኒት ህዝብና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን፡ ብክንዲኡ ድማ ዝተሓላለኸ መዘዝ ዝፈጥርን’ዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ብግዳም ዝሕዞ መልክዕ ጉልባብ ብዘይግድስ፡ ሓደ ዓሌት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓሌታት፡ ሓደ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃይማኖታት፡ ሓደ ብሄር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት፡ ሓደ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣውራጃታትን፡ ሓደ ተሞኩሮ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ካልእ ተሞኩሮ ቃልሲን ክጻባእ ዝድርኽን’ዩ። ሰረት ኣዕኑድ ሃገራዊ ስኒት ዝሰብር’ውን’ዩ። ብኡ ንብኡ ድማ ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ንቁልቁል ዝተፋነን ድዅዒ ኩናት ሕድሕድ ዘቦኵዕ’ዩ። ህዝብና ብዋዛ-ዋዛ ከይርእዮን ተገዲሱ ከቅልበሉን ነዘኻኽር። ትሕተ ሃገርነት ዝብል ኣበሃህላ ናይ ገዛእቲ ስርዓት ጸረ ዲሞክራስን ሰላምን ማዕርነትን ትምክትሕታዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ንኤርትራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ብትሕተ-ሃገራውን ብሃገራውን ዘሰልፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ንደምበ ተቓውሞ ዝገማምዕ ትምክሕተኛ ጸረ ዲሞክራሲ’ዩ።

እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ልዕሊ ካብኡ ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝህልዎ ብጸረ ለውጢ ይጥቕን፦

እዚ ጉጀለ’ዚ ኣብ ውሽጢ ውድብ ካብ ርእይቶኡ ዝተፈልየ ካልእ ርእይቶ ንዘሎዎ ከም ጸረ ለውጢ ጸረ ሓድነትን ጌሩ’ዩ ዝወስዶ። ንዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ከም ባይታ ዲሞክራሲ ጌሩ ኣየስተናግዶን። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ ካብኡ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘሎዎም ኣባላት ውድብ ከባርርን፡ ከደስክልን፡ ክቕፍድን፡ ከፈራርህን ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ዑቅባዝጊ ኣብ ዝኾነ ደረጃታት ኣኼባታት ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ነጻ ርእይቶኻ ምግልጽ ብዝተፈላለዩ ዓይነት መቕጻዕቲ ዘቕጽዕ ኮይኑ ጸኒሑ።

እዚ ኣግላሊ ጉጅለ’ዚ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት አርትራ ንምፍራስ ብውሽጥን ደገን ዝተወሃሃደ ውዱብ ገደብ ኣልቦ ጸለመታትን ጠቐነን ሰፊሕ ወፈራታት ኣካይዱ’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር። ካብኡ ገለ ሒደት ኣብነት ንምጥቓስ፡ ኣሕመድ እንድራሴ ጀብሃ’ዩ፣ ኣሕመድ ናይ ዓሳውርታ ውድብ ክምስርት ናብ ሱዳን ከይዱ፣ ኣሕመድ ናቱ ወተሃደራዊ ክንፊ ክምስርት ናብ ትግራይ ከይዱ፡ ኣሕመድ ናስር ጸረ ለውጢ’ዩ፣ ኣሕመድ ናስር መፋቲሕ ናይ ቤት ጽሕፈቱ ከየረከበ ከይዱ!!…..ወዘተ ዝብል’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣሕመድ ናስር ኮነ ኢልካ ዝተሰንዘረ ጸለመታትን ጠቐነን ክልተ ብልሒ ዝነበሮ’ዩ። እቲ ሓደ ኣብ ርእሲ ኣሕመድ ናስር ብውልቁ ዘነጻጸረ ማለት ካብ ውሽጢ ውድቡ ብዝኣመኖም ብጾቱ መዓንጣኡ ከም ዝዝሕውን ልቡ ከም ዝመልሕን ምግባሩ ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልኣይ ድማ ንሙኩራትን ዉሩያትን ፍቱዋትን ገዳይም መራሕቲ ሓደ ብድሕሪ’ቲ ካልእ ብሞራልን ብኣካልን እናቐንጸልካ ንደምበ ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምድዃም ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ደግኡን ኣብ ልዕሊ ስዉእ ኣሕመድ ናስር ዝተኻየደ ስሩዕ ጸለመ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋሪ መንገዲ ብዘየገድስ ኢድ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣይነበሮን ክባሃል ዝካኣል ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ጸለመ ካልእ ርእይቶ ንዘሎዎም ጸረ ኣባላት ውድብ ዝጥቐመሎም ቃላት መብዛሕትኡ ካብ ናይ ሕዳር 1971 ደብተር ንሕናን ዕላማናን ዝተቐድሐ ኢዩ።

ስዉእ ኣሕመድ ናስር፡ በዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ስሩዕ ጸለመ እናፈለጠ እንከሎ፡ ከም ግዜኡ ወሲዱ ዝሓልፍ ብምውሳድ፡ ኣብ’ቲ ጸዋር ባህርያቱ ዝሓዘተ ነብሱ ብትዕግስቲ ሓዙ። ዓሚ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ንካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ናብ ኣዲስ ኣበበ ኣብ ዝመጹሉ ግዜ፡ ዑቅባዝጊ ኣብ’ቲ ኣኼባ’ቲ ንዳግማይ ጊዜ ኣቦ መንበር ከም ዘይምረጽ ስለዝገመተ፡ ኣኼባ ባይቶ ምግባር ኣየድልን፣ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ምግባር ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘቐላቐለሉ ህሞት፡ ኣሕመድ ናስር’ኳ’ዩ ምእንቲ ሓድነት ግሃድኤ ንምርግጋጽ፡ ምስ ብጾቱ ገዳይም መራሕቲ ተመኻኺሩ ዑቅባዝጊ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንካልኣይ ጊዜ ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ክምረጽ ዕድል ክወሃቦ ከም ዘሎዎ  ዝገበረ። ሻቡ ዑቕባዝጊ እዚ ውሕስነ’ዚ እንተ ዘይወሃቦ ኔሩ፡ ብርግጽ ኣብ 2 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣይምኣተወን ኔሩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣሉ እንተ ተባሂሉ ብዘይካ ኣሕመድ ናስር ዝምስኪሩ ካልኦት ገዳይም መራሕቲን ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ብሂወቶም ኣሎዉ።

ስዉእ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ቂምን ቅርሕንትን ኣብ ክሩምቱ ዘይሕዝን፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ፍልልያት ርእይቶን መርገጽን፡ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣውራጃን ዘትከለ ምግላልን ኣድልዎን ዘይገብር ምንባሩ፣ ትዕበ ትንኣስ ብዘየገዲስ ለውጢ ዝደልን ዝቕበልን፡ ኣኽባሪ ኩሉ’ውን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ሓቂታት’ዚ ይትረፍ ዶ ፈታዊ፡ ጸላኢ’ውን ዝፈልጦ’ዩ። ስዉእ ኣሕመድ ናስር ስኒታውን ሓድነታውን ሃገር ከደን ሃገራዊ ተጋዳላይ መራሒ ምንባሩ መስኩሩለይ ዘድልዮ ኣይኮነን። ከም’ቶም ኩሎም ንጹሃት ሃገራውያን ተጋደልቲ ኣብ ማሙቕ ሑቍፊ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሉን ምስ ዉዑይ ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩን ድማ ተሰዊኡን። ስለ ዝኾነ ድማ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ተቃለስቲ ደቁን ብዘይኣፈላላይ ልዑል ክብርን ዓሚቕ ፍቕርን ሂቦም ኣፋኒየሞ።

ከምኡ’ውን እዚ ጉጅለ’ዚ፡ መሓዙት ተቓለስቲ ውድባትን ሃገራዊ ባእታታትን ኣብ ልዕሊ ኣካይዳ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ትዕዝብቲ እንተሃልይዎም ኮይኑ ከም ኣፍረስቲ ክቖጽሮም ጸኒሑ። ከም ኣብነት ድማ ናይ ፍሰሃጽዮን ምስጥራዊት ደብዳቤ ነቕርብ። እዛ ደብዳቤ’ዚኣ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ምስ ተቓለዐት፡ ፍስሃጽየን እቕሬታ ዝሓተተላን፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ከኣ፡ ንክሰዳ ኣዳሊየያ ነይረ ኢየ፡ እንተዀነ ግን ኣይለኣክዋን ክብል ጠጠው ኢሉ ዝተኣመነላ ጽሕፍቲ ኢያ። ደብዳቤ ፍስሃጽየን ገብረ ከም ዘላታ እነሆ፡-

ዕለት   28-09-2013

ናብ   ብጾት- ዝምልከቶም   ፍሉይን  በጥነቃቐ ዝተሓዝን

ሰላምታ   ይበጻሕኩም

ብምቕጻል  እዚ  ሓጺር መልእኸቲ  ተቐበሉ  ንሱ ድማ  አበዚ ድሕሪ ምአታወ ይ ዝጸነሓኒ ሓበርየታ ክም፡ዚ  ዘሰዕብ  እዩ ፡

  • በሓፈሻ ኩነታት ደሓን  እዩ፡ ገለ ዝተአሰሩ  አባላት ስራዊት  አልዉ ፡፡  ንሳቶም ድማ   በብገበኖም፡፡ አስማቶም ድማ

ሀ- አሕመድዲን ናስር  ምኽንያት ዝገበሮ አዕናዊ ተግባራትን ሓደገኛ  መርገፅ  ፀረ ምትሕንፋፅ ስራዊት ክልቲኡ ውድባትን በጭቡጥ  ዘተበፅሐ  ሓበረታ ስለ ዝተረኸበ ስለ-ዘሎ ናብ  ዉሽጢ ሰራዊት ከይንቀሳቐስ አብ ምምሕዳር ጥራይ ተሓፂሩ ክተርፍ ተግይሩ አሎ፡፡ በቲ ዝገበሮ ምእሳርዉን ይግብኦ፤ እንተኾነ አባል መሪሐነት ስለ-ዝኾነን አኸባ ባይቶ ብምቐራቡነ ብምፅማም አብ ክሊ ምምሕዳር ዝተሓፀረ ምንቀስቓሰ ተወሲኑ ክፀንሕ ተወሲኑ አሎ፡፡

  • መራሕ  ሓይሊ ዝነበረ መሓሪ መልሰ  ዘበሃል  ሀ- ምሰ   ተጋዳሊት ደቂሱ ሰለ ዝተረኸበ  ድሕሪ መርመራ እዉን አብ ተለፎኑ  ምስ ሳግም ርክብን ገንዘብ ካብ ሳግም ክወስድ ከም ዘፀነሐን በቓሉ ስለ ዝአመነ  ሳልሳይ ርእሱ ተአሲሩ ይርክብ፡
  • ካልእ 2.ካብ መድፈአ   ናብ ሳሆ ዝሃደሙ  1. ካብ ግሃድአ  ናብ ሳግም ዝኸዱ ለዉና፡፡

ካልእ  ንካታተሎ ዘሎና እዞም አብ ወሽጥና ዘልዉ ብፆትና  እንብሎም ካብ መሓመድ ጃብር ጀሚርካ—— ክሳብ አብ ርሑቕ ዘለዉ ብምተእስሳርን ምስ በዓል ወጅህይ ከምኡዉን ልኡል ጋይም ጃብር አሕመድ  እቶም ሃዲሞም አብ መዓሰከር ማይ-ዓይኒ ከይዶም ዝነበሩ ከም በዓል አዶሮብ ዝአመሰሉ ካብ ክልቲኡ ትሓናፊፁ ዘሎ ሰራዊት ዘሃደመ አኻኺቦም ምስ ሳሆን በዓል ዮወሃንስ አስመላሽን በሓባር  ንሰራዊተና አፍሪሶም  ሓደ ግንባር ከምሰርቱ አብ ምንቀሰቓስ ይርከቡ፡፡  ነዚ ዘረጋግፅ ድሮ አደሮበ ካብ ማይ-ዓይኒ ተበጊሱ አብ መዓሰከር ሳሆ ቀንዩ ከም ዝተመለሰ ጃብርወን ብወገኑ ምሰዞም አብ ላዕሊ ዝተረቑሑ ሸነኻት ለይቲ ምስ መዓልቲ ይራኸብ ከም ዘሎ ንካታተሎ አሎና፡፡ ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ምሉእ ብምሉእ ክዕወቱሉ ኢዮም ዝብል ግምት የብልናን። ድሮ እኳ አብ ሳሆ ስለ ዝተሰምዔ  ካብ ሰርርዕ ሳሆ ማይ.ዓይኒ  ልዕሊ 100 ዝኾኑ ተወላዶ ሳሆ፡  እዚ ወድብ ሳሆ አይውክለናን እዩ ዝብል ፅሑፍ ናብ-ሰበስልጣን ናይ.ቲ ነቑጣ ፀሒፎም ከም-ዘቕረቡ ሓበሪታ በፂሑና አሎ፡

 

እዚ ብሓፂሩ  እቲ ንሕጂ ዘሎኒ ኮይኑ  ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ  አብ ዘይተራጋገፀ ናይ ሓበረታ ሃወተተ ከይእቶ ምእንቲ በጥንቃቐ ይሰዶ ስለ-ዘለኹ ካብ ኢድኩም ከይወፀ ብቓል ከመይ ተመሓላልፉ ንዓኻ ይምልከት፡፡ ብዘይካ ናብ  ክልተ-ሰብ ናብ ካልእ አይተላእኸን  ስለ፣ዚ በጥንቃቕ ክተሓዝ ደጊመ ይላቦ፡፡

 

ፍስሓፅዮን ገብረ    አዲስ-አበባ    ኢትዮጵያ፤

 

ከም ባህሊ ድማ ፕሮፓጋንዳዊ ጸለመታት ብኣፍ ምንዛሕ ሓደ ካብቲ ውሽጣዊ መምረሕኡ’ዩ። ፍሳሃጼዮን ገብረ፡ ኣብ ኣገባብ ምትሕንፋጽ ሰራዊት ዝተፈልየ ርእይቶ ዘሎዎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ውድባዊ  ጽፍሖም ብዘየገድስ ከም ዝእሰሩን ከም ዝግለሉን ብዝየማትእ ገሊጽዎ ኣሎ። ብስንኪ’ዚ ድማ ብዙሓት ሓቦኛታት ተጋድልቲ ካብ መሳርዕ ሰራዊት ብግፍዒ ተሰጕጎም’ዮም። ከምኡ’ውን ካብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ወጻኢ ኣቶ ልዑል ጋይምን፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽን ፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆን፡ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራን (ሳግም)፡ ንሰራዊት ሕድሪ ኣፍሪሶም  ሓደ ግንባር ክምስርቱ ይምንቀሳቐሱ ኣሎዉ ዝብል ጠቐር ይቐብኦ ኣሎ። ካብ’ዚ ዝኸፍእ ሓሶትን ጠቐንን ከኣ የሎን። ናይ’ዚ ዕላማ’ዚ ግና፡ ናይ ውሽጥኻ ኣግላሊ ኣረኣእያን ተግባርን ዝፈጥሮ ውሽጣዊ ቅልውላው ኣብ ደገ ንዘሎዉ መሓዙት ኣላጊብካ ብመሰረታት ውድብ ኪጽልኡ ዝዓለመን ንምሕዝነታዊ ቃልሲ ዝዕንቅፍን፡ ሕድሕድ ዘይምትእምማን ካብ ውሽጥኻ ሓሊፉ ንመሓዙት ንምልካም ዝህቅንን ኢዩ።  

 

እዚ ጉጅለ’ዚ ካልእ ርእይቶ ንዘሎዎም ኣባላት ውድብ ጸረ ለውጢ’ዮም ክብል ከምዝጸነሐ ናይ ኣደባባይ ምስጥር’ዩ። ዑቅባዝጊ ብዛዕባ ኣብ 2 ጉባኤ ግሃድኤ ዝተኸሰተ ለውጢ ዝምልከት ‘’….ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን ስለ ዘለዎ ኣብ ጉባኤ ዝተወለደ ይወለድ ብዝብል ኣረዳድኣ ብቐጥታ ናብ ጉባኤ ኣቲና። ብተወሳኺ እንታይ ዓይነት ለውጢ ይገበር ከይጠቐስና ግን ኩልና ከኣ ለውጢ ክግበር ኣለዎ ዝብል ርድኢት ሒዝና ናብ ጉባኤ ኣቲና። ዳርጋ ለውጢ ይገበር ዘይበለ ይከሰስ ኰይኑ ተረኺቡ። ከም’ቲ ኩልና እንፈልጦ ናይ ጉባኤ ውጽኢት ከኣ ርኢናዮ ኣለና። ነጸብራቓት ጉባኤ ከኣ እዚ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ነገር እዩ’’ ይብል። መስመር ናትና ኢዩ። እዚ ካኣ ኣብ 2 ጉባኤ ብዘይካ ናይ ስልጣን ሕቶ፡ ዝተረጋገጸ ለውጢ የሎን ማለትዩ። እዚ ሓቂ’ዩ። ኣብ ጉባኤ ትሕዝቶ ዘሎዎ ለውጢ ዘይተረጋገጸ ክንሱ፡  ጸረ ለውጢ’ዮም ዝብል ፕሮፓጋንዳ ኣብ ጸለመን ምክፋእን ሓሶትን ዘትከለ’ዩ። እንደልዮ ለውጢ እንታይ ዓይነት’ዩ? ብከምይ ይረጋገጽ? ከየነጸርና፣ ጉባኤ ጎይታ ነፍሱ ኢዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምንቃል ኣብ ናይ ስልጣን ሒሳባት ተኣትዩ። እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ውድባዊ ቅልውላው፡ ስልጣን ካብ በሓትና፡ እቲ ንነዊሕ ግዜ ነብስና ከም ጉጅለ ሰሪዕና ክንምድቦ ዝጸናሕና ውጥናት ነተግብረሉ ግዜ መጺኡ ዝብል ስንኩፍ ኣተሓሳስባ ናይ’ዛ ኣግላሊት ጉጅለ’ዚኣ ውጺአት ተግባራታ ኢዩ። ንምዃኑ ኸ ኣብ ጉባኤና ብጀካ ሕቡእ ኣጀንዳ እዛ ጉጅለ’ዚኣ ብጭቡጥ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንቕድሚት ዝድርኽ ለውጢ ተመዝጊቡ ዲዩ? ድሒሮም ዝተኸስቱ ተረኽቦታት ብጀካ ምርካብ ስልጣን ነዛ ኣግላሊት ጉጅለ’ዚኣ ዝተረጋገጸ ኣውንታዊ ጭቡጥ ለውጢ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ክብደትን ሚዛንን ውድብ ዘፈኵሰ ተርእዮታት ክቀላቐሉ ጀመሩ። ጸረ ለውጢ እናበልካ ንብጾትካ ምጽላምን ምጥቃንን ዑቕባዝግን መሻርኽቱን ዋኒና ኢሎም ተተሓዝዎ። እዚ ከኣ፡ ብዘይካ ሕድሕድካ ምክስሳርን ገድላዊ ዓቕሚታትካ ምብኻንን ካልእ ፋይዳ የብሉን።  ስለ’ዚ’ምበኣር እቲ ናይ ስልጣን ቁሩቁስ ብተጻረርቲ ጉጅለታት ከይተፋነን መታን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ንምእላዩን ሕድሕድ ምትእምማንን ምህናጽን፡ ኣሳታፊ ዲሞክራስያዊ መድረኽ ምስፋሕን ውድባዊ ጉብእን ሓላፍነትን ወድዓዊ ተደላይነትን ኔሩ።  

 

ኣብ’ዚ ዝመጽእ ክፋላት ሓተተና ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርእስትታት ንምብራህ ክቕጽል ኢዩ፡-

 

  • ጉጉይ ኣገባብ ምትሕንፋጽ ሰራዊት ግሃድኤን ምዲፍኤን፦
  • መስርሕ ምትሕንፋጽ ሰራዊት ድሕነትን ሰራዊት ም.ዲ.ፍ.ኤን  ብዝምልከት፦
  • ሕቡእ ወገናዊ ውደባ ኣብ ውሽጢ ግሃድኤ ኣንፈቱ ክቅልቀል እንክጅምር፦
  • ሕጋውነት ጻዊዒት ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፦
  • ኣዋጃስምረትግሃድኤንምዲፍኤን፦
  • ኣብምጅማርህጹጽኣኼባማእከላይባይቶንሓድነትንድሕነትንካብ’ቶም ንውድብናዝጠቕምዝቐረቡ ሓሳባት፦
  • ሕጋውነትህጹጽኣኼባማእከላይባይቶ፦
  • ኣብኣኼባናይዚተረኽቡን ዘይተረኽቡን ብምኽንያት ዘብኮሩንኣባላትኣስማት

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ”

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

14 ሰነ 2014

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8599

Posted by on Jun 17 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net