ንሕና’ውን እንብሎ ኣሎና ካልኣይ ክፋል

ensf banerኩቡር ኣንባባይ፡ ኣብ ትሕቲ “ንሕና’ውን እንብሎ ኣሎና” ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ንግ.ሃ.ድ.ኤ. ናብ ቅልውላው ዘእተወ ኩነታት ብወድዓዊ ትንተና ከነቕርብ ክንፍትን ኢና። ከም’ቲ ብዙሓት ሃገራውያን፡ ብፍላይ ድማ ክቡር ሓውና ኢሳያስ ኣስፋሃ ዝተላበዎ ኣብ ግምት ብምውሳድን፡ መትከላት ውድብና ድማ ብዓቢዩ ስለ ዘየፍቅዶን፡ ኣብ ውልቃዊ ምዝንጣልን ጸለመን ኣይክንኣቱን ኢና። ነቲ ኣብ ልዕሊ ውድብና ዝኸይድ ዘሎ ወፍሪ ጸለመ ግን ሓቅታትን ጭብጥን እናቕረብና ክንምክቶ ኢና። ምኽንያቱ እዚ ወፍሪ’ዚ ናብ ውድብና ዘቕነዐ’ኳ እንተመሰለ ነቶም ኩሎም እንሕበነሎም ሃገራዊ ክብርታትና ዝሃርምን ንሓድነት ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዝፈታተን ምኳኑን ንሕናን ካልኦት ብዙሓት ሃገራውያንን ዘስተባሀልሉ ጉዳይ ኢዩ። ኣባልትና’ውን ነዚ ጉዳይ ካብ ነዊሕ ኣስተባሂሎሙሉስ ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ብክብ ዝበለ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ክምክትዎ ጸኒሖም ኢዮም።

 

ግጉይ ኣገባብ ምትሕንፋጽ ሰራዊት ግሃድኤን ምዲፍኤን፦

 

ምደፍኤን ግሃድኤ ክልቴኣቶም መሓዙት ውድባት’ዮም። ምሕዝነቶምን ሓድነቶምን ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ምስ ዝኸውን ንክልቴኦም ይጠቕሞም። ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ምስ ዝኸውን ድማ ንክልቲኦም ክጎድኦም ናይ ግድን ኢዩ። ብዕለት 18 መጋቢት 2013 መሪሕነት ምደፍኤ ኣብ ዘውጽወኦ ውድባዊ መግለጺ “ ምደፍኤ ምስ ግንባር ሃገራዊድሕነት ኤርትራ ስሚሩ” ዝብል ዘይስሩዕን ዘይሓላፍነታውን ዘረባታት ይንዛሕ ብምህላዉ፡ መላእ ኣባላትን ደገፍትን  ውድብና ምደፍኤ ብፍላይ፡ ንሓፋሽ ህዝብታትና ድማ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ነዚ ዝንዛሕ ዘሎ መሰረት ዘይቡሉ ቢላቤሎው ግቡእሓብሬታ ክንህብ ተገዲድና ኣለና ’’ ይብል። መስመር ናትና’ዩ። ምዲፍኤ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ስሚሩ እናበልካ ዝዊረ ሓሶት ኢዩ ክብሎ ከም ዝጸንሑ ኩላህና ዝተኸታተልናዮ ኢዩ። ንሕና’ውን ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ እዚ ዝብልዎ ዘለዉ ሓቂ ኢዩ ንብል ነበርና፣ ምኽንያቱ ድማ፡ ዕላዊ ዝዀነ ምስ ምደፈኤ ናብ ፍጹም ሓድነት ንከብጽሕ ዝኽእል መሰርሕ ብደረጃ ሓጋጊ ኣካል ይኹን ብደረጃ ፈጻሚ ኣካል ይትረፍ ዶ ክውሰን፡ ዝምድናና ሓርፋፍ ምንባሩ ኢዩ ዝፍለጥ። ሰል’ዚ ኢዩ ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት 2013 ዝተጋበአ 2 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ድማ ምስ ምዲፍኤ ብዝተገብረ ይኹን፡ ወይ ክግበር ዝሕሰብ፡ ዝኾነ ውሳኔ ኣይወሰነን። ምስ ምዲፍኤ ክልተኣዊ ዝምድና ይምዕብል ኣሎ ኣይበለን። ምስ ምዲፍኤ እትዛተ ሽማግለ ዘተ መዚዝና ኣይበለን።  ብሓጺሩ፡ ብዛዕባ ምደፍኤ ብፍጹም ኣይተዛረበን። ስለ’ዚ ብሕጋዊ ኣዘራርባ ብወገን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ 2 ጉባኤ፡ ወይ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ወይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 2 ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ብዛዕባ ምደፍኤ ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ውሳኔ ኣይነበረን። ንኣብነት ሓው ዑቕባዝጊ ኣብ ትሕቲ መወከሲቍጽሪ ENSF/CO/0049/13 ብዕለት፡ 24/07/2013  ናብ ኣባላት መሪሕነት ግ.ሃ.ድኤ. ዝተላእከት ከም’ዚ ይብል፡ኣብዝሓለፊእዋንብዘይካጽቡቕናይጉርብትናዝምድናንገለምትሕግጋዝንከምኡውንጽቡቕድልየትናይዝጠበቐብሓባርምስራሕን፣ምስምንቅስቓስንደሞክራስንፍትሕን (ምደፍኤ) ብዝለዓለደረጃዘተተኻይዱከምዘይፈልጥብሩህእዩ። ጽንሕ ኢሉ፡ ኣብ’ዛ ዝተጠቕሰት መልእኽቲ ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ገሊጽዎ ዘሎ ሓቅታት ዝጋጮ ሓረጋት ፈነወ። ከም’ዚ ከኣ ይብል፡- “ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣሓት ውድባት ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራን (ምደፍኤ) ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን (ግሃድኤ) ዝተገበረ ልዝብን ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ስምምዕን  እዘን ክልተ ኣሓት ውድባት በቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጸንሔ ውህሉል ርክባትን ዝምድናታት መሰረት ብምግባር ዝምድናታቶም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰጋጊሩስ ናብ ተግባር ክቕየር ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ሒዞም ዕለት 12/07/2013 ካብ ሰዓት 12.00-15.00 ሰፊሕ ምርድዳእ ድሕሪ ምግባር ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተሰማሚዖም፣

 

1. ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ብዝምልከት ናይ ምጽፋፍን ብሱል ምትዕግጋብን ስለ ዘድልዮ ኣብ ጉዕዞና ብቀጻሊ

ክግበር። እዚ ማለት ክልቲኣቶም ውድባት ኣብ ሓደ መደብ ዕዮ ጸሚዶም ክሰርሑ ከም ዘለዎም ብሩህ እኳ እንተዀነ ብደቂቑ ተራእዩን ጸፊፉን ምእንቲ ክወጽእ ዕድል ክረክብ እኩል ግዜ ክወሃቦ።

2. ንናይ ክልቲኡ ሰራዊት ብዝምልከት እንተዀይኑ ግን ብዘይ ወዓል ሕደር ናይ ሓባር ጥቡቕ ምቅርራብን ልምምድን ክገብር፣ ካብ’ዚ ዕለት’ዚ ጀሚሩ ድማ ፍቱሕ ባይታ ተፈጢሩሉ ዕቱብ ንጥፈታት ክጅመር ከም ዘለዎ

3. ንሰራዊት ናይ ምጽንባር ስራሓት ክትኣሊ እትነጥፍ ኮሚቴ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተዛነቑ ኣባልነት ዘለዋ ናይ ሓባር መሪሕነት ሰራዊት ክትቀውም፣ ካብ ናይ ክልቲኡ ውድባት ዝምልከቶም መራሕቲ ከኣ መምርሕታታንት ትእዛዛታን ትቕበል 

4. እዚ ስምምዕ እዚ ድሕሪ ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣቦ-መንበራትን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ተራኺቦም ምጽዳቑን ክታሞም ምቕማጥን ኣብ ግብሪ ክውዕል

5. ኣድላዪ ምስ ዝኸውንን ጠለብ ካብ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ዝቐርብን ድማ ሰራዊት ብዘይ ዕንቅፋት ከም ሓደ ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ከም ዝምእዘዝ ምግባር

 

ምስ ምደፍኤ ብሕቡእ ዘተ ይካየድ ምንባሩ ፈጻሚ ኣካል ኣይፈልጦን ነይሩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓት ጥራይ ዝተገብረ ስምምዕ’ዚ፡ ብፈጻሚ ኣካል ከይጸደቐን፡ ፈጻሚ ኣካል ናብ ማእከላይ ባይቶ ከይቅረቦን፡ ሰፊሕ መሰረታት ውድብ መስርሑ ከይተኸታተሉን ኣብ ባይታ ሕልኽልኽ ዝበለ ሓዲሽ ክውንነት (Fait accompli) ንምፍጣር ብቕጽበት ኣብ ግብሪ ወዓለ። ከምቲ ኣብ ቁጽሪ (1) ተገሊጹ ዘሎ፡ ጉዳይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ምእንቲ ኣጽፊፍካ ንምቕራብ እኹል ግዜ ክወሃብ ከም ተወንዘፈ ይገልጽ። ናይ ክልቲኡ ውድባት ፈጸምቲ ኣካላት ብሕጋዊ ኣገባብ ከይተሰማምዑሉ ሕብረተሰብኣዊ ዝምድናታት ንቅድሚት ብምስራዕ፡ ናይ ክልቴኡ ውድባት ኣቦ መንበራት ብኢደ ወንነኦም ዕቅባዝጊ ላዕለዋይ ወተሃገራዊ መራሒ ክኸውን እንከሎ፡ ጥዑምዝጊ ሃይሉ ድማ ምክትሉ ብምግባር፡ ንሰራዊት ድሕነት ካብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ብግብሪ ወጻኢ ገበርዎ። ነዚ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ’ዚ ዝነቐፈ ኣባል ሰራዊት ድሕነት ዝስጎጕን ዝእሰርን ንሂወቱ ዝፈርሕን ኮይኑ። ነዚ ስርዒትን ሕጊ ውድብን ዘይተኸተለ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ዝለዓለ ቍጽሪ ካብ መሪሕነትን ዳርጋ ኩሉ መሰረታትን ውድብ ብትሪ ነቐፍዎ። ሓው ዑቅባዝጊ ካብ’ዚ እዋን’ዚ ጅሚሩ ኣብ ውሽጢ ውድብ ኣውራጃውነትን ወገንን ብቅልጡፍ ጎልቢቱ ንቕድሚት ክስጕም፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጸረ ሓድነት ዝብል ፕሮፓጋንዳዊ ጸለመታት ብጻዕቂ ክነዝሕ ጀመረ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ልዕሊ ንዕኡ ክነቕፍዎ ዝጀመሩ ኣባላት ውድብ፡ ካብ ግሃድኤ ወጻኢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ርኡይ ተጽዒኖታት ንክገብሩ ኣዋፈረ። ወዲ ከባቢኡ ዝኾነ ዝነቕፎ ሰብ እንተ ተረኺቡ ከኣ ከም ዝከደዐን ክሓስቦ ጽኒሑን ኣሎን።

 

መስርሕ ምትሕንፋጽ ክልተ ሰራዊት ብዝምልከት፦

 

ምትሕንፋጽ ሰራዊት ዝተፈጸመሉ አገባብ ኣብ 2 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ቀሪቡ። ብደገፍቱን ነቐፍቱን ሃናጺ ምይይጣት ተገይሩሉ። ብኡ መሰረት ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዓቢ ናይ ኣገባብ ጉድለት ከም ተፈጸመ ናይ ሓባር ገምጋም ኮይኑ። ማእከላይ ባይቶ ድማ ናይ’ዚ ዝተፈመ ጌጋ ሓላፍነት ንፈጻሚ ኣካል ኣሰከመ። ማእከላይ ባይቶ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ዝበጸሖ ገምጋም ዝስዕብ’ዩ፦

  • ክልቲኡ ውድባት ቅድሚ ናይ ፖሎቲካዊ ልዝብ ገይሩ አብ ናይ ምቅርራብ መስርሕ ዝበጽሕ: ነቲ ምትሕንፋጽ ብሰራዊት ምጅማሩ አብ አባላትና ምድንጋር  ዝፈጠረ ክብደት ብምስትብሃል፣
  • ዝተፈጸመ ናይ ሰራዊት ምትሕንፋጽ ብዘይ አብፍልጦ አባላት ማእከላይ ባይቶን አባላት ውድብን ብምንባሩ ዝፈጠሮ ሐደጋታት ብምስትብሃል፣
  • አብ ውሽጢ ውድብና ዝጸንሔ ሽግራት ከይአለና ካልእ አፍደገ ብምክፋት አብ አባላትና ዘስዓቦ ዘይቅሱን ሃለዋት ብምርአይ

ፈጻሚት አካል አብ አገባብ መስርሕ ምትሕንፋጽ ክልተ ሰራዊት ግሃድኤን መደፍኤን  አገባባት  ዝሳሐተ ፍጻሜ ምምባሩ ብምዕጋብ  ሐላፍነቱ ብምስካም ነቐፌትኡ  አልዒሉ።

 

ዑቅባዝጊ ኣመጻጽኣ ናይ’ዚ ዝተፈጸመ ጌጋ’ዚ ክገልጽ እንከሎ ቃል ንቃሉ፡ ‘’ንምደፍኤ ብዙሓት ሸነኻት ይሻምዉሉ ነይሮም። ንሕና ድማ ኣይንሓምቆ ኣይንሕሾ፡ ብጺሕትና ንውሰድ ኢልና ዝኣተናዮ ጌጋ’ዩ። ሓላፍነቱ ድማ ኣነ ይሕተተሉ’’ በለ። ናይ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ውሽጣዊ ትርጉሙ እዚዩ ሓደገኛን መርዛምን ወገናዊ መኣዝን ዝሓዘ ምዃኑ፡ ዝዀነ ሰብ ይስሕቶ ኢዩ ኣይንብልን ኢና። 

 

ኣብ’ዚ ገምጋም መሰረት ብምግባር ድማ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግ.ሃ.ድ.ኤ. እዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕለፈ፦

 

ንጉዳይተበጺሑዘሎናይሰራዊትምትሕንፋጽ

 

ብ አገባብ ምብጻሕ ናይ’ዚ ስምምዕ’ዚን ሓበሬታኣብ ምምሕልላፍን አገባብ ዝሰሐተ ርኡይመሪሕነታዊጉድለታት ከምዝነበሮ ርኢና።  ይኹን’ምበርመሰረታዊ  መትከላዊእምነትና፡ ሐድነት ተቓወምቲ ውድባት ብምርግጋጽ ሐደ ሐባራዊሰራዊት ምህናጽ ስለዝኮነን፡ ኣባላት ግንባርሃገራዊድሕነት ኤርትራ ብጽንዓት ንዓመታት ዝተቓለስሉን ኩቡር ዋጋዝኸፈለሉንስለዝዀነ፡ ብደረጃጉባኤ’ውንድልውነት ውድብናዘረጋገጽናዮ ጉዳይብምዃኑ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝአመሰለታሪኻዊመደምደምታ ምብጻሕና፡ ንዝተፈጽሙጉድለታት ኣብ ጐድኒ ገዲፍና፡

  • ተፈጺሙዘሎ ምጽንባርሰራዊት ክልቲኡ ውድባት ክንዕቅቦን ከነሕይሎን ከምኡ’ውን፣
  • ናብ ዝለዓለብርኪ ንምስግጋሩክልቲኡ ፖሎቲካዊመሪሕነታት ትዛተ ሽምግለብምውጻእ  እቲዝግባእናይ ሐድነት መስርሕ  ክብጻሐሉ ዝኽእል መንገዲክርከብሪኢና።
  • ልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ናብ’ዚ መኣዲስምረት’ዚ ከምዝሕወሱ ብምግባር፡ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈጉባኤና ዝወሰንናዮ ”ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝመሓደርሓደናይተቃውሞሰራዊት” ኣብምቛም፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ዕቱብ ቃልሲከነካይድ ሪኢና።

 

ስም ክልቲኡ ሰራዊትብዝምልከት

 

  • መጸውዒ ናይክልቲኡ ሰራዊትብዝምልከት አብ ክንዲሕድሪዝብል ስምንናይሐባር ዕላማንምዕዋትንቃለሰሉ ዘለና ፖሎቲካዊዕማምብዘንጸባርቅንካልኦት ሃገራውያንሐይልታት ብዝዕድምንክጽዋዕሪኢና።

 

ማእከላይ ባይቶ፡ ምትሕንፋጻዊ ሰራዊት ብግጉይ ኣገባብ ዋላ እንተፈጸመ ተቐቢልዎ’ዩ። ሕድሪ ዝብል ሽም ሰራዊት ግን፡ ናይ ክልቲኡ ውድባት ፈጻሚ ኣካል ብዝሰማምዑሉ ክቕየር ወሲኑ። ዝምድና ክልቲኡ ውድባት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሓድነት ንምብጻሕ ካዕባዊ ዘተ ንምክያድ ወሲኑ። እዚ ናይ ማእከላይ ባይቶ ውሳኔታት’ዚ ንዝደለኻዮ ክፋል ትወስደሉን፡ ዘይደለኻዮ ክፋል ድማ ትድርቢዮን ዘይኮነስ ጥምሮ ውሳኔታት’ዩ። ብሓንሳብ ይግለጹን ብሓንሳብ ይትግበሩን። ሓው ዑቅባዝጊ ግን፡ ካብ’ዞም ሰለስተ ውሳኔታት እዚኣቶም፡ ነታ ንሱ ዝደልያ ክፋል ብምውሳድ፡ ነታ ዘይደልያ ክፋል ካኣ  (ምቅያር ስም ሕድሪ) ንጎድኒ ገዲፉ፡ ብኣረዳድኣን ተግባርን ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ከዛብዕን ከከፋፍልን ክጥሕስን ጸኒሑ። ከምኡ’ውን ብዕለት 24 ሓምለ 2014 ምስ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ሳግም)፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣብ መንጐ ሰራዊትናን ሰራዊት ዲግሓኤን ዝተፈጥረ ምትፍናንን ዘይተደላዪ ግርጭትን ንምእላም፡ ሻውዓተ ዘነጥቢታት ዝሓዘለ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ዑቕባዝጊ ኣብ መሪሕነት ናይ ሰራዊትና ብዝነበሩ ገለ ገበርትን ሓደግትን ባእታታት ዝተገብረሉ ጸቕጥታት፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብኢደ ወነኑ ጠሓሶ። 

 

ሕቡእ ወገናዊ ውደባ ኣብ ውሽጢ ግሃድኤ ኣንፈቱ ክቅልቀል እንክጅምር፦

 

ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ሓው ዑቅባዝጊ ድቡስ ብዕለት 4 ታሕሳስ 2013  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣኼባ ጸዊዑ። ኣብ’ቲ ኣኼባ’ቲ ሰራዊት ሕድሪ (ከም ኣብሃህልኡ)፡ ኣብ’ቲ ኣብ 2 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝተወስደ ውሳኔታት ይኹን፡ ካብኡ ኣብ ዝተመርጸት ሓዳስ ፈጻሚ ኣካልን ዕግበት ከም ዘይብሎም ሓቢሩ። ብድሕሪኡ ተኽለ ኣማን፣ ኣብርሃም ተስፋገርጊስ፣ ኣብርሃም ኢያሱ፣ ክፍለዝጊ ገብረ መድህንን ፍሳሃየ ሃይሉን ሓደ ብድሕሪ’ቲ ካልእ ብምድግጋም፡ ኣብ’ዚ ውድብ’ዚ ትዕዝብቲ ኣሎኒ’ባ፣ ተዓቁቦ ኣሎኒ’ባ፣ ርእይቶይ ይመዝገበለይ’ባ ምባል ኣየድልየናን’ዩ። ንዓና ተፈራሒ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል’ዩ ዘድልየና፣  ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ንበይኑ ዝፈልጦን ዝመርሖን፡ እኹል ባጀት ዝስልዓሉን፡ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ምትእስሳር ዝገብርን፡ ዘይዳግም ቅልጡፍ ውሳኔ ዝወስድን፡ ምስጥራዊ ጸጥታዊ ኣካል ክህልው ኣሎዎ ቢሎም። ናይ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ቁምነገር፡ ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኣባላቱ ውድባዊ ጽፍሕታቶም ብዘየገድስ ብዝተፈላልዩ ኣገባባት ዘርዕድን ዘሽብርን፡ ዝቕንጽልን፡ ኣብ ደገ ነዊሕ ስላዕ ዝዝርግሕን፡ ሕቡእ “ሓለዋ ሰውራ” ምውዳብ’ዩ። ብንጹር ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ግሃድኤን ካብ ቅድሚ 2ይ ጉባኤ ውድብ ኣትሒዙ ዝቝመ ምስጢራዊ ውደባ፡ ንምሕያል ዝዓለመ ኢዩ። ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ትሕዝቶ ካኣ ናይ እንኮ ሰብኣይን ሓደ ኣተሓሳስባን ዲክታቶርነትን ዘስርጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ሓደ እንዳ ዕብለላ ከረጋግጽ ዝህቅን ሓደገኛ ኣሰራርሓን ጸረ ዲሞክራሲን ’ዩ።

 

ሃብተማርያም በርሀ ጸረ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘቕነዐ መጥቓዕቲታት ብውሽጥን ብደገን ካብ’ቶም ዘወሃህዱ ቀንዲ ባእታ’ዩ። ‘’ ኣብ’ዚ ውድብ’ዚ ብዘይካ ሰራዊት ሕድሪ (ከም ኣበሃህላኡ) ካልእ ዘገዲሰኒ ኣይኮነን ’’ ብምባል፡ ኣብ ዓዲ ግራት ፈጻሚት ኣካል ዘይትፈልጦ ሒሳብ ባንክ ብምኽፋትን፡ ንብረት ግሃድኤ ብኢደ ወነናኡ ምስ ናይ ምዲፍኤ ብምሕዋስን፡ ጸረ ውሳኔታት 2 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብጋህዲ ክሰርሕ ጀመረ። ከምኡ’ውን “ እዚ ውድብ’ዚ ከም ዘሎዎ ክቕጽል ዘይኮነስ ዘሎዎ፡ ቀምቂምካ ቀማቒምካ ብዝደለናዩ ኪንመርሖ ብእንኽእል ኣገባብ ዳግማይ ክውደብ ኣሎዎ ” ብተደጋጋሚ ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ሕድሕድ ምጥርጣራት ከም ዝዓሙቕ ክገብር ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ውድብ ምስ ሕገ ህንጻ ዝጻረር ቀይዲ በተኻዊ ኣሰራርሓ ሳዕሪሩ ምህላዉ’ውን ይእምን’ዩ። ካብ ጽሕፋቱ ቃል ንቃሉ ንምጥቃስ፡ “ ብፍላይ ድማ ኣሰራርሓና ኣብ ውሽጣዊ ሕጊ ህንጻ ዝተሞርኮሰ ኣሰራርሓ ንኽተል የሎናን ” ይብል። መሰመር ናትና’ዩ። ኣማን ብኣምን ሓቁ’ዩ። ሕገ ህንጻ ኣብ ምጥሓስ ንሱ ቀዳማይ’ዩ። ከምኡ’ውን ጥዑምዝጊ ሃይሉ ኣቦ መንበር ምደፍኤ ወገናዊ ኣሻራዊ መርገጺ ብምውሳድ፡ ኣንጻር ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ወፍሪ ጸለመታት ካብ ምክያድ ሓሊፉ፡ ንገለ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ስጋ ኣርባዕተ ደቀይ ክቀትለካ’የ እናበለ ብቅትለት ከፈራርሕን ክመሕልን ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ምስ ግሃድኤ ይሰምር ኣሎኹ ዝብል ኣቦ መንበር ምደፍኤ ካብ ዑቅባዝጊ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘሎዎም ኣባላት ግሃድኤ ዘጸልምን ሽም ዘጥፍእን ብቅትለት ዝህድድን‘ዩ። እዚ ጠባይ’ዚ ንሓቀኛ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ዘገልግል ከምዘይኮነ ኣብ መስርሕ ተራእዩ ኢዩ።

 

እዚ ጉጅለ’ዚ እንተ ተኻኢልዎ ብጸቢብ ዝንባሌታት ንግሃድኤ ምዕብላል፡ እንተዘይተኻኢልዎ ንምፍራሱ ኣንጊሁ ዝተላዕለሉ ዕላምኡ ንምስላጥ ዝተኸተሎ ተኣላዪ መስመሩ ክጋሃድ ጀመረ። ስለዝኾነ ድማ፡ መብዛሕቲኦም ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ምስ ውሳኔታት ማእከላይ ባይቶ ንዘጻረር ኣካይዳ ዑቅባዝጊ ድቡስ ብጋህዲ ኪነቕፉ ጀመሩ።

 

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ነቲ ናይ ዑቅባዝጊ ኣግላልን በይናዊ ኣካይዳን ብዝተኻእለ መጠን ንምግታእ ዝዓለመ ካብ ዕለት 5 ክሳብ 8 ለካቲት 2014 ህጹጽ ኣኼባ ኣካየደ። ኣብ ውሳኔታት 2 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ምርኩስ ብምግባር ጥምሮ ውሳኔታት ድማ ውሲኑ ወጸ። ብድሕሪኡ ዑቅባዝጊ ብቐጥታ ኣንጻር ፈጻሚ ኣካልን ውሳኔታት ህጽጽ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካልን እንዳውን ቤተ-ሰባውን ጎስጓስ ብቕሉዕ ከከይድ ጀመረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዕለት 9 ለካቲት 2014 ብሽም “መግለጺ ሰራዊት ሕድሪ’’ ዝወጸ መግለጺ ኣንጻር ፈጻሚ ኣካል ዘቕነዐ፡ ንህጹጽ ኣኼባ ፈጻሚት ኣካልን ውሳኔታቱን ዘይሕጋዊ’ዩ ብምብል ዝወጸ ኣዋጅ ርኢና። ብዕለት 20 ለካቲት 2014 ፈጻሚ ኣካል፡ ነቲ ብሽም ‘’ሰራዊት ሕድሪ’’ ዝወጸ መግለጺ ዘይስርዒታዊ’ዩ ብምባል ብትሪ ነቐፎ። ውድባዊ ቅልውላው ከኣ ኣብ ሰጥሒ ወጸ።  

 

ዑቅባዝጊ ነቲ ናይ ገለ ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ነቐፌታ፡ ነቲ ምስ ገለ ኣባላት ጠጂእዎ ዝነበረ ቅሉዕ ሽርሓዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝገትእ ዕንቅፋት ገይሩ ወሰዶ። ኣብ ቕድሚኡ ንናይ እንኮ ሰብኣይ ትምክሕታዊ ጸረ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ኣፍደገ ንምኽፋት ጥጡሕ ዕድል ንክረክብ፡ ንተጋደላይ ገዛኢ ኪዳነ ኣደስከሎን፡ ናይ ህግደፍ ስለያ ከይከውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጥርጥሮዎ’ዩም ዝብል ጸለመ ምሂዙ ሽሙ ንከካፍኦ ዘይፈንቀሎ እምኒን ዘይዘረዎ ሓሶትን ኣይነበረን። እዚ ጸለመ’ዚ ቦታ ከም ዘይብሉን፡ ነዚ ውሳኔ ድስከላ’ዚ ከልዕሎን ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚት ተማሕጸንዎ። ንሱ ግን ጸማም እዚ እናሃበ፡ ተፈራሒ ኣቦመንበር ንምዃን ኣብ ክንዲ ሓባራዊ ኣሰራርሓ በይናዊ ኣሰራርሓ ኣዘውተረ። ገለ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ምስኡ ምስራሕ ይካኣል ከምዘየሎ ብግሉጽ ሓበርዎ። እቲ ኩሉ ዝቐረበ ምሕጽንታን ነቐፌታን ጸማም እዝኒ ብምሃቡ፡ ጥሕሰት ሕግን መሪሕነታዊ ውሳኔታትን መዓልታዊ ተግባረይ ኢሉ ስለ ዝተሓሓዞ፡ ስሰለስተ ኣባላት ፈጻሚት ካብ ሓላፍነቶም ተሰናበቱ። ካብ ሻውዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት፡ ሓደ ኣባላ ብወሳኔ ኣቦመንበር ክድስክል እንክሎ፡ ሰለስተ ኣባላታ ድማ ምስ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ብሓባር ምስራሕ ኣይከኣልን’ዩ ብምባል ካብ ፈጻሚት ተሰናቢቶም። ከምኡ’ውን ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ውድብ፡ ናብ ዑቕባዝጊ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ወትሃድራውን ጸጥታውን ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ወሲድዎ ዘሎ ናይ ምድስካል ውሳኔ ብቕጽበት ክስሕቦን፡ ምስ ምደፍኤ ዝኸተሞ ናይ ሓድነት ስምምዕ ክሳብ ውሽጣዊ ኩነታት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዝረጋጋእ ኣደስኪልዎ ክጸንሕን ሓቲትዎ። ነዚ’ውን ጸማም እዝኒ ሃቦ።  ብስንኪ’ዚ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ሕጋዊ ምልኣት ተሰብረ። ግሃድኤ ብግብሪ ሕጋዊ ፈጻሚ መሪሕነት ዘይብሉ ኮነ። ባዶነት ስልጣን ተፈጥረ። ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዋላ ብግዝያውነት ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ክመዝዝ ሕገ ህንጻዊ ስልጣን የብሉን። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ንባዕሉ ካብ ማከላይ ባይቶ’ዩ ዝምረጽ። ሕገ ህንጻ ዓንቀጻ (21) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንኡስ ዓንቀጽ(ለ)(5) “ ምርጫታት ሰክሪታርያ ማእከላይ ባይቶን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን ብምስጢራውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ይካየድ” ይብል። መስመር ናትና’ዩ። ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ክኾኑ ንዝረኣዮም ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሓጽዩ ናብ ማእከላይ ባይቶ የቕርብ። ማእከላይ ባይቶ ድማ ኣጽኒዑ የጸድቕ። ሕገ ህንጻ ዓንቀጽ (21) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንኡስ ዓንቀጽ (ለ)(6) ‘’ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ሓጽዩ ናብ ማእከላይ ባይቶ የቐርብ። ማእከላይ ባይቶ ድማ ኣጽኒዑ የጸድቕ ‘’ ይብል።  መስመር ናትና’ዩ። ሕገ ህንጻ ግ.ሃ.ድ.ኤ.፡ ንኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል፡ ኣባላት ፈጻሚት ዝኾኑ ሓጽዩ ከቕርብ መሰል ክህቦ እንከሎ፡ ንሱ ሓጽዩ ዘቕረቦም ኣባላት ፈጻሚት ክኾኑ፡ ወይ ዘይክኾኑ ድማ ዘጸድቕ ስልጣን ድማ ንማእከላይ ባይቶ ሂብዎ። ስለ’ዚ ካብ ቀዳምይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ክሳብ 2 ኣኼባ ማእከልይ ባይቶ ብማእከላይ ባይቶ ዘይጽደቐሉ ብኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ዝተመዘዘ ኣባል ፈጻሚት ከም ዘይነበረ ዝተፈልጠ ኢዩ።

 

ሕጋዊነት ጻዊዒት ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፦

 

ኣብ ፈጻሚ ኣካል ባዶነት ምስ ተፈጥረ፡ ውድብ ካብ ሕንሽፍሽ ንምድሓን ሓው ኢብራሂም ገደም ኣቦ መንበር ኮምሽን ምቝጽጻርን ምጽራይን ኣብ ግዜ ሓዘን ስዉእ ኣሕመድ ናስር፡ ምስ ሓው ዑቅባዝጊን ሓው መሓመድ ሳዒድ መፍለስን ኣቦመንበር ብምርኻብ፡ ክሳብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝግበር፡ ውድብ ካብ ናይ ባዶነት ስልጣን ንምውጻእ ዝዓለመ ክልተ ግዝያዊ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ሓሳባት ኣቕረበሎም።

 

ቀዳማይ ግዝያዊ መፍተሒ ሓሳብ፦

ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን ዘማእክልዋ፡ ንውድብ ብግዘያውነት እትመርሕ ግዝያዊት ሽማግለ ምቋም። ነዚ ሓሳብ’ዚ  ዑቅባዝጊ ኣይተቐበሎን።

 

ካልኣይ ግዜያዊ መፍተሒ ሓሳብ፦

ዑቅባዝጊ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ኪዳነ ዝወሰዶ ናይ ምድስካል ውሳኔ ከልዕሎን፣ ነቶም ካብ ሓላፍነቶም ባዕሎም ዝተሰናበቱ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዝነበሩ ውሳኔኦም ስሒቦም ናብ ስርሖምን ሓላፍነቶምን ክምለሱ ንምዕጋብ ምጽዓር። ዑቅባዝጊ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ዝወሰዶ ውስኔ ምልዓል ኣበየ።

 

ኣብ ርእሲ’ዚ ኢምቢታ’ዚ፡ ምስ ሕገ ህንጻ ዝጻረር ውሳኔ፡ ብኢደ ወነናኡ ንገብረሚካኤል ኣስካለን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ክኾኑ መዘዞም። ንግሃድኤ ካብ ሓደጋ ስልጣን ኣልቦነት ብግዝያውነት ንምውጻእ ዝተፈተነ ሰናይ ጻዕርታት፡ ብስንኪ ነቓጽ መርገጽ ዑቅባዝጊ ፈሽሉ።

 

ሓው መሓመድ ስዒድ መፍለስ ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ፡ ንውድብ ካብ ምብትታን ንምድሓን ዝዓለመ ህጹጽ ኣኼባ ማከላይ ባይቶ ንዕለት 4 ግንቦት 2014 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ፡ ጻዊዒት ኣኼባ ብዕለት 14 መጋቢት 2014 ናብ ኩሎም ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ለኣኸ።  ዑቅባዝጊ ንጻዊዒት ህጹጽ ኣኼባ ማከላይ ባይቶ ኣብ ጽሑፋቱ ቃል ንቃሉ ክገልጾ እንከሎ፡ “…..እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ኣኼባ ዘይስርዒታውን ዘይቅቡልን ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓጺር ኣተሓሳስባ ዝተጠቐዑ ንኣዝዩ ሓጺር ዝኾነ ዕላም ንምርግጋጽ ዝብልዎ ስለ ዝኾነ እዚ ኣኼባ’ዚ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ከም ዘይፈልጦ የረጋጽ“።  እዚ ካኣ  ከም ኣገላልጻኡ እዚ ኣኼባ ዘይሕጋውን ናይ ትሕተ ሃገራውያንን ምትእኽኻብ ማለቱ’ዩ። ገለ ካብ ደገፍቱ ድማ እዚ ኣኼባ’ዚ ናይ ኣስላም’ዩ ዝብል ብጽሑፍ ናብ መሪሕነት ባይቶ ከይሓፈሩ ሊአኹም ኢዮም። እዚ ዝኽሰሰ ዘሎ ማእከላይ ባይቶ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ከልተ ግዜ ብምሉእ ድምጺ ዑቕባዝጊ ኣቦ መንበር ክኸውን ዝመረጸ ምዃኑ ዝዘንግዖ ይመስሉ። ወይ ድማ፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ገስገስቲ ሃይማኖታዊ ስምዒቶም ዝሓኸኹ፡ ሕጂ ከኣ ሃይማኖታውያን ኮይኖም ማለቶም ዲዩ??? ብጣዕሚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዝዀነ በታኒ ኣተሓሳስባ ክትሪአ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ።

 

ሕጊ ህንጻ ግሃድኤ ምስ እንምልከት፡ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝጽውዑ ስለስተ ወገናት’ዮም። ንሳቶም ድማ፡- ቀዳማይ ወገን፡ ኣቦመንበር ማእከልይ ባይቶ፣ ካልኣይ ወገን፡ ሓደ ሲሶ ካብ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፣ ሳልሳይ ድማ ፈጻሚ ኣካል። ሕገ ህንጻ “ዓንቀጽ (21) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንኡስ ዓንቀጽ (ለ) (3) ህጹጽ ኣኼባኡ ብጻዊዒት ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ፣ ወይ ብጠለብ ሓደ ሲሶ ካብ ኣባላቱ፣ ወይ’ውን ብጠለብ ፈጻሚ ኣካል ይካየድ” ይብል።

 

 

ኣብ ዝመጽእ ሓተተና ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርእስትታት ከነብርህ ኢና፡-

  • ኣዋጃስምረትግሃድኤንምደፍኤን፦
  • ኣብምጅማርህጹጽኣኼባማእከላይባይቶንሓድነትንድሕነትንካብ’ቶም ንውድብናዝጠቕምዝቐረቡ ሓሳባት፦
  • ሕጋውነትህጹጽኣኼባማእከላይባይቶ፦
  • ኣብኣኼባናይዚተረኽቡን ዘይተረኽቡን ብምኽንያት ዘብኮሩንኣባላትኣስማት

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ”

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

21 ሰነ 2014

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8635

Posted by on Jun 22 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net